ኤርትራን ህዝባን ብከቢድ ጸገም ክሓልፉ ከም ዝጸንሑን ዘለዉን፡ ጸሓይ ዝወቐዖ ሓቂ እዩ። “ኤርትራ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገም ናይ ምውዳቓ ሓቀኛ ጠንቂ፡ እንታይ እዩ?” ዝብል ሕቶ፡ ብተደጋጋሚ ብብዙሓት ወገናት ክምለስን ከጨንቕን ዝጸንሐን ዘሎን እዩ። ናይዚ መሰረታዊ ሕቶ መልሲ ኤርትራውያን ዝሓልፍዎ ዘለዉ ህይወት ብምዃኑ’ኳ ብሩህ እንተኾነ፡ ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ዘይፈልጥዎ ኣካላት ዝህብዎ ምላሽ ግና ዝተፈላለየ እዩ። ።
ገለ ወገናት ኤርትራ ብደረጃ ስፍሓት ንእሽቶ ብምዃናን፡ ከም ምኽንያት ናይ ጸገማ ገይሮም ከቕርቡዎ ይስምዑ። ንዋሕዲ ህዝባን ከም ጠንቂ ናይ ጸገማ ገይሮም ክርድእዎ ዝፍትኑ’ውን ኣይተሳእኑን። ሕሉፍ ሓሊፎም ኤርትራ ናብዚ ንዓለም ዘስደምም ዘሎ ድሕረትን ጭቆናን ምውዳቓ፡ ካብ ኢትዮጵያ ተፈልያ “ልኡላዊት ሃገር ምዃና እዩ” ክብሉ ዘይሓፍሩ’ውን ይስምዑ እዮም።
እዞም ኣቐዲሞም ዝተጠቕሱ፡ ኤርትራ ናይ ሕሰምን መከራን መርኣያ ንክትከውን ዝደረኹ እናተባህሉ ዝጥቀሱ ምኽንያታት፡ ቅቡላት ከምዘይኮኑ፡ ብዙሓት ምርተዖታት ምቕራብ ይከኣል። ኤርትራ ብስፍሓታት ኣብ መስርዕ 195 ሃገራት ኣብ መበል 101 እትርከብ እያ። ካብተን ካብኣ ዝንእሳ ሃገራት ድማ ብዙሓት ኣብ ዝሐሸ ኩለ-መዳያዊ ዕቤትን ህድኣትን ከም ዝርከባ ዘዳዲ ኣይኮነን። ብመንጽር ብዝሒ ህዝቢ እውን፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መበል 132 ደረጃ እትርከብ ክትከውን እንከላ፡ ካብኣ ዝወሓደ ህዝቢ ዘለወን ከኣ ኣብ ዝሓሸ ሃለዋት ዝርከባ ምዃነን፡ ጸገም ኤርትራ ምስ ዋሕዲ ህዝባ ዘይተሓሓዝ ምዃኑ ዘርኢ ጭብጢ እዩ። ኤርትራ ኣብዚ ዘላቶ ጸገም ዝወደቐት ልኡላዊት ሃገር ብምዃና እዩ ዝብልዎ እሞ ድማ ንክብሪ ልኣላውነት’ውን ስለ ዘነኣእስ ፈጺሙ መሰረት ዘየብሉ ሚዛን ጥራይ ዘይኮነ፡ እቶም ከምኡ ዝሓስቡ ናይ ምዕምጣራን ተመሊስካ ምግዘኣን ህርፋን ከይህልዎም ዘጠርጥር እዩ። ናብቲ ክዉን ሓቂ ክንመጽእ እንከለና ድማ፡ እተን ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃ ምዕባለ ዝርከባ ሃገራት ኩለን ልኡላውያን ምዃነን እዩ።
እቲ ንኤርትራ ኣብዚ ዘላቶ ኣውዲቕዋ ዘሎ፡ ከምቲ ብርትዓውያን ገምገምቲ ተደጋጊሙ ዝጥቀስ፡ “ብኩራት ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ትካላቱን እዩ።” ኤርትራዊ ኣንጻር ህግደፍ ንዲሞክራዊ ሓርነት ዝቃለስ ዘሎ እውን እዚ ተረድኦ ስለ ዝሓደሮ ምዃኑ ኣብ ግምት ምእታው የድሊ። ብመዕቀኒ ሰናይ ምምሕዳር (GOOD GOVERNANCE) ብኣውንታ ቅድሚት ካብ ዝስረዓ ልኡላዊ ሃገራት፡ ሲንጋፖር፡ ስዊዘርላንድ፡ ፊንላንድ፡ ኖርወይ፡ ደንማርክን ማናኮን ዝኣመሰላ ተሰሊፈን ይርከባ። ኤርትራ ኣብዚ መዕቀኒ’ዚ ካብ 193 ሃገራት ኣብ መበል 187 ምርካባ እቲ ሓቀኛ ምኽንያቱ ብኩራት ዲሞክራሲ ምዃኑ የርኢ። ስፍሓት መሬት ከም መዕቀኒ እንተወሰድና ማናኮ 2.08 ትርብዒት ኪ/ሜት ስፍሓት ክህልዋ እንከሎ፡ ንውሓት ገምገም ባሕራ ከኣ 3.83 ኪ/ሜ ጥራይ እዩ። ኤርትራ ከኣ ናይ ደሴታታ ወሲኽካ፡ 2,234 ኪ/ሜ ዝንውሓቱ ገምገም ባሕርን 117,600 ትርብዒት ኪ/ሜ ስፍሓትን እትውንን ሃገር እያ።
ኣብዚ እዋንዚ ብዓለም ደረጃ ብዕቤታን ዘመናውነታን እተዛርብ ዘላ ሃገር ቐጠር፡ ኣብ ምድረ በዳ ዝተደኮነት፡ ስፍሓት መሬታ 11,581 ትርብዒት ኪ/ሜ፡ ብዝሒ ህዝባ ድማ 2.8 ሚልዮን እሞ ድማ ካብቲ ዝሰርሕ ዓቕማ ልዕሊ 95% ወጻእተኛ ምዃኑ ምስትውዓል እውን ካልእ መርኣያ ኮይኑ ዝጥቀስ’ዩ። ኤርትራ ምስቲ ዘለዋ ኣዝዩ ጽኑዕን ጻዕራምን ህዝቢ፡ በበዓይነቱ ናይ ልዕሊ ምድርን ትሕቲ ምድርን ተፈጥሮኣዊ ሃብትን ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ 26% ካብ መሬታ ተሓራሲ፡ ብወርቂ፡ ግራናይት፡ እምነ-በረድን ፖታሽን ዝኣመሰሉ ማዕድናትን ዝተዓደለት ምዃና ተወሲኽዎ፡ ህዝባ ተጸባይ ምዃኑ እቲ ቀንዲ ምኽንያታ ኣብ ብኩራት ሕገ መንግስታዊ ምምሕዳር ዝወለዶ ምዃኑ ንምርድኡ ኣየጸግምን።
እቲ ነዊሕ ዝዕድመኡን ብመስርሕ ዝረጋገጽን መትከል ሰናይ ምምሕዳር፡ ብብዙሕ ብመስርሕ ዝዓቢ ዓሚቕን ሰፊሕን ትርጉም ዘለዎን ኣብ ኤርትራ ጠሪሱ በዂሩ ዘሎ ኣምር እዩ። ካብቲ በዓል ብዙሕ መልክዕ ኣተርጓጉማኡ፡ “ስልጣን ኣብ ምምሕዳር ቁጠባ ሃገር፡ ማሕበራዊ ጸጋታትን ንዕቤት ዝውዕለሉ ቅዲ ምኽታል እዩ” ዝብል ሓደ እዩ። ሰናይ ምምሕዳር ዝተፈላለዩ ዝግለጸሎም መርኣያታት ዘለዉዎ ኣምር እዩ። “ናይ ዜጋታት ምዕሩይ ኩለ-መዳያዊ ተሳትፎ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ፡ ህላወ ልዕልና ሕግን ሓለዋ ሰብኣዊ መሰልን፡ ግሉጽነትን ንዝምልከቶም እኹል ሓበሬታ ምቕራብን፡ ምውሳድ ሓላፍነትን ምትግባር ዝተኣትወ ቃልን፡ ናይ ብዙሓት ሓሳብ ዘማእከለ መስርሕ ኣወሳስና ምኽታል፡ ማዕርነትን ኣሳታፍነትን፡ ኣድማዕነትን ብቕዓትን፡ ተሓታትነትን ርኢቶ ውሑዳት ንክስማዕ ዕድል ምሃብን” ዝብሉ ካብቶም ብዙሓት መግለጺኡ ውሑዳት እዮም። እዚኣቶም ኩሎም ከኣ ብመንጽር ወሳኒ ግደ ህዝቢ ኣብ ጉዳዩ ዝተቓነዩ እዮም።
ብመንጽር’ዚ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ናይ ኩሎም መግለጺ ሰናይ ምምሕዳር ብኩራት ኢዩ ጸኒሑን ዘሎን። ናብቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ኣህጉራዊ መዕቀኒ ሰናይ ምምሕዳር ከይከድና፡ ኣብ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ዋኒን፡ ሕገመንግስትን ካብኡ ዝምንጭዉ ሕግታትን የለን። ሎሚ ንኤርትራ “እመርሓ ኣለኹ” ዝብልን ንቑልቁል ዝንቆት ዘሎን “ኣነ እየ ክንዲ ኹሉ” ኢሉ ዝምካሕ ጉጅለ ህግደፍ ክሳብ ክንደይ ጠንቂ ብኩራት ሰናይ ምምሕዳር ከም ዝኾነ፡ ብሓፈሻ ኣብ ተደጋጋሚ መድረኻት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ናይ 23 ሓምለ 2025 ቃለ መጠይቕ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከም ብብዙሕ መልከዓት ዝግለጽ ዘርባዕባዑ ኣረጋጊጽዎ እዩ። ብሰንኪ’ቲ ዓምጻጺ ምምሕዳር ናይቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወረደ፡ እቲ በዳሊ ጉጅለ እውን ዘይክሕዶ፡ ቁባዊ ድኽነት፡ ማሕበራዊ ቅልውላውን ሰብኣዊ ዓመጻትን ምዝርዛሩ ዝከኣል ኮይኑ፡ ብዓብይኡ ከኣ ናይ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ፈቐድኡ ተሰዲዱ ይሓልፎ ብዘሎ ህይወት’ውን በሪኹ ዝረአ እዩ።
በመንጽር’ዚ እቶም ንድሕረት ኤርትራ ሓቀኛ ጠንቂ ዘይኮኑ፡ ምኽንያታት እናጸፍጸፉ፡ ህዝብና “ኣብዚ ዘለኹዎ ሕሰም ዝወደቕኩ ነጻ ሃገር ስለ ዝወነንኩ ኢየ” ኢሉ፡ ምእንቲ ልኡላውነት ሃገሩ ዝኸፈሎ ዋጋ ኣጣዒስዎ ትሕቲ ሃገርነት ክሓስብ ክደፍእዎ ዝህቅኑ ወገናት ፡ ክሳብ ክንደይ ኣብ ግጉይን መደናገርን መንገዲ ከም ዘለዉ ተገንዚቦም ኢደ-እግሮም ክእክቡ ነዘኻኽር።
ዓለምና ሃዲኣን ተኻኣኢላን ክትጐዓዝ ዘኽልዋ ዘሎለዉ ንሃገራዊ ልኡላውነት፡ ሓባራዊ ህልውናን ተጠቃምነትን ማእከል ዝገበሩ ውዕላትን ስምምዓትን እዮም። እዞም ውዓላት ገሊኦም ንኩለን ሃገራት ዝገዝኡ ክኾኑ እንከለዉ፡ ገሊኦም ከኣ ክልትኣዊ ወይ ስሉሳዊ ኮይኖም ዝተወሰና ሃገራት ዝግዛኣሎም እዮም። ክልተኣዊ ስምምዓት እውን ኣካል ዓለምለኻዊ ስምምዓት ዝኾንሉ ዕድል ኣለዎም። ስለዚ ዓለምና ናይ ሓያልን ዓመጸኛን መዕንደሪት ከይትኸውን ካብ ዝዕቅብዋ እዞም ስምምዓትን ውዕላትን እዮም። ነዞም ውዕላትን ስምምዓትን ዘተግብሩን ንከይጠሓሱ ዝከላኸሉ ከኣ ኣህጉራውን ዞባውን ትካላት እዮም። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕብረት ኤውሮጳን ኢጋድን ከኣ ካብቶም ቀንድታት እዮም።
ሓንቲ ሃገር ልኡላውነታ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም ቅቡል ዝኾነሉ መስርሕ ኣለዋ። ኤርትራ እውን ናብዚ ሎሚ ጨቢጣቶ ዘላ ልኡላውነት ንኽትበጽሕ ዝሓለፈቶ መስርሕ ኣለዋ። ገለ ወገናት ግን፡ ብሰንኪ ጨቛኒ ምምሕዳር ህግደፍ “ልኡላውነት ዘይብላ ሃገር” ክብልዋ ዝደልዩ ኣለዉ። እንተኾነ ዝተጓዕዘቶ መስርሕ በዳሂ’ዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ኤርትራ ልኡላዊት ዝኾነትሉ መስርሕ ብዘቤታዊ ዕዉት ቃልሲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዝተፈላለዩ ኣህጉራዊ ተቐባልነት ዘለዎም ውዕላትን ስምምዓትን’ውን ዝደልደለ እዩ። ካብቶም ኣብ ዝሓለፉ 136 ዓመታት ንኤርትራዊ ልኡላዊ ሃገራውነት ኣብ ድልዱል ባይታ ዝሰረቱ ውዕላት ከኣ ንኣብነት ምጥቃስ ይከኣል።
1ይ፡ ብ2 ጉንበት 1889 ንጉስ ምነሊክ 2ይን፡ ንኢጣልያን ከም ገዛኢት ኤርትራ ኣፍልጦ ንምሃብ ዝተኸተመ ውዕል ውጫለ፡
2ይ፡ ብ10 ሓምለ 1896; ኣብ መንጎ ምነሊክን ኢጣልያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተበጽሐ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢጣልያ ምንባራ ዝተኣመነትሉ ውዕል ።
3ይ፡ ብ10 ሓምለ 1900 ኣብ ኣዲስ ኣበባ; ኣብ መንጎ ኢጣልያን ኢትዮጵያን ዝተኸተመ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዘራኽብ ማእከላይ ዞባ ዶባተን መረብ፡ በለሳን ሙናን ምዃኑ ኣፍልጦ ንምሃብ ዝተሰማመዓሉ።
4ይ፡ ብ15 መጋቢት1902፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዘራኽብ ምብራቓዊ ዞባ ዶባተን ንምንጻር ዝኸተማሉ ውዕል።
5ይ፡ ብ10 ጉንበት 1908፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዘራኽብ ምዕራባዊ ክፋል ፡ ዶበ ኤርትራን ሱዳንን ንምንጻር ንጉስ ኢትዮጵያ ምስቲ ሽዑ ንሱዳን ዝገዝእ ዝነበረ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ዝኸተምዎ ውዑል።
6ይ፡ ብ16 ነሃሰ 1928 ኢትዮጵያ ንመግዛእቲ ኢጣልያ ኣብ ኤርትራ ኣፍልጦ ሂባ ምስኡ ብሰላም ንምንባር ዝኽተመቶ ስምምዕ።
7ይ.ብ15 መስከረም 1952 ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ክልተ ሃገራት ብፈደረሽን ክቑረና ዝተኸተመ ስምምዕ።
8ይ፡ ብ1964፡ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ እዚ ሎሚ ዘሎ መግዛእታዊ ዶባት ሃገራት ቅቡል ኮይኑ ንክቕጽል ዝተረዳዳኣሉ ስምምዕ።
9ይ፡ ብ28 ጉንበት 1991፡ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ደርግ ኣብ ለንደን ኣብ ህልውና ህግሓኤ፡ ህወሓትን ኣሜሪካን ዝተበጽሐ ስምምዕ ፕሮቶኮላዊ ምሰጋገሪ።
10ይ፡ ብ28 ጉንበት 1993 ድሕሪ ውጽኢት ረፈረንደም ኤርትራ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም መበል 182 ልኡላዊት ሃገር ተመዝጊባ
መበል11ይ፡ ብ12 ታሕሳስ 2000 ኣብ ኣልጀርስ ብፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናውን ውግእ 1998-2000 ንምቁራጽን ናጻ ኮሚሽን ዶብ ንቛምን ስምምዕ ዝተኸተመሉ፡
መበል 12፡ ብ13 ማዝያ 2002 ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ክልቲአን ሃገራት ብመትከል ዝተቐበለኦ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይኑ ብወግዒ ዝገለጸሉ።
እዞም ስምምዓት በቶም ዝኸተምዎም መንግስታት ጥራይ ዝኽበሩን ዝትግበሩን፡ እቶም ከተምቲ ምስ ሓለፉ ግና ዝፈርሱ ዘይኮኑ፡ ኣብ መስርሕ ምቅይያር መንግስታዊ ስልጣን፡ ናብ ስልጣን ዘዝመጹ ተካእቲ’ውን ክቕየድሎም ዘገድዱ እዮም። ምኽንያቱ ብስም ሓላፍቲ ስርዓታት ዘይኮኑ፡ ብስም እተን ዘይሓልፋ ሃገራትን ህዝበንን ዝተበጽሑ ስምምዓት ስለ ዝኾኑ። በዚ መሰረት ካብ ግዜ መግዛእቲ ጀሚሮም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኸተሙ ስምምዓት ምስ ምቅይያር ስርዓታት ዝቀያየሩ ዘይኮኑ፡ ከይተሸራረፉ ክኽበሩን ክትግበሩን ናይ ግድን እዩ። ከም’ዞም ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምልከቱ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ዘለዎም ውዕላት፡ ንጸቢብ ረብሓኻ ጥራይ እተኽብሮም ዘይኮኑ፡ ረብሓን ክብርን ካለኦት ከይትግህስ እትቕየደሎም ምዃኖም ከኣ መንግስታት ከስተውዕለኦ ይግበአን።
እዞም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝሓለፉ 136 ዓመታት ዝተኸተሙ ስምምዓት ኣብ ሕድሕዶም ተመላሊኦም ታሪኽን ልኡላውነትን ኤርትራ ናብዚ በጺሕዎ ዘሎ ዘብጽሑ እምበር፡ ኣብ ሕድሕዶም ዝጻረሩ ኣይነበሩን ኣይኮኑን። ኣብቲ መስርሕ ግና ብሰንኪ ረብሓን ሻርሕን ሓያላት ንግዜኡ ከም ዝተዓንቀፉ ታሪኽ ይነግረና፡ ኣብቲ ኤርትራ ናጻ ክትኮነሉ ዝነበራ ወሳኒ መድረኽ፡ ካብ ድሌት ህዝባ ወጻኢ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ክትቁረን ዝተገደደትሉ ግዜ፡ ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝነበረ፡ ጆን ፎስተር ዳላስ፡ “ብመንጽር ፍትሒ፡ ንርኢቶ ህዝቢ ኤርትራ ቆላሕታ ክወሃቦ መተገበአ፡ እንተኾነ እስትራተጅካዊ ረብሓ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከምኡ እውን ኣህጉራዊ ጸጥታን ምርግጋእን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኤርትራ ምስታ ምሓዛና ኢትዮጵያ ክትጽመድ ናይ ግድን ኮይኑ’ሎ።” ዝበሎ ናይ ዓመጽ መርኣያ እዩ።
ኣብዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን መመሊሱ ናህሩ ዝውስኽን ናብ ውግእ ከይዓርግ ዘስግእን ዘሎ ምውጣጥ፡ ተደጋጊሞም ካብ ዝጥቀሱ ሓደ፡ “ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ የድልያ እዩ” ዝብል እዩ። እወ ኢትዮጵያ መውጽእን መእተውን ወደብ ከም ዘድልያ ዝከሓድ ኣይኮነን። እቲ ኣብ ዘይብጸሓካ ባሕርሪ “መደበር ሓይሊ ባሕሪ እንተዘይሃነጽኩ” ምባል ግና ብሓጺሩ ዓለም ለኻዊ ሕግታት ስለ ዝጥሕስ ቅቡል ኣይኮነን።
ሕቶ ተጠቃምነት ወደብ ናይ ሓንቲ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ ሃገር ዝትግበረሉ ብሕጊ ዝደገፍ መስርሕ ኣለዎ። ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ብዘለወን ጐረባብቲ ሃገራት ዝተኸበት ስለ ዝኾነት ብኸመይ ተጠቃሚት ወደብ ትኸውን ሰፊሕ ናይ ምምራጽ ዕድል ኣለዋ። እዚ ሎሚ ኣብኣ ዝጅመር ዘይኮነ፡ ባዕላ ኮነ ካለኦት ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን ሃገራት ክሰርሓሉ ዝጸንሐትን ዘለዋን እዩ።
ርሑቕ ከይከድካ ኣብዚ ቀረባና ኩነታት ኣጠቓቕማ ኡጋንዳ ብወደብ ኬንያ ሙምባሳ ምውካስ ይከኣል። እዚ ሎሚ ንዕዘቦ ዘለና ካብ “ተጠቃምነት ናብ ዋንነት” ዘሊልካ ልኡላውነት ኤርትራ ዓምጢርካ “ክትውንን” ምህንዳድ ግና፡ ምስቲ ኢትዮጵያ “መስራቲት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ከምኡ እውን ፈራሚት ዝተፈላለዩ ኣህጉራውን ዞባውን ስምምዓትን ቻርተራትን እየ” እትብሎ ዝምጥን ከምዘይኮነ ብምግንዛብ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሕሳቡ ክገብር እምበር፡ ደድሕሪ ዝሃሉ ክሃልል ኣይግበኦን።
ዞባና ምስቲ ተበሃጊ ኣቀማምጣኡ፡ በብግዜኡ ኣዛረብቲ ፖለቲካዊ ክስተታት ዝረኣይሉ ከባቢ እዩ። ዝሓለፍናዮ ጉዕዞ ምስእንግንዘብ፡ ሃገራት ከባቢና ካብ ሕድሕድ ምውጣጥን ምክሳስን ሓሊፎም፡ ግዳይ ውግእን ህልቂትን ክኾና ምጽነሐን ዝፍለጥ እዩ። ዝሓለፉ ይኹኒ ዘለዎ ናይተን ሃገራት መንግስታት ኮኑ፡ መዕንገልቶም ንምንዋሕ ዕድመ ስልጣኖም ክብሉ፡ ዝፍጠሩ ጸገማት ንምግዳድ ዓረቕቲ መሲሎም ክሕምሱ ከም ዝጸንሑ ታሪኽ ዝምስክሮ’ዩ። እነሆ ድማ ሎሚ፡ እቲ ካብ ኣጀንዳነት ኣዕሪፉ ዘይፈልጥ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ካብ ዞባና ሓሊፉ ኣህጉራዊ መዛረቢ ዛዕባ ኮይኑ ይርከብ።
ኣዛራብነት ኤርትራን ኢትዮጵያን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ልምዓት፡ ሰላምን ምትሕባርን ዝተሰረተ፡ ናብ ብሩህ መጻኢ ዘማዕዱ ኣይኮነን። ኣብ ክንድኡ ቋንቋ ውግእን ምውጣጥን ዝቃልሓሉን ስግኣትን ሻቕሎትን ህዝብታት ዘርኢ እዩ። እዚ ዘይርጉእ ርክብ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት፡ ብዝተፈላለዩ ኣካላትን መልክዓትን ክግለጽ ዝጸንሐ እዩ። ብመንጽር’ዚ ገለ ኣብቲ ጉዳይ ተዋፊረን ካብ ዘለዋ ካብ ርኢቶ ናይቶም መንግስታት ናጻ ዘይኮና መርበባት ከም ኣብነት ምጥቃስ ይከኣል።
ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ምስቲ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝምልከት ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ ዓብይ ኣጀንዳ ዝዛመድ፡ ኣብ መርበባት ሓበሬታታት ተጻራሪ ናይ ሓሳባት ምምንጣላትን ምክሳስን ተዘርጊሑ። ካብኡ ኣብ ሆርን ረቪው (HORN REVIEW)፡ “ናይ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ንኤርትራዊ ሃገርነት ናይ ምስሓብ ጉዳይ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ብእንግሊዘኛ ዝወጸ ሰፊሕ ጽሑፍ ሓደ እዩ።
ኣብቲ ዝወጸሉ መርበብ እምበር፡ ጸሓፊኡ ዘይተጠቕሰ ብዙሓት መዲያታትን ኣንበብትን ዝተቐባበልሉ ጽሑፍ፡ “….. ኢትዮጵያ ንሓንቲ ሃገር ኣፍልጦ ምስ ሃበት፡ እሞ እታ ኣፍልጦ ዝተዋህባ ሃገር ጥቕሚ ዘየብላን ጠንቂ ዘይምርግጋእን እንተኮይና፡ በቲ ኣቐዲማ ዝሃበቶ ኣፍልጦ ተቐይዳ ክትነብር ትግደድ ድያ?” ኢሉ ድሕሪ ምሕታት፡ “እዚ ጉዳይዚ ምልዓልና መሰረት ዘየብሉ ኣይኮነን” እውን ይብል። “ንሓንቲ ሃገር ኣፍልጦ ዝወሃብ ብመንጽር ረብሓኻን ልኡላውነትካን ኮይኑ፡ ነባርን ዘይቅየርን ኣይኮነን” ዝብል ምስ ኣስዓበ ከኣ፡ “ዓለም ለኻዊ ሕጊ’ውን በቲ ሓንሳብ ንልኡላውነት ዝሃብካዮ ኣፍልጦ ተቐይድካ ንበር ኣይብልን’ዩ” ዝብል የስዕብ።
“ቀዋሚ ሃገር ንምዃን 4 መሰረታዊ ጉዳያት ክማልኡ ይግበኦም፡ ንሳቶም ከኣ፡ ቀዋሚ ህዝቢ፡ ብንጹር ዝተኸለለ ከባቢ፡ ኣድማዒ መንግስትን ብቑዕ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ክትፈጥር ምብቃዕን እዮም” ዝብል ሓሳብ ድሕሪ ምስፋር ድማ፡ “ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ ዳርጋ ንኣርባዕቲኡ መምዘንታት ሃገርነት ኣይትበቕዖን’ያ” እንዳበለ ይህውትት።
በቲ ካልእ ወገን ከኣ፡ “ቀይሕ ባሕሪ ቢኮን (RED SEA BEACON)፡ ኣብ ዝተባህለ መርበብ ሐበሬታ “ዘይቅየር ሓቂ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ብተመሳሳሊ ዝወጸሉ መርበብ እምበር፡ ጸሓፊኡ ብውልቂ ዘይተጠቕሰ፡ ሰፊሕ ጽሑፍ “ ….. ናጽነት ኤርትራ ብኢትዮጵያ ዝተዋሕሰ፡ ወይ ኣብ ድሌት ኣዲስ ኣበባ ዝተንጠልጠለ ኣይኮነን። ኤርትራዊ ሃገርነት፡ ኣብ ናጽነት ካብ መግዛእቲ ዝተሰረተ፡ ብደምን መስዋእትን ዝተዋሕሰ፡ ብዓለም ለኻዊ ሕጊ ዝተረጋገጸን ብናይ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ሃገራዊ ግብራዊ ጉዕዞ ዝተመኮረን እዩ። ነዚ ንምኽሓድ ዝቐርብ ሓሳብ ከኣ ትንታነ ዘይኮነ ልብ-ወለድ’ዩ።” ዝብል መልእኽቲ ዝርከቦ ግብረ-መልሲ ኣስፊሩ።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ካብቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ኣፍደገ ባሕርን ወደብ ዓሰብን ንምምንዛዕ ኢሉ ዘቕርቦ ኣገራሚ መርተዖታት፡ “ብዘይ ኣፍደገ ባሕሪ፡ ልኡላውነት ሃገርን ቁጠባዊ ዕቤት ስለ ዘይረጋገጽ፡ ዓሰብ ናይ ኤርትራ ኮይና ስለ ዘይትፈልጥ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ክወዳደር እንከሎ ኣሃዛዊ ብልጫ ስለ ዘለዎ፡ ዝብሉ ከም ዝርከብዎም ኩሉ ዝከታተሎን ዝግረመሉን ዘሎ እዩ።
ነዞም ነዚ “ዕባራ ምኽንያታት” ዝድርድሩ “እሞ ኢትዮጵያ ኮነት እተን 44 ካብአን 16 ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከባ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን ሃገራት ዓለም ልኡላዊ ዘይኮናን ቁጠባዊ ዕቤት ዘየርእያን እየን ማለት ድዩ?፡ ዶብ ሓንቲ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ ሃገር ናብ ካልእ ኣፍደገ ባሕሪ ዘለዋ ሃገር ቀረባ ስለ ዝኾነት ወናኒት ባሕሪ ክትከውን የኽእላ’ዩ ማለት ድዩ?” ንዝብሉን ዝኣመሰሉን ሕቶታት መልሲ ከምዘየብሎም ብግብሪ ዝረአ ዘሎ እዩ። ምኽንያቱ እዞም ምኽንያታት ተባሂሎም ተደጋጊሞም ዝቐርቡ፡ ኣብ ዓለምለኻዊ ሕጊ ቦታ ከም ዘየብሎም ብሩህ ስለ ዝኾነ።
ነቲ ኣብ መርበብ ሆርን ረቪው ዝወጸ ጽሑፍን ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ምኽኑይ ንምምሳል ዝደጋገሙ ሓረጋትን ኣብ ርእሲቲ ናይ መርበብ ቀይሕ ባሕሪ ቢኮን፡ ኣንበሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ብዛዕባ ህልዊ ምፍጣጥ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፡ “ብዘይካ ኣብተን ኤርትራ ብፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ዝተቘረነትለን 1952-1962፡ ከምኡ'ውን ንፈደረሽን ብኢደ ወነኑ ብምፍራስ ሃጸይ ሃይለስላሰ ንኤርትራ ኣብ ዝጐበጠሉ እዋን ካብ 1962 ክሳብ ናጽነት ኤርትራ 1991 ኣብ ዝነበራ 39 ዓመታት፡ እዛ ሎሚ ኢትዮጵያ ትበሃል ዘላ ሃገር ገማግም ባሕሪ ወኒና ከም ዘይትፈልጥ ታሪኽ ንባዕሉ ህያው ምስክር እዩ።” ብዝበሎ ክራጐድ እንከሎ፡ “ጥራሕ ዝባኑ ከም ዝወጽእ” ርዱእ እዩ። በቲ ካልእ ወገን፡ ኣንበሳድር ዓንደብርሃን ውግእ እተተኻይዱ፡ ሳዕቤኑ ኣብ ኣብይ ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዝኽፍሎ ዋጋ ከም ዝህሉ’ውን ከስተውዕል ነዘኻኽሮ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ብዙሓት ብሓፈሻ ብዛዕባ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝሓለፈን ዘሎን ላዕልን ታሕትን ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ዋንነት ኣፍደገ ባሕርን ወደብ ዓሰብን፡ ኣፍልጦን ተመኩሮን ዘለዎም ኢትዮጵያውያን፡ ብልጽግና እንተ ተጠቒምሉስ ምኽሮም ይልግሱ ኣለዉ። ኣብ ፖለቲካዊ ጉዕዞ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብደረጃ ወተሃደርነት ይኹን ብሲቪል ላዕለዋይ በዓል መዚ ኮይኑ፡ ኣብ ኤርትራ ንነዊሕ ግዜ ዝሰርሐ፡ ሻለቃ ዳዊት ወልደጊዮርጊስ ምስክርነቶም ካብ ዝሃቡ ሓደ እዩ።
ሻለቃ ዳዊት “ርእዮት-መዲያ” ምስ ዝተባህለት ዩቱብ ብዛዕባ’ዚ ሎሚ ዝለዓል ዘሎ ኣፍደገ ባሕሪ፡ ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ “ኣነ ሓላፊ ኮይነ ብቐረባ ከም ዝፈልጦ፡ ኤርትራ ድሕሪ 1993 ናጻን ልኡላዊትን ሃገር እያ። ወድብ ዓሰብ ከኣ ካብ ግዜ ጥልያንን እንግሊዝን ጀሚራ ኣካል ኤርትራ እያ ነይራ። ሕጂ ዓሰብ ናይ ኢትዮጵያ ወደብ ክትከውን እትኽእለሉ ሕጋዊ ዕድል የለን። ኤርትራ ብድሌታ ምስ ኢትዮጵያ ብኮንፈደረሽን እንተ ሓቢራ ግና ኢትዮጵያ ተጠቃሚት ክትከውን ትኽእል እያ። እቲ ዓለም ለኻዊ ሕግታት ጥሒስካ ብሓይሊ ምውናን ዝብል ግና መዋጸኦ ኣይኮነን።” ይብል። ሰማዒ እንተረኺቡ ከኣ ርኢቶ ሻለቃ ዳዊት ወልደጊዮርጊስ “ኣብ ባይታ ዝወድቕ ኣይኮነን።”
“ታሪኽ ኢትዮጵያን ህዝባን፡ ተሪኽ ውግእ ሕድሕድ፡ ድኽነትን ጥሜትን’ዩ” ከም ዝበሃል፡ ካብ ኢትዮጵያዊ ዝተሰወረ ኣይኮነን። ውግእ ኣካል ታሪኽ ኢትዮጵያ ኮይኑ ዝግለጸሉ ምኽንያት ነዊሕ ዝርዝር ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብ ሕልና ነፍሲ ወከፍ ኢትዮጵያዊ ዘሎ ስለ ዝኾነ፡ ወሰን ኢልካ ምጽብጻቡ ኣድላይ ኣይመስለናን። ገለ ናይዚ ቀረባ ግዜ ተዘክሮ ንምጥቃስ ግና ወስ ምባል ኣድላይ እዩ።
ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሰ፡ ኣብ 50ታት ምስ ግዳማውያን ሰብ ረብሓ ብፍላይ ከኣ ምስ መንግስቲ ኣሜሪካ ተሻሪኹ፡ ብዝተኸተሎ ዓመጸኛ መንገዲ፡ ነቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝተወሰነ ፈደረሽን ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስ ኣፍረሶ፡ ሳዕቤኑ መሰል ርእሰ ውሳነ ህዝቢ ኤርትራ ዝረገጸ ኮይኑ፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ እውን ግዳይ ገይርዎ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ “ናጽነቱተይ ኣሕሊፈ ኣይህብን” ኢሉ ብ1961 ብረታዊ ቃልሲ ምስ ጀመረ፡ ኣንጻር ስርዓታት ሃይለስላሰን ደርግን ኣብ መሬት ኤርትራ ክሳብ 1991 ኣዝዩ ደማዊ ውግእ ተኻይዱ። ዝወዓልዎ ከም ዝመስከርዎ፡ በቲ ውግእ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ጸብጺብካ ዘይውዳእ ሰብኣውን ነገራውን ክሳራ ምስ ኣውረደ፡ ብዓወት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተደምዲሙ።
ኣብቲ በቲ ሓደ ወገን ጽንዓትን ሓርበኝነትን ህዝቢ ኤርትራ ዝተራእየሉ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ንዓለም እውን ዘገረመ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሞት፡ ምጉዳል ኣካል፡ ምምራኽን ብርሰት ንብረትን ዝወረደሉ መሪር ውግኣት ተኻይዱ እዩ። እቲ ጉድኣት ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ ከይተወሰነ፡ ኣብ ልዕሊ ቁጠባውን ማሕበራውን ህይወት ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘሕደሮ ኣሉታዊ ስንብራትን ድኽነትን ከኣ ዘይርሳዕ ተዘክሮ’ዩ። ብሰንኪ’ቲ ውግእ ዝሓዘና ኢትዮጵያውያን ኣደታት፡ ዝዘኽተሙ ህጻናት፡ ዝተሰዳን ዝተበተናን ስድራቤታት ውሑዳት ከምዘይኮኑ ከኣ ክሳብ ሎሚ እንዳ ኩሉ ኢትዮጵያዊ በሰላኡ ኣሎ። ነቲ ዘጋጠመ ህልቂትን ዕንወትን ዘኪርካ “ስለምንታይ ከምኡ ኮይኑ?” ኢልካ ሓቲትካ እትረኽቦ መልሲ ድማ ብሰንኪ “ጎባጥን ኣስፋሕፋሕን ፖሊሲ መንግስታት ኢትዮጵያ” ካብ ዝብል ዝሓልፍ ኣይኮነን።
ብወገን ኤርትራ ከኣ ኣብ ቅኑዕ ውግእ “ምእንቲ ናጽነትን ሓርነትን” ዝተኸፍለ ርትዓዊ ዋጋ ምንባሩን ብተግባር ምርግጋጹን ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝተሰወረ ኣይኮነን። ድሕሪቲ መሪርን ነዊሕን ውግእ፡ መስርሕ ልኡላውነት ኤርትራ ብኸመይ ከም ዝተረጋገጸ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዝተፈጸመ ስለ ዝኾነ ፍትሓውነቱ ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝተሰወረ ኣይኮነን። “እዚ ኣብ መወዳእታ ዝተበጽሐ መደምደምታ፡ ብዘይቲ ኣዕናዊ ውግእ ክብጻሕ ዝከኣልዶ ኣይነብረን’ዩ?” ኢሉ ከም ዝሓትት ከኣ ፍሉጥ እዩ። እንተኾነ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ከይድገም እዩ ክመሃረሉ ዝግበኦ’በር፡ ነቲ ዝበለዐ በሊዑ ዘኸተመ ውግእ ክጥመልሶ ዝከኣል ኣይኮነን።
ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ክልቲአን ጐረባብቲ ሃገራት፡ ንዝተወሰነ ዓመታት ዝምድናዊ ህድኣት ዝነበሮ ርክብ ጀሚረን “ደጊም ውግእ የለን” ዝብል ተስፋ ተራእዩ ነይሩ። እንተኾነ እቲ ዝተጀመረ ህድኣት ዕድመኡ ሓጺሩ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ህዝቢ ብዘይተጸበዮ፡ “ውግእ 1998-2000” ተኸፊቱ፡ ኣብ ልዕሊ ክልቲኡ ህዝብታት ካብቲ ናይ 30 ዓመታት ዝገደደ ክሳራ ምውራዱ ንሕብረተሰብ ዓለም እውን ዘሕዝነ ነይሩ። ብሰንክ’ዚ ዳሕረዋይ ውግእ ግዳይ ዝኾኑ፡ ዜጋታት ከምኡ እውን ዝተኸስረ ንብረትን ዝሓደረ ቅርሕንትን ክሳብ ሕጂ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ኩሉ ክረኤ ዝጸንሔን ዘሎን እዩ።
ድሕሪ መሪር ውግእ፡ ባድመን ክሳራኡን፡ ዓለም ለኻዊ ተፈላጥነትን ተሳትፎን ብዝነበሮ ስምምዕ ኣልጀርስ ኣቢሉ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ተሳጊሩ። ቀጺሉ ከኣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን በብግዜኡ ዝተኸተሙ ስምምዓትን ዓለምለኻዊ ሕግታትን መሰረት ብምግባር፡ ናብ “ቀያድን ናይ መወዳእታን” ብይን ዶብ ተበጺሑ። ድሕሪዚ ድማ ደጊም ናብ ውግእ ኣይክንኣቱን ኢና ዝብል ተስፋ ኣብ ህዝብታት ክልቲአን ሃገራት እንደጋና ተመሊሱ።
እንተኾነ እንደጋና ንህዝብታት ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ከቢድ ዋጋ ናብ ዝኸፈለ “ውግእ ትግራይ” ተኣትዩ። እነሆ ሎሚ ድማ ዝሓለፉ ውግኣት ኤርትራን ኢትዮጵያን ትምህርቲ ኣብ ክንዲ ዝኾኑ፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ምልክት ሕቶ ከእቱ ዝደሊ፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ውግእ ሓደጋ የድበድብን ኣሎ። እዚ ሓድሽ ናይ ውግእ ንፋስ ዝነፍስ ዘሎ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ኦሮሞን ዘሎ ውግኣት “መዓስ እዩ ሰላማዊ መዕለቢ ዝረክብ፡ ካብዚ ወዲቐ ዘለኹ ቁጠባዊ ድኽነትከ ብኸመይ እየ ዝገላገል?” ኢሉ ኣብ ዝሓተሉ ዘሎ እዩ። ናይቲ ናብ ኤርትራ ከቕንዕ ዝድለ ዘሎ ውግእ ምኽንያት፡ “ብዝሓለፉ ስርዓታት ኢትዮጵያ’ውን ተፈቲኑስ ዘይተዓወተ” ፡ ከም’ቲ “ወዮ ተቓሊስናስ ተዋዲቕና” ዝበሃል፡ ክለዓል ዘይነብሮ ምዃኑ፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ይጠፍኦ እዩ ኢልካ ምግማት ኣይከኣልን።
ስለዚ እዩ ድማ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋንዚ፡ “ስለምንታይ ዘይከኣል ክነሱ፡ ከምዝከኣል ኣምሲልካ ብምቕራብ ህልቂትን ዕንወትን ይዕደም?” ኣገልግሎት ወደብከ ውግእ ብዘየኸትል ስልጡን ኣገባብ ክረጋገጽዶ ኣይካኣልንዩ? ዝብሉ ሕቶታት ክሓትትን መልሲ ክረኽበሎምን ናይ ግድን ዝኸውን። ብሓይሊ ወደብ ምውናን ኣይከኣልን ንብል ዘለና፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝበዝሕን ኢትዮጵያ ንቁጠባዊ ዕቤታ መተሓላለፊ ወደብ ከም ዘድልያን ብምዝንጋዕ ኣይኮነን። እንተኾነ ድማ “ስለ ዝግበኣካ እምበር፡ ስለ ዘድልየካ ናይ እንዳማትካ ብሓይሊ ምውናን ከምዘይከኣል” ንህዝቢ ኢትዮጵያ ንምዝኽኻር’ዩ።
እዚ ክንብል እንከለና፡ “የድለየና እዩ” ብዝብል ብደዐ “ልኡላውነት ኤርትራ ምድፋር ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘጋጩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም’ውን ቅቡል ከምዘይኮ እውን ህዝቢ ኢትዮጵያ ከቕልበሉ ንምትንባህ እዩ። መስራቲትን ፈራሚት ቻርተራትን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ናይ ዝኾነት ሃገር ዜጋ እዚ ይጠፍኦ እዩ ኢልካ ምግማት’ውን ዘጸግም’ዩ። ኢትዮጵያውያን ከምቲ “ሓወልቲ ኣህኒጾም እምየ ምነሊክ” ዝብልዎም፡ ስለምንታይ’ዮም ዳግማዊ ምነሊክ ብዝኸተምዎ ስምምዓት ኣብ ምምእዛዝ ዘዕጠጥዩ ክሓስብሉ ይግበኦም።
ከምቲ ቀድማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝነበረ፡ ኣቶ መለስ ዜናዊ፡ ኣብ ሓደ ናይ ፓርላማ መድረኽ ጉዳይ ምውናን ወደብ ምስተላዕለ፡ “ዓሰብ ናትና እዩ ዘብል ኩነታት እንተልዩ ምርኣይ ይከኣል። መንግስቲ ይትካእ’ዩ ሃገር ግና ኣይቅየርን። ዳግማዊ ሃጸይ ምነሊክ ዝፈረምዎ ውዕላት ሎሚ እውን እንግዘኣሉ እዩ። መንግስቱ ዝፈረሞ’ውን ንቕየደሉ ኣለና። ንሕና ንዝፈረምናዮ ከኣ መጻኢ ተቐቢሉ ክቕጽሎ ዝግባእ’ዩ። እቶም ስምምዓት ዓለምለኻዊ ውዕላት እውን እዮም። ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ክምስረት እንከሎ ኣብቲ ቻርተሩ ፈረምቲ ኢና። ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን መስራቲት ኣባል ሃገር’ውን ኢና። ኣብቲ ቻርተር ዘለዉ ዓንቀጻት ነኽብር ኢና። ነዞም ዓንቀጻት ኣኽቢርካ ኣብ መዳይ ሕጋዊ መጎተ ክንድቲ ዝኸኣልናዮ ንሰርሕ ኢና።…….ካብ’ቲ ሕግን ውዕላትን ወጻኢ ምኻድ ግና ኣይከኣልን።” ዝበሎ እቲ ጉዕዞ ዘዝሓለፈ ቀዲድካ ብምድርባይ ኣይኮነን። ስለዚ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ተመኩሮኡ መዚኑ፡ “እንተዘይተዋጋእና” ንዝብሉ ገሲጹ፡ ኣንጻር ውግእ ምጽሕታርን ሳዕቤናቱን ንክስለፍ ስምዕናታ ነቕርበሉ።
ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘይፍትሓዊ ኩነታት ኮይንካ፡ መጻኢ ራህዋ ካብ እጽበ ነዊሕ ግዜ ሓሊፉ። ናብቲ ዝተመነኻዮ ራህዋ ንምብቃዕ ዘካየድካዮን ተካይዶ ዘለኻን ቃልሲ እውን ነዊሕን ዝተሓላለኸን ምዃኑ ርኡይ እዩ። እቲ ቃልሲ ብዙሕ ገጻት ዝሓዘ ሓጐጽጐጽ ዘይተፈልዮ ውረድ-ደይብ ብምዃኑ፡ ሎሚ እውን ከብኡ ከምዘይወጸ ብትኹረት ከቕልበሉ ይግበኣካ። ምእንቲ ዲሞክራስን ምዕሩይ ምምሕዳርን እናተቓለስካ፡ ነቲ ብቃልስኻ ናይ መወዳእታ መልክዕ ዘትሓዝካዮ መዝገብ ልኡላውነት ሃገርካን ከም ህዝቢ ክብርኻን ሎሚ’ውን ኣጀንዳ ኮይኑ ምቕራቡ፡ እቲ ቃልሲ ክሳብ ክንደይ በዓል ብዙሕ ገጻት ምዃኑ የመልክት።
ስለዚ እቲ ኣብ ቅድመኻ ዘሎ መዋጽኦ ከምቲ ክሳብ ሎሚ፡ ቅድም ንህግደፍ ኣሚንካ ደሓር ድማ ብኣኡ ተጓዕጺጽካ፡ ካብቲ ቀንዲ ወኒንካ ተጓኒኻ ዝጸናሕካዮ ኣይኮነን እሞ ደጊም “ጉዳየይ ባዕለይ ኣለኹዎ” ዝብል ድምጽኻ ከተስምዕ ኣብ ቅድሜኻ ዘሎ ካልእ ዘይዓመልካ ግደታኻ’ዩ።
ኣብ ቅድሜኻ ዝጸንሐን ዘሎን ብደሆታት፡ ምእንቲ ፍትሒ፡ ዲሞክራሲ፡ ልምዓት፡ ሰላምን መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ምቅላስ ጥራይ ኣይኮነን። ህግደፍ ብዘይ ኣፍልጦኻ፡ ንረብሓኻ ኣብ ዘይኮነን፡ ተሓታትነት ኣብ ዘየብሉን፡ ውግኣት እናጠበሰ ክቡር ዋጋ ክትከፍል ከገድደካ’ውን ጸኒሑ’ዩ። እዚ መሪር ህይወትካ ከም ናይ ነዊሕ ግዜ ዛንታ ዝንገረካ ዘይኮነ፡ ትማሊ ኣብ ትግራይ ኣትዮም ናይ ዝወደቑ ደቅኻ፡ ንቡር መርድእን ደበስን ኣብ ዘይረኸብካሉ እዩ ዝለዓል ዘሎ። እዚ ጾር’ዚ ሕጂ እውን ካብ ርእስኻ ዘይወረደ ሓደጋ እምበር፡ ሓሊፉ ኢልካ እተዘንትዎ ኣይኮነን። ስለዚ እዩ ከኣ፡ “ደጊምስ ይኣክል ብነሓፍነት ኣብቲ ዋኒነይ ጓና ምዃን ይኣኽለኒ” ክትብል ዘይስገር ሓላፍነትካ ኮይኑ ቀሪቡ ዘሎ። ሎሚ እውን ንንዕቀት ህግደፍ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ “ከንፈረይ ረምጢጠን ርእሰይ ነቕኒቐን ክትሓልፎ እየ” እንተ ኢልካ ግና፡ ከምቲ፡ “ቀዳማይ ስሕታን ካለኣይ ዕብዳን” ዝበሃል ካብ ህግደፍ ንላዕሊ ንገዛእ ርእስኻ እትሓተሉ ክኸውን እዩ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ከምቲ “ከልቢ ብዝኸፈቶ ዝብኢ ይኣቱ” ዝበሃል፡ ህግደፍን ሰዓብቱን “ተደሚርና ኢና” እናጨርሑ፡ ብዝጀመርዎ ዘይሓላፍነታዊ ጽላለ፡ ኣንጻር ልኡላውነት ሃገርካ፡ ክብርኻን ሓርበኛዊ ተሪኽካን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ሃላሊ ዳንኬራ ክውቃዕ ትሰምዖን ትዕዘቦን ኣለኻ። እቲ ዘገርም ከኣ እቶም ኣንጻር ልኡላውነትካ ዳንኪራ ዝወቕዑ፡ “ምስ ጉጅለ ህግደፍ እምበር፡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ጸገም የብልናን” እናበሉ ክሽሕጡኻ ዝስምዑ ምዃኖም እዩ። ነዞም ኮሓሎ መሲሎም መንቋሮ፡ “ነዓይ ንኣንጭዋስ ኣብ ሎቖታ” ካብ ምባሎምን ነቲ ፍሩይ ሓቂ ካብ ምንጋርምን ሓሊፍካ፡ ኣብ ቆይቊ ክትኣቱ ዘድልየካ ኣይኮነን። ካብ ልኡላውነትካ ደፊሮም “ሃገር ኣልቦ” ክገብሩኻ ምፍካርን ታሪኽ ምግልባጥን ሓሊፎም እንታይ ስለ ዘይደገሙ እዮም “ምሳኻ ጸገም የብልናን” እናበሉ ክሰብኩኻ ዝፍትኑ እንድዒ።
ህግደፍ ከምቲ ልማዱ፡ ካብቲ ጨቋንን ኣግላልን ባህሪኡ ስለ ዘይወጽእ፡ ሎሚ እውን ኣብዚ ወሳኒ መድረኽ ኣብቲ ዋኒንካ፡ ልሳንካ ተለጒሙ ኢደ-እግርኻ ኣጣሚርካ ተዓዛባይ ኮይንካ ደቕኻ ክትግብር ጥራይ እዩ ዝደልየካ። ኣብዚ ንከታተሎ ዘለና ንብዙሓት ዘሻቕል ምትፍናን ዞባና፡ ብመንጽር ንልኡላውነት ሃገርና ዝምልከት ታሪኽ፡ ፖለቲካ ኮነ ዓለም ለኻዊ ውዕላትን ቻርተራትን እቲ ሓቂ ምሳኻ ምስ ህዝቢ ኤርትራ እዩ ዘሎ። ነቲ ኩነታት ብኣተኩሮን ኣፍልጦን ምእንቲ ክትከታተሎ፡ ካብ ህግደፍ ናይ ሓሳብ ዕጥቂ ክትሰንቕ እትጽበዮ ኣይኮነን። ዝተወሰኑ ሓለፍቲ እቲ ጉጅለ፡ ኣይኮነንዶ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ኣብ ዘየብላ ኤርትራ፡ ኣብቲ ዝማዕበለ ዓለም እውን ናብ ሓፋሽ ህዝቢ ናይ ምብጻሕ ጸቢብ ዕድል ብዘለዎ ማሕበራዊ መዲያ ክጥቀሙ ምዕዛብ፡ ክሳብ ክንደይ ህዝቢ ኣብቲ ወሰኒ እዋናዊ ዋኒኑ ጓና ክኸውን ከም ዝደልዩ ዘርኢ እዩ። እቲ ዝያዳ ዘተዓዛዝብ ከኣ፡ ኣብቲ በሊሕ ወተሃደራዊ ረጽሚ እንተተበጺሑ፡ እቲ ክቡር ዋጋ ዘኸፍል ንስኻ እቲ ከጓንዩኻ ዝደልዩ ህዝቢ ምዃኑ’ዩ።
ኣብዚ ብጃህራን ፈኸራን ዝተዓብለኸ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ድሮ-ኲናት ዝመስል ጽዑቕ ፕሮፖጋንዳ ሰማይ ኣብ ዝዓረገሉ፡ ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮኑ፡ ኣብ መትከል ናይ ሃገራትን ህዝበንን ሰላምን ምርግጋእን ዝኣምኑን ዓመጽ ዘውግዙን ወገናት’ውን ሻቕሎት ሓዲርዎም በብኹርናዑ ድምጾም የስምዑ’ለዉ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብሪጣንያዊ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ንሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣብ ዘጠንቀቐሉ፡ “ብሪጣንያ ግዝኣታዊ ሓድነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዝህድድ ዓመጸኛ ተግባርን ኣቀራርባን ኣይትድግፍን’ያ” ዝብል ተሪር መልእኽቲ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምትሕልላፉ ናይዚ መርኣያ እዩ። እዚ ብኣሜሪካዊ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ኣብ ጉዳይ ኣፍሪቃ’ውን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ተደጊሙ።
ህዝቢ ኤርትራ ንከምዚ ዝኣመሰለ ስምዕታ ደለይቲ ሰላምን ተጣበቕቲ ልኡላውነትን፡ ዝያዳ እንተዘይኣራጒድካዮ “ጠሓኒትሲ ሓጋዚታ እንተረኣየት መዲዳ ትሓብእ” ከም ዘብለካ ኣስተውዕል። ስለዚ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ብሰንኪ ስቕታኻ ግዳይ ሕሰም ዝኾንካዮ ንምውጻእ ብስሙር ድምጽኻ “ኣብቲ ዋኒነይ፡ ኣነ እየ ባዕለይ” ዝብል ደሃይካ ከተስምዕ ናይ ግድን ኣብ ዝኾነሉ ወሳኒ መድረኽ ምህላውካ ኣብ ርእሲቲ ዘለካ ግንዛበ ነዘኻኽረካ። ህግደፍ ግና ስልጣኑ ካብ ምክልኻል ሓሊፉ፡ መድሕን ኣይክኾነካን’ዩ።
“ርእዮም ከም ዘይረኣዩ፡ ሰሚዖም ከምዘይሰምዑ” ኮይኖም፡ ድሌትን ፈኸራን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣለሳሊሶም ብምቕራብ፡ ከዘንግዑኻ ንዝፍትኑ እዝኒ ከይትህቦም፡ ግደታኻ እምበር ሓደራ ዘድልዮ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ዋናታቱ ባዕላቶም እሞ ደጋጊሞም ኣብ ኣደባባያት፡ ንምርድኡ ብዘየጸግም ኣቀራርባ፡ “ዕረ ይጥዓምኩም መዓር ናይ ቀደም ወደብናን ኣፍደገ ባሕርናን ከነምልስ ኢና” እዮም ዝብሉ ዘለዉ። ነዚ ዓመጸኛ ድፍረቶም፡ ሕጋውን ልኡላውን ካርታ ኤርትራ ጨራሪምካ ብምቕራብ ከሰንይዎ ጀሚሮም ከም ዘለዉ’ውን ናይ ኣደባባይ ምስጢር ኮይኑ ኣሎ።
ናብቶም ኣብ ሰነዳቶም ብዛዕባ ልኡላውነትን ነጻነትን ሃገራት ዓንቀጻት ኣስፊሮም ናይ ምትግባሩ ሓላፍነት ዘለዎም ዞባውን ኣህጉራውን ትካላት ስምዕታ ምቕራብ ድማ ኣብ ቅድሜኻ ካብ ዘለዉ ዕማማት ሓደ ምዃኑ ኣይትዘንግዕ። ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብቲ ተግባሩን ሓላፍነቱን ዘነጽረሉ ቻርተር ዓቀጽ 3 ንኡሳን ዓንቀጻት 1ይን 2ይን፡ “1. ኣብ መንጎ ሕድሕድ ሃገራትን ህዝብን ኣፍሪቃ፡ ሓድነትን ምትሕግጋዝን ምውሓስ፡ 2. ናይ ኣባል ሃገራቱ፡ ልኡላውነት፡ ግዝኣታዊ ሓድነትን ነጻነትን ምክልኻል” ዝብሉ ሓሳባት ኣስፊሩ’ሎ። ስለዚ ቃሉን ግብሩን ሓደ ክኸውንን ሃለልቲ ንከእድብን ምጽውዑ የገድስ።
ኣብዚ ዘለናዮ እዋን፡ እቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ዝጸንሐ ምክብባርን ምትሕልላውን ክነቓነቕ፡ እተን ዘይማዕበላን ናእሽቱን ሃገራት ብሓያላት ከይድፈራ፡ ማእከላይ ኮይኑ ዝጸንሐ ኣህጉራዊ ኮነ ዞባዊ ሕግታትን ውዑላትን ሓይሉ ክደክም ይረአ’ሎ። ብሰሪዚ ድማ ዓለምና ኣብ ከቢድ ናይ ውግኣትን ስግኣትን ወጥሪ ተጸሚዳ፡ በቲ ሓደ ወገን ህዝቢ ክሃልቕን ክማዛበልን በቲ ካልእ ወገን ከኣ ንብረቱን ትካላቱን ክዓኑ መዓልታዊ ናይ ስግኣት ተርእዮ ይኸውን ኣሎ።
ካብዚ ብዘይፍለ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘልዕሎ ዘሎ ሕቶ፡ ምስንዳእ ንዓመጽ ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ትርጉም የብሉን። እቲ ሕቶ ዋል’ኳ ስንኩፍ ኣታሓሕዛ ዝምድናታት ህግደፍ ዘተባብዖ እንተኾነ፡ ንኢትዮጵያ’ውን መዘዙ ነዊሕ ስለ ዝኾነ፡ ሻቕለቱ ኣብ ኤርትራውያን ጥራይ ተደሪቱ ዘይተርፍ፡ ንኹሎም ምእንቲ ፍትሒ፡ ልኡላውነትን ሰላምን ዝሕለቑ ወገናት’ውን ዘየቕስን’ዩ። ምኽንያቱ “ጭሕሚ ዓርክኻ ክላጸሲ፡ ጭሕምኻ ማይ ልኸ” ከም ዝበሃል፡ ዓመጽ እንተ ሳዕሪሩ፡ ሎሚ “ደሓን ኣለና ንዝብሉ” ወገናት’ውን ጽባሕ ነዓኣቶም ውሕስቲ ኣይክትከውንን’ያ። ብልጽግናን “ንሕና ኣለናልኩም” በሃልቶምን፡ ሕቶኦም ርትዓዊ ንምምሳል፡ ዝጽፍጽፍዎ ምኽንያታት ሓቅነት ስለ ዘየብሉ፡ ምልክዑ ዝቐያይር’ምበር መወዳእታ ዝተሳእኖ፡ ሓደ ክፈርሶም እንከሎ ካልእ ክምህዙ እዮም ከይደቀሱ ዝሓድሩ።
ሃንቀውታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብጉልበት ኣፍደገ ባሕርን ወደብን ምውናን ዝድረት ዘይኮነ፡ ንብምልእታ ኤርትራ ዓምጢሩ ንምውሓጥ ዝደናደን ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ። እቲ “ዝመንጨትና ምስ መንጨትና ኣብታ ዝተረፈት ኤርትራ ልኡላውነት ከነኽብር ኢና” ክሳብ ምባል ዝበጽሕ “ማይ ዘይጠዓመ ጽውጽዋይ” መዳህለሊ ኣብ ዝበሃለሉ መድረኽ ኢና ዘለና። ከምቲ “ስቕ በሉ ዝብኢ እዩ እግረይ ዝበልዕ ዘሎ” በለ ፈራሕ ዝበሃል፡ ኤርትራ ኣፍደገ ባሕራን ወደባን ድሕሪ ምውራር፡ “ዝተረፈ ኣካላ ክድሕን’ዩ” ኢልካ ንገዛእ ርእስኻ ምድዕዓስ፡ ናይ ጥዕና ከምዘይከውን ብሩህ እዩ።
“ኤርትራ ባሕራን ወደባን ካብ ዘይተጠቕመትሉ፡ ኢትዮጵያ እንተወሰደቶ እንታይ ጸገም ኣለዎ”፡ ዝብሉ ገለ ኤርትራውያን መዳመቕቲ ዓመጽ፡ ምስማዕ ከኣ ዳርጋ ልሙድ ዝተዓዛዝብ ይኸውን ኣሎ።“ስለ ዘይንጥቀመሉስ፡ ይውሰድዎ”ኸ ይበሃልድ’ዩ” ዘብለና ዘሎ ከኣ፡ ተስፋ ምቑራጽን ብሩህ መጻኢ ዘይምምዕዳውን ግጉይ ስለ ዝኾነ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ህግደፍ ዘይጥቀመሉ ዘሎ፡ ባሕሩን ወደባቱን ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ካልእ ተፈጥሮኣውን ሰብኣውን ጸጋታቱ ምዃኑ ርኡይ እዩ። ክሳብ ክንዲ’ዚ ናይ ጸጋታቱ ዘኽታም ዝኾነ ከኣ፡ በቲ ዋጋ ዝኸፈለሉ ኩለ-መዳያዊ ሃብቱን መሰሉን ናይ ምጥቃም ድሌትን ቅሩብነትን ሰለ ዘየብሉ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ብሰንክ’ቲ ከም ቁርዲድ ጨምዲዱ ሒዝዎ ዘሎ ህግደፋዊ ጭቆና ምዃኑ፡ ኣይኮነንዶ ንጐረቤት ኢትዮጵያ ዓለም ብዓለማ’ውን እትፈልጦን ትሻቐለሉ ዘላን ሓቂ እዩ። ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ስንና ነኺስና ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ድማ፡ ህዝብና ንዘይተጠቕመሉ ባሕሩ ይኹን መሬቱ ቆርሚምካ ንዘይግበኦም ንምምጣው ዘይኮነ፡ ልዕልናኡ ብሕገመንግስቲ ኣውሒሱ፡ ናይ ኩሉ ሃብቱ ዋና ዝኾነሉ ኩነታት ንምጥጣሕ ምዃኑ ምስትውዓል የድሊ።
ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ይረአ ንዘሎ፡ ንመገላገሊ’ውን ዘጸግም ልኡላውነት ኤርትራ ናይ ምግሃስ ላዕልን ታሕትት ብዝምልከቶም ዞባውን ኣህጉራውን ትካላት ተቐላጢፍካ “ኣይፋል” ዝብል ድምጺ ዘይምስምዑ፡ ሓደገኛ ሳዕቤን ከየኸትል ዘሰክፍ’ዩ። ገለ ምእንቲ ልኡላውነት ሃገርን ሓድነት ህዝብን ኣብ ቃልሲ ኣለና ዝብሉ ወገናት’ውን፡ ንዓሎቕ ብልጽግና ከጸባብቑ ይስማዕ እዩ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ሓደ “ምዕራብ ትግራይን ራያን ናብ ንቡር ንምምላስ እቃለስ ኣለኹ” ዝብል ትግራዋይ ፖለቲከኛ፡ ኦሪያ ኣብ ዝተባህለት መዲያ ቀሪቡ፡ “ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕርን ወደብን ክትውንን ርትዓዊ እዩ” ዝብል ሓሳብ ከቕርብ እንከሎ ምስማዕ ክሳብ ክንዳይ ገለ ወገናት ኣብ ተጋራጫዊ ማዕበል ይሕንብሱ ከም ዘለዉ የመልክት።
ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ወጥሪ ኣብ ዝበረኸሉ፡ ይስምዑ ካብ ዘለዉ፡ “ኣብ ሎሚ ኮይንካ ኣብ ትማሊ ክትነብር” ምፍታን እዩ። ከም መርኣያ ናይዚ፡ ኢጣልያ ንኤርትራ ነዚ ሒዛቶ ዘላ ቅርጺ ኣትሒዛ ምግዘኣ፡ ኮነ ኢላ ኢትዮጵያ ምስ ባሕሪ ከምዘይትራኸብ ናይ ምግባር ተንኮል’ዩ እናበሉ ምስ ህልዊ ቅርጺ ኤርትራ ዝራገሙ’ውን ኣለዉ። እዚ ጉዳይ ኣብቲ ሃጸይ ምነሊክ ንኢትዮጵያ ካብ ኢጣልያ ንምድሓን ብዝብል ምስ ኢጥልያ ዝተፈራረመሉ እዋን እንተዝኸውን ትርጉም መሃለዎ። ሎሚ ድሕሪ ናይ ኤርትራ ሃገርነት ብኹሉ መለክዕታት ምድልዳሉን፡ ኣብ ቀረባ ግዜ’ኳ ብመሰረት ውዕል ኣልጀርስ ጉዳይ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ናይ መወዳእታን ቀያድን ውሳነ ተወሲኑ፡ ኣብ መወዳእታ መስርሕ ኣተገባብራ እናሃለወ፡ ልዕሊ100 ዓመታት ንድሕሪት ተመሊስካ ምምራር፡ “ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ” ዝዓይነቱ ህውተታ፡ መግለጺ ፖለቲካውን ታሪኻውን ንድየት እንተዘይኮይኑ ካልእ ትርጉም የብሉን።
ኣብ ግዜ ደርጊ “ርእሰ-ምምሕዳር ዓሰብ (የዓሰብ ራስ ገዝ)” ዝበሃል ከባቢ ምንባሩ ዓሰብ ናይ ኤርትራ ዘይምዃና ዘመላኽት’ዩ ክበሃል’ውን ይስማዕ’ዩ። ብዛዕባ ግዜ ደርጊ ዝተባህለ እንተተባህለ፡ ዓሰብ ጥራይ ዘይኮነት መላእ ኤርትራ’ውን ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢትዮጵያ እዩ ነይሩ። ደርጊ ኣብታ ግዝኣቱ ዝነበረት ኤርትራ ከም ድላዩ ጠንቀላዕላዕ እንተበለ ድማ ዳኛ ኣይነበሮን። እቲ ድሕሪኡ ዝማዕበለ፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ብቕልጽሙ ንመግዛእቲ ምስዓርን ኣህጉራዊ ኣፍልጦ ብዝተኻየደ ህዝበ-ውሳነ (ረፈረንደም)፡ ኤርትራ መዓርግ ልኡላውነት ምልባሳን፡ ኣብቲ ኣብ ግዜ ደርግን ቅድሚኡ ዝነበረ ነበረያነበረ ዘምጸኦ መሰረታዊ ለውጢ ዘይምርዳእ ኮይኑ፡ “ክበልዕ ዝበለስ ገደል ኣፉ” ከም ዝበሃል ተዓሚትካ ንቕድሚት ምጉያይ ጥራይ’ዩ ዝኸውን።
ዝሓለፉ መራሕቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ኮነ ካልእ ዛዕባ ነናቶም ኣሰር ገዲፎም ዝሓለፉ እዮም። ኩሉ ተግባራቶም ከኣ ብስም ኢትዮጵያ ከም ውርሻ ታሪኻ ዝምዝገብ እምበር፡ ሒዘምዎ ዝኸዱ ወይ ዝስረዝ ኣይኮነን። ኢትዮጵያውያን ከምቲ ምነሊክ ንኢትዮጵያ ዘመናዊ መንገዲ ኣትሒዝዋ ኢሎም ዝሕበንሉ፡ ምስ ኢጣልያ ዝኸተሞም ስምምዓት ከኽብሩ’ውን ቅሱባት እዮም። ተጠሊዕካ፡ “መንግስቲ ኢህወደግ ዝገደፈልና ልቓሕ ናይ ኢትዮጵያ ዕዳ ስለ ዝኾነ፡ ንኸፍሎ ኣለና” እናበልካ፡ ተጠዊኻ ንውጽኢት ረፈረንደም ተቐቢሎም ንልኡኣውነት ኤርትራ ኣፍልጦ ምሃቦም ሓጥያት’ዩ ምባልከ ብኸመይ’ዩ ዝቃዶ።
ዶር ደረጀ ዘለቀ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ መምህር ዓለምለኸ ሕጊ ዝነበረ፡ ብ2019 ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ “ብመንጽር ሕጊ ዓሰብ ናብ ኢትዮጵያ ናይ ምምላስ ዝኾነ ይኹን ዕልድ የለን። ካብዚ ወጻኢ ብጉልበት ክጥቀምየ ንዝብል፡ ኣነ ከም ናይ ሕጊ ፈላጥን ጠበቓን ኣይድግፎን እየ። ዝከኣል እውን ኣይመስለንን። ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ዝነብር ህዝቢ ናይ ካልእ ሃገር መሬት ወሪሩ ብሰላም ክነብር’ዩ ዝብል እምነት ከኣ የብለይን” ዝበሎ ምዝካር ከኣ ኣገዳሲ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ን30 ዓመታት መሪርን ጽንኩርን ቃልሲ ኣካይዱ; ናጽነትን ልኡላውነትን ሃገር ከረጋግጽ ናይ ምብቃዑ ምስጢር፡ ንናይ ታሪኽ ተመራመርቲ ከይተረፈ፡ ኣዛራብነቱ ክሳብ ሎሚ ኣይሃሰሰን። ብዛዕባ ምስጢር ናይቲ ናብ ዓወት ዘብጸሐ ጽንዓት ብዙሕ ምዝርዛር ከም ዝከኣል ርዱእ ኮይኑ፡ እቲ ገሊሁን በሪኹን ዝረአ ምኽንያት፡ ኤርትራውያን ብሓባር ኣብ ዙርያ’ቲ “ሓደ ኣብ ዝሓየለን ዝሰፈሐን ወሳኒ ራኢ ነጽናት ምዕሳልና እዩ” ዝበል፡ እቲ ዝደመቐ ትርጉም ናይቲ ምስጢር ዓወት እዩ። እቲ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር መግዛእቲ ዝተራእየ፡ ሓደ ኣብ ዝገብረና ብምጽውዋርን ምክእኣልን ተገዚእካ ምዕሳል፡ ሎሚ’ውን ቀጻልን ማዕባልን ክኸውን ዘለዎ ባህሊ እምበር፡ ኣብ መድረኽ ቃልሲ ንነጻነት ስርሑ ወዲኡ ዘብቅዕ ኣይኮነን።
ኣብቲ ነዊሕን መሪርን ቃልሲ ንናጻነት፡ ኣብ ኤርትራውያን ንኡሳን ናይ ኣረዳድኣ ፍልልያት ኣይነበሩን ማለት ኣይኮነን። እንተኾነ እቶም ሃይማኖታዊ፡ ቋንቋዊ፡ ባህላውን ካለኦትን ጽልዋ ዝነበሮም ፍልልያት፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ዓብይ ናይ ናጻነት ራኢ ዝቕለሱን ዝመሓደሩን እምበር፡ ኣብ ግምት ዘይዋሃቦም ኣይነበሩን። እዚ ብቕዓትን ትዕግስትን ከኣ ነብሱ ዝኸኣለ ናይ ዓወትና ምስጢር እዩ ነይሩ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ህዝባዊ፡ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ቃልስና ዝተኸተልናዮ ነቲ ብሓባር ዘሰልፈካ ቅድሚት ናይ ምስራዕ ብቕዓት ሎሚ እውን ክንክተሎ ዝግበኣና መሰረታዊ ተረድኦ እዩ።
ሎሚ ኣብ ክንዲ ነቲ ብግብሪ ዘዕወተና ምጽውዋር ብዝያዳ ነሕይሎ፡ ናይ ዘለቕለቕን ጸቢብ ስሰዐን ምልክታት እንተርኢና፡ ነቲ ብተመኩሮ ዝተረጋገጸ ምስጢር ዓወታትና ዘዳኽም ስለ ዝኸውን፡ ኤርትራውያን ፍሉይ ቆላሕታ ሂብና ክንግንዘቦን ክንሰርሓሉን ይግበኣና። ከምኡ እንተዘይጌርና ግና ኣብ ቅድሚ እቶም ታሪኽ ጽንዓት፡ ሓድነትን ምክእኣልን ህዝብና ዝፈልጡ ኣካላት ከይተረፈ፡ ዘሻቕል እምበር ዘቕስን ኣይኮነን።
እቲ ኣብ ምርግጋጽ ናጻነት ኣብ ሓደ ጽኑዕን ዘይሕለልን መስመር ዘሰለፈና ናይ ሓባርና ተረደኦ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣንጻር ሉኣለውነትና ዘንጸላልው ካብ ዘሎ ናይ ግዳም ድፍረት ንምዕቃብ እውን ዘመናዊ ምዕባለ መራኸብታት ኣሰኒኻን ቃኒኻን ዝሰዓብ እምበር፡ “ግዜኡ ዝሓለፎ” ኢልካ እትገድፎ ኣይኮነን። እቲ ሓሓሊፉ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ መርተዖ ዘየብሉ ብልኡላውነት ኤርትራ ክትጣላዕ ላዕልን ታሕትን ምባል ኣዕጊስካ፡ ግቡእ መንገዲ ንምትሓዙ እውን ኣብ ዙርያቲ ሓደ ዝገብረና “ምዕቃብ ብኽቡር ዋጋ ዝተረጋገጸ ልኡላውነት ህዝብን ሃገርን” ኣጽኒዕና ከነትክል ምርጫ ዘይኮነ ግደታ እዩ።
ዕባራ ምኽንያታት ብምዝርዛር፡ “ልኡላውነት ኤርትራ እንተዘይገሃስና” ኢሎም ዘዕለብጡ ዘለዉ ናይ ግዳም ወገናት፡ ክፈጥርዎ ዝደልዩ መጣልዒ ሸርሒ፡ ምናልባት ምስ ህልዊ ምዕባለ ናይ መልክዕ ፍልልይ እንተዘይሃልይዎ፡ ብባህሪኡ ካብቶም ቅድሚ 80 ዓመታት ጀሚሮ ዝፈሓሱ ዝነበሩ ኤርትራን ህዝባን ዓምጢርካ ናይ ምንብርካኽ ውዲታት ዝተፈልየ ኣይኮነን። እቶም ዝቐርቡ ስንኩፋት መመሳመሲ ምኽንያታት ድማ፡ ወዮ ጽኑዕ መሰረት ዘየብሎም፡ ከከምግዜኡን በሃሊኡን ተለዋወጥቲ እዮም።
ሜጀር ጀነራል ተሾመ ገመቹ ዝተባህለ፡ ኣብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዳይረክተር ክፍሊ ዲፕሎማስን ናይ ወጻኢ ምትሕብባርን፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ፕራይም (prime) ምስ ዝተባህለት መዲያ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ ከም ወሰንቲ ረቛሕታት ንምውናን ኣፍደገ ባሕሪ ኢሉ፡ “ኤርትራ ኣኽሊል ልኡላውነት ኣብ ዝደፈኣትዩ ኣፍልጦ ዝሃባ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግዝያዊ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ግዜ ደርጊ ዓሰብን ከባቢኣን ካብ ኤርትራ ዝተፈልየ ምምሕዳር ምንባሩ፡ ኢትዮጵያ ካብ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ርሕቀት ቀረባ ምዃኑ፡ ኣዲስ ኣበባ ከይተረፈት ካብ ባሕሪ ብዝትኮስ ከቢድ ብረት ክትውቃዕ ስለ እትኽእል ንጸጥተና ኣስጋኢ ብምዃኑ” እናበለ ክዝርዝር ተሰሚዑ።
እዚ ጀነራል፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘይስገር ኮይንዎ እምበር፡ ፈትዩ ንልኡላውነት ኤርትራ ኣፍልጦ ከምዘይሃበ ዝዘንገዐ እዩ። ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብወገኑ፡ ንሃልክን ሸንኮለልን ክብል ኣብዚ ቀረባ መዓልታት “ሽሕ ዓመት ዝወሰደ ጉዳይ ሩባ ኣባይ’ኳ ዝፈታሕናዮ፡ ሰላሳ ዓመት ዝዕድሚኡ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ጽባሕ ስለ ዝእረም ዘጸግመና ኣይኮነን” ዝበሎ እውን ሓድሽ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ኣዝዩ ዘተዓዛዝብ እዩ። እንተኾነ ኩሉ’ዚ ኣበሃህላ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ንምድንጋር እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ ቅድሚ ምስ ባሕሪ ዝተሓሓዝ ዓለም ለኻዊ ሕግታት ኣፍልጦ ዝወሃቦ ትርጉምን የብሉን።
እዚ ኩሉ ናይ ኢትዮጵያውያን ነበረያ ነበረ፡ ናይ ኤርትራያውን ኣብ ክንዲ ናብቲ ዝዓበየ ንኹልና ዝሓቁፍ ምስሊ፡ ናብ ናእሽቱን ጸበብትን ምስልታት ሸረፍረፍ ምባል እንተዘይተወሲኽዎ፡ ከቶ ንኢትዮጵያን ህዝባን ዘምጸኣሎም ረብሓ የለን። ህግደፍ ክፈጥሮ ዝጸንሐ ልኡላውነት ሃገር ዘነኣእስ ምግልባጥ ዘሕድሮ ኣሉታዊ ተጽዕኖ’ውን ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። እንተ ብገርሆም ወይ ብጉርሖም ብመንፈስ “ዝሓዝካ ሒዝካ ምጉያይ”፡ ከምቲ “ብዕራይሲ ዝበልዖ ሳዕሪ እምበር፡ ዝጽበዮ ገደል ኣይረኣዮን” ዝበሃል፡ ዝስዕቦ መዘዝ ብምዝንጋዕ፡ ኣንጻርቲ ዝዓብየ ናይ ሓባር ሃገራዊ ዛዕባ ክስለፉ ዝደልዩ ኤርትራውን ከኣ መንገዶም ኣብ ትዕዝብቲ ምውዳቕ እንተዘይኮይኑ፡ መኽሰብ ከምዘይህልዎ ደጋጊሞም ከገናዝቡ ነዘኻኽሮም።
ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ እዚ ዝጐደሎ ንዘይበሃል፡ ኣህጉራዊ ትካላት እውን ዝምስክርዎ ወጽዓን ጭቆናን፡ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ “ኤርትራ ቁጠባኣ ዝዓነወ፡ ህንጻታታ ዝኣረገ፡ ህዝባዊ ትካላታ፡ ዝፈረሰ መጉዓዝያታታን መራኸቢ መስኖታታን ዝተዳህከ ቁሸት ኮይና ከም ዘላ ባዕሉ እቲ ርእሰ ሃገር ዝበሃል መላኺ ዝተኣመነሉ ኮይኑ ኣሎ። ጉጅለ ህግደፍ ነዚ ህልዊ ኣሰካፊ ዘቤታዊ ጉዳያት ካብ ምጥንጣን ሓሊፉ፡ ተወሰኽቲ ግህሰታት ካብ ምፍጻም እውን ኣየቋረጸን። “ ብዝብል’ዩ ገሊጽዎ። ነዚ ተደራራቢ ወጽዓ ምውጋድ ከኣ ካብ ምዕቃብ ልኡላውነት ብዘይፍለ፡ ሓደ ዝገብረናን ማዕረ ዝብጸሓናን ሃገራውን ህዝባውን ኣጀንዳ ስለ ዝኾነ፡ በዓል ድርብ ዕማም ቃልሲ ንምዕዋት ድሉዋት ክንከውን እዋናዊ’ዩ።
ከምቲ ኣሰላፍና ኣዘባሪቖም፡ ንልኡላውነትና ዘለና ክብሪ ንምድኻምን ንምክፍፋልናን ዝጽዕቱ ናይ ግዳም ሓይልታት ከይብለጹልና እንጥንቀቖ፡ መንገድና ኣስሒቶምን ዓቕምና ከፋፊሎምን መቐጸሊ ዕድመ ስልጣን ጉጅለ ህግደፍ ክንከውን ካብ ዝሓልሙ መሳርሕታቱ ምጥንቃቕ ከኣ ኣብ ቅድሜና ካብ ዘለዉ ናይ ሓባር ብደሆታት እዩ። ድሕሪ ምውጋድ ጉጅለ ህግደፍ ከመይ ዝኣመሰለ ኤርትራዊ ምምሕዳር ከም እንመርጽ ብደረጃ ውልቂ ይኹን ብመልክዕ ውዱብ ናይ ኣተሓሳስባ ምፍልልይ ክህልወና ንቡርን ብሕገመንግስታዊ ዘይምእኩል ምምሕዳር ክውገን ከምዝኽእል ድማ እምንቶ ሰዲህኤ እዩ።
እቲ ሃሳይን ኣሰካፍን ዝኸውን፡ ነቲ ደሓር ዝዕመም ቅድሚ’ቲ ሓቢርና ከነዕውቶ ዝግበኣና፡ “ምውጋድ ስርዓት ህግደፍ” ክስራዕ እንከሎ እዩ። ስለዚ ኣብዚ እውን “ኣየናይ እዩ እቲ ዝሰፈሐን ዝሓየለን ብሓባር ዘሰልፈና ኣጀንዳ” ከነለሊ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብምሉእ ዓቕምና ተሰሊፍና ከነዕውቶ’ውን መተካእታ የብልናን።
ኣብዚ ዘለናዮ ዞባዊ ፖለቲካዊ ወጥሪ፡ ብዙሓት ኣዛረብቲ ዛዕባታት ክምዕብሉ ንዕዘብ ኣለና። ብሰንኪ’ዞም እዋናውያን ምዕባለታት ከኣ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ኣካላት፡ ናይ ርኢቶ ፍልልያት ይኽሰቱ’ለዉ። ጉዳይ “ልኢላውነት ኤርትራ” ከኣ ሓደ ካብቶም ቅድሚት ዝስርዑ ኣዛረብቲ እዋናዊ ዛዕባታት ኮይኑ ኣሎ።
ልኡላውነት፡ ህዝብን ሃገርን፡ ክቡር ዋጋ ዝኸፍለሉን ክዕቅቦ ዘለዎን; ብህዝባዊ ናይ ቃልሲ መስርሕ ዘረጋገጽ መሬት፡ ማይን ኣየርን ዘጠቓልል መሰረታዊ ናይ ሃገርነት ዓንዲ እዩ። ብፍላይ ልኡላውነት ኤርትራ ብመስዋእቲ ኤርትራዊ ዝተነድቀ፡ ብ1993 ብድምጺ ህዝቢ ዝጸንዐ፡ ብኣህጉራዊ ሕግታትን ውዕላትን ኣብ ድልዱል ባይታ ዝተሰረተ እምበር፡ ብነበረያነበረ ዝኹለፍ ኣይኮነን። ካብዚ ብምንቃል እዩ ከኣ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብቲ ብ2017 ዘውጸኦ ሓቢርካ ናይ ምስራሕ፡ እሞ ብብዙሓት ዝተደገፈ፡ እማመ ሓድነት ካብ ዘስፈሮም 4 መቖሚ ኣዕኑድ፡ “ንምዕቃብ ልኡላውነት ኤርትራ” ቅድሚት ሰሪዑ ዝቃለሰሉ ዘሎ። ኣብ ብዙሓት መድረኻት ፖለቲካ ሃገርና ክለዓል እንከሎ ከኣ፡ “ልኡልወነት ናይ ህዝብን ሃገርንዶ ናይ መንግስቲ?” ዝብል፡ ሕቶ ብቐጻሊ ዝጥቀስን ዘካትዕን ኮይኑ’ሎ።
እቲ ቅኑዕ መልሲ ናይዚ መሰረታዊ ሕቶ፡ “ልኡላውነት ነቶም ምስ ግዜ ዘይሓልፉ፡ ህዝብን ሃገርን እምበር፡ ምስ ግዜ ንዝሓልፍ ስርዓትን ምምሕዳርን ዝወሃብ መግለጺ ኣይኮነን” ዝብል እዩ። ብመንጽር’ዚ ኣብ ኤርትራ ልኡላውነት ሃገርን ህዝብን ተዘይኮይኑ፡ ልኡላውነት ናይቲ ነቀይነቀይ ዝብል ዘሎ ጉጅለ ህግድፍ ዝበሃል የለን። እቲ ህግደፍ ነብሱ ንምድሓን “ነዓኡ ዝተቓወመ ልኡላውነት ሃገር ከም ዝጠለመ፡ ንዓኡ ዝደገፈ ድማ ንልኡላውነት ከምዝሕለቕ” ኣምሲሉ ክብለጸሉ ዝፍትኖ፡ መሰረት ዘየብሉ መዳህለሊ’ዩ። ብኣንጻሩ እኳደኣ ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ካለኦት ኢዱ ብምእታውን ንዓመጸኛታት ብምድጋፍን፣ ልኡላውነትና ክግህሱ ንዝወጣወጡ ክዕድም ዝጸንሐን ዘሎን ዝአራጊ እዩ።
ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ክስመረሎም ካብ ዝግበኦም ጉዳያት፡ ህግደፍ ዝፍጽሞ ኩሉ ዓይንት ጥሕሰታት ኣብ ቅድሚ ማሕበረሰብ ዓለም ምቅልዑ እምበር፡ “ንሱ’ኳ ከምዚ ዝግበረ” ኢልካ ደድሕሪኡ ምኻድን ተግባራቱ ምድጋምን መተካእታ ኣይኮነን። ብመንጽር’ዚ ነቲ ህግደፍ ዝፍጽሞ እሞ ደጋጊምና ዘወገዝናዮ፡ ልኡላውነት ዝጥሕስ ተግባራት እናዘርዘርካ፡ “ንሱ ስለ ዝዓበደ፡ ምስ’ቶም ልኡላውነትና ክግህሱ ዝህቅኑ ወገናት ምስላፍ ተቐባልነት የብሉን። ኣብ ክንድኡ እቲ ፍታሕ ሰማዒ እዝኒ እንተዝረክብ፡ ሕጋዊ መስርሕ ተኸቲልካ ውሳነ ዶብ ኣብ መሬት ምምልካት’ዩ ነይሩ።
ህግደፍ ኣብ ውግእ ዩክረይንን ሩሲያን ዝወሰዶ ወራር ዝድግፍ መርገጽ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኢድ ኣእትዩ ኣብ ትግራይ ዘካየዶ ውግእን ሳዕቤናቱን፡ ኢሳያስ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ኢትዮጵያ ዘስመዖ ዝነበረ ታሪኽ ኣመዛቢሉ ሽውሃት ስሱዓት ዘጋድድ መደረታት፡ ኣብ ቅድሚ ታሪኽ ዝሕተተሉ እምበር ንዓኡ ዘንጊዕካ፡ ኢትዮጵያውያን ኣንጻር ኤርትራ ዝህቅንዎ ዘለዉ ወራር ጥራይ ምውሳድ ቅኑዕ ኣይኮነን። በቲ ንተግባራት ህግደፍ ክንቃወመሉ ዝጸናሕና ቃናን መትከልን፡ ንዝኾነ ወራር ምቅዋሙ ከኣ ርትዓዊ እዩ። ምኽንያቱ ግህሰት ልኡላውነትን ኣብዘይጉዳይካ ምእታውን፡ “ብመን ኣብ ልዕሊ መን ይፍጸም” ብዘየገድስ፡ ክኹነን ስለ ዝግበኦ። ካብዚ ወጻኢ፡ ንዕዘቦ ዘለና ከተወግዞ ንዝጸንሕካ ምስ ምዕቃብ ልኡላውነት ንዘይቃዶ ተግባራት ህግደፍ፡ ብኻልኦት ንኽድገም ምትብባዕ፡ ተጋራጫዊ ኣቕጣጫ ምሓዝ’ዩ።
ልኡላውነት ኤርትራ ክድፈር እንከሎ፡ ከም ንኢሳያስ መውቅዒ ጥራይ ወሲድካ፡ “ሕራይ ደኣ ኮነ” እናበልካ ናይቶም “ሓይሊ እንተሎ ሕጊ እንታይ ይዓብስ” ብዝብል ግጉይ ተረድኦ ዝሰኸሩ ወገናት መሳርሒ ምዃን ደሓር ተጣዒስካ ዘይምለስ ሕርያ እዩ። ከምቲ “ንልኡላውነት ምጥባቕን፡ ንህግደፍ ምድጋፍን ዘራኽብ የብሉን” ዝበልናዮ፡ “ልኡላውነተይ ኣሕሊፈ ኣይህብን” ንዝበለ ዓይንኻ ብጨው ተሓጺብካ “ደጋፊ ህግደፍ ኢኻ” ዝብል ስም ምሃብ ከተገናዝብ ዘይምብቃዕን ዘይብስለትን እዩ።
ብዘይካዚ ናይ’ቲ ህግደፍ ካብ ናቱ ዝተፈልየ ርኢቶ ንዘለዎም ወገናት ካብ ህዝቢ ንምግላሎም ዝጥቀመሉ ኣግላሊ ስልቲ እሱር ምዃን’ዩ። ብኣንጻሩ ልኡላውነት ናይ ህዝብን ሃገርን ስለ ዝኾነ፡ ምእንታኡ ምሕላቕ መሰረታዊ መግለጺ ኣብ ጐኒ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ምስላፍ እዩ። ልኡላውነት ክድፈር እንከሎ፡ ምጽቃጥ ወይ ከኣ መራሕ መንገዲ ናይቶም ህንዱዳት ጠሓስቲ ምዃን፡ ከም ደላይ ለውጥን ሓላይ ህዝብን ጌርካ ክትገልጾ ምፍታን ከኣ “ዘበንያ ግርንቢጥስ ማይ ንዓቐብ” እዩ ዝኸውን።
ሎሚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ቃልሲ ውሕሉል ኣሰራርዓ ቀዳምነታት ዝሓትት፡ በቲ ሓደ ወገን ምውጋድ ጉጅለ ህግደፍ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ምዕቃብ ልኡላውነት ኤርትራ ዝማእከሉ በዓል ድርብ ዕማም ምዃኑ ክዝንጋዕ ኣይግበኦን። እቲ ንልኡላውነት ኤርትራ ዘይመልክዑ ንምሃብን ዝተረጋገጸሉ መስርሕ ጠማዚዝካ ናብ ዘይድለ ኣቕጣጫ ንምውሳድን ዝግበር ሃቐነ ከምቲ “ኩሉ ካብ ሓቁ ኣይሓልፍንዩ” ዝበሃል፡ ንበሃልቱ ኣብ ትዕዝብቲ ከውድቖም እንተዘይኮይኑ፡ ከቶ እቲ ክዉን ዝቕየር ኣይኮነን። ምናልባት “ብናይ ሓይሊ ብደዐ”፡ ተመኩሮ ዩክረይንን ሩሲያን ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክደገም ዝጽበዩ እንተልዮም፡ ከምቲ “ክምካሕ ክምካሕ ኣብ ርእሱ ካሕ” ዝበሃል፡ ንዓኣቶም’ውን ጽባሕ ውሕስቲ ከምዘይኮነት ብምርዳእ፡ ኣብ መጻኢ ካብኦም ብዝሓየለ ክጽፍዑ ከም ዝኽእሉ የስተውዕሉ።
ምዕቃብ ልኡላውነት ኣብ ዓውዲ ውግእ ተሰሊፍካ ጥራይ ዝረጋገጽ ዘይኮነ፡ ህዝባዊ፡ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን መዳያት’ውን ስለዘለዎ፡ ኩሎም ግዱሳት ወገናት፡ ኣብቲ ተሰሊፈምሉ ዘለዉ ኣገባብ ቃልሲ ኮይኖም ግቡኦም ዝፍጽምሉ ሰፊሕ ዓውዲ’ዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣብዚ መዳይዚ ብመሪር ቃልስን ሓያል ብደሆታትን ተፈቲኑ ዝተደለበ ተመኩሮ ስለ ዘለዎ፡ ምስ ህዝቡን ሃገሩን እምበር ምስ ዲክታተርነት ኮነ ወረርቲ ሕግብግብ ዝብል ኣይኮነን። ዘይኤርትራዊ ሓይሊ፡ ካብ ናቱ ሃገራዊ ሕሳብን ረብሓን ነቒሉ ብዘዕጥቐና ኣጽዋር’ዩ ራህዋ ህዝብና ዝመጽእ ኢሎም ዝኣምኑ ኤርትራውያን እንተልዮም፡ ክሳብ ክንደገይ ንግደ ህዝቢ የስተናዕቑ ከም ዘለዉ ይረደኣዮም።
ስዉእ ሓርበኛ ስዩም ዑቕባሚካኤል (ሓረስታይ)፡ ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ጀርመን ካስል 1999፡ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ “ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ምእላይን ብዲሞክራሲያዊ ስርዓት ምትካእን፡ ናይ ኤርትራውያን መሰል ጥራይ እዩ። …….ናይ ዝምድናታትና ምስ ሃገራት ተደላይነትን ደረጃኡን ከኣ፡ ብመንጽር ረብሓታትና ዝቕየስ’ዩ። ከምኡ እውን ንህዝብታት ዘቐደመን ኣብ ቅድሚ ዝምልከቶም ግሉጽ ዝኾነን እምበር፡ ብውድባዊ ጠቕምታት ዝተሓጽረ ዝምድና ዘይንኣምነሉ’ዩ” ዝበሎ ምዝካሩ እዋናውን ኣገዳስን እዩ።
ስለዚ ብሰንኪ ህግደፍ ኩሉ መሰላቱ ተገፊፉ ጸልሚትዎ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብኣና በቶም ኣብ ጉዳይና ቅድሚት እንስራዕ ሰብ ዋኒን ኤርትራውያን እምበር፡ “ልኡላውነቱ ዝግሀሱ ሓይልታትን ኣሳሰይቶምን ብዝፈጥርዎ ኩነታት ክርህዎ እዩ” እናበልካ ቃል ምእታው፡ ክሳብ ክንደይ ደረቱ ዝሓለፈ ሸፈጥ ምዃኑ ህዝብና ከስተብህለሉ ዘለዎ’ዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ስም ኤርትራን ኢትዮጵያን ክለዓል እንከሎ፡ እንተ ብጉርሒ እንተ ብገርሂ ዝፍጠር፡ ኣብቲ ብዛዕባ ኤርትራ ዝበሃል ናይ ኣረዳድኣ ፍልልይ ኣሎ። ካብቲ ፍልልያት ዝንጸባረቐሉ ዘሎ እዋናዊ ኣበሃህላታት፡ ናብ ኤርትራ ገጹ ዝስንዘር ዘሎ መደረታት መራሕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚት ዝጥቀስ እዩ። እንተኾነ ብጽሞናን ብቕንዕናን ንዝከታተል፡ እቲ ኣባላት ዝተፈላለዩ ሕብረተሰብን መድያታትን ኢትዮጵያ ዝጽሕፍዎን ዘንብብዎን ገዲፍካ፡ ቀዳማይ ሚኒስተሮምን ኣብ ዝተፈላለዩ ሲቪላውን ወተሃደራውን ጽፍሕታት ዝርከቡ ላዕለዎት ሓልፍቲ በብግዜኡ እሞ ብዘየሻሙ፡ ኣፎም ደም ክሳብ ዝወጽእ“ሕቶና ናይ ወደብ ተጠቃምነት ዘይኮነስ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ኤርትራ ናትና’ዩ” ዝብልዎ ንምርዳእ ተርጓማይ ዘድልዮ ኣይኮነን።
ምስ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረዳድኣ ዘለዎም ዝመርሕዎ መንግስቲ “ክዛመድ እየ” ዝብል ኤርትራዊ ኣካል፡ ኮነ ኢሉ ዝኣትዎ ዘሎ ደሓር ዘጣዕሶ ምዃኑ ክእመን ይግብኦ እምበር፡ ነቲ ዋናታቱ ዘነጸርዎ ኣባሃህላ ዘይትርጉሙ ብምሃብን ብምጽብባቕን ከቕርቦ ኣይግባእን። ኣብ ርእሲ’ዚ ግጉይ መልእኽቲ ብምትሕልላፍ ንህዝቢ ናብ ዘየዋጽእ መንገዲ ምምራሕ ምዃኑ ከሎ ጋና ምግንዛብ የድሊ። እቲ ኣበሃህላ ንጹርን ስኑድን ክነሱ፡ ዘይመስል ሕብርታት ቀባቢእካ ንዝሻቐሉ ወገናት ክትጥብር ምፍታን፡ “ንርእስኻ ተጋጊኻ ንኻሎት ምልካም” ስለ ዝኾነ፡ በሃልቱ ቀይሕ መስመር ከይጥሕሱ፡ ብጽሞና ክሓስብሉን ናብ ንቡር ክምለሱን ይግበኦም።
ሓሓሊፉ እውን ካብ ሃገርና ወጻኢ ንቃለስ ስለ ዘለና፡ ጉዳይ ልኡላውነት ቀዳምነትና ኣይኮነን። ልኡላውነት ኣብ ዓድኻ ኮይንካ ጥራይ እተከላኸለሉ ዕማም እዩ ክበሃል ይስማዕ እዩ። ወዮ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን የገድሰኒ ኢልካ እሞ ኣብ ኤርትራ መቃለሲ ባይታ ስኢንካ ኣብ ወጻኢ ኮንካ ንለውጢ እንዳተቓለስካስ፡ “ኣብ ሉኡላውነት በጺሕካ” ነዓይ ዝምልከት ኣይኮነን ብምባል፡ ኣንጻር ልኡላውነትካ ዘንቀደ እሞ ተመሓዘዎ ዘላኻ ወገን ከይተረፈ ክዕዘበካ እዩ። ምኽንያቱ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ኣበይ ኮንካን መዓስን ብዘየገስ፡ ኣብ እንግደዓ ኩሉ ደላይ ለውጥን ምዕባለን ኤርትራዊ ዜጋ ዘሎ ጾር እምበር፡ ይጽናሓለይ ዝባሃል፡ ንሓንሳብ ትርዕሞ ንሓንሳብ ከኣ ተዋድቖ ሓላፍነት ኣይኮነን።
እዚ ኩሉ ምስምስ ምስቲ ናይ ምትግባር ዓቕሙ ብዘየገድስ፡ “ልኡላውነት ኤርትራ ከይገሃስኩ ኣይዓርፍን’የ” ዝብል ሓይሊ ንምዝማድ ዝመሃዝ ዘሎ እንተዘይኮኑ፡ ሰኣን ኣፍልጦ ዝመጽአ እዩ ኢልካ ተደዓዕሶ ኣይኮነን። ምናልባት ምስቲ “ንሰውራ ኤርትራን ሓርበኛታቱን፡ ብሽፍትነትን ሸፋቱን” ዝገልጽ ኣተሓሳስባ ዝምድና ከይህልዎ ዝሰግኡ’ውን ብዙሓት እዮም። ነዚ እዩ ከኣ፡ “ፈሊጡ ዝደቀሰሲ ሓርማዝ ነይንቕንቖ ደኣ ከይከውን” ዘብል። “ሎሚ ልኡላውነት ኤርትራኮ ኣብ ኢድ ኤርትራዊ ኣይኮነን ዘሎ ስለዚ ኣብ ኢድና ብዛዕባ ዘየለ ክንግደስ ኣይግበኣናን” ክሳብ ምባል ዝበጽሑ’ውን ይስምዑ’ዮም። ”ኣብ ትሕቲ እንታይ ዓይነት ፖለቲካዊ ባህሪ ዘለዎ ሓይሊ?” ዝብል ኣዛራቢ ምዃኑ ርዱእ እዩ፡ እንተኾነ “ልኡላውነት ኤርትራ ካብ ዋንነት ወጻኢ ኮይኑ” ኣብ ሃዋሁው ተንጠልጢሉ ዘሎ ከምዘይኮነ ምርዳእ ግድን የድሊ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት’ኳ፡ “ኤርትራ ድሕሪቲ ህዝባ ኣህጉራዊ ተዓዘብቲ ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ዳርጋ ብምሉእ ድምጺ ነጻነት ዝደገፈሉ ህዝበ-ውሳነ (ረፈረንደም)፡ ካብ 28 ጉንበት 1993 ጀሚራ መበል 182 ኣባል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮይና ዝተመዝገበት ልኡላዊት ሃገር እይ። ግና ድማ፡ ብሓደ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ) ዝበሃል፡ እንኮ በሓቲ ፖለቲካዊ ውብድ እትግዛእ ዘላ እያ” ዝብል ምስክርነቱ እዩ ዝህብ። እዚ ምስክርነት’ዚ ንክብርን ልዕልናን ህዝብን ሃገርን ዝወሃብ ቀዋሚ መረጋገጺ እምበር፡ ህግደፍ ክህሉ እንከሎ ዝህሉ፡ ክኸይድ እንከሎ ድማ ሒዝዎ ዝኸይድ ዘይምዃኑ ምግንዛብ ከኣ ካልእ ኣገዳሲ ቁምነገር እዩ። ኣብ ክንዲ ንህግደፍ ተቓሊስካ ምስዓር፡ ንዕኡ ዝረኸብካ መሲሉካ፡ ብኤርትራዊ ሃገራውነትን ልኡላውነትን ምውጋይ መሰረታዊ ገጽ ናይቲ ጌጋ’ዩ።
ምዕቃብ ልኡላውነት ኤርትራ፡ ንናይ ለውጢ ቃልሲ ዘሕይል እምበር ዘዕንቅፍ ኣይኮነን። ምእንቲ’ዚ እዩ ከኣ ምዕቃብ ልኡላውነትን ምዕዋት ናይ ለውጢ ቃልስን ተመላላእቲ እምበር፡ ንሓዲኦም ነጺልካ ምውሳድ ዘየዕውት ዝኸውን። ሃገር ከየውሓስካ “ብናይ መንግስቲ ለውጢ ጥራይ” ኣመሳሚስካ ሰላም፡ ዲሞክራስን ልምዓትን ከተውሕስ ምሕላም፡ “ግራት ከይሓዝካ ምሩጽ ዘርኢ ከም ምንዳይ” ዝቑጸር ዝንቡዕ ኣቀማምጣ ዛዕባታት እዩ።
ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት፡ ድሕሪ ስሩዕ ኣኼባኡ ምክያድ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ “መንግስቲ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ፡ ብዝኾነ መንገዲ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ክንውንን ኢና ብዝብል ኣንጻር ልዑላውነት ኤርትራ የለዓዕል ከም ዘሎ ብወግዒ ዝገለጾ’ዩ። እዚ ሕቶዚ ብታሪኻዊ ይኹን ፖለቲካውን ዲፕሎማሲያውን መዐቀኒ ቅቡል ስለ ዘይኮነ፡ ከም ዝቃወሞ ኣረጋጊጹ።” ዝበሎ ንገለ ካብቲ ዝንዛሕ ምድንጋራት ንምውጋድ የኽእል’ዩ ብዝብል እዩ።
ነዚ ብዛዕባ ምትፍናን ክልቲአን ሃገራት የማነ ጸጋም ዝገማዳሕ ዘሎ፡ ናብ ንክልቲኡ ህዝብታት ዘየርብሕ ውግእ ከይምዕብል ዘስግእ ተርእዮታት ቅኑዕ መልክዕ ኣብ ምትሓዝ ወሳኒ ዕማም ዝጽበዮ ዘሎ፡ ብሓፈሻ ህዝብና ክኸውን እንከሎ፡ ብፍላይ ከኣ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ኣብ ቅድሚኡ፡ ሓቢርካ እንተዘይኮይኑ በበይንኻ ዘይስገር ብደሆ ይጽበዮ ከምዘሎ ተደጋጊሙ ዝግለጽ’ዩ። ነዚ ዝምልከት’ውን መግለጺ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፡ “1ይ ምውዳቕ ስርዓት ህግደፍ፡ 2ይ ምዕቃብ ልዑላውነት፡ 3ይ ምሕላው ሓድነት ህዝብን 4ይ ድማ ምትካል ዲሞክራሲያዊ ስርዓትን ኣብ ዝብሉ 4ተ መሰረታዊ ኣዕኑድ ኣትኪሉ ዝተጠርነፈ፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ንምሕያል ዘለዎ ድልዉነት እናረጋገጸ፡ ዝሰፍሐ ጽላል ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ንክምስረት ከም ወትሩ ዕዙዝ ጸዋዒት ኣቕሪቡ።” ኢሉ።
ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ ምስ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ሓድሽ ፍቕሪ ዝነበረሉ መድረኻት፡ ንሰማዒኡ ብዘደንጸወ መደረታት፡ ብሓፈሻ ንልኡላውነት ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ንወደ ዓሰብን ገማግም ቀይሕ ባሕርናን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ኣበሃህልታት ደጋጊሙ ብምቅላሑ ክሳብ ክንደይ ህዝቢ ኤርትራ ተቖጢዑን ተሻቒሉን ከም ዝነበረ ናይ ቀረባ ተዘክሮ እዩ። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ እውን እቲ ተግባር ብኻለኦት፡ መልክዑ ብዝቐየረ ኣገባብ ከይድገም እሞ ናብ ሓደጋ ዝወስድ ኣንፈት ከይሕዝ፡ ነቲ ኩነታት ብንቕሓትን ኣተኩሮን ንኽከታተሎ ብትሪ ነዘኻኽሮ።
ኣብ ዞባና ብሓፈሻ፡ ኣብ ኤርትራን ጐረባብታን ድማ ብፍላይ፡ ምስ ዓቕሚ ክፈጥረለይ ይኽእል እዩ እትብሎ፡ ተመሓዚኻ ናይ ምጥቕቓዕ ቅድድም ክረአ ጸኒሑን ኣሎን እዩ። ድሕር’ቲ ኣብ መንጎ ህወሓትን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተኸተመ ውዑል ሰላም፡ ዝተራእየ ውድድርን ህልኽን፡ ኣብ መንጎ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተደረተ ይመስል ነይሩ። ሎሚ ግና እቲ ዝካየድ ዘሎ ተጻራሪ ክባን ዕጽዋን፡ ኣካል ናይቲ ኣብ ከባቢና ዝሕቆን ዘሎ ኣሰላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኮይኑ ሓድሽ መልክዕ ዝሕዝ ዘሎ’ዩ። እዚ ክስተት ሕጂ ዝጅምር ዘሎ ዘይኮነ፡ ክሕቆን ዝጸንሐ ምጥልላምን ትካላዊ ሰረት ዘይነበሮ ዝምድናታትን ዘስዓቦ ምዃኑ ምስትውዓል የድሊ።
ኣብዚ ኣብ ጐረባብትና ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ምትሕልላኽ፡ ኣስማተን ቅድሚት ዝጽራሓ ዘሎዋ ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን እየን። ኣብዚ ውድድር እቲ ሓደ ዝሓዘ ሒዙ ነቲ ካልእ ናይ ምጭናቕ ቅድድም ኣብ ርሱንን ዘሻቕልን ብርኪ በጺሑ ይርከብ። ህግደፍ ኣብ ጐኑ ፋኖ፡ ኦነግ፡ ሓደ ክፋል ህወሓት፡ ኣብ ምስላፍ ተጸሚዱ’ሎ። ብልጽግና ብኣንጻሩ፡ ዲሞክራሲያዊ ስምረት ትግራይ፡ ብስም ግንባር ብርጌድ ንሓመዱ ዝፍለጥን ካለኦት ኤርትራውያንን ኣብ ጐኑ ንምስላፍ ካብ ምጽዓት ዓዲ ኣይወዓለን።
እቲ ጀጀንዳኻ ኣሰሊፍካ ናይ ምኽባብ ዓንኬል፡ በዚ ናይ ቀረባ ጐስጓስ ዝድረት ዘይኮነ፡ ብዝሰፍሐ መልክዑ፡ ህግደፍ፡ ግብጺ፡ ሱዳናዊ ጉጅለ ጀነራል ኣልቡርሃንን ሳዑዲ ዓረብያን ኣለዋ። ብልጽግና ብወገኑ፡ ኢማራትን ሱዳናዊ ጉጅለ ሕመቲን ኣብ ጐኑ ከሰልፍ ይጽዕት ኣሎ። እዚ ብኣላይነት ነዊሕ ኢድን ህጣራ ካዝናን ዘለዋ ኢማራት ዝዝርጋሕ ሓደገኛ ገመድ፡ ክሳብ ቻድን ሊቢያን ዝምጠጥን ንሃገረ ሱዳን ናብ ክልተ ከይመቅል ዘስግእን ምዃኑ ይግመት።
ህግደፍን ብልጽግናን ነዚ ኩሉ ውዲታት ክኣልሙ እንከለዉ፡ ክበጽሕዎ ዝደልዩ ሸቶታት ከም ዘለዎም ይነግሩ እዮም። ብልጽግና ዝሓዘ ሒዙ ኢትዮጵያ ብወገን ኤርትራ ወናኒት ኣፍደገ ባሕሪ ክገብራ እየ ይብል። ኣብዚ ቀረባ እዋን ድሕሪ ዝተኻየደ ናይ ሰልፊ ብልጽግና ማእከላይ ባይቶ ኣኼባ ኣብ ዝወጸ ደምዳሚ መግለጺ’ኳ፡ “ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ ተፈጥሪኣዊ መሰልና ዓለም ለኸ ኣጀንዳ ጌርናዮ ኢና። በዚ መስረት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝነበረና ዋንነት ንምምላስ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ሰጒምና ኣለና።” ይብል።
ህግደፍ ብወገኑ ብወግዒ ዝዛረበሉ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ንኣብይ ካብ ስልጣን ኣወጊድካ ኣብ ኢትዮጵያ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ገባሪ ሓዳጊ ናይ ምዃን ሕልሙ ስለ ዘይቀበጸ እዩ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዱ ኣእትዩ ዝሓማዙቕ ዘሎ። እቲ ኣብ ጐኒ ህግደፍ ኮነ ብልጽግና ተሰሊፉ ክጐራበት ዝደሊ ዘሎ ወገናት’ውን፡ ንመሰነይታ ዘይኮነ፡ ነናቱ ሕሳባት ኣለዎ። ህወሓት ብውሕዱ በዚ “ጽምዶ” ዝብል ስም ተዋሂብዎ ዘሎ ኣዛራቢ መንገዲ ኣቢሉ፡ ብሰንክቲ ውግእ ተወሲዱኒ ዝብሎ መሬት ከምልስ ከም ዝደሊ ርኡይ እዩ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ኣብ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ስኢንዎ ዘሎ ስልጣን ክመልስ ኣይሕልንን ምባል’ውን ኣጸጋሚ እዩ። ምኽንያቱ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሕድሕድ ፖለቲከኛታት ትግራይ፡ “መጻኢ ጉዕዞና ናብ ነጻ ሃገረ-ትግራይ ድዩ ወይ ጉዳያት ናብ ንቡር መሊስካ ኣካል ኢትዮጵያ ኮይንካ ምቕጻል?” ዝብል ኣዝዩ ኣከራኻሪ ኮይንዎም ዘሎ እዩ።
ናብቲ ስፍሕ ዝበለ መድረኽ ምትፍናን ክውሰድ እንከሎ ከኣ፡ እተን ዝመሓዘዋን ንዋት ዝልግሳን ሃገራት’ውን ነናተን ሕሳብ ኣለወን። ግብጺ ምስ ዓብይ ሕዳሰ ግድብ ኢትዮጵያ ዝተሓሓዝ ዘይተወደአ ዋኒን ኣለኒ በሃሊት እያ። ኤመራት ከኣ ንብልጽግና ደንጊጻ ጥራይ ዘይኮነት፡ ኣካልቲ ዝተነፍጋ ቁጠባዊ ግደኡ እናዓዘዘ ዝመጽእ ዘሎ ቤት ምኽሪ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ምዃን ህልኸኛ ህርፋን ኣለዋ።
እቲ ካልእ ምስ ኤርትራ ኮነ ምስ ኢትዮጵያ ንምምሕዛው ዘብዘብ ዝብል ዘሎ ወገናት’ውን ነናቱ መዕለቢ ዘይረኸበ ውሽጣዊ ዕዮ ገዛ ዘለዎ እዩ። ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ካብ ዘሎ ጸገማት ናይ ሓደ መፍትሒ’ኳ ኣይገበረን። ኢትዮጵያ ኣብ ክልላት ኣምሓራ፡ ኦሮሞ፡ ትግራይን ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ክልል ደቡብን ዘዕለቕልቕ ዘሎ ናይ ህውከት ማዕበል ኣቐሚጡ እዩ ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ ዘመዓዱ ዘሎ። እቲ ዘሕዝን ግና ነቲ ሓዊ እቲ ህውከተኛ ምስ ኣጐዶ፡ እቲ ኣብ ዘይወዓሎ ክቡር ዋጋ ዝኸፍአሉ እቲ መከረኛ ህዝብታት ምዃኑ’ዩ።
“በዚ ኣሰላልፋታት፡ በየናይ ኣገባብ ኣቢሎም’ዮም ነቲ ዝጽበይዎ ክበጽሕዎ ዝደልዩ?”፡ ዝብል ሕቶ ኣዝዩ ኣከራኻርን ኣሰካፍን ኮይኑ ዘሎ እዩ። እቲ ዓው ኢልካ ዝዝረበሉ ዘሎ ውግእን ወረ ውግእን እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ፖለቲካዊ ዛዕባ ዞባና ክለዓል እንከሎ፡ ብቐጥታ ናብ ኣእምሮ ብዙሓት ዝመጽእ “ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያንሲ ወግእ ክካየድ ድዩ ኣይካየድን?” ዝብል እዩ። ናይ’ዚ ሕቶ’ዚ መልሲ ዝተፈላለየ ኮይኑ ንረኽቦ። ገለ ወገናት “ተኹሲ እዩ ዘይተሰምዐ እምበር፡ ኣብ ፖሮፖጋንዳዊ፡ ዲፕሎማሲያውን ሸመታ ኣጽዋርን እኮ ውግእ ተጀሚሩ እዩ፡ እቲ ተኹሲ ድማ ዘይተርፍዩ” ይብሉ። ካለኦት ብወገኖም፡“እቲ ዝስማዕ ናይ ውግእ ዳንኬራታት ንምስንባድን ጠመተ ህዝቢ ንምጥምዛዝን እንተዘይኮይኑ፡ ውግእ ኣይክህሉን እዩ” ክብሉ ይስምዑ።
ብደረጃ ዓለምን ኣፍሪቃን ከይተረፈ፡ ሃብታም ዲፕሎማሲያውን ፖለቲካውን ተመኩሮ ዘለዎ፡ ኤርትራዊ ኣንበሳደር ሃይለመንቄርዮስ ብወገኑ ኣብዚ ቀረባ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፡ “ውግእ ኣይመጽእን እዩ ኢልካ ክትሓስብ ኣይትኽእልን ኢኻ፡” ምባሉ እውን ኣብ ግምት ዝኣቱ እዩ። ካብቶም ውግእ ንምክያድን ዘይምክያድን ብተዓዘብቲ ኣብ ግምት ዝኣትዉ መለክዕታት፡ ናይተን ሃገራት ቁጠባውን ወተሃደራውን ዓቕሚ፡ ዓለምለኻዊ ተጽዕኖ…….ወዘተ እዮም።
ከምዚ ዝኣመሰለ ወጥሪ ክፍጠር እንከሎ፡ ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጀሚርካ ብዙሓት ኣህጉራዊ ትካላት “ዓገብ” ክብሉ ምጽባይ ንቡር እዩ። እንተኾነ ናይ ካለኦትስ ይጽናሕ እሞ፡ ብዓብይኡ ድምጺ ናይቲ ዋና ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብፍላይ ከኣ ድምጺ ናይቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብኣባልነት ዝርከበኦ 8 ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝሓቖፈ ኢጋድ’ኳ ድምጹ ዘይምስምዑ ዘተዓዛዝብ’ዩ።
ኣብዚ ሓያል ናይ ምፍጣጥ መድረኽ፡ “ምስቲ ምስላፍ ኮነ ምስቲ ምውጋን” ንረብሓ ህዝቢ ሰለ ዘይኮነ፡ እቲ ፍታሕ “ውግእ ብዝመጾ ይምጻእ ዝድገፍ ዘይኮነ፡ ክኹነን ዘለዎ’ዩ” ዝብሉ ወገናት እውን ኣለዉ። እዚ ከኣ ካብቲ ክልተ ናይ ህውከት ህርፋን ጫፋት ወጻኢ ኮይኑ፡ ሰዲህኤ እውን ውግእ መፍትሒ ከምዘይኮነ ዝኣምን ሰልፊ እዩ። ብፍላይ ህዝቢ ኤርትራ ተመኩሮኡ ከም ዝነግሮ፡ ውግእ ብመን ከም ዝኽፈትን ደሓር ንመን ዋጋ ከምዘኽፍልን ኣጸቢቑ ስለዝፈልጥ፡ ምርጫኡ ኣንጻር ውግእ ከም ዝኸውን እሙን’ዩ።