ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝረአ ዘሎ ወጥሪ፡ ኣብ ዞባና ዝዓበየ ኣጀንዳ ኮይኑ’ሎ። ብዛዕባዚ ዞባና ኣፍልጦን ተመኩሮን ዘለዎም ፖለቲከኛታትን ትካላትን ካብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዓለም እዚ ወጥሪ “ናብ ውግእ ክዓርግ ይኽእል’ዩ” ዝብል ኣስጋኢ ግምት ኣለዎም። ውሑዳት፡ “ኣፍኩም ይስዓር” እንብሎም ወገናት ግና፡ “እዞም ዝፈኻኸሩ ዘለዉ መንግስታት ካብ ዘቤታዊ ኣጀንዳኦም ክሃድሙ እምበር እቲ ምውጣጥ ናብ ውግእ ኣይከዕርግዎን’ዮም፡” ዝብል ግምት ኣለዎም። ኣብ ርእሲ’ዚ እቲ ብቐጻሊ ዝለዓል “እንታይ እዩኸ ኣራኺብዎም?” ዝብል ሕቶ እዩ።
ናይቲ “እንታይ እዩ ኣራኺብዎም?” ዝብል መሰረታዊ ሕቶ መልሲ፡ ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝቐርብ ዝተፈላለየ ትሕዝቶ ዘለዎ’ኳ እንተኾነ፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ብቐጻሊ ዝቐርብ ክቱር ህርፋን ኣፍ ደገ ባሕሪ ኣሎ። ብወገን ኤርትራ ግና ብዛዕባዚ ኣሻቓሊ ኮይኑ ዘሎ ኣጀንዳ፡ ብዘይካቲ ብሚኒስቴር ዜና ሓሓሊፉ ኣብ ማሕበራዊ መዲያ ዝወጽእ ዝተቆራረጸ ሓሳብ፡ ስሩዕን ቀጻልን መብርሂ የለን። እዚ ማለት ግና ምምሕዳር ህግደፍ በቲ ኩነታት ይሰግእ የለን ማለት ኣይኮነን። ድሌት መንግስቲ ኢትዮጵያ ዋላ’ኳ ብሓደ ሓደ ወገናት ዘይምልክዑ ኣትሒዝካን ኣጸባቢቕካን ክቐርብ ዝፍተን እንተኾነ፡ መሰረታዊ ትሕዝተኡ፡ “ልኡላውነት ሃገር ደፊርካ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ምውናን ምዃኑ” ብልሳን ዝለዓሉ መራሕቲ ናይቲ መንግስቲ ተደጋጊሙ ዝበሃል ዘሎ ጋህዲ እዩ። እቲ ጠመተ ናብ ገማግም ባሕሪ ካልኦት ሃገራት ዘይኮነ፡ ናብ ኤርትራ ዝዓለመ ምዃኑ ከኣ፡ እቲ ብሓለፍትን መዲያታትን ኢትዮጵያ ክኮማሳዕ ዝውዕል ወደብ ዓሰብን፡ ነቲ ኩነታት ምስ ዝሓለፈ ፖለቲካዊ ታሪኽ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንም እስሳሩ ህርድግ ምባልን እኹል መረጋገጺ እዩ።
ኢትዮጵያ ምስ ብዙሓት ኣፍደገ ባሕሪ ዘለወን ሃገራት እትዳወብ ስለ ዝኾነት፡ ሕቶኣ ከም ናብ ኤርትራ ጥራይ ዘየቕነዐ ሓፈሻዊ ጠለብ ኣምሲልካ ከተቕርቦ ምፍታን’ውን ኣሎ። እዚ ግን፡ “ወደብ ዓሰብ ናይ ኢትዮጵያ ኮይኑ ኣይፈልጥን” ዝብል ሓረግ ትደጋግም ኮንካ ከተብቅዕ፡ ንመዕሸዊ ዝመሃዝ፡ ካብ ክውንነት ሓቅን ዝረሓቐ ምስምስ እዩ። እዚ ድፍረት ነቲ ኤርትራ ኣብዚ ዘላቶ ደረጃ ልኡላውነት ንክትበጽሕ ህዝባ ዘካየዶ መሪር ቃልስን ዝረኸበቶ ዓለም ለኻዊ ተቐባልነትን ዘንጊዕካ፡ ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብተን ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን 44 ሃገራት ዓለም ንክትከውን ዝገበረ፡ ሸርሒ ዝተሳዕረ ኢትዮጵያዊ ምምሕዳር ከም ዝኾነ ኣምሲልካ ዝቐረብ ኣዝዩ ስስዕቲ ዝመልኦ ጠቐነ እዩ።
እቲ ካልእ ድሌት ኢትዮጵያ፡ ብንጹር ኣገልግሎት ወደብ ንምርካብ ዘይኮነ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ንምውናን ምዃኑ ዘርኢ ግሁድ መርተዖ፡ ኣብቲ ዝሕለም ኣፍደገ ባሕሪ፡ እተስፍሮ ሓይሊ ባሕሪ ትዕልምን ተዕጥቕን ምህላዋ ደጋጊማ እትገልጾ እዩ። መራሕታ’ውን ኣብ ቀረባ ግዜ “ኣባል ማሕበረሰብ ቀይሕ ባሕሪ ክንከውን ኢና” ክብሉ ይስምዑ እዮም። ስለዚ ድሌት ኢትዮጵያ ኪኖ ኣገልግሎት ወደብ ዝምጠጥ፡ መንቀሊኡ ዘይሕጋውን ልኡላውነት ዝግህስን ስለ ዝኾነ፡ ክሳራ ከስዕብ እንተዘይኮይኑ፡ ከምዘይሰምር ርዱእ እዩ። ህርፋን ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ናብ ጅቡቲ’ውን ቀሪቡስ ኣብዚ ቀረባ ግዜ “ጅቡቲ ክሪም ኣይኮነትን” ብዝብል ዘየወላውል ምላሽ ከም ዝተነጽገ ናይ ቀረባ ፍጻመ እዩ።
ኢትዮጵያ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ንክትውንን እትመርኮሰሉ መርተዖ፡ ከምቲ “ወዮ ተቓሊስናስ ተዋዲቕና” ዝበሃል፡ ነቲ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ገዛእቱ ስርዓታት ኢትዮጵያን ዝነበረ እሞ ብምርግጋጽ ልኡላውነት ኤርትራ ዝተዓጽወ፡ ፋይላት ንድሕሪት ተመሊስካ ምግንጻል እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ቅድሚ ኣህጉራዊ ሕግታት ኮነ ሕበረተሰብ ዓለም ቦታ ዘይወሃቦም ምኽንያታት ብምጽፍጻፍ፡ “4 ሚልዮን ዘይመልእ ህዝቢ ዘለዋ ኤርትራ 2ተ ወደባት ክህልዋ፡ ከመይ ኢላ ልዕሊ 100 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ ወደብ ኣልቦ ትኸውን?” ዝብል ሕቶ ክቐርብ ምስማዕ’ውን፡ ልሙድን ዘገርምን ኮይኑ ኣሎ። ኢትዮጵያ “ቅልጡፍ ቁጠባዊ ዕቤት ተርኢ ዘላ ሃገር ስለ ዝኾነት፡ ብዝኾነ መንገዲ ኣፍደገ ባሕሪ ክትውንን ናይ ግድን እዩ” ዝብል ከኣ ናይ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን “ግጉይ መውጽእ ኣፍ” ኮይኑ ዘሎ እዩ። ነቲ ኮለል ንምሕጻሩ እምበኣር፡ ሎሚ ናብ ቅድመ-ምክፍፋል ኣፍሪቃ ብኤውሮጳውያን ተመሊስካ፡ ንኣፍሪቃ ናብቲ ብልዕሊ 10 ሺሕ ምምሕዳራዊ ክልታት ተኻፋፊላትሉ ዝነበረት መዋእል ምምላሳ ሰለ ዘይከኣል፡ ነቲ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ብ1963 ዝበጸሖ ስምምዕ ኣኽቢርካ ካብ ምቕጻል ካልእ መተካእታ የለን።
“ኢትዮጵያ ብኸመይ እያ ወናኒት ኣፍደገ ባሕሪ ክትከውን ትውጥን ዘላ?” ዝብል ድማ ካልእ ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ እዩ። ኣብዚ’ውን ነቲ ሓቀኛ ድሌት ንምሽፋን ብዙሓት ውጥም ቅልቅል ዝብሉ ብሂላት ኣለዉ። እቲ ዝያዳ በሪኹ ዝስማዕ ከኣ “እንተተኻኢሉ ብሰላማውን ብዲፕሎማሲያውን መንገዲ፡ ብኸምኡ እንተዘይሰሊጡ ከኣ ብዝኾነ ኣገባብ” ዝብል ናብ ሓይሊ ዝመጣጠር እዩ። ብላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ “ወተሃደራት ብጻዕቂ ነሰልጥንን ኣጽዋር ንሽማትን ዘለና፡ ነቲ ኣጋጢሙና ዘሎ ንኡስ ዘቤታዊ ጐንጽታት ንምዕጋስ ዘይኮነ፡ ካብኡ ንዝዓበየ ተልእኮ’ዩ” ክበሃል ብተደጋጋሚ ዝተሰምዐ እዩ። እዚ ዘረደኦ ምውናን ኣፍደገ ባሕሪ ብቐጥታ ልኡላውነት ስለ ዝግህስ፡ ብዲፕሎማሲ ናይ ምፍታሕ ዕድሉ ጸቢብ ብምዃኑ፡ ናብ ምጥቃም ሓይሊ ከም ዝወስድ ኣዝዩ ተገማቲ’ዩ። “ንኤርትራ ከም ጋዛ ክንገብራ ኢና” ዝተባህለሉ ኣጋጣሚ’ውን ዝርሳዕ ኣይኮነ። “ባህላዊ በዓል ኦሮሞ እርቻ ኣብ ዓሰብ ከነኽብሮ ኢና” ዝተባህለሉ ኣጋጣሚ ምንባሩ’ውን ሸለል ኢልካ ዝሕለፍ ከምዘይኮነ ምግንዛብ ኣገዳሲ እዪ።
ኣብዚ ኣብ መንጎ ክልቲኦም መንግስታት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ዝዓርግ ዘሎ ወጥሪ፡ ግደ ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ከም ዝኸውን ምርኣዩ ኣገዳሲ እዩ። ብመሰረቱ ንልኡላውነቱ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ ብምዃኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንፈንጠርጠር ኢትዮጵያ ብፍሉይ ትኹረት ክጥምቶ ናይ ግድን’ዩ። እንተኾነ ህግደፍ ግደ ህዝቢ ዕዙዝ ክነሱ፡ ግቡእ ግምት ስለ ዘይህቦ፡ ብታሕቲ ታሕቲ እንተዘይኮይኑ፡ ብዛዕባ’ዚ ዓብይ ጉዳይ እንታይ ይበሃልን ይግበርን ከምዘሎ፡ ንህዝቢ ዝህቦ ሓበሬታ ካብቲ ክኾኖ ዝነበሮ ንታሕቲ’ዩ። እዚ ከኣ ህግደፍ ከምቲ ልማዱ ናብ ውግእ ካብ ምጥባስ ሓሊፉ፡ ንግደ ህዝቢ ግቡእ ግምት ዘይህብ ምዃኑ ዘርኢ እዩ። “ውግእ እንተተኸፊቱ፡ ህግደፍ’ውን ሓቢሩ ይወድቕ እሞ፡ ብኡንብኡ ሕቶ ለውጢ ህዝቢ ኤርትራ ይምለስ”፡ ዝብሉ የወሃት ወይ ጐረሓት ይስምዑ እዮም። ኣብዚ እቲ መሰረታዊ ለውጢ ናይ ምምጻእ ሓላፍነት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑን ውጽኢት ለውጢ ከኣ ንባህጊ መምጽኢኡ ከም ዝመስልን ምግንዛብ ኣገዳሲ እዩ።
እንተ’ቲ ብዛዕባ ኣገልግሎት ወደብ ዝምልከት፡ “ኢትዮጵያን ደላይት ኤርትራ ከኣ ተዓባይት” ዝኾናሉ ዘይኮነ፡ ብኣህጉራዊ ሕግን ናይ ኣጠቓቕማ ውዕልን እናተቐለሰ፡ ብማዕረ ዘርብሐን እዩ ዝኸውን ዝግባእ። ኣብ መወዳእታ’ውን እቲ መፍትሒ ዘይሩዘይሩ ኣህጉራዊ ተቐባልነት ብዘለዎ ሕጋዊ ስምምዕ እምበር፡ ብሓይሊ ዝዛዘም ከምዘይከውን ዘጠራጥር ኣይኮነን።
ኣብዚ እዋንዚ ካብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዓለም ወረ ውግእ ኣብ ዝስመዓሉ ዘይቅሱን ህሞት ኢና እንርከብ ዘለና። እዚ ዘየቕስን ወረ ብፍላይ ኣብ ከባቢና ኣዝዩ ዝንህር ዘሎ እዩ። ናይዚ ስግኣታት ቀንዲ ጠንቅን ካብ ኣመጻጽእኡ ጀሚርካ ዝሕተትሉን ዘይሓላፍነታውያንን ስሱዓትን መንግስታት ምዃኖም ዝከሓድ ኣይኮነን።
እቲ “መጻእኩ” ዝብል ዘሎ ስግኣታት ውግእ፡ ብውሕዱ ክልተ መልከዓት ኣለዉዎ። እቲ ሓደ መልክዑ ኣብ መንጎ ጐረባብቲ ሃገራት ዘሎ ምውጣጥን ምክሳስን ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልእ ገጹ ከኣ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ኣብ ውሽጣ ትሕመሶ ዘሎ ወጥሪ እዩ። ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን፡ ኣብ መንጎ ሱዳንን ቻድን ኣብ መንጎ ግብጽን ኢትዮጵያን ዘሎ ናብ ዝገደደ ከይዓርግ ዘስግእ ምፍጣጥ ናይቲ ኣብ ሕድሕድ እተን ሃገር ዘሎ ወጥሪ መርኣያ እዩ። እተን ዘይጠቐስናየን ሃገራት ከባቢና እውን መምስ ጐረቤተን ዘለወን ዝምድና “ዘቕስን” ኣይኮነን።
ናይዘን ሃገራት ዘይቅሱን ሃለዋትን ዝምድናን ካብኣተን ጀሚሩ ኣብኣተን ዝውዳእ ዘይኮነ፡ ካብ ርሑቕ፡ በብናቶም ሕሳብን ረብሓን ዘንቀሳቕስወን፡ ዘዕጥቕውንን ዘስንቕወንን ሓያላትን ሃብታማትን ሓይልታት ኣለዉ። እምብዛ ርሑቕ ከይከድና ኣብ ጉዳይ ከባቢና፡ ሳዑዲ ዕረቢያን ሕቡራት ዓረብ ኢማራትን ኣብ ምግዳድ ኣስማተን ተደጋጊሙ ክጥቀስ ልሙድ ኮይኑ ዘሎ እዩ። ንሃገርናን ጐረባብታን ዝመርሑ ዘለዉ መንግስታት ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተለኣኣኽነት ንክወድቁ ናይተን ሃገራት ቁጠባዊ ድኽነት ግደ ኣለዎ። እቲ ቀንዲ ግና ንዓሚቕ ትርጉም ናይቲ ብምክኣልን ምጽውዋርን ዘተግበር፡ “ኣብ ክንዲ ተጐራሪሕካ ዓዲ ምፍራስ፡ ተገራሪህካ ዓዲ ምህናጽ” ክቕበሉ ቅሩባት ዘይምዃኖም እዩ።
እቲ ካልእ ገጽ ናይቲ ጸገማት፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ እተን ሃገራት ዘሎ ኩለ-መዳያዊ ቅልውላውን ናይ ሕድሕድ ውግኣትን እዩ። ኣብ ኤርትራ ድምጺ ጥይት ስለ ዘይስማዕ ጥራይ፡ ገሊኦም ብገርሂ ገሊኦም ድማ ብጉርሒ “ኤርትራ ኣብዚ ከባቢ ናይ ሰላምን ቅሳነትን ኣብነት’ያ” ከም ዝብልዎ ዘይኮነ፡ ካብ ውሽጣዊ ቅልውላውን ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያትን ነጻ ከም ዘይኮነት፡ ነቲ ብስዉር ዝጠፍእ ህይወትን ንብረትን ገዲፍካ፡ እቲ ንለውጢ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ቃልሲ መስካሪ እዩ። እዚ ከኣ ዘተኣማምን ሰላም ተኲሲ ብዘይምህላው ጥራይ ዝግለጽ ከምዘይኮነ ዘረድእ እዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ብኣርባዕቲኡ ማእዝናት ዝካየደ ዘሎ ውግእ ሕድሕድን ቁጠባዊ ድቀትን ዘውርዶ ዘሎ ክሳራን ዘሕድሮ ዘሎ ስግኣትን ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኻት ከይተረፈ ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ እዩ። ኣብ ሱዳን ዘሎ ምትህልላቕን ዘኸተሎ ዘሎ ናይ ሰባት ምምዝባልን ከምኡ እውን ናይ ትሕተ-ቅርጻ ዕንወት ምግማቱ ዘጸግም ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። ጽልዋኡ ናብ ኤርትራ ከይልሑኽ እውን ዘስግእ’ዩ። ሶማሊያ በቲ ሓደ ወገን ኣብ መንጎ ማእከላይ መንግስትን ክልላትን ዘሎ ምስሕሓብ፡ በቲ ካልእ ድማ ምስ ኣልሸባብ ዘለዋ ምትሕንናቕ ካብ ዓቕማ ንላዕሊ ኮይኑ ብናይ ካለኦት ሃገራት ወተሃደራት እትሕሎ ዘላ ሃገር እያ። ነዚ ኩሉ ኣብ ግምት ኣእቲኻ እምበኣር፡ ዞባና ክሳብ ክንደይ ኣብ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ኣስጋኢ ወጥሪ ምህላዉ ዘገንዝብ እዩ።
እቲ ዝያዳ ኣድህቦ ዘድልዮ ከኣ፡ ብሓደ ወገን ኣብ ዘቤታዊ ሓላፍነቱ ቅሳነትን ስኒትን ዘይፈጠረ መንግስቲ፡ ንጐረቤት ክሕግዝን ሰናይ ክሓስብን ከምዘይክእል’ዩ። በቲ ካልእ ወገን ድማ ምስ ጐረባብቱ ምትሕብባርን ሰላምን እንተዘይሃልዩ፡ በይንኻ ናይ ቅሳነት ደሴት ክትከውን ከምዘይከኣል ምምልካት እዩ። እዚ ዘርእዮ ከኣ ምስ ጐረቤት ሃገር ዘለካ ጸገምን ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ዘይቅሱን ኩነታትን ነጻጺልካ ዝረአዩ ዘይኮኑ ኣብ ሕድሕዶም ተጸላለውቲ ምዃኖም እዩ። ከም መርኣያ ናይቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ምትፍናን፡ ህግደፍ ንጉጅለ ፋኖ ኣምሓራ የዕጥቕን የስንቕን ኣሎ ካብ ዝበሃል ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ንቡር እንትዝነብር ህግደፍ ምስ ፋኖ ኣይምስተጫነወን። “ትማሊ ኢትዮጵያ ከይትፈርስ ክንቃለስ ኢና” ዝብል ዝነበረ ህግደፍ ሎሚኸ ኣበይ’ሎ? የገርም።
ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ናይ ኢማራት መሰጋገሪት ኮይና እናተባህለት ትጥቀስ ምህላዋ ካብዚ ፈሊኻ ዝረአ ኣይኮነን። ሱዳንን ኢትዮጵያን ብሕማቕ ዓይኒ እንተዘይጠማመታ፡ ብልጽግና ኣብ ጐኒ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ ኣይመተሰለፈን። ናይ ግብጺ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብመንገዲ ሱዳን ኢድ ምእታው’ውን ብመንጽር’ዚ እዩ ዝረአ። ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት ነቶም ንህግደፍ ኣሚኖም ክዛመድዎ ዝረኣዩ ወገናት “ንህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ ጉጅለ ነዓኻትኩም’ውን ኣይኮኖኩምን’ዩ” ዝብል ስምዕታ እነቕርብ ከኣ ነዚ ውሽጣውን ግዳማውን ምጽልላዋት ኣብ ግምት ብምእታው እዩ።
ንህግደፍ ወሲኽካ፡ መንግስታት ነቲ ምስ ጐረባብቶም ዝፈጥርዎ ምትፍናን ኮነ፡ ነቲ ኣብ ውሽጦም ዘሳውርዎ ጐንጽታት “ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ተገዲድና ዝኣተናዮ እዩ” እናበሉ እዮም ዘጸባብቕዎን ዝጉስጉስሉን። ብግብሪ ግና እቲ “ምእንታኻ” ዝብልዎ ህዝቢ እዩ በቲ ውሽጣዊ ኮነ ግዳማዊ ውግኣት ኣደዳ ጸገማት ኮይኑ ዝህሰ። ስለዚ እቲ ሓቀኛ ጠንቂ ናይቲ ዝካየድድ ውግእ “ምእንቲ ህዝቢ” ዘይኮነ ናይቶም መሳወርቲ ዕድመ ስልጣን መናውሒ ወይ መምልኢ ካዝና ምዃኑ ብግብሪ ዝተራእየ’ዩ ።
ርሑቕ ከይከድና፡ ናይ ህግደፍ ምጽሕታር ውግእን ብሰንኩ ዝፍጠር ዘይቅሱን ህይወት ህዝብናን ኣወዳዲርካ ምርዳእ ዝከኣል እዩ። መንግስታት ብመንፈስ’ቲ “ኣብ ክንዲ ተጐራሪሕካ ዓዲ ምፍራስ ተገራሪህካ ዓዲ ምህናጽ” እንተዝግዝኡ፡ ክሳብ ሕጂ ክጋጥም ዝጸንሐን ኣብ መጻኢ ከይክሰት እንሰግኦን ሓደጋታት ኣይመጋጠመን። ካብቲ ሓደጋ ንምድሓን ድማ ቅድሚ ስልጣኑን ጉጅላዊ ረብሓኡን፡ ረብሓን መሰልን ህዝቢ ዘቐድም ስርዓት ክትፈጥር ምብቃዕ ጥራይ እዩ። ተመኩሮ ኤርትራ ከም ዘርኣየና ድማ፡ ክሳብ ክንድዚ ሓላፍነታዊ ስርዓት ተቓሊስካ ዝትከል እምበር፡ ተመኒኻ ካብ ሰማይ ዝወርድ ኣይኮነን።
ስለዚ ከምቲ ወትሩ ናብ ህዝቢ ኤርትራ “ሰላምካን ቅሳነትካን ብቓልስኻ እዩ ዝውሰን” ዝብል እነመሓላልፎ መልእኽቲ፡ ናብ ጐረባብትና ህዝብታት እውን ንደግሞ ኣለና። ምኽንያቱ ከምቲ “እንተ ክትድቅስ ጐረቤትካ ይደቅስ” ዝበሃል፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ቃልሲ ንሰላምን ሰላማዊ ጉርብትናን በይኑ ዞባዊ ሰላምን ቅሳነትን ዘውሕስ ስለ ዘይከውን።
ኤርትራ ብመስዋእቲ ጀጋኑኣን መስተንክራዊ ጽንዓት ህዝባን እያ ናጻ ኮይና። ስለዚ ኣይኮነንዶ ክንዲ ህይወት ዝኣክል ክቡር ዋጋ ንዝኸፈለ፡ ካብኡ ንታሕቲ ጽቡቕ ንዝገበረልካ እውን ምምስጋን ግቡእ ስለ ዝኾነ “ብሳላኹም ልኡላዊትሃገር ወኒንና ኢና እሞ፡ ክብርን መጎስን ንዓኻትኩም ይኹን፡ ብህግደፍ ንዝተጠለመሕድርኹም ከኣ ከነዐውቶ ክንቃለስ ኢና”፡ ክንብሎም ግቡእ እዩ። ዝኽሪ ስዉኣት ኣበይን መዓስን ብወግዒ ክትዝክሮ ከም ዝግበኣካ ምውሳን ቅቡል እዩ። ብመንጽርዚ ኤርትራውያን ሰማእታት ዝዝከሩላን ዝምስገኑላን ዕለት ክህልዎም መን ወሲንዎ ብዘየድስ፡ ዝቃወሞ የለን። ቅድሚ ሕጂ እውን ብፍላይ ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ፡ ባሕቲ ታሕሳስ ዕለት ሰማእታት ኮይና ክትዝከር ጸኒሓ እያ። ምኽንያት መንቀሊኣ ድማ ድሕሪ ኢትዮጵያዊ ጀነራል ተሾመ እርገቱ ብ1970 ኣብ ከባቢ ሃብረንቃቓ ብድብያ ምዑታት ተጋዳልቲ ተሓአ ብምቕንጻሉ፡ “ሕነኡ ንምፍዳይ”፡ ኣማኢት ሲቪል ኤርትራውያን ኣብ በሲግድራን ዖናን ከባቢ ከረን ብሰራዊት መግዛእቲ ተቐቲሎም ዓዶምን ንብረቶምን ነዲዱ ኣደዳ ስደት ዝኾኑላ ዕለት ስለ ዝኾነት።
መዓልቲ ሰማእታት ኣብ ልቦና ኤርትራዊ እትሓድርን ኣብ ዝተፈላለያ ውድባት ኣብ መሳርዕ ቃልሲ ንዝተሰውኡ ዕጡቓትን ሲቪልን ኤርትራውያን እተማእክልን ንከትከውን፡ ኩሎም ኤርትራውያን ዝሰማምዕላ ብሕገመንግስቲ ዝተደገፈት ምኽንያታዊት መዓልቲ ምግባራ ኣገዳስነቱ ዕዝዙ እዩ። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ቀዳምነት ክወሃቦም ካብ ዝነበሩ ዛዕባታትሓንቲ ክትከውን ምተገበኣ። እንተኾነ ብሰንኪ ዘይግሉጽን ዘይሓላፍነታውን በሓቲ ኣካይዳ ህግደፍ፡ ከምቲ ካልእ መድረኽ እሂንምሂን ዘይተፈጥረሉ ዛዕባታት፡ መዓልቲ ሰማእታት 20 ሰነ’ውን ብወግዒ ዝመጸት ኣይነበረትን።
20 ሰነ ጓይላ፡ ጃህራን ዳንኬራን ህግዲፍ ንምድማቕን ንሸፈጥን ዘይኮነ፡ ንክብሪቲ ዘይሃስስ ሕድሪ ሰማእታት ብንጹህ ሕልና ምዝካራ ኣገዳሲ ነይሩ። ዝያዳ ንምዕዛዙ፡ ኤርትራዊ ሰማእትነት ነቶም ኣብ ዓውዲ ውግእ ዝተሰውኡ ጥራይ ዝምልከት ዘይኮነ፡ እንተላይ እቶም ኣበይን መዓስን ብዘየገድስ ምእንቲ ኤርትራን ናጽነታን ዝወደቑ ኩሎም ኤርትራውያን ጀጋኑ ዘጠቓልል እዩ። ብመንጽርዚ እቲ ልዕሊ 60 ሺሕ እንዳተባህለ ዝጥቀስ ቁጽሪ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ኣብቲ ወተሃደራዊ ሜዳናብ ዝተሰዉኡ ጥራይ ዘተኩር ኮይኑ፡ እዚ እውን ኣዝዩ ውሑድን ሓደ ሸነኻውን ምዃኑ፡ ብዙሓት ነዚ ዛዕባ ቆላሕታ ዝህቡ ኣካላት ዝሰማምዕሉ ኣይኮነን።
መዓልቲ ሰማእታት እቲ ቀንዲ ዕላማኣ “ሕድሮም ክሳብ ክንደይ ተኸቢሩ?” ዝምዘነላን ኣብ መጻኢኸ እቲ ዝተጠልመ ሕብሮም ብኸመይ ይትግበር ዝትለመላን ቃል ዝእተወላን ክትከውን ምተገበአ። መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ግና ብኣንጻሩ ኣብዛ ንክብሮም ባዕሉ ዝወሰና ዕለት እዩ ብኣዋጅ ዝጠለሞም። ብ1991 ኣብዛ ዕለት ድሕሪ 25 መዓልታት ናጽነት ኣብ በኹሪ መግለጺኡ ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ሜዳ ኩዕሶ እግሪ ኣስመራ ብወግዒ “ደጊም ናይ ውድባት ሓሸውየ የለን። ንህዝቢ ብቕሉዕ ይኹን ብጉልባብ ናይ ምክፍፋል ስልትታት ከቢድ ገበን ከም ዝቑጸር ክዝንጋዕ ኣይግባእን” ኢሉ ኣውጁ። እዚ ኣዋጅ ነቲ ኤርትራውያን ሰማእታት ህዝቦም ድሕሪ ናጽነት ናይ ምውዳብ፡ ሓሳብካ ምግላጽን ሓርነት ንክህልዎ ዝኸፈልዎ ዋጋን ቃሎም ከይጥለም ሓደራ ዝበልዎን ዝተነጽገሉ መድረኽ’ዩ ነይሩ። ብሰንኪቲ ጥልመት ከኣ እነሆ ናጽነት ኤርትራ ናይ ውሑዳት መዕንደሪ ኮይኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ግና 34 ዓመታት ድሕሪ ናጽነት’ውን ኣብ ገዛእ ብሰማእትነት ደቁ ናጻ ዝኾነት ሃገሩ፡ የዋጽኣኒ ዝበሎ ሓሳብ ከየቕርብ ኣፉ ተለጒሙን እግሩ መሊኡ ምርጋጽ ሓሪምዎን ተገዲዱ ናብ ዝተፈላለዩ ውግኣት እኛተጠብሰ፡ ብሹቕርርታ ይነብር ኣሎ።
ህግደፍ ሕድሮም ጠሊሙ ከብቅዕ፡ ብናቶም ክብሪ ንክሽቕጥ ዘይፍንቅሎ እምኒ የብሉን። ሰማእታት ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎም ናይ ክብሪ ቦታ ስለ ዝፈልጥ ብስሞም፡ ሃብቲ ንምኽዕትን ዕድመ ስልጣኑንምንዋሕን ካብቲ ዝጥቀሞ ሜላታት ሓደ እዩ። እቶም ቀንዲ ተረከብቲ ሕድሪ ሰማእታት፡ ብሓፈሻ መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ወለዶ እዮም። ስለዚ እዞም ኣካላት ካብቲ ሓንሳብ ኣንጻር ሰማእታት ጨኪኑ ናብ ልቡ ናይ ምምላስ ዕድሉ ዝዓጸወ ጉጅለ ምጽባይ ዘይኮነ፡ ሓላፍነቶም ክፍጽሙ ይግበኦም። እዚ ኣብዚ ታሪኻዊ መዓልቲ ክሓስብሉ ዝግባእ ዓብይ ዛዕባ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ነቲ ሕድሪ ሰማእታት ኣኽቢሩ ሃገርን ህዝብን ዝምርሕሉ ሕግን ህዝባዊ ስርዓትን ክተክል ቅሩብ ዘይኮነ ጉጅለ፡ ግበር ስለ ዝበለካ “ፈልሲ ብምትካልን ሽምዓታት ምብራህን” ወይ በል ስለ ዝተበሃልካ “ስዉኣትና ኩሉ ግዜ ኣብ ልብና” ዝብል ጭረሖ ብምቅላሕ ጥራይ፡ ሕድሪ ሰማእታት ኣይክበርን’ዩ።
ብዝተፈላለየ መልከዓት ተወዲቦም ንለውጢ ዝቃለሱ ዘለዉ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታት ብምኽንያት መዓልቲ ሰማእታት መግለጽታትን ኣዋጃትን ብምውጻእ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝተጠልመ ህዝባዊ ሕድሮም ዘኽብር ናይ ሓባር ዓቕሚ ንምፍጣር ብዛዕባ ዝኽእልሉ ክሓስቡ ይግበኦም። ዘለካ ፍልልያት ኣመሓዲርካ ኣብቲ ዘሰማምዓካ ተቢዕካ ንህግደፍ ክትስዕር ምብቃዕ ክሳብ ክንደይ ንሰማእታት ከም ዘቕስኖም ኣብዚ ታሪኻዊ መዓልቲ ኮይኖም ክሓስብሉ ይግባእ። ምኽንያቱ ሰማእታት ስሞም ደጋጊምካ ብምጽዋዕ ዘይኮነ፡ ዘቕስኖምብምስራሕ እዮም ዝቐሱ።
እቲ ንብጾቱ ቀቢሩ ዕጥቆምን ሕድሮምን ዝተረከበ፡ “ናይ ናጽነት ሓርበኛን ደሓር ዝተሰለፈን”፡ ናይ ሎሚ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም “ወራሪን መሰል ንጹሃት ዝግህስን” እናተባህለ መዛረቢ ኮይኑ’ሎ። ሕድሪ ሰማእታት ከኽብርስ ይትረፍ ናቱ ክብሪ’ውን ክዕቅብ ኣይከኣለን። ናይዚ ኩሉ ውርደቱ መርኣያ ከኣ ሕድሪ ብጾቱ ምጥላሙ ምዃኡ ክርዳእ ይግበኦ። ሓደገኛ ተግባር ህግደፍ ቀጻሊ ስለዝኾነ፡ እቲ ጥልመት ጽባሕ ናብ ርእሱ ከምዝምለስ ምልክታቱ ብዙሕ እዩ። ስለዚ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ መዓልቲ ሰማእታት ክበራበርን፡ በታ ዘላቶ ዕድል፡ ሎሚ’ውን ውግእ መፍትሒ ከምዘይኮነ ብምርዳእ፡ ሕድሪ ሰማእታቱ ኣኽቢሩ ኣብጐኒ ህዝቡ ክስለፍ ንጽወዖ ኣለና።
ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ!
20 ሰነ 2025
ልኡላውነት ብብዙሓት ናይቲ ዛዕባ ግዱሳት ዝግለጽ፡ ሰፊሕ ትርጉም ዘለዎ ኮይኑ፡ ናይ ሓንቲ ሃገር ምሉእነት ኣብ ምርግጋጽ፡ ሓደ ካብ መሰረታዊ ረቛሕታት እዩ። ልኡላውነት ንነበርቲ ሃገርን ህዝብን እምበር፡ ንተቐያያርቲ መንግስታት ዝወሃብ መግለጺ ኣይኮነን። ኣብ ዓለም ለኻዊ ዝምድና ሃገራት ማዕረ ኣፍልጦ ተወሃሂበን ዝከባበራሉ መሰረታዊ ዓንዲ’ውን እዩ። ኣብ ዝምድና፡ ኣብ ናይ ካልኦት ጉዳይ ኢድ ከይተእቱን ካልኦት ኣብ ጉዳይካ ከይኣትዉን መከባበሪ መትከልዩ። ልኡላውነት ሃገር ንከይገሃስ ዓለምለኻውን ኣህጉራውን ሕጋዊ ሓለዋ ኣሎ። “ሓያላት ኢና” ዝብላ መንግስታት ኣብ ልዕሊ ካልኦት ከም ድላየን ከይዕንድራ፡ ዝግድበን ከኣ እዚ ሕግታትን ቻርተራትን ሕቡራት ሃገራት እዩ።
ልኡላውነት ንኤርትራውያን ዝለዓለ ናይ ሓባር መግለጺና እዩ። ናይ ሓባር መግለጺና ጥራይ ዘይኮነ፡ ብናይ ኩልና ክቡር መስዋእትን ድምጽን ዝተዋሕሰ’ውን እዩ። ኣብዚ ዘለናዮ ርሱን እዋን ይኹን ኣብ መጻኢ ከኣ ቀጻሊ ናይ ኩልና ሓለዋ ዘድልዮ፡ ብዝተፈላለዩ ተኸታተልቲ ገዛእቲ ተነፊጉና ምስ ጸንሐ፡ ብ28 ጉንበት 1993 ብወግዒ ተኣወጀ።
ልኡለውነት ግኡዝ ስማዊ መለለዪ ዘይኮነ፡ ኩሉ ናይ ህልውናን ቀጻልነትን ምንቅስቓስ ዝካየደሉ መዋስኢ መድረኽ እዩ። ንሱ እንተዘየልዩ ኩሉቲ እንሕበነሉ ኤርትራዊ ጸጋ’ውን ምሉእ ኣይከውንን። ብዘይካኡ ከም ህዝቢ እውን ምሉእ ክብሪ ኣይህልወናን። ኩለንተናዊ ተጠቀምቲ ንምዃኑ እንገብሮ ምንቅስቓስ ኩሉ ካብ ህልውናኡ ወጻኢ ኣጸጋሚ እዩ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ጣዕሚ ልኡላውነት ንምንጽባራቕ ካብ ህላወ ህዝቢ ወጻኢ ዝረጋገጽ ኣይኮነን። እዚ ድማ ልኡላውነት ንክብሪ መሬት፡ ኣየርን ማይን ጥራይ ዝወሃብ መግለጺ ዘይኮነ፡ ንህላወን ክብርን ህዝቢ ዘዕዝዝ’ዩ። በዚ እዩ ከኣ ብዛዕባ ልኡላውነት ሃገርና ክለዓል እንከሎ፡ መሬትን ህዝብን ፈላሊኻ ምርኣይ ኣጸጋሚ ዝኸውን።
ከከም ዝንባለናን ከባብናን ህይወትና ንምምራሕ ብዙሕ ኢና ንሓስብን ንውጥንን። ንኩሉቲ ዝወጠናዮ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ከኣ ኣብቲ ናይ ሓባርና መድረኽ ልኡላውነት ኢና ንዋሳእ። ካብኡ ወጻኢ ዝግበር ምንቅስቓስ ግና ብተግባር ኤርትራዊ ኣይኮነን። ስለዚ ከምቲ “ሺሕ ፈልጺ መእሰሪኡ ልሕጺ” ዝበሃል፡ ህልውናና ከም ህዝቢ ከነውሕስን ፍረ ጸማ ኩሉ ዓይነት ጻዕርና ክንሓፍስን ልኡላዊት ኤርትራ ህያው ክኸውን ዘይስገር እዩ። ብሳላቲ “ብደሆና ዘይኮነ ጽባቐና’ዩ” እንብሎ ብዙሕነትና፡ ኤርትራውያን በበይኑ እምነት ንኽተል፡ ኣብ በበይኑ ልምድን ባህልን ንዓስል፡ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ንዛረብ……ወዘተ ክነስና፡ ኣብ ጽላል እቲ ልዕሊ ኩሉ ናይ ሓባርና ዝኾነ ላኣላውነት ኢና እነጽልል።
ኤርትራውያን ከም ኩሉ ሕብረተሰብ ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት፡ ትምህርቲ፡ ንግድን ካለኦት ማሕበር-ቁጠባዊ ተግባራትን ንዋፈር። ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ሃገርና ከኣ ንሰፍር። ምስዚ ኩሉ ግና ሓንቲ ናይ ሓባርና እምበር ነናትና ልኡላውነትየ የብልናን። እዚ ማለት ነፍሲ ወከፍና “ተወሊደ ዝዓበኹሉን ዝተመሃርኩሉን” እንብሎ ዓዲ፡ ወረዳን ኣውራጃን የብልናን ማለት ኣይኮነን። እዞም ነናትና ምምሕዳራዊ ከባብታት ግና መተካእታ እታ እንሕበነላ ናይ ሓባር ሓቛፊትና ኤርትራ ዘይኮኑ፡ ንዓኣ ዝምእዘዙ፡ ዘድምቑን ዝሕልዉን እዮም። ካብዚ ሓሊፉ ነዞም ንኡሳን ከባብታት ልዕልታ ዓባይ ናይ ሓባርና ሰሪዕካ ኣብ ጸቢብ ኩርናዕ ምውጣጥ ብዝኾነ መለክዒ፡ ናብ ሰላም፡ ልምዓትን ስኒትን ዘብጽሕ ዘይኮነ፡ መፍቶ’ቶም ብምፍልላይና ክዕንገሉ ዝሓልሙ ዝገብረና እዩ።
ካብቲ ፍልልያትና ዝንጸባረቐሉ መዳያት ህይወት ሓደ፡ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባና እዩ። እዚ ፍልልያት ብውልቂ ኮነ ብውዱብ ኣገባብ ዝንጸባረቕ እዩ። ኣብዚ መዳይዚ ፍልልያት ምጽብራቕ ኣባና ጥራይ ዝረአ ዘይኮነ፡ ንቡር ኣድማሳዊ መርኣያ ህይወት ሰባት እዩ። ፍልልይካ ምንጽብራቕን ብኣኡ መሰረት ሓሳብካ ምግላጽን ምውዳብን መሰል እዩ። እዚ መሰል ካብ ክሊቲ ናይ ሓባርካ መዕቀኒ ከየውጸኣካ ምጥንቃቕ ከኣ ግደታ እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ጉጅለ ህግደፍን ኣረኣእያ ሓይልታት ለውጥን ዘሎ ፍልልይ ሰፊሕዩ ጥራይ ዘይኮነ ተጻራሪ’ውን እዩ። ህግደፍ ነታ ናይ ኩልና ጽላል ኤርትራን ህዝባን “ብሓይሊ ጨምዲደ እንተዘይገዛእኩዎም” ዝብል ጨካንን ዓመጸኛን መንገዲ ዝኽተል ዘሎ እዩ። ሓይልታት ለውጢ ብኣንጻሩ ህዝብና ካብ መቑሕ ህግደፍ ወጺኡ፡ ሰላም፡ ዲሞክራሲ፡ ፍትሕን ሕግመንግስታዊ ምምሕዳርን ኣብ ዘውሓሰት ሃገር ንክነብር እዮም ዝቃለሱ ዘለዉ። እንተኾነ ኩሉ’ቲ ምንቅስቓስ ኣብ ትሕቲ ጽላል እታ ናይ ኩልና ልኢላዊት ሃገር ዝገላበጥ ዘሎ ማዕበልዩ።
መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ካብዚ ናይ ሓባር ጽላል ንምውጻእ ብዘርኣዮ ትንዕምንዕ፡ ሓደ እዋን ሓድሽ ፈታዊኡ ዝነበረ ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ “ኣነን ኢሱን እንተተሰማሚዕና እንካፈሎ ዓሰብ ይኸውን” ክብል እንከሎ፡ ብምሒር ታሕጓስ ኣፍልቡ ይወቅዕ ከም ዝነበረ ናይ ትማሊ ተዘክሮ እዩ። ነዚ ናይ ሎሚ ብስም ልኡላውነት “ንብዓት ሓርገጽ ምንብዑ” ትርጉም ዘስእኖ ከኣ እዝን ወዲኸምዝን ተገላባጢ ተግባራቱ እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ካብ ዋና ልኡላዊት ሃገር ምዃንን ናይ ዲሞክራስን ፍትሕን ተጠቃሚ ምዃንን “ሓዲኡ ምረጽ” ዝመስል ርኢቶ ኣብ ኤርትራውያን ክንጸባረቕ ይስማዕ እዩ። እዚ ክፈላለዩ ዘይግበኦም ኣምራት ነጻጺልካ ምቕራብ ቅኑዕ ኣይኮነን። ቅኑዕ ኣይኮነን ጥራይ ዘይኮነ፡ ምሉእነት ኣብ ምርግጋጽ፡ “ልኡላዊት ሃገር ምውናን ጥራይ ናይ መወዳእታ ድዩ?” ናብ ዝብል ሕቶ ዝወስድ’ውን እዩ። ልኡላውነት ሃገር ወኒኖም ክነሶም ካለኦት መሰላት ዝጐደሎም ህዝብታት ካብ ቃልሲ ናይ ዘይምኳሮም ምስጢር ከኣ እዚ እዩ።
እምበኣር ኣብዚ ዘለናዮ ዝተዋሕሰ ልኡላውነት ናይ ምዕቃብን ሓርነት ናይ ምምጻእን ቃልሲ፡ እቲ ሓደ ይጽነሓለይ ኢልካ ናብ ሓደ ዛዕባ ጥራይ ምዝዛው ቅኑዕ ኣይኮነን። ኣብ ክንድኡ ንክልቲኦም ግቡእ ኣቓልቦ ምሃብ ግድን እዩ። ምናልባት ቅልል ብዝበለ መልክዕ ንምርኣዩ፡ “መሬት ሒዝካ ብዘይዘርኢ ትርጉም ከምዘይህልዎ፡ ዘርኢ ሒዝካ ብዘይመሬት እውን እቶት ክሕፈስ ከምዘይከኣል” ምግንዛብ ኣገዳሲ እዩ።
ስለዚ ኣብዚ ከባቢና ብኣዝዩ ቅልጡፍ ናይ ኣሰላልፋ ለውጥታት ዝህውጸሉ ዘሎ ግዜ፡ “ኣነኸ ምስ መን እንተተሰለፍኩ እዩ ዘዋጸኣኒ?” ዝብል ሕቶ ምልዓል ዘይተርፍ እዩ። መልሱ ነቲ “ልኡላውነትና ልዕሊ ኩሉ ናይ ሓባርና” ዝብል ኣምር ዝጻባእ ከይከውን ጥንቃቐኻ ከኣ ምዕዛዝ ኣገዳሲ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ መልከዓቱን ግዜኡን ናይ ዝፈላለ፡ ተገዲዱ ዝኣተዎ ቃልሲ ሃብታም ተመኩሮን ነዊሕ ታሪኽን ዘለዎ እዩ። ኣብ 40ታትን 50ታትን ኣብ ኣዝዩ ውዑይን ውዱብን ቃልሲ ተዋሲኡ። እንተኾነ በቲ ዝመረጾ ፖለቲካዊ ኣገባብ ቃልሲ ኩለመዳያዊ መሰላቱ ከኽብር ኣይተዓወተን። ናይ ዘይምዕዋቱ ምኽንያት ከኣ መግዛእታዊ ስርዓት ኢትዮጵያን ሓያላት ናይ ረብሓ ዘራያቱን ናይ ነጻነትን መሰረታዊ መሰላትን ሕቶኡ ንምጉዕጻጽ ኣንጻሩ ብምስላፎም ነይሩ። ኣብቲ እዋንቲ ኣብ ቅድሚ ህዝብና ዝነበረ እንኮ ምርጫ ቃልስኻ ቀጺልካ ባህግኻ ምውሓስ ጥራይ እዩ። ምስ ኩሉቲ ዝነበረ ሕልኽልኻት ቃልሱ ክቕጽል ምምራጹን ምዕዋቱን ከኣ ድሙቕ መግለጺ ታሪኻዊ ጽንዓቱ ኮይኑ ተመዝጊቡ ዘሎ እዩ።
ኣብቲ እዋንቲ ኮይንካ ኣይኮነንዶ ከተካይዶ ክትሓስቦ’ውን ኣጸጋሚ ናብ ዝነበረ ብረታዊ ቃልሲ ምእታዉ፡ ብሓፈሻ ንብዙሓት ህዝብታት ብፍላይ ከኣ ንሓይልታት መግዛእቲ “ዘይገሃድ ሕልሚ” ኮይኑ ይረኣዮም ምንባሩ ዝርሳዕ ኣይኮነን። እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ ሳላ ትብዓቱን ሓድነቱን ንኹሉ ኣብቲ ብረታዊ ቃልሲ ዘጋጠሞ ብደሆታት ተጻዊሩ ድሕሪ 30 ዓመታት ነጻነቱን ልኡላውነቱን ካብ ዘረጋገጽ እነሆ 34 ዓመታት ኮይኑ። ገለ ወገናት ነቲ ህዝብና ኣብቲ ግዜቲ ዘርኣዮ ተኣምራዊ ጽንዓትን ተጸዋርነትን ብምዝካር፡ “ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ደኣ እንታይ ኮይኑ እዩ ንሓደ ኣብ ኣንግድዓኡ ዝተጻዕነ መላኺ ስርዓት ተሰኪሙ ዘሎ” ዝብል ሕቶ ክሓቱ ይስምዑ እዮም።
ኤርትራ ድሕሪ ነጻነት፡ ከም ትጽቢት ህዝባ ኣይኮነትን። እዚ ድማ ብብኩራት ብዙሕነታውን ሕገመንግስታውን ምምሕዳር ዝረአ ዘሎ እዩ። ህዝብና ነቲ ብረታዊ ቃልሲ ዝወሰዶ ግዜን ዘኽፈሎ ክቡር ዋጋን ኣብ ግምት ኣእትዩ “ርእዩ ከምዘይረኣየ” ኮይኑ፡ ንጉጅለ ህግደፍ ኩነታት ኣመዓራርዩ ናብ ንቡር ንክምለስ ዕድልን ግዜን ሂቡ ተጸብይዎ እዩ። እንተኾነ ህግደፍ ኣብ ክንዲ ንትዕግስትን ሓላፍነታዊ ትጽቢትን ህዝቢ ተገንዚቡ፡ ናብ ንቡር ተመሊሱ ትርግታ ልቢ ህዝቢ ዝሰምዕ፡ ብኣንጻሩ ብትዕቢትን ምስትንዓቕን በቲ ትምክሕተኛ ምርጫኡ ቀጺሉ፡ ክሳብ ሎሚ ካብቲ ናይ ጥፍኣት ጐደና ኣይተመልሰን። ኣብ ግዜ መግዛእቲ “ካብ ኣብ ኣርዑት ባዕዳውያን ምንባር ንነጻነት ምቅላስ” ዝመረጸ ተባዕን መስተውዓልን ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ግዜ ጠላምን ጨቋንን ምምሕዳር ህግደፍ’ውን ኣብ ትሕቲ ክቱር ወጽዓን ጭቆናን ካብ ምንባር “ምእንቲ ሓርነት ምቅላስ” ክመርጽ ተገዲዱ፡ እነሆ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ምእንቲ ሓርነት ይስጉም።
ከምቲ ኣብቲ ንነጻነት ዝተኻየደ ደማዊ ቃልሲ መሪርን ክቡርን ዋጋ ዝተኸፍለ፡ ሎሚ ይካየድ ዘሎ ቃልሲ እውን ዝያዳ ረቂቕን ዝተሓላለኸን ምዃኑ ብግብሪ ዝረአ ዘሎ እዩ። ብሰንኪ እቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ረቂቕ ብምዃኑ ክመዝንዎን ክርድእዎን ዘይከኣሉ፡ ህዝቢ ኤርትራ “ንጭቆና ህግደፍ ሓንጐፋይ ኢሉ ከም ዝተቐበለ ኣምሲሎም” ክገልጽዎ ዝፍትኑ ወገናት ውሑዳት ኣይኮኑን። በብግዜኡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ክፍጸም ዝጸነሐን ዘሎን፡ ማእሰርቲ፡ መጭወይትን ምንፋግ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ኮታ ጸረ ዲሞክራሲ ተግባራት ህግደፍ፡ መርኣያ ክብደትን ርቀትን ቃልሲ ምእንቲ ሓርነት ዘመልክት ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ።
ቃልሲ ህዝቢ ንሓርነት ድሕሪ ነጻነት፡ ካብቲ ብረታዊ ቃልሲ ዝወሰዶ ዓመታት ዝያዳ ዝወስድ ዘሎ ኮይኑ፡ ብሰንኪ ባዕላውን ወድዓውን ሕጽረታትን ተጽዕኖታትን ጋና ኣይተዓወተን። እዚ ማለት ግና ከምቲ ንገለ ወገናት ዝመስሎም፡ ህዝብና ካብ ቃልሲ በዂሩ ከምዘሎ ዘይኮነ፡ ክብደት ናይቲ ቃልሲ እዩ ዘርኢ። ካብቶም ድሌትን ትጽቢትን ህዝቢ ዘማላኽቱ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣንጻር ህግደፍ ብግብሪ ዝተራእዩ ናይ ተቓውሞ ተበግሶታት ካብ “ምንቅስቓስ ተጋደልቲ ወርሒ ግንቦት 1993፡ ጀሚርካ ክሳብ ምንቅስቓስ ፎርቶ ወዲ ዓሊን ተቓውሞ ሓጂ ሙሳን ተምሃሮ ዲያእ ኣልኢስላሚያን ዝጥቀሱ እዮም። ክሳብ ገጠራት ዝዝርግሑ ብዙሓት ግዳይ ማእሰርትን ካልእ ስቓያትን ዝኾንሎም ምንቅስቓሳት’ውን ተራእዮም እዮም። እቲ ህዝባዊ ኒሕን ሓቦን ሎሚ እውን ቅሂሙ ዘይኮነ ፈኸም ዝብል ዘሎ እዩ።
እቶም ጸረ ህግደፍ ተበግሶታት ዘልዕልዎም ዝነበሩ ሕቶታት ህዝባዊ ባህሪ ስለ ዝነበሮ፡ ብመሰረቱ ህዝቢ ንክዕወቱ ዝጽበዩ ዝነበረን ዘሎን እዮም። ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ እዞም ጸረ ህግደፍ ንቕሎታት በቲ ጉጅለ ዝተወስዱ ጨካን ስጉምትታት ከኣ ክሳብ ክንደይ በቲ ኩነታት ይሰግእ ከም ዝነበረ ዘመልክቱ እዮም። ስግኣቱ በቲ ናይ ሽዑ ስንባደኡ ዝደረት ዘይኮነ፡ ክሳብ ሎሚ እውን መመሊሱ ዘባህርሮ ዘሎ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ’ውን ዋላ ግዜ ይንዋሕ እቲ ጭቆና’ውን ይኽበድ ከምቲ ቅድም ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ንምንባር ኣሜን ዘይበለ፡ ኣብ ትሕቲ ዘቤታዊ ጭቆናን ዲክታተርነትን ክነብር’ውን ባህርያዊ ስለ ዘይኮነ፡ ብዘይካ ቃልሱ ምቕጻል ካልእ ምርጫ ከም ዘየብሉ ዝረደኦ እዩ። እዚ ህዝባዊ ቃልሲ ንክዕወት ክማልኡ ካብ ዘድልዩ ወሰንቲ ቅድመ-ተደላይነታት፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝባዊ ቃልስን ኣብ ወጻኢ ዘሎ ናይ ለውጢ ሓይልታት ማዕበልን፡ ከምቲ ስዉእ ሓርበኛ ስዩም ዑቕባሚካኤል፡ ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2005 ዝበሎ፡ ናይ ክልቲኡ ወገናት ናይ ቃልሲ ቀለበት “ኣደልዲልካ ምስጣም” ወሳኒ እዩ።
እዚ ናይ ክልቲኦም ኣካላት ምትእስሳር ክንድቲ ናይ ዓወት ወሳኒ ምዃኑ፡ ምርግጋጹ ከኣ ከቢድ ጸዕሪ ከም ዝሓትት ተገንዚብካ ምውፋይ ከም ዘድሊ ከኣ ምግንዛብ ይግባእ። ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘለዉ ናይ ለውጢ ሓይልታት ማዕረ ዘበርክተሉ እምበር፡ ሓደ ተግባሪ እቲ ካልእ ከኣ ተጸባይ ዝኾንሉ ኣይኮነን።
ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ናብቲ ሃንቀው ዝበሎ ዘሎ ዓወት ንምብጻሕ፡ ብዘይካ ቃልሱ ምቕጻል ካልእ ምርጫ ከምዘየብሉ ተረዲኡ ንግብራውነቱ ንክተግህ ከም ወትሩ ነዘኻኽሮ። እንተ ብህግደፍ ዝረአ ዘሎ ዓንዳሪ ኣካይዳን ህውክውተኛ ሸበድበድን ናብ ህዝቢ ዝማእከሉ ለውጢ ክስጉም እትጽበዮ ኣይኮነን።
መበል 34 ዓመት ዝኽሪ ነጻነት ኤርትራ፡ ኣብዚ ቀረባ ተዘኪሩ። ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም፡ ካብ ድሮታ ዕለት ጀሚሮም፡ ዘለዎም ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ “ንነጻነትን ልኡላውነትን ሃገሮም” ዘለዎም ክብሪ ኣንጸባሪቖም፡ ምእንቲ ነጻነት ክቡር ህይወት ንዝኸፈሉ ስዉኣት’ውን ኣመጒሶም። ኣዝዮም ውሑዳት ግና “እዛ ነጻነትሲ እንታይ ስለ ዘርባሓትና ኢና እነኽብራ?” ዝብል ስምዒት ኣንጽባራቖም። ርግጽ’ዩ ካብታ ክቡር ዋጋ ዝኸፈልካላ ሃገር ተሰዲድካ ኣደዳ ሓሳረ-መከራ ምዃን ኣብ ትርጉምን ምቓረትን ነጻነት ሕቶ ከተልዕል ክድርኽ ይኽእል’ዩ። እንተኾነ ነጻነት ብኤርትራውነትና እንሕበነላ ስለ ዝኾነት ከም “ናይ ዓይንና ብሌን” ከነኽብራን ክንሕለዋን ይግበኣና። ኣብቲ ዕለተ-ዝኽራ ትጽቢት ካብ ዝተገብረሉ ሓደ “እቲ ቀቢጽካ ዘይቅበጽ” መደረ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ነይሩ።
“ኢሳያስ ዝበለ እንተበለ፡ ተስፋን ራህዋን ዘመልክት መልእኽቲ ኣይከምጽእን እዩ” ዝብል እምነት ዳርጋ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ነይሩ። እዚ ከኣ ካብ ጽልኢ ወይ ጸቢብነት ዝነቅል ዘይኮነ፡ ካብ ተመኩሮ መደረታቱን ዓመጸኛ ባህሪኡን ዝብገስ እዩ። ሓደ ሓደ ተስፋኦም ዘይጸንቀቑ ግና፡ ምስቲ ጭቆና ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝያዳ ይመርር ምህላዉ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን መመሊሱ ዝገድድን ናብ ውግእ ከም ዝዓርግ ብዙሓት ዝግምትዎ ዘለዉ ወጥሪን ዝፍጠር ዞሎ ዞባዊ ቅልጡፍ ምቅይያር ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ሃገራትን “ገለ ሓድሽ ጉዳይስ የምጽእ ይኸውን?” ኢሎም ካብ ምጽባይ ዓዲ ኣይወዓሉን። ብዝያዳ ድማ ነታ በዚ መጸት ከይተባህለት ዳንኬራ ክውቀዓላ ጀሚሩ ዘሎ በዓልቲ ቅነ “ጽምዶ” ዝምልከት ካብኡ ከስምዑ ዝተጸናጸኑ ነይሮም እዮም።
“መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮም ይመጹ” ከም ዝበሃል፡ 24 ጉንበት 2025 ከተፍ በለት፡ ናይ መደረ ሰዓት እውን በጽሐት። ኢሳያሳ ኣብቲ ናይ 21 ደቓይቕ መደረኡ፡ ከምቲ ግምጥልሽ ኣካይድኡ ብግዳማዊ ዛዕባ ብምጅማር፡ ንኣሜሪካ፡ ናቶ፡ ቻይናን፡ ሩሲያን ዝኣመሰላ ኣብ ዝምልከቱ ዛዕባታት “ጣሕሞሽሞሽ” ኢሉ። ከምቲ “ክንዳኻ ዘይኣኽላሲ በኣኻ ይወዓላ” ዝበሃል ምሳለ፡ ናብ ኣሜሪካ ተመጣጢሩ ብቁጠባዊ ኮነ ወተሃደራዊ መዕቀኒ “ሓያልን ሃብታምን ዘይኮነት ክነሳ፡ መሲላ ክትቀርብ እትፍትን” ብምባል ብኣሃዛት ዕዳኣ እናጠቐሰ ኣነኣኢስዋ። ነቶም ናይ ቅድም መራሕታ ብውድቀታ ተሓተቲ ገይሩ፡ ናብ ህልዊ ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ “ኣሻርዩ ኢድ ክነስእን መሻርኽቱ ምዃኑ ከርእን” ፈቲኑ። ኣብ ሓፈሻዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ዞባና እውን ኮሊሉ።
ንኢትዮጵያ ብዝምልከት ኣተኲሩ ንምድህሳስ ዝያዳ ግዜ ወሲዱ። ኣብቲ ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት ኣብታ ሃገር “ብመደማር” ጀሚሩ ብሰልፊ ብልጽግና ዝቐጸለ፡ “ምትዕርራይ (reform)” ዝበሎ ተስፋ ከም ዝነበሮ ኣመልኪቱ፡ ንምዕዋቱ ከም ዝጸዓተ ኣግሂዱ። ዋላ’ኳ ሎሚ ነቲ ተስፋ ተነቢርሉ ነይሩ ዝበሎ መስርሕ ለውጢ ኢትዮጵያ “ሃንቀውታና በኒኑ” እንተበሎ፡ በቲ ክሳብ ውዕል ፕሪቶርያ ዝኽተም ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣትዩ ዝገበሮ ከምዘይጠዓስን ነቲ ዝበነነ ህይወት ኣብ ምስራጽ ክቕጽል ምዃኑን ክሕብር ኣይሓፈረን። እዚ ድማ ነቲ ሓደ እዋን “ተኾሊፍና” ዝበሎ ተመሊሱ “ብሃንቀውታና በኒኑ” ዘድምቖ ዘሎ ምዃኑ የርኢ። እቲ ዘገርም ከኣ ነቲ ክፍጽሞ ዝጸንሐ ዘራጊ ኣካይዳ “ኣይጠዓሰሉን እየ” ምባሉ እዩ።
እቲ ኣይጠዓሰሉን እየ ዝበሎ፡ እቲ ኣብ ኣደባባያት ኤርትራን ኢትዮጵያን “ኣንታ እዚ ሰብኣይሲ ዓቢዱ ግዲ እዩ” ክሳብ ዝበሃል፡ “ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ እዩ ዝብሉ ነቲ ታሪኽን ሓቅን ዘይፈልጡ እዮም፡ ድሕሪ ሕጂ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ንክመርሓና ብስምዒት ዘይኮነ ብሓቂ ወኪለዮ ኣለኹ። ኣነ ድማ ኣብ ጐንኻ ኣለኹ …ወዘተ” ንዝበሎ፡ ልኡላውነት ኤርትራን ክብሪ ህዝባን ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ ቀበጥበጥ እዩ። “ስለ ዘይጠዓሰሉ፡ ዝንቕጽሎ እዩ” ምባሉ ከኣ፡ ሓድሽ’ኳ እንተዘይኮነ፡ “ናይ ጥዕና እዩ” ክትብሎ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ቅድሚ ሃንቀውታኡ ካብ ሰልፊ ብልጽግና ምብናኑ፡ ምስ ኣብይ ኣሕመድ ተመሓዝዩ ኣብ ውግእ ትግራይ ኣትዩ ጠንቂ ህልቂት ኤርትራውያንን ተጋሩን ብምዃኑ፡ ኣብ ክንዲ ንወለዶም ከምቲ ንቡር ኣርዲኡ ይቕረታ ምሕታት “ክንቅጽሎ ኢና” ምባሉ፡ ነቲ ሓደ እዋን “ኣይከሰርናን” ኢሉ ልቢ ኤርትራውያን ወለዲ ዘድመዮ፡ ደሓር ድማ “ተኾሊፍና” ብዝብል መዓንጣ ኣደታት ትግራይ ዘሕረሮ ሎሚ ድማ ሃንቀውታና በኒኑ ክብል ምድፋሩ፡ ክሳብ ክንደይ ብዘይተኣደነ ምፍሳስ ደም ዘይረወየ ብስቓይ ሰባት ዝሕጎስ ርጉም ምዃኑ ዘርኢ እዩ።
እቲ ካልእ ዘገርም ኣብ ኢትዮጵያ ጀሚሩ ነይሩ ዝበሎ መስርሕ ለውጢ ምብናኑ ዝሻቕሎ ምዃኑ ዝጠቐሶ እዩ። ኣብ ኤርትራ “ድምጺ ለውጢ ንከይስማዕ” ከይደቀሰ ዝሓድር ዲክታተር፡ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ለውጢ መቐጸሊ መሲሉ ክቐርብ ምፍታኑ ክሳብ ክንደይ ብተገራጫዊ ኣተሓሳስባ ይህወጽ ከምዘሎ የመልክት። እዚ ከኣ ካልእ መርኣያ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘለዎ ኣሽካዕላልን ንዕቀትን ምዃኑ፡ ምስትውዓል ዘድልዮዩ። ኢድ ኣእታውነተይ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ክቕጽሎ እየ ክብል እንከሎ፡ ነቲ ምስ ብልጽግና ኮይኑ ክዘራርጎ ወጥንዎ ዝነበረ’ሞ ዝበርዓኖ ዕብዳን፡ መጣፍእቲ ቀይሩ ክቕጽሎዩ ይሸባሸብ ከምዘሎ ዘርኢዩ።
እዚ መደረ ኢሳያስ መልእኽቱ ብሓፈሻ ናብ ዝተፈላለዩ ወገናት ኮይኑ፡ ብፍላይ ድማ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዘቕነዐ እዩ። ትሕዝቶኡ ከኣ ኣብ ናይ ክሳብ ሕጂ ጉዕዘኡ ምስሊ ህዝቢ ኤርትራ ደዊኑ፡ ኣብ ዘይምልከተቶ ውግኣት እናተጠበሰ፡ “ወላድ መኻን” ንክገብሮ ይፍክር ምህላዉ እዩ። ስለዚ ህዝብና ንከምዚ ዝኣመሰለ ዘይሓላፍነታዊ መልእኽቱ ክሰምዕ ናይ መጀመርታኡ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ንዝኾነ ነገር ደረት ስለ ዘለዎ፡ “ደጊም ኢደ-እግርኻ ኣክበልና” ክብሎ ምርጫኡ ዘይኮነ ግደታኡ’ዩ።
ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኩሉቲ ኢሳያስ ዝኣጉዶ ሓዊ ቀዳማይ ግዳይን ተሓታትን ዝኸውን ንሱ እናሃለወን ንገዛእ ርእሱ ድሒኑ ህዝቢ ከድሕን እናተገበኦን፡ ካብ ኣገልጋልነት ፈሊኻ ብዘይረአ ኢደበይዛ ጥፍኣት ህግደፍ ኮይኑ ክቕጽል ነውሪ’ዩ። ብውሕዱ ንገዛእ ርእሱ ዘይምድሓኑ ድማ ክሳብ ክንደይ ኣብ ትዕዝብቲ ከም ዘውድቖ ከስተብህል ይግበኦ።
ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ በዚ ናይ ኢሳያስ መደረ ጥራይ ዘይኮነ፡ በቲ ሓፈሻዊ ኩነታት ሃገርና ይሻቐል ከምዘሎ ርዱእ’ዩ። እንተኾነ ካብኡ ትጽቢት ዝግበረሉ ሻቕሎት ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይቲ ዘሻቕል መፍትሒ ምርካብ’ዩ። ነዚ ዘብቅዖ ውሁድ መደርኽ ናይ ምፍጣር ጻዕሩ ዝያዳ ከቐልጥፍ ከኣ ህልዊ ምዕባለ ዘሰክሞ ዘሎ ከቢድ ሓላፍነት እዩ።
“ጽምዶ” ሰፊሕ ትርጉም ዘለዋ ቃል ኮይና፡ ብፍላይ ኣብ ሕርሻዊ መስርሕ ነባር ባህላዊ ትርጉም ኣለዋ፡ መልእኽታ በበይኖም ከድምዑ ዘይክእሉ ኣካላት ተላፊኖም ንክወፍሩ እተኽእል መራኸቢት እያ። ጽምዶ ንምዕሩይ ናይ ሓባር ተጠቃምነት ናይቶም ተጻመድቲ ከም እትውዕል ንምግባራ ድማ ምስትውዓልን ምትሕልላይን ይሓትት። ኣብዚ እዋንዚ ከኣ ምስ ፖለቲካዊ ትርጉም መድረኽ ሒዛ’ላ
ኣብ ሕብረተሰብና ብሓደ ኢድካ ከምዘይጣቓዕ፡ ብቓንጃ ብዕራይ’ውን ስለ ዘይሕረስ፡ ሓደ ብዕራይ ዝውንን ተመሳሳሊ ኩነታት ምስ ዘለዎ ተራኺቡ ምጽማድ ልሙድ ኣሰራርሓ እዩ። ኣብዑር ኣላፊንካ ምጽማድ ኣገዳሲ ኮይኑ፡ እቲ ወሳኒ ግና እቲ ዕርፊ ጨቢጡ ነቶም ዝተጸምዱ ዝሓርሶም ሓረስታይ እዩ። እቲ ሓረስታይ፡ ተበላጺ፡ ተንኮለኛን ስሱዕን እንተኾይኑ፡ እቲ ጽምዶ ይዳኸም ወይ ይፈርስ፡ እቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ እቶት’ውን ኣይሕፈስን። በዚ መሰረት ጽምዶ ሃንደፍ ኢልካ ዝእቶ ክስተት ዘይኮነ፡ ዕላማኡን ቀጻልነቱን እንታይን ከመይን እዩ? ናይቶም ተጻመድቲ ዓቕሚኸ ክሳብ ክንደ እዩ ዝመጣጠን? ዝብሉ ሓሳባት ኣብ ግምት ዝኣቱ እዩ። ኣብቶም ተጻመድቲ ምምጥጣን እንተዘየልዩ ግና ምግድዳዕን ምጥልላምን የስዕብ። እቲ ርክብ፡ ዝተፈላለየ ኣተሓሕዛን ብቕዓትን ብዘለዎም ስለ ዝዝወር ንተጻመድቲ ክሳብ ክንደይ ከም ዝኸብዶም ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን።
ኣብዚ እዋንዚ፡ እቶም ቅድሚ ሕጂ ንሳቶም ብዝኣጐድዎ ውግኣት፡ ህይወት ኣእላፍ ዘጥፍኡን እልቢ ንብረት ዘዕነዉን ውድባት ህግደፍን ህወሓትን ሎሚ ከኣ፡ ብመጉላሕቶም ኣቢሎም “ጽምዶ ንፈጥር ኣለና” ዝብል ጽዑቕ ዘይቀጥታዊ ዜናታት ይዝርግሑ’ለዉ። ቅድሚ ሕጂ ክስራሕ ክፈርስን ዝጸንሐ ናይ ጉርሒ ዝምድናኦም’ውን፡ ዋላ ዝተፈላለየ ኣስማት ይወሃብዎ ብትሕዝቶኡ ካብዚ ሎሚ ዝጉስጐሰሉ ዘሎ ጽምዶ ዝፍለ ኣይነበረን። ሃናጺ ኣይነብረን ሎሚ’ውን ኣይኮነን ካብ ዝበሃለሉ መሰረታዊ ምኽንያት ከኣ “ብፍላይ ብወገን ኤርትራ ህዝቢ ዘይፈልጦን ዘይተሳተፎን” ምንባሩን ብምዃኑን እዩ። ብመሰረቱ’ውን ምስ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ዝግበር ርክብ፡ “ጽምዶ ክባሃል ይካኣል ድዩ? ዝብል ሕቶ ዘኸትል እዩ። እቲ ካልእ ኢንታኡ ከኣ ወትሩ ተዘራሪኻ ንግዝያዊ ህልውና ናብ ውግእ ምእታው እንተዘይኮኑ፡ ዋላ ንይምሰል ምእንቲ ንሰላም ዝሰብኽ ዘይምዃኑ’ዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ብሰንክ’ዚ ናይ ጽምዶ ሸበድበድ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ኣካላት ኣዝዩ በሊሕ ፍልልይን ምትህልላኽን ይፍጠር ኣሎ። እቲ ፍልልይ ብዙሓት መልከዓት ዘለዉዎ ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራውያንን ተጋሩን፡ ኣብ ውሽጢ ደገፍቲ ህግደፍ፡ ኣብ ሕድሕድ ደገፍቲ ህወሓት፡ ኣብ ኤርትራውያን ሓይልታት ለውጢ……ወዘተ እናበልካ፡ ነዊሕ ዝዝርዘር ኣለዎ። ኣብ መንጎ ህወሓትን ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ከኣ ኣዝዩ ዘተፋንን ዘሎ እዩ። እቲ ናይ 2018 ዝምድና ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብይ ኣሕመድን ንደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ናብ ዘይተጽበዮ ዘየረዳድእ ኣጀንዳ ዘእተዎ ከይድገም ዘየሰክፍ ኣይኮነን። ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ እምበኣር፡ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ተመኩሮኡ ተማሂሩ፡ ብሰንኪዚ ዝእለም ዘሎ መጻወድያ፡ መሰረታዊ ተልእኮኡ ከይስሕት ከስተውዕል ይግበኦ።
ናይዚ ጽምዶ እናተባህለ ዝፍጠር ዘሎ ሸበድበድ፡ ሓደ መርኣያ ናይቲ ኣብ ከባብና ናህሩ ዝውስኽ ዘሎ ሓድሽ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ምዃኑ ርኡይ እዩ። ከምቲ ኮሚተ ወጻኢ ዝምድናታት፡ ሕብረት ኤውሮጳን ሰነይት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ንዘይርጉእ ኩነታት ዞባና፡ ክድህስሱ እንከለዉ፡ “ኤርትራን ኢትዮጵያን ንትግራይ ኣብ ማእከሎም ገይሮም ኣብ ሓያል ምውጣት ተጸሚዶም ኣለዉ” ዝበልዎ፡ “ንህልዊ ኩነታት ትግራይ መን መዝመዘ” ኣብ ዝብል፡ ሓያል ምውጣጥ ይካየድ ኣሎ። ፖለቲካዊ ዘይርጉእነት ትግራይ ነዞም ዝዋጠጡ ዘለዉ ዝተቓለዐ ምዃኑ ከኣ፡ ንብዙሓት ዘተሓሳስብ ኮይኑ’ሎ። ህዝቢ ትግራይ ብዛዕባዚ ከቢድን ዝተሓላለኸን ክስተት ተጠንቂቑ ክውስን ከቢድ ሓላፍነት ኣለዎ።
ነዚ ናይ ኣሰላልፋ ምግልባጥ፡ ከምቲ “ባዕላ መምጽኢት ደርፊ፡ ባዕላ መጥፍኢት ደርፊ” ዝበሃል፡ ተዓዛባይ ጥራይ ኮንካ “ድላዮም ይግበሩ” ኢልካ ዝሕለፍ ዘይኮነ፡ ብትሪ “ዓገብ” ክትብሎ ዘገድድ ኮይኑ’ሎ። ምኽንያቱ ናይዚ መዛረቢ ኮይኑ ዘሎ “እንዶ ዘየብሉ ጽምዶ ” ሳዕቤንን ዕዳን ዝኸፍሎ እቲ መንቀሊኡ ኮነ መዓርፍኡ ዘይፈልጦ ክልቲኡ ህዝብታት ስለ ዝኸውን።
ኣብ ምግጣም እዚ ዝረአ ዘሎ በሎበሎ፡ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን መሪሕ ግደ ክጻወቱ ዝግበኦም ምዃኖም፡ ኣብ ርእሲቲ ዘለዎም ተረድኦ ምዝኽኻሮም እዋናዊ እዩ። እንተቲ “ክልቲኡ ጐረባብቲ ህዝብታት ደላይ ሰላምን ስኒትን’ዩ” ዝበሃል ግና፡ ርዱእን ክንሰርሓሉ ዝጸናሕናን እምበር፡ ናይዚ ልኡላውነት ዘይንታዩን ፍኑውን ኣካይዳ ሓድሽ መጸዋዕታ ንጽበየሉ ኣይኮነን። ሰዲህኤ ኣብ 4ይ ጉባአኡ ኣብ ዘጽደቖ መደብ ዕዮኡ፡ “… ምስ ጐረባብቲ ሃገራት፡ እንገብሮ ዝምድና ኣብ ናይ ሕድሕድ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢድ ምትእትታው ዘየፍቅድ፣ ስኒትን ሰላምን ዝመለለይኡ ናይ ከባቢና ዕብየትን ርግኣትን ዘስፍን ፖሊሲ ከምንኽተል ንምርግጋጽ ጻዕርታት ክግበር ኢዩ” ዝብል፡ ሓሳብ ምስፋሩ ከኣ ንማዕርነታዊ ዝምድና ጐረባብቲ ህዝብታት፡ ዘለዎ ተገዳስነት ዘርኢ እዩ።
ተጋሩ ይኹኑ ካለኦት ምስ ህግደፍ ዝጻመዱ ወገናት፡ ነታ “ህግደፍሲ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ፡ ንኻልእ ህዝብን መጻምድትን ክሓሊ ኣይክእልን እዩ” እትብል መልእኽቲ ክዝንግዕዋ ኣይግበኦምን። ሓንቲ ባህሪ ህግደፍ ዝተረደአት ኢትዮጵያዊት፡ ኤርትራውያንን ተጋሩን ደገፍትን ተቓወምትን እቲ ጽምዶ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ፡ “ህግደፍሲ ቅድሚ ብባጽዕ ኣፍደገ ከፊቱ፡ ንተጋሩ ስርናይ ካብ ከናዳ ምምጺኡ ምልጋሱ፡ ቅድም እስኪ እቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ፍትሒ፡ ሕገመንግስታዊ ምምሕዳር፡ ዲሞክራስን ሰላምን ንህዝቢ ኤርትራ ሂቡ ልግሱ የርእየና” ክትብል ተሰሚዓ። ንሕና ከኣ እቲ ጉጅለ ቅድሚ ካልእ መዛምድቲ ንምርካብ ሃንደፍደፍ ምባሉ፡ “ምስ ህዝቢ ኤርትራ እንዶ ንቡር ዝምድና ፍጠር” ኢና እንብሎ።
“ከምቲ ቀዳማይ ስሕታን ካለኣይ ዕብዳን” ዝበሃል፡ ውድብነቱ ብምስራዙ ኣጀንዳ ኮይኑ ዘሎ ህወሓት፡ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ተመኩሮኡ ዶ ይመሃር ወይ ኣብ ኣርዑት ህግደፍ ይጽመድ? ባዕሉ ክምልሶ ዘለዎ’ዩ። ገለ ተጋሩ ንህግደፍ “ሕጹብ ከም ጲላጦስ” ገይሮም፡ ንዓኡ ምእንቲ ከሕጉሱ፡ ምእንቲ ለውጢ ንዝቃለሱ ዘለዉ ኤርትራውያን ከጸልሙን ናይ ትግራይ ሃገርነት ኣፍልጦ ካብ ህግደፍ ክጽበዩን ይስምዑ እዮም። ህዝቢ ትግራይ ትማሊ ንህግደፍ ክሳብ ክንደይ ይረግሞ ነይሩ? ሎሚኸ?” ዝብሉ ምምዛን’ውን ንዓኡ ይምልከት።
እንተ ህዝቢ ኤርትራ ብህግደፍ ብተደጋጋሚ ግዳይ ዝኾነን ዝኸውን ዘሎን ብምዃኑ፡ ቃልሱ ክሳብ ዓወት ዝቕጽል እምበር፡ በቲ ካበይ መጺኡ ናበይ ከም ዝኸይድ ዘይፈልጦ ጽምዶ ኣይክጥበርን እዩ።
ኤርትራ ብተፈጥሮ ዝተዓደለቶም ዝተፈላለዩ መልክዓት ኣለዉዋ። ብመንጽር ጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጠኣ እትውንኖም ጐላጉል፡ ጐቦታት፡ ኣፍላጋትን እምባታትን ንብዙሕነታ ካብ ዘማዕርጉ እዮም። ብሳላዚ ጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣን ውህብቶታትን ድማ ብዜጋታታ ከም ኣደ እትፍቶ፡ ብዝተፈላለየ ብወጻእተኛታት ከኣ ኣዝያ እትበሃግ፡ ነዊሕ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝተዓጥቀት ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር እያ።
ካብ ሓፈሻዊ መግለጺ ኣደዃኹና ኤርትራ፡ ደጋ፡ ወይነደጋንን ቆላን ዝጥቀሱ እዮም። ከም ውጽኢት ናይዚ በብዓይነቱ ኣቀማምጠኣ ድማኣ ዝተፈላለዩ፡ ኣግራብ ዝበቑሉላ፡ እንስሳ ዝራብሑላ፡ ልዕሊ ምድርን ትሕተ ምድርን ዝርከቡ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ እትውንን እያ። ሳላዚ መሳጥን ሃብታምን ተውህቡኣ፡ ብዘይካቲ ንምንባሩ ዘብህግ ኩነታት ኣየራ፡ ንሕርሻዊ፡ ንግዳዊ፡ ቱሪዝምን ካልእ ቁጠባዊ ምንቅስቓሳትን ትሃራፊት እያ። ኣቀማምጣኣ ምስ ካልእ ተፈጥሮኣዊ ጸገኣ ተደሚሩ ብዝፈጥሮ ምቅይያራት፡ ከምቲ ኣብ ካለኦት ሃገራት ዝረአ ኣብ ዓመት፡ ክረምቲ፡ ቀውዒ፡ ሓጋይን ጽድያን ዝበሃሉ ነናቶም ክሊማዊ መግለጺ ዘለዎም ዝተፈላለዩ ባህልላውን ቁጠባውን ምንቅስቓሳት ዝንጸባረቐሎም ክፍልታት ዓመት ኣለዉዋ።
ኣብ ርእሲ’ዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታታ፡ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዝዛረቡላ፡ በበዓይነቱ ባህላዊ፡ ስነጥበባውን ስፖርታውን ንጥፈታት ዝዝውተሩላ፡ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ እምነታት ዝንጸባረቑላ፡ ብዙሕነት ዝማዕረገት እያ። ብዛዕባ ብዙሕነት ኤርትራ ክለዓል እንከሎ፡ “ከበሳን መታሕትን” ኢልካ ምግላጻ ልሙድ እዩ። እዞም ክልተ ዓበይቲ ጀኦግራፍያዊ ክፋላት ሃገርና ነፍሲ ወከፎም ነቶም መግለጺ ብዙሕነት ህዝባ ዝኾኑ ዛዕባታት ኣብ ምንጽብራቕ ነናቶም ብጽሒት ኣለዎም። ውህደት ናይዞም ክልተ ክፋላት ክሳብ ክንደይ ሓድነታ ከም ዘደልድል ንምቅላሕ ከኣ “ኣስላማይ ክስታናይ ወዲ ቆላ ደጋ፡ ንውዲት ጸላኢ ኣይንሃቦ ዋጋ” እናተባህለ ተደሪፉላ እዩ።
መብዛሕትኡ ነባሪ መታሕት ሰዓቢ ሃይማኖት ምስልምና ኮይኑ፡ መጓሰ ዘዘውትርን ክኸውን እንከሎ፡ ብኣንጻሩ ኣብ ከበሳ ዝነብር መብዛሕትኡ ኣብ ክርስትና ዝኣምን ናይ ቀዋሚ ሕርሻ ተመኩሮ ዘለዎ እዩ ኢልካ ምጥቃሶም ይከኣል። ቋንቋ፡ ባህልን ካለኦት ብዙሕነትን ድማ ከምኡ ከከም ከባብኡ ዝዝውትውርሉ ላዛን ኣገባብን ኣለዎም። እዚ መርኣያ ብዙሕነት፡ ህዝቢ ዝፈላሊ ዘይኮነ፡ ናይ ሓባር ጽንዓትን ዓቕምን ፈጢሩ ዘቀራርብን ዘሳንን እዩ። እዚ ንይምሰል ዝጸሓፍን ዝዝረብን ዘይኮነ፡ ኣብ ተመኮሮ ቃልስና ምስጢር ዓውትና ምዃኑ ዘመስከረ እዩ።
ምስጢር ዓወት ኤርትራውያን ምክእኣሉን ምጽውዋሩን ምዃኑ ዝተረድኡ ጸላእትና ካብ ቀደም ጀሚሮም ቃልስና ንምድኻም፡ ካብቶም መግለጺ ብዙሕነና ዝኾኑ ዛዕባታት እናመዘዙ ክፈላልዩና ፈቲኖም፡ እንተኾነ ኣይተዓወቱን። ኣብዚ እዋንዚ’ውን ህግደፍ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣዳኺሙ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ስምዒታት እናጻሕተረ ካብ ምክፍፋልና ዓዲ ከምዘይውዕል ንከታተሎን ንቃለሶን ዘለና እዩ።
ኣብ ተመኩሮና ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ንምድኻም፡ ሃይማኖት፡ ባህሊ፡ ቋንቋን ዝኣመሰሉን ንምምዝማዝ ከብ ዝተራእዩ ፈተነታት፡ ኣብ ግዜ ደርጊ “ምንቅስቓስ መታሕት/ቆላማ” ዝበሃል ዝነበረ ፈተነን በዓል ሱልጣን ዓሊ ሚራሕ ዝኣልምዎ ዝነበሩ ውዲታትን ንኣብነት ዝጥቀስ’ዩ። ንከበሳነት መዝሚዝካ ዝህቀን ሸርሕታት’ውን ነይሩ እዩ ። ብመንጽር’ዚ ንናይ ጸላእቲ ውዲት ክትስዕር ምብቃዕ ጥራይ እኹል ኣይኮነን። ኣብቶም ምእንቲ ኣብ ኤርትራ ዘተኣማምን ቀጻሊ ለውጢ ንምርግጋጽ ዝቃለሱ ዘለዉ ናይ ለውጢ ወገናት እውን ኣብ ውሽጦም ነቲ ብዙሕነት ኣከኣኢልካን ተጸዋዊርካን ናይ ሓባር ዓቕሚ ናይ ምፍጣር ብደሆ ክበቕዕዎ ይግበኦም።
እዚ ምርግጋጽ እንተዘይተኻኢሉ ግና እቲ ኣብ ልዕሊ መግዛእቲ ዝተመዝገበ ነጻን ልኡላዊትን ኤርትራ ናይ ምውሓስ ዓወት፡ ኣብ ልዕሊ ጸረ ዲሞክራስን መሰረታዊ መሰላትን ህግደፍ ምድጋሙ ኣጸጋሚ ከም ዝኸውን ምግንዛብ የድሊ። በዚ መስረት ኢና ከኣ “ሎሚኸ ኣብ ኣተሓሕዛ ብዙሕነትና ኣብ ከመይ ደረጃ ኣለና?” ኢልና ክንሓትትን ክንምልስን ክንበቅዕ ዝግበኣና። ሓሓሊፉ ዝረአ ዘሎ ናብ ሃይማኖትን ኣውራጃን ዘድህብ ፍልልያትን ዘይምክብባርን፡ ብዙሕነትና ኣብ ክንዲ ዓቕምን መልክዕን ዝኸውን ኣብ ሓደጋ ዘውድቐና ንከይከውን ቅድሚት ሰሪዕካ ክትቃለሰሉ ወሳኒ እዩ። ምኽንያቱ ሓድነትና ኮነ ሓባራዊ ወፍርና መሰረታዊ ናብ ዓወት ዘብጸሓና ስለ ዝኾነ።
ቅድም ሓይልታት መግዛእቲ፡ ሎሚ ድማ ጸረ ሰላም፡ ዲሞክራስን ፍትሕን ጉጅለ ህግደፍ፡ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ጸላእቲ እምበር ናይ ውሱን ኤርትራዊ ኣካል ፈተውቲ ናይቲ ካልእ ከኣ ጸላእቲ ኣይነበሩን ኣይኮኑን። ናይ ህግደፍ ጸላኢ፡ ሃይማኖቱ፡ ኣውራጃኡን ባህሉን ብዘየገድስ እቲ ምእንቲ ሰላምን ዲሞክራስን ልምዓትን ዝሕለቕ ህዝባውን ብዙሕነታውን ኣተሓሳስባ ዝውንን ምዃኑ ምግንዛብ መሰረታዊ እዩ። ህግደፍ ብዘይካ ጉጅላዊ ረብሓኡን ኣብ ስልጣን ምቕጻሉን ንሃይማኖት፡ ኣውራጃን ንካልእ ብዙሕነትን ኣይሕለቕን እዩ። ብዓብይኡኮ ህግደፍ ከም መግለጺ ንጭካነኡ እዩ “ኣፍሪቃዊ ሰሜን ኮርያዊ” ዝተባህለ። ስለዚ ህግደፍ ንምስዓር፡ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ኣብ ብዝሑነት ኤርትራን ኣተሓሕዛኡን ወሓለን ሓላፍነታውን ክኸውን ወሳኒ እዩ።
ናይ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ዝተፈላለዩ ዕዉታት ተመኩሮታት’ውን ከም ዘመስክርዎ፡ እቶም ኣብ ቃልሲ ረብሓ ዘለዎም ወገናት ኣብ ሓደ መዓልቲ ክብገሱን ቁጽሮም ክበዝሕን ልሙድ ኣይኮነን። ስለዚ ናይቶም ኣቐዲሞም ዝተበገሱ ኣተሓሳስባ ሓቛፍን ክፉትን ክሳብ ዝኾነ፡ ካለኦት ሰብ ዋኒን ኣብቲ ዛዕባቲ ተረድኦ ክሓድሮም እንከሎ ዝስዕብዎ እዩ። እቶም ጀመርቲ ብዙሕነታዊ ኣተሓሳስባኦም ከፊቶም ዓደምቲ እምበር፡ ነጸግቲ ክኾኑ ሃናጺ ኣይኮነን። ኣብ ሓደ ፖለቲካዊ መስርሕ ኩሉ ብዙሕነት ዝሳተፈሉ ምሉእነትን ሓቛፍነትን ክህሉ መሰረታውን ኣገዳስን እዩ። እንተኾነ እዚ ብናይ ቃልሲ ኣብ መስርሕ ዝረጋገጽ እምበር፡ ኣብ ሓደ ጸሓይ ብኣዋጅ እንተዘይተረጋገጸ እትብሎ ኣይኮነን። ንሓደ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ፡ እቲ መሰረታዊ መምዘኒኡ ተሳተፍቱ ካበይን ናይ መንን እዮም ዘይኮነ፡ ዝምረሓሉ ኣተሓሳስባ እዩ።
ስለዚ ብፍላይ ኣብዚ በጺሕናዮ ዘለና ወሳንን ተሃዋስን ናይ ቃልሲ ዕቤት፡ ብዙሕነትና ስግኣትና ዘይኮነ፡ ዓቕምናን መልክዕና ምዃኑ ተቐቢልና ኣብ መትከል ምጽውዋርን ምክእኣልን ጸኒዕና ካብ ምምሕዳሩ ካልእ መተካእታ የብልናን።
ወያነ ጌም ኦቨር >ተኾሊፍና> ጽምዶ!
ህግደፍ ካብ ዝግለጸሎም፡ በብግዜኡ ዝምስርቶ ኢደ-ወነናውን ዘይህዝባውን ዝምድናታት እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሃላሊ ዝምድናታት ረብሓ ህዝቢ ኣብ ግምት ዘእቱ ዘይኮነ፡ ኣብ ስልጣን ካብ ናይ ምንባር ሕሳብ ጥራ ዝነቅል’ዩ። ህግደፍ ካብ ሕገመንግስታዊ ስርዓት ዝሃድመሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ነዚ ፍኑው ኣካይዳኡ ንምትግባር እዩ። ብሰንኪቲ ዘካየዶ ዘይግሉጽ ዝምድናታት ከኣ ህዝብና ኣብ ገዛእ ዋኒኑ ጓና ክኾነሉ ዝጸንሐ እዩ።
ህግደፍ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ክጸምዶ ዝጸንሐ ናይ “ስርሕ-ብትን” ዝምድናታት ኣርሑቑ ዘይርኢ ምንባሩ ርኡይ እዩ። ተመኩሮ ዝምድናኡ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት እውን ካብዚ ዝተፈልየ ኣይኮነን። ደረጃታቱ’ኳ ዝፈላለ እንተኾነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሰንክ’ዚ ዘይቅርዑይ ርክባት ክሳቐ ጸኒሑን ኣሎን። ናይ ኩሉ’ቲ ክኸዶ ዝጸንሐ ዘይሓላፍነታዊ ዝምድናታት መንቀሊኡ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከርእዮ ዝጸንሐን ዘሎን ጥልመታትን በለጽን ምዃኑ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን።
ዘይትካላውን ዘይግሉጽን ዝምድናታት ህግደፍን ኣፈራርሳኡን፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ክረአ ዝጸንሐን ዘሎን እዩ። እዚ ዘይርጡብ ዝምድና በቶም ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ነናቶም ግደ ዝነበሮም ውድባት ህግሓኤን ህወሓትን ካብ ግዜ ቃልሲ ኣንጻር ስርዓት ደርግ ዝጅምር እዩ። በብግዜኡ ክመሓዘዉን ክበኣሱን ከም ዝጸንሑ ክልቲኦም ከም ኣካል ታሪኾም ዘዘንትውዎ ኮይኑ፡ ናይቲ ዝበኣስሉ ዝነበሩ መድረኻት ተሓታቲ መን ምንባሩ ግና ወትሩ ዝካሰስሉ እዩ። ካብቲ ናይ ዝምድናኦም ዘይቅዱስ ምዕራፍ ሓደ፡ ሓቢሮም ኣንጻር’ታ ኣብ ቃልሲ ንነጻነት ኤርትራ ዓብይ ግደ ዝነበራ ተሓኤ ውግእ ከፊቶም ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ዘዳኸምሉ ጭካነ ምንባሩ ከም ኣካል ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተመዝጊቡ ዘሎን ዝቕጽልን እዩ።
ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ ኣብ መንጎ ህዝባዊ ግንባር ዝመርሖ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራን ልዕልና ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝነበሮ መንግስቲ ኢህውደግን ዝምድና ነይሩ እዩ። “እቲ ዝምድና ብወገን ኤርትራ በየናይ ትካላዊ ኣካል ተመስሪቱ?፡ ዕላምኡ እንታይ ነይሩ? ንህዝቢ ዝነብሮ ጠቓምነትከ ክሳብ ክንደይ እዩ?” ዝብሉ ሕቶታት ክሳብ ሎሚ ኣይተመለሱን። ህግደፍ ነቲ ዘይትካላውን ዘይግሉጽን ዝምድና ተጠቒሙ ጉጅላዊ ካዝናኡ ይመልእ ከም ዝነበረ ግና ዝከሓድ ኣይኮነን። ካብዚ ሓሊፉ ህግደፍ ክሳብ “ንዶባት ትርጉም ናብ ዘየብሉ ብርኪ ከነብጸሖ ኢና” ዝበለሉ ግዜ’ውን ነይሩ እዩ።
ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ፡ እቲ ዘይግሉጽን ዘይህዝባውን ዝምድና ኣሉታዊ ሳዕቤን ከም ዘኽትል፡ ሰማዒ’ኳ እንተዘይረኸቡ ብዓንተብኡ ዘጠንቀቑ ኣርሒቖም ዝርእዩ ኤርትራዊ ውድባት ነይሮም እዮም። ነቲ ብግብሪ ዝተራእየ ስለ ዘተንብሁ፡ “ናይ ህዝብታት ሕውነት ዘይፈትዉ” እናተባህሉ ዝተጸርፉ’ውን ውሑዳት ኣይነበሩን። ከምቲ ኣርሒቖም ዝጥምቱ ግና ሰማዒ ዘይረኸቡ ዝገመትዎ ከኣ፡ እቲ ዝምድና ፈሪሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ከቢድ ዕንወት ብዘኸተለ ወእግ ተሰንዩ ተኸሲቱ።
ድሕሪኡ’ውን ህግደፍ በቲ ቀዳማይ ጌጋኡ ብዘይምምሃርን ብዘይስኽፍታን፡ ነቲ ክቐርቦ ዝጸንሐ ምሕጽንታ ብምንጻግ በቲ ኢደ-ወነናዊ መንገዱ ምቕጻል ንከኽእሎ፡ ነቲ ናይ 1997 ሕገመንግስቲ “ዝሞተ ሰነድ እዩ” ኢሉ ክጉሕፎ ድሕር ኣይበለን። ንዓመታት ኣድብዩ ምስ ጸንሐ ከኣ፡ “ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ስምምዕ ኣልጀርስ ምሉእ ብምሉእ ከም ዘተግብር ቃል ኣትዩ” ብዝብል ምስምስ፡ ኣብ 2018 ናብ ሓድሽ ዕርክነት ምስ ኢትዮጵያ ኣትዩ። ናብዚ ሓድሽ ምዕራፍ ንምእታው፡ ብክልቲኦም ወገናት “ኣየናይ መንግስታዊ ትካል’ዩ ወሲንዎ? ሎሚኸ ረብሓ ህዝብን ቀጻልነት ናይቲ ስምምዕን ተሓሲብሉ ድዩ?” ዝብሉ ሕቶታት ኣይኮነንዶ ሽዑ፡ ክሳብ ሎሚ’ውን ኣይተመለሱን።
እቲ ሓድሽ ስምምዕ’ውን፡ ኣርሒቑ ዘይርእን ስምዒታውን ብምንባሩ፡ ከምኡ ከኣ ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮ ብዘይምምሃሩ፡ ነዊሕ ዕድመ ከምዘይህልዎ፡ ናይ ብዙሓት ተረድኦ ነይሩ። “እዞም ብኣተሓሳስባን ብዝኽተልዎ ፖሊሲን ዘይሰማምዑ መራሕቲ እንታይ ንምርግጋጽ እዮም ዝዛመዱ ዘለዉ? ዝብል መሰረታዊ ሕቶ፡ ብሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ’ውን በተደጋጋሚ ዝለዓል ዝነበረ እዩ።
ህግደፍ ምስ ብልጽግና ምዝማዱ ምስ ኣወጀ፡ ነዊሕ ከይጸንሓ ኣብቲ ምግማቱ ዘጸግም ጉድኣት ዘኸተለ ውግእ ትግራይ ብምሉእ ዓቕሙ ኣትዩ። ኣብዚ’ውን ከምቲ ናይ ቅድም፡ ብወገን ኤርትራ “ኣየናይ ትካላዊ ኣካል’ዩ ሓላፍነት ወሲዱ ናብቲ ውግእ ንምእታው ወሲኑ?” ዝብል ሕቶ፡ ብብዙሓት ዝተላዕለ ኮይኑ፡ መልሱ ከም ናይቲ ዝቐደመ ሕቶታት “ኢሳያስን ጉጅለኡን” ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ካልእ መልሲ ኣይነበረን። ድሕሪ ውግእ ትግራይ “ተኾሊፍና” ዝበለ’ውን ኢሳያስ ኣፈወርቂ ባዕሉ እምበር፡ ብዛዕባ’ቲ ውግእን ኣሉታዊ ውጽኢቱን፡ ካብ ካልእ ሲቪላዊ ወይ ወተሃደራዊ በዓል መዚ ህግደፍ ዝተሰምዐ ድምጺ ኣይነበረን። ብመሰረቱ’ውን ብሕገመንግስቲ ኣብ ዘይምራሕ ስርዓት፡ “ፓርላማ እንታይ ኢሉ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራትከ እንታይ ደጊሙ?” ኢልካ ክትሓትት ዝሕሰብ ኣይነበረን ሎሚ’ውን ኣይኮነን። እቲ ውግእ ብፍላይ ኣብቲ ዝተኻየደሉ ክልል ትግራይ ዘውረዶ ኩሉ መዳያዊ ዕንወት ብብዙሕ ዘሳቕቕ መልከዓት ዝግለጽ ምንባሩ ኣህጉራዊ ትካላት ከይተረፉ ዝመስከርሉ እዩ። ብወገን ኣካላት ህግደፍ’ውን ኣብ ዙርያኡ ዘይተነዝሐ ናይ ጽልኢ መርዚ ኣይነብበረን።
ጉጅለ ህግደፍ ሎሚ’ውን ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝፈጸሞ ኣሉታውን ዘይሓላፍነታውን ተግባሩ ከይተማህረ፡ ምስ ክልል ትግራይ “ጽምዶ” ዝበሃል ሓድሽ ቅዲ ዝምድና ናብ ምፍጣር ትንዕምንዕ የርኢ’ሎ። ወዮ ኣብ ንቡር ሕገመንግስታዊ ምምሕዳር፡ ካብ ሓጋጊ ወይ ፈጻሚ ኣካልን ዝኣመሰሉ መንግስታዊ ትካላትን እትጽበዮ ውሳነ፡ ብሓደ ስም ዲክተረር ኢሳያስ ጸሪሑ፡ መራሕ መንግስተይ ልኢኹኒ እንዳበለ ዝግዕርን፡ ተራ ናይ ጽልኢ ፕሮፖጋንዳ ሰባኺ ባእታ፡ “ንህወሓት ዝድግፉ ጋዜጠኛታት ናብ ኤርትራ ንክኣትዉ ተፈቒድሎም፡ ደጊም ትግራይ ብ360 ዲግሪ ኣይክትዕጾንያ፡ ከም ምስ ህዝቢ ሱዳን ዝገበርናዮ ምስ ህዝቢ ትግራይ ተኻፊልና ክንበልዕ ኢና፡” ዝብል፡ ኣብ ተጋሩ ዘማጉት ዘሎ መልእኽቲ ከመሓላልፍ ተሰሚዑ። ነዚ መልእኽቲ ክሳብ “ወደባት ኤርትራ ንትግራይ ክኽፈት’ዩ” ዝብል ዝመጥዎ ወገናት’ውን ኣለዉ። እዚ ትግራይ ኣካል ኢትዮጵያ ክነሳ፡ ንሓላፍነት ፈደራል መንግስቲ ዘንጊዕካ፡ ክግበር ዝድለ ዘሎ ጽምዶ፡ ነቲ “ንኢትዮጵያ ክትገዝኣ እንትኮይንካ ፋሕፋሕ ከነብላ ኣለካ” ዝብል ዓመጸኛ ብሂል መራሕቲ ህግደፍ ዘንጸባርቕ’ውን ይመስል።
እቶም “ንጽምዶ” ዝዕደሙ ዘለዉ፡ ነቲ “ህግደፍሲ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ ንካልእ ህዝቢ ኣይከውንን እዩ” ዝብል ተደጋጋሚ መልእኽትና ከመይ ይርድእዎ ንዓኣቶም ዝምልከት’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምሕያል ሰናይ ዝምድናታት ተቓውሞ ከምዘይህልዎ ርዱእ’ዩ። ግና ድማ ብጉልባብ ዝምድና፡ ልኡላውነት ክጠሓስ እንከሎን ኣብ ጉዳይ ካልኦት ኢድ ምእታውን ሳዕቤኑ ሓደገኛ ምዃኑ ዝግንዘብ ህዝቢ እዩ። ልኡላውነትካ ምዕቃብ ካብ ምኽባር ናይ ካለኦት ልኡላውነት ፈሊኻ ከምዘይርአ ህዝብና ዝስሕቶ ኣይኮነን። እዚ ዝረጋገጽ ከኣ ሕገመንግስታዊ ስርዓት ብምትካልን ትካላዊ ኣሰራርሓ ብምኽታልን እዩ እሞ፡ ምእንታኡ ከነካይዶ ዝጸናሕና ቃልሲ ክሳብ ዓወት ካብ ምቕጻል ካልእ ምርጫ የብልናን።
ናብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ እንተተመሊስና ከይነውሓና፡ ድሕሪ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ምኽታሙ፡ ኣብ ከባቢና ሓድሽ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ከም ዝተቐላቐለ ክንከታተሎ ዝጸናሕና እዩ። እዚ ተመሓዝዮም ዝጸንሑ ዝፋትሕሉ፡ ዝጠማመቱ ዝነበሩ ከኣ ሓድሽ ኪዳን ዝምስርትሉ ኩነታት ይፍጠር ምህላዉ ዘመልክት እዩ። እዚ ክትረግሞ ንዝጸንሓካ ብምምራቕ፡ ክትምርቖ ንዝጸናሕካ ከኣ ብምርጋም ብዝተቓነየ ፖሮፓጋንዳ ዝተሰነየ ምዃኑ ንሪኦን ንሰምዖን ኣለና። እቲ ዝጸንሐ ኮነ ክፍጠር ዝባሃል ዘሎ ዝምድናታት ናይቶም ተሰለፍቲ ኣብ ስልጣን ናይ ምቕጻል ክቱር ህርፋን ዝማእከሉ እምበር፡ ኣርሒቑ ዝጥምት “ረብሓን ባህግን ህዝብታት” ኣብ ግምት ዘእተወ ከም ዘይኮነ ብፍላይ ንኤርትራውያን ብሩህ’ዩ።
ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ፡ ብ1998 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ህዝቢ ዘይተጸበዮ ሃንደበታዊ ውግእ ምስ ተጀመረ፡ እቲ ተረእዮ ምእንቲ ፍትሕን ረብሓን ህዝብታት ዘይኮነን ቀጻሊ መፍትሒ ዘየምጽእን ብምንባሩ “ኣይፋልኩምን፡ መንገዲ ፍትሕን ሰላምን ከይጸንቀቕኩም ውግእን ዓመጽን ኣይተቐድሙ” ዝብል ስምዕታ፡ ብሓፈሻ ናይ ብዙሓት መንግስታት ብፍላይ ከኣ ናይቲ ግዳይ ዝኾነ ህዝብታት ክልቲኡ ሃገራት ነይሩ። እንተኾነ እቶም ውግእ ዝመረጹ መንቀድቲ፡ ነቲ ምግማቱ ዘጸግም ንዓለም ዘስደመመ ህይወትን ንብረት ዘህለቐ ውግእ ቀጺለምዎ። ኣንጻር እቶም ናይ ጥፍኣት መንገዶም ዘይተቐበሉ ኣካላት ከኣ ኣጸያፊ ጸለምታትን ጠቐነታትን ኣካይዶም።
በቲ ውግእ ኣብ ስልጣን ናይ ምቕጻሎም ዕድል ሓደጋ ምዃኑ ምስተረድኡ ግና፡ ብፍላይ ብወገን ህግደፍ ናብ ኣልጀርስ ኣምሪሖም ናይቲ ቅድም ዝተሓሰምዎ “ሰላማውን ሕጋውን መስርሕ” ተቐበልትን ሰበኽትን ኮይኖም፡ ካባ ስዕረት ተጐምጒሞም ንዋራ ዝደሓንሉ ምንባሩ ዝርሳዕ ኣይኮነን። እቲ ብሰንኮም ህይወት ደቁ ዝሰኣነን ንብረቱ በሪሱ ዝተመዛበለን ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ከኣ “ማይ ዕሚኹ”ተሪፉስ” ክሳብ ሎሚ ይቕንዞ’ሎ። ኣብ መጻኢ ከይድገም ተማሂርሉ ክኸውን ዝነበረ ተስፋ ከኣ፡ እንደጋና ጽልእን ቅርሕንትን ብምውላዱ እነሆ እቲ ህውከት ቀጻሊ ኮይኑ ።
እቶም ካብ ቅድም ነቲ ናይ ውግእ ምርጫ ዝተቓወሙ ወገናት፡ ነቶም ውግእ መሪጾም ዘይሰለጦም፡ ኣላሽ ዝበሉ፡ “ማንቲለሲ ዘሊላ ዘሊላ ናብ ምድራ” ከም ዝበሃል፡ “ንሕናኮ ነጊርናኩም ኔርና ኢና” ኢሎም ኣይተመክሕሎምን። ብኣንጻሩ ናብ ልቦም ተመሊሶም ልዝብን ምድምማጽን ስለ ዝመረጹ፡ እሞ እቲ ተግባር ንረብሓን ደሕንነትን ህዝቢ ስለ ዝኾነ፡ ንሓሳቦም ተቐቢለምዎ። ይኹን እምበር ድሕር’ዚ ጥፍኣትን ህልቂትን ዘኸትል ውግእ’ውን፡ ብህግደፍ ከም ክድገም ዝገመቱ ነይሮም እዮም። ግምቶም ከኣ ግምት ኮይኑ ኣይተረፈን።
ድሕሪ ዝተወሰነ ናይ ድንግርግር ዓመታት ፡ ከምቲ ሓደ ፖለቲከኛ “ተኲሲ ናይ ዘይስምዓሉ ውግእ ግዜ” ዝበሎ፡ ኣብ 2018 በዚ መጸ ዘይተባህለን ታህዋኽ ዝደፍኦን፡ ኣብ መንጎ’ተን “ዓይንን ሓመድን” ኮይነን ዝጸንሓ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን “ሰላም ተመሊሱ፡ ዶባት ተኸፊቱ” ምስ ተባህለ፡ ናይ ብዙሓት መዛረቢ ኮነ። እቶም ብጉርሒ ዝጐዓዙ ዝነበሩ መራሕቲ ሃገራት ከኣ፡ ገለን ተመስጊነምሉ ገሊኦም ድማ ናይ ሰላም ኖበል ተሸሊመምሉ፡ ገለ ድማ ካብ እገዳ ተናጊፈምሉ። “ንኢትዮጵያ በታቲንና ኢና ክንገዝኣ እንኽእል” ዝብላ ዝነበራ ልሳናት ህግደፍ ድማ “ዕላማና ኢትዮጵያ ከይትፈርስን ከይትበታተንን ምሕላውን፣ ወያነ ዳግም ናብ ስልጣን ከምዘይትምለስ ምግባርራ’ዩ” ክብላ ተሰሚዐን። በቲ ክስተት ተገሪሞም፡ “እንቀዓ መሻላ ዘይውደኣ ይመላ” ዝበሉ ጠርጠርቲ ከኣ ነይሮም። ካብዚ ሓሊፎም ሎሚ ክትዝክሮ እንከለኻ ብዘደንጹ፡ ባንዴራ ኢትዮጵያ እናምበልበሉ ኣብ ኣደባባያት ተጠሊዖም “ተደሚርና ኢና” ዝብሉ ደድሕሪ ህግደፍ ዝሰኸሩ ኤርትራውያን ድማ ተራእዮም።
ነቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዘየርበሐ ህግደፍ፡፡ በዓል ጽቡቖም ክኸውን ዝተመነዩ ስምዒታውያን ኢትዮጵያውያን ከኣ ንዲክታተር ኢሳያስ ዝመጉስ መዛሙር እናስምዑ ክዘሉ ተራእዮም። ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ግና እቲ ሓደ “ተኾሊፍና” ዘርእስቱ ናይ እንጽርጽሮት ዜማ ክስምዕ፡ እቲ ካልእ ከኣ “ብዝኾነ መንገዲ ወነንቲ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕርን ወደብ ዓሰብን ክንከውን ኢና” ኢሉ ክጭድር ተሰሚዖም። እቲ ክስተት ንህዝቢ ኤርትራ ጥልመት ህግደፍን መራሒኡን ሓድሽ ካምዘይኮንዎ ርዱእ’ዩ።
ህግደፍ ንመጻኢ’ውን ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ፡ “ኣብ ስልጣን ምቕጻል ጥራይ ዝማእከሉ ሓሸውየ” ኣይክወጽእን እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ፡ ከምቲ “ኣብ ዘይሰምዓካ ደብሪ ኣይትማህለል” ዝበሃል መልእኽትና ናብኡ ዘቕነዐ ኣይኮነን። ነቶም ህግደፍ በብግዜኡ “ከምዚ ዝኣመሰለ ኣርማ ተሰከሙ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዜማ ኣቃልሑ” ክብሎም ዝጸንሐ “ናብ ልብኹም እንዶ ተመለሱ’ሞ ናይቲ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ኩኑ” ዝብል መጸዋዕታ ከነቕርብ ግና ግድን’ዩ።
እቶም ንህግደፍ ኣሚኖም፡ ዘይኤርትራዊ ባንደራን ኣርማን ክቐያይሩ ዝጸንሑ፡ ሎሚ ድማ ካልእ ዝሕብሩ ባንዴራ ናይ ምጉምጓም ግደታ ዝጽበዮም ዘሎ ዝመስል፡ ከምቲ ንዝኾነ ነገር ደረት ዘለዎ፡ “ሎሚኸ ምስመን ኢኹም ከተትዓራርኹና ትደልዩ ዘለኹም?” ክብሉ ድዮም ኣይፋሎምን፡ ንሳቶም ክምለስዎ ዝግበኦም’ዩ። ካብ’ዞም ደድሕሪ ህግደፍ ሸለውለው ክብሉ ዝጸንሑን ዘለዉን ኤርትራውያን፡ “መብዛሕቶም ብውሽጦም ኣይድግፍዎን እዮም” ክበሃል ይስማዕ’ዩ። እንተኾነ እቲ ኣብ ውሽጦም ኣሎ ዝበሃል ሓቀኛ እምነቶም ካብ ሎሚ ዝጥዕም ደኣ ንመዓስ’ዮም ከውጽእዎ? ዝበል ሕቶ ዘኸትል’ዩ።
ከምቲ ፖሊሲ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ዘነጽሮ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘዋጸኦ፡ ልኡላውነቱ ዝዓቀበ፡ ኣብ ናይ ሓባር ተጠቃምነት ዝተሰረተን ኢድ ኣእታውነት ዘይቕበልን ዝምድና፡ ብሓፈሻ ምስ ኩሎም ወገናት፡ ብፍላይ ከኣ ምስ ጐረባብቱ ምዃኑ ብሩህ እዩ። ምስ ህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ባህላዊ፡ ታሪኻዊ፡ ቋንቋዊ፡ ንግዳውን ዝኣመሰሉን ዝምድናን ተመሳሳልነትን ዝከሓድ ኣይኮነን። ምስዚ ግና ነናቱ ልኡላዊ ሃገርን ዜግነትን ዘለዎ፡ ጐረባብቲ ህዝብታት ምዃኑ ዘውደኽደኸ እንተውደኽደኸ ዘይቅይሮ ቀይሕ መስመር እዩ። ነቲ ዝምድና ዝያዳ ንምድልዳሉ እንተኾይኑ ግና፡ ከምቲ ኣብ ሰነዳት ሰዲህኤ ተወሪቑ ሰፊሩ እንረኽቦ፡ “ብፖሊሲ ዝምድና ህዝቢ ምስ ህዝቢ” ምዕቃቡ’ዩ። እዚ ኣተሃላልዋ ኣብ መንጎ ኣብ ዶባተን ዝመሳሰል ነባሪ ዘለወን ሃገራት ዓለም ዝረአ እምበር፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ጥራይ ዘሎ ኣይኮነን።
ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሰዲህኤ፡ ቅድም ውግኣት ከይካየድ፡ ደሓር ከኣ ህዝቢ ካብቲ ቀዳማይ ስሕታን ተማሂሩ ንከይድገም “ኣይፋልኩምን” ንክብል ክጽዕቱ ካብ ዝጸንሑን ዘለዉን ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውደባታት ሓደ እዩ። ብመንጽርዚ ኣድላይነት ሰላማዊ ዝምድና ክልቲኡ ህዝብታት ነባርን ቀጻልን ምዃኑ ዘኽብሮ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ፍቕሪ ህግደፍ ብዝሓደሮም ኣብ ማሕበራዊ መዲያ ውዒሎም ብዝሓድሩ ልኡኻት ዝቕየስ ኣይኮነን። “ተባኢስናያ ጸኒሕና’ሞ ክንዕረቕ ኢና” ዝብሉ ዘለዉ ኣካላት ከኣ ከምቲ “ባዕላ መምጽኢት ደርፊ ባዕላ መጥፍኢት ደርፊ” ወይ “ገ እናበሉኻዶ ትጋገ”ዝበሃል፡ ዘይንሕናስ ኣይትበኣሱ ኢና ዝበልና፡ ካብ ምባሎም ሓሊፍና ካልእ ንብሎም የብልናን። ምስዚ ኩሉ ግና “ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ፡ ንካልእ ህዝቢ ክኸውን ከምዘይክእል” ነቶም ምስ ህግደፍ ክመሓዘዉ ዝመጣጠሩ ከየተንባህና ኣይንሓልፍን።