እቲ ሓደ ዝገብረና ይሕይልን ይሰፍሕን

2025-09-24 09:06:02 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 447 times

ህዝቢ ኤርትራ  ን30 ዓመታት መሪርን ጽንኩርን ቃልሲ ኣካይዱ; ናጽነትን ልኡላውነትን ሃገር ከረጋግጽ ናይ ምብቃዑ ምስጢር፡ ንናይ ታሪኽ ተመራመርቲ ከይተረፈ፡ ኣዛራብነቱ ክሳብ ሎሚ ኣይሃሰሰን። ብዛዕባ ምስጢር ናይቲ ናብ ዓወት ዘብጸሐ ጽንዓት ብዙሕ ምዝርዛር ከም ዝከኣል ርዱእ ኮይኑ፡ እቲ ገሊሁን በሪኹን ዝረአ ምኽንያት፡ ኤርትራውያን ብሓባር ኣብ ዙርያ’ቲ “ሓደ ኣብ  ዝሓየለን ዝሰፈሐን ወሳኒ ራኢ  ነጽናት ምዕሳልና እዩ” ዝበል፡ እቲ ዝደመቐ ትርጉም ናይቲ ምስጢር ዓወት  እዩ። እቲ ኣብ  ቃልሲ ኣንጻር መግዛእቲ  ዝተራእየ፡ ሓደ ኣብ ዝገብረና ብምጽውዋርን ምክእኣልን ተገዚእካ ምዕሳል፡ ሎሚ’ውን ቀጻልን ማዕባልን ክኸውን ዘለዎ ባህሊ እምበር፡ ኣብ መድረኽ ቃልሲ ንነጻነት ስርሑ ወዲኡ ዘብቅዕ  ኣይኮነን።

ኣብቲ ነዊሕን መሪርን ቃልሲ ንናጻነት፡ ኣብ ኤርትራውያን ንኡሳን  ናይ ኣረዳድኣ ፍልልያት ኣይነበሩን ማለት ኣይኮነን። እንተኾነ እቶም ሃይማኖታዊ፡ ቋንቋዊ፡ ባህላውን ካለኦትን ጽልዋ ዝነበሮም ፍልልያት፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ዓብይ ናይ ናጻነት ራኢ ዝቕለሱን ዝመሓደሩን እምበር፡ ኣብ ግምት ዘይዋሃቦም ኣይነበሩን።  እዚ ብቕዓትን ትዕግስትን ከኣ ነብሱ ዝኸኣለ ናይ ዓወትና ምስጢር እዩ ነይሩ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ህዝባዊ፡ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ቃልስና ዝተኸተልናዮ ነቲ ብሓባር ዘሰልፈካ ቅድሚት ናይ ምስራዕ ብቕዓት ሎሚ እውን ክንክተሎ ዝግበኣና መሰረታዊ ተረድኦ እዩ።

ሎሚ ኣብ ክንዲ ነቲ ብግብሪ ዘዕወተና ምጽውዋር ብዝያዳ ነሕይሎ፡ ናይ ዘለቕለቕን ጸቢብ ስሰዐን ምልክታት እንተርኢና፡ ነቲ ብተመኩሮ ዝተረጋገጸ ምስጢር ዓወታትና ዘዳኽም ስለ ዝኸውን፡ ኤርትራውያን ፍሉይ ቆላሕታ ሂብና ክንግንዘቦን ክንሰርሓሉን ይግበኣና። ከምኡ እንተዘይጌርና ግና ኣብ ቅድሚ እቶም ታሪኽ ጽንዓት፡ ሓድነትን ምክእኣልን ህዝብና ዝፈልጡ ኣካላት ከይተረፈ፡ ዘሻቕል እምበር ዘቕስን ኣይኮነን።

እቲ ኣብ ምርግጋጽ ናጻነት ኣብ ሓደ ጽኑዕን ዘይሕለልን መስመር ዘሰለፈና ናይ ሓባርና ተረደኦ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣንጻር ሉኣለውነትና ዘንጸላልው ካብ ዘሎ ናይ ግዳም ድፍረት ንምዕቃብ እውን ዘመናዊ ምዕባለ መራኸብታት ኣሰኒኻን ቃኒኻን ዝሰዓብ እምበር፡ “ግዜኡ ዝሓለፎ” ኢልካ እትገድፎ  ኣይኮነን።  እቲ ሓሓሊፉ  ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ መርተዖ ዘየብሉ ብልኡላውነት ኤርትራ ክትጣላዕ ላዕልን ታሕትን ምባል ኣዕጊስካ፡ ግቡእ መንገዲ ንምትሓዙ እውን ኣብ ዙርያቲ ሓደ ዝገብረና “ምዕቃብ ብኽቡር ዋጋ ዝተረጋገጸ ልኡላውነት ህዝብን ሃገርን” ኣጽኒዕና  ከነትክል ምርጫ ዘይኮነ ግደታ እዩ።

ዕባራ ምኽንያታት ብምዝርዛር፡ “ልኡላውነት ኤርትራ እንተዘይገሃስና” ኢሎም ዘዕለብጡ ዘለዉ ናይ ግዳም  ወገናት፡ ክፈጥርዎ ዝደልዩ መጣልዒ ሸርሒ፡ ምናልባት ምስ ህልዊ ምዕባለ ናይ መልክዕ ፍልልይ እንተዘይሃልይዎ፡ ብባህሪኡ ካብቶም ቅድሚ 80 ዓመታት ጀሚሮ ዝፈሓሱ ዝነበሩ ኤርትራን ህዝባን ዓምጢርካ ናይ ምንብርካኽ ውዲታት ዝተፈልየ ኣይኮነን። እቶም ዝቐርቡ ስንኩፋት መመሳመሲ ምኽንያታት ድማ፡ ወዮ ጽኑዕ መሰረት ዘየብሎም፡ ከከምግዜኡን በሃሊኡን  ተለዋወጥቲ እዮም።

ሜጀር ጀነራል ተሾመ ገመቹ ዝተባህለ፡ ኣብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዳይረክተር ክፍሊ ዲፕሎማስን ናይ ወጻኢ ምትሕብባርን፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ፕራይም (prime) ምስ ዝተባህለት መዲያ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ ከም ወሰንቲ ረቛሕታት ንምውናን ኣፍደገ ባሕሪ  ኢሉ፡ “ኤርትራ ኣኽሊል ልኡላውነት ኣብ ዝደፈኣትዩ ኣፍልጦ ዝሃባ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግዝያዊ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ግዜ ደርጊ  ዓሰብን ከባቢኣን ካብ ኤርትራ ዝተፈልየ ምምሕዳር ምንባሩ፡ ኢትዮጵያ ካብ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ርሕቀት ቀረባ ምዃኑ፡  ኣዲስ ኣበባ ከይተረፈት ካብ ባሕሪ ብዝትኮስ ከቢድ ብረት ክትውቃዕ ስለ እትኽእል ንጸጥተና ኣስጋኢ ብምዃኑ” እናበለ ክዝርዝር ተሰሚዑ።

 እዚ ጀነራል፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘይስገር ኮይንዎ እምበር፡ ፈትዩ ንልኡላውነት ኤርትራ ኣፍልጦ ከምዘይሃበ ዝዘንገዐ እዩ። ቀዳማይ ምኒስተር  ኣብይ ኣሕመድ ብወገኑ፡ ንሃልክን ሸንኮለልን ክብል ኣብዚ ቀረባ መዓልታት “ሽሕ ዓመት ዝወሰደ ጉዳይ ሩባ ኣባይ’ኳ ዝፈታሕናዮ፡ ሰላሳ ዓመት ዝዕድሚኡ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ጽባሕ ስለ ዝእረም ዘጸግመና ኣይኮነን” ዝበሎ እውን ሓድሽ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ኣዝዩ ዘተዓዛዝብ እዩ። እንተኾነ ኩሉ’ዚ ኣበሃህላ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ንምድንጋር እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ ቅድሚ  ምስ ባሕሪ ዝተሓሓዝ ዓለም ለኻዊ ሕግታት ኣፍልጦ ዝወሃቦ ትርጉምን የብሉን።  

እዚ ኩሉ ናይ ኢትዮጵያውያን ነበረያ ነበረ፡ ናይ ኤርትራያውን ኣብ ክንዲ ናብቲ ዝዓበየ ንኹልና ዝሓቁፍ ምስሊ፡ ናብ ናእሽቱን ጸበብትን ምስልታት ሸረፍረፍ ምባል እንተዘይተወሲኽዎ፡ ከቶ ንኢትዮጵያን ህዝባን ዘምጸኣሎም ረብሓ  የለን። ህግደፍ ክፈጥሮ ዝጸንሐ ልኡላውነት ሃገር ዘነኣእስ ምግልባጥ ዘሕድሮ ኣሉታዊ ተጽዕኖ’ውን ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። እንተ ብገርሆም ወይ ብጉርሖም ብመንፈስ “ዝሓዝካ ሒዝካ ምጉያይ”፡ ከምቲ “ብዕራይሲ ዝበልዖ ሳዕሪ እምበር፡ ዝጽበዮ ገደል ኣይረኣዮን”  ዝበሃል፡ ዝስዕቦ መዘዝ ብምዝንጋዕ፡ ኣንጻርቲ ዝዓብየ ናይ ሓባር ሃገራዊ  ዛዕባ ክስለፉ ዝደልዩ ኤርትራውን   ከኣ መንገዶም ኣብ ትዕዝብቲ ምውዳቕ እንተዘይኮይኑ፡ መኽሰብ ከምዘይህልዎ ደጋጊሞም ከገናዝቡ ነዘኻኽሮም።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ እዚ ዝጐደሎ ንዘይበሃል፡ ኣህጉራዊ ትካላት እውን ዝምስክርዎ ወጽዓን ጭቆናን፡ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ኤርትራ ቁጠባኣ ዝዓነወ፡ ህንጻታታ ዝኣረገ፡ ህዝባዊ ትካላታ፡ ዝፈረሰ መጉዓዝያታታን መራኸቢ መስኖታታን ዝተዳህከ ቁሸት ኮይና ከም ዘላ ባዕሉ እቲ ርእሰ ሃገር ዝበሃል መላኺ ዝተኣመነሉ  ኮይኑ ኣሎ። ጉጅለ ህግደፍ ነዚ ህልዊ ኣሰካፊ ዘቤታዊ ጉዳያት ካብ  ምጥንጣን ሓሊፉ፡ ተወሰኽቲ ግህሰታት ካብ ምፍጻም እውን ኣየቋረጸን። ብዝብል’ዩ ገሊጽዎ። ነዚ ተደራራቢ ወጽዓ ምውጋድ ከኣ ካብ ምዕቃብ ልኡላውነት ብዘይፍለ፡ ሓደ ዝገብረናን ማዕረ ዝብጸሓናን ሃገራውን ህዝባውን ኣጀንዳ ስለ ዝኾነ፡ በዓል ድርብ ዕማም ቃልሲ ንምዕዋት ድሉዋት ክንከውን እዋናዊ’ዩ።  

ከምቲ ኣሰላፍና ኣዘባሪቖም፡ ንልኡላውነትና ዘለና ክብሪ ንምድኻምን ንምክፍፋልናን ዝጽዕቱ ናይ ግዳም ሓይልታት ከይብለጹልና  እንጥንቀቖ፡ መንገድና ኣስሒቶምን ዓቕምና ከፋፊሎምን መቐጸሊ ዕድመ ስልጣን ጉጅለ ህግደፍ ክንከውን ካብ ዝሓልሙ መሳርሕታቱ ምጥንቃቕ ከኣ ኣብ ቅድሜና ካብ ዘለዉ ናይ ሓባር ብደሆታት እዩ። ድሕሪ ምውጋድ ጉጅለ ህግደፍ ከመይ ዝኣመሰለ ኤርትራዊ ምምሕዳር ከም እንመርጽ ብደረጃ ውልቂ ይኹን ብመልክዕ  ውዱብ ናይ ኣተሓሳስባ ምፍልልይ ክህልወና ንቡርን ብሕገመንግስታዊ ዘይምእኩል ምምሕዳር  ክውገን ከምዝኽእል ድማ እምንቶ ሰዲህኤ እዩ።

 እቲ ሃሳይን ኣሰካፍን ዝኸውን፡ ነቲ ደሓር ዝዕመም ቅድሚ’ቲ ሓቢርና ከነዕውቶ ዝግበኣና፡  “ምውጋድ ስርዓት ህግደፍ”  ክስራዕ እንከሎ እዩ። ስለዚ ኣብዚ እውን “ኣየናይ እዩ እቲ ዝሰፈሐን ዝሓየለን ብሓባር ዘሰልፈና ኣጀንዳ”  ከነለሊ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብምሉእ ዓቕምና ተሰሊፍና ከነዕውቶ’ውን መተካእታ የብልናን።

Last modified on Wednesday, 24 September 2025 11:09