ዕድመ ንድራር ውጉኣት ሓርነት መደበር ከሰላ
Sunday, 22 April 2018 10:50 Written by ግዱሳት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮን ኣባላት ማሕበርንዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣሕዋትን፡ ኣሓትን ግዱሳት ኤርትራውያን
ብምቕዳም ናይ ክብሪ ሰላምታና ነቕርብ።
ኣስዒብና ከምቲ ወርትግ እንገብሮ ድራር ነቶም ምእንቲ ህዝቦምን ሃገሮምን ልዕሊ 40 ዓመታት ኣብ ጸሓይን ዶሮናን ሃገር ሱዳን ምስ ኵሉ ናይ መውጋእቲ ስቓይን: ተወሳኺ ናይ ጸቕጢ ደምን ሽኰርን ካልእን ዝኣመሰሉ ሕማማትን ወዘተ….. ተሳቒዮም ዝነብሩ ዘለዉ ጀጋኑ ውጉኣት ሓርነት ኤርትራውያን ኣሕዋትና ሓደ ምሸት ድራር ክንዝክሮም ናይ ኩላትና ኤርትራውያን ሓላፍነትን፤ ሓልዮትን ምዃኑ ንዓኺ/ ንዓኻ ዝስወር ኣይኰንን እሞ፡ ኣብዚ ንዕለት 19-05-2018 ኣብ SAALBAU Titus – Forum (Nord west Zentrum)
Walter -Möller – Platz 2: 60439 Frankfurt a.M. ካብ ሰዓት 15.00 ክሳብ ሰዓት 23.00 ድሕሪ ቀትሪ ዘሎ ሰዓታት ብጉዳዮምን ብህልዊ ማሕበራዊ ሃለዋትናን ብምስናይ ወግዕናን ዋዛ ምስ ቁም-ነገር ዕላልናን ገርና ከነማሲ ብኽብሪ ንዕድም።
ምናልባሽ ኣብዚ ምሸት እዚ እንተዘይጠዓመኩም ሕልናኹም ዝፈቕዶ በዚ ኣብ ታሕቲ ተመልኪቱ ዘሎ ሕሳብ ሓገዝኩም ንኸተበርክቱ ብትሕትና ንሓትት።
Eritreischer Verein 2010 für Menschen mit Behinderung e.V
Post Bank NL Frankfurt BLZ 50010060 Konto Nummer 790750601
IBAN: DE96 5001 0060 0790 7506 01
ምስ ሰናይ ትምኒት
ግዱሳት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮን ኣባላት ማሕበርን፡ ፍራንክፈርትን ከባቢኡን።
ሓበሬታ ቦታ፡ ካብ Hauptwache ብ U bahn 1 Richtung Ginnheim ደይብኩም ኣብ Norwest Zentrum ወሪድኩም ኣብ ላዕሊ በዚ ተጠቒሱ ዘሎ ስም ኣድራሻ ኣብ ክሉብ ቁጽሪ 6 ይርከብ። ከምኡውን ካብ Industrihof ብ Bus 72 Zentrum ተብጽሓኩም።
ኣብ ቀብሪ ሓጂ ሙሳ ካብ ዝተኣስሩ ትሕቲ ዕድመ ሕጂ’ውን ዘይተፈትሑ ኣለዉ
Friday, 20 April 2018 10:49 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣብ ቀብሪ እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ህግዲፍ ዝዓረፉ ሓጂ ሙሳ ስለ ዝተሳተፉ፡ ካብ ዝተኣስሩ ትሕቲ ዕድመ ተመሃሮ መንእሰያት ብብዝሒ ተገፊፎም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምእታዎም ዝዝከር እዩ። ካብዞም ዝኾነ ኣበሳ ከይፈጸሙ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝዳጐኖም ትሕተ ዕድመ መንእሰያት 80 ዝኾኑ ኣብዝሓለፈ ቀዳም ብ14 ሚያዝያ 2018 ነጻ ዝተፈትሑ ከምዘለዉ ምንጭታት ሰዲህኤ ካብ ኣስመራ ገሊጾም። ይኹን እምበር ካብቶም ሽዑ ዝተኣስሩ መንእሰያት እቶም ዝበዝሑ ገና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተሪፎም ምህላዎም ምንጭታትና ኣረጋጊጾም ኣለዉ። እዞም ድሕሪ ክንደይ ስቓይ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝወጹ ትሕቲ ዕድመ ተመሃሮ፡ መንግስቲ ህግደፍ ኣብ ቀብሪ ናይ ምስታፍ ዕድል ከም ዘይህብ’ኳ ዝፈልጡ እንተነበሩ፡ “ዝመጸ ይምጻእ” ኢሎም ምስ ተሳተፉ ብኣልማማ ከም ዝተኣሰሩ እዩ ዝፍለጥ።
ምንጭታትና ከምዘረጋግጾ፡ ሕጂ’ውን ዝተወሰኑ’ኳ ካብ ማእሰርቲ እንተወጹ ቁጽሮም ብልክዕ ክጠቕስዎም ዘይከኣሉ ብዙሓት ትሕቲ ዕድመ ብጾቶም ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ተሪፎም ከምዘለዉ ዝጠቐሱ ወገናት ኣለዉ። ስርዓት ህግደፍ ከም መርኣያ ናይቲ ክቱር ጸረ ኩሉ መሰላት ተግባራቱ፡ ክሳብ ምኽልካል ተሳትፎ ኣብ ቀብሪ ብህይወት እንከለዉ ንጭቋኒ ምሕደራኡ ዝቓወሙ ዝነበሩ ሰባት ምብጽሑ ዘገርም እዩ። እዚ ጉጅለ ብህይወት እንከለዉ ይነቕፍዎ ዝነበሩ ሰባት ምስ ሞቱ ኣብ ሃገሮም ናይ ምቕባር መሰል ከም ዝኸልእ’ውን ዝፍለጥ እዩ።
እዞም ሕጂ ገለን ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝወጹ ገለን ድማ ኣብ ቤት ማእሰቲ ተሪፎም ዘለዉ ትሕቲ ዕድመ ተመሃሮ፡ ኣብቲ ሓጂ ሙሳ ዝተኣስርሉ ግዜ እውን ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ ናይ ተቓውሞ ድምጾም ካብዘስምዑ ዜጋታት ክኮኑ ከም ዝኽእሉ ዝግመት እዩ።
ሓድሽ ቀዳማይ ምኒስተር ፈደራላዊ ደሞክራስያዊት ረፐብሊክ ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ካቢነ ሚኒስተራት ዝገበርዎ ለውጢ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ (ፓርላማ) ቀሪቡ ብ19 ማዝያ 2018 ጸዲቑ። እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ነቲ 32 ዝነበረ ብዝሒ ሚኒስትርታት ናብ 31 ኣውሪዶም ካብቶም ዝነበሩ ሚኒስተራት ኣብቶም 15 ለውጢ ኣይገበሩን። ካብቶም ከም ዝነበርዎ ዝቐጸሉ ምኒስተራት ናይ ወጻኢ ጉዳይን ናይ ገንዘብን ይርከብዎም።
ካብቶም ዝተረፉ 16 ምኒስተራት ዓሰርተ ሓደስቲ ከምጽኡ እንከለዉ ኣብቶም ሽዱሽተ ድማ ናይ ቦታ ሓላፍነት ለውጢ ገይሮም። ካብቶም ሓደስቲ ሚኒስተራት ናይ ሕርሻን ሃብቲ እንስሳን፡ ናይ መንግስታዊ ትካላት ልምዓት፡ ናይ ጥዕናን ንግድን ሚኒስትርታት ይርከብዎም። ካብቶም ናይ ሓላፍነት ቦታ ምቅይያር ዝተገብረሎም ድማ ናይ ምክልኻል፡ ናይ ትራንስፖርትን ባህልን ቱሪዝምን ሚኒስትርታት ይርከብዎም። ካብ ጠቕላላ እቶም ሚኒስተራት እተን 5 ደቂ ኣንስትዮ እየን። ድሕሪ እቲ ናይ ካቢነ ሚኒስተራት ምጽዳቑ ከኣ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ላዕለወይቲ ኣወሃሃዲት ማእከል ምህናጽ ደሞክራሲያዊ ስርዓት፡ ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ፡ ኮሚሽነር ፈደራል ፖሊስን ሓላፊ ትካል መለስ ዜናዊ ኣካዳምን ዝርከብዎም 9 ላዕለዋይ መዝነታት ሂቦም።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ በቲ ዕለት ፓርላማ ኢትዮጵያ ንወይዘሮ ሞፍሪያ ካሚል ናይ መጀመርያ ጓለንስተይቲ ኣፈባይቶ ገይሩ መዚዝወን። ወይዘሮ ሞፍሪያ ካሚል ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሒ ሓላፍነት ክልልን ፈደራልን ክሰርሓ ዝጸንሓ እየን።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ቅድም ናይቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ ግንባር ኢህወደግ ኣቦመንበር ኮይኖም ተመሪጾም። ድሕሪኡ ድማ ብመሰረት ናይ ኢትዮጵያ ሕገመንግስቲ ናይቲ መንግስቲ ዝመርሕ ግንባር ኣቦመንብር ቀዳማይ ሚንስተር ኮይኑ ስለ ዝስየም ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ቀሪቦም ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኖም። ድሕሪ ቀዳማይ ምኒስተር ምዃኖም ከኣ ኣብ ክልላት ሶማልያ ከተማ ጂግጂጋ፡ ኦሮሚያ ከተማ ኣምቦን ትግራይ ከተማ መቐለን ዑደትን ኣኼባታት ህዝብን ኣካይዶም። ብዘይካዚ ምስ መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት፡ መንእሰያትን ሕብረተሰብ ንግድን እውን ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ክዘራረቡ ከም ዝቐነዩ ዝዝከር እዩ። ኣብ ኩሉ ርክባቶምን መደረታቶም ከኣ ኣብ መንጎ ኤርርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ኣይሰላም ኣይውግእ ኩነታ ከም ቀንዲ ዛዕባ ይጠቕስዎም ካብ ዝነበሩ ጉዳያት እዩ።
ዕላማ ቃልስና ጨቋኒ ስርዓትህግዲፍ ኣልጊስካ መስተርሆ ህዝቢ እትውሕስ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ንምህናጽ እዩ።ነዚ ሓሳብ’ዚ ዝቕበሎ እምበር ዝነጽጎ ኤርትራዊ ሰልፊ፡ ውድብ ወይ ማሕበር ክህሉ ማለት ዘበት እዩ። እቲ ምቕባል ግን ካብ ክሳድ ንላዕሊ ወይ ከኣ ብልቢ ክኸውን ይኽእል። ግን ከኣ ኩሉ ብሓደ መለክዒ ይኣምነሉ ከይትብል እቲ ኣብ ከመይነት ምህናጽ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ንፈላለ ምዃና ኣመላኸቲ እዩ።
ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ፥ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ንምልጋሲ ቃልሲ ካብ ዝጅምር፥ እነሆ መስታ እቲ ብኢደወንኑ ስልጣን ዝጨበጠ፥ ቅዋም ኣልቦ ስርዓት፡ ብዕድመ ማዕረ ኮይኑ ኣሎ። እቲ ኣተሃላልዋ ደንበ ተቓውሞ ንገዛእ ርእሱ ሃገራዊ ሓይሊ ከይዓኩኽ ዓንቂጽዎ። ምኽንያቱ ፋሕፋሕ ኢልካ ወይ በብናትካ፥ “መሰል እንዲዩ” እናበልካ ዝግበር ውደባን ቃልስን፥ ንቕድሚት ከሰጉመና ኣይከኣለን። ምኽንያቱ ዝተበታተነ ቃልሲ ምክያድ ወይ ከም ምርጫ ምውሳድ፥ ብቕዓታት፡ ክእለታት፥ ተጻዋርነትን፥ ስልጣኔን ዘይምህላዉ እዩ ዘመስክር። ተጻዋርነትን ምክእኣልን እንተ ጠፊኡ፥ ብዓቕሚ ይኹን ክእለት ይዳኸም። ምትእምማን ይጠፍእ። ድሕሪ እዚ እቲ ኣተሓሕዛ ዘይስልጡን ኣገባብ ይኸውን። እምኽንያቱ እቲ ሓቢርካ ምስራሕ ዝብል ኣምር ዕድል ስለዝስእን ጥቕሙን ጉድኣቱን ከተለሊ ኣጸጋሚ ይኸውን።
ሎሚ ሓንቲ ካብ ክልተ ምምራጽ ናይ ግድን እዩ። ብመንጽር እዚ ደምበ ተቛውሞ ኤርትራ፡ ንኹሉ ፍልልያቱ ኣወንዚፉ ብሓባር ምስራሕ፥ ወይ ከኣ ተበታቲንካ መፍቶ መላኺ ስርዓ ምዃን ኣብ ቅድሚኡ ተገቲሩ ዘሎ ምርጫታት እዩ። ርግጽ እዩ; ነታ ምብትታን ዝመርጻኤርትራዊ ኣካል የለን። ነታ ምብትታን ዝመርጽ ካብ ዘይሃለወ እምበኣር፥ ነቲ ናይ ሓቢርካ ምስራሕ፡ ምስ ኩሉ ኣውንታኡን ኣሉታኡን ተቐቢሉ፡ ኣብ ንኩልኻ ዘርብሕ ማእከላይ ቦታ ክራኸብ ይግበኦ። ምኽንያቱ እቲ ዝተበታተነ ዝተፈላለየ ርእይቶ ከም ምብዝሑ ስለዝኸውን ነቲ ካብ ብዙሓት ዝርከብ ርእይቶታት; ትግባረን፥ክእለታትን ምስ ዝጥርነፍ ኣድማዒ ተራ ክህልዎ ይኽእል።
ንሓደ ዕላማ ዝቃለሱ ኣካላት ኣብ ክንዲ በበይኑ ዝወፍር ብሓባር ከተስልፎ ኣዝዩ ተመራጺ እዩ። እዚ ዘመልክቶ እቲ ሓባራዊ ስራሓት ብዕቱብነት ተታሒዙ ምስ ዝስረሓሉ፡ እቲ ኣብ ሓድሕድካ ዘሎ ርክብ ይድልድል። እዚ ከኣ ናብቲ ዓቢ ኣድማዕነት ዘለዎ ስራሕ ንምብጻሕ እቲ ፍልልያት ንኽውንዘፍ ይኹን ንክሃስስ የተባብዕ።
“እቲ ውልቃዊ ጻዕሪ እዩ ዝያዳ ዘድምዕ” ብዝብል ግጉይ ብሂል ደንበ ተቓውሞ፡ መብዛሕትኡ ናብ ዘየድልን ዘየዕውትን ኣገባብ ውደባ ገጹ ሃሰውሰው ክብል ንርእዮ ኣሎና። ከምኡ ስለዘኾነ ከኣ እቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ድሌታት ክማላእ ስለ ዘይክእል፥ ናብ ናይ ሕድሕድ እምነት ምጉዳል ገጹ ስለ ዘምርሓና፥ “ኣነ ብኣውራጃይ፥ ብብሄረይ፥ ብሃይማኖተይ” ናብ ዝብል ኣገባብ ስርርዕ ክወስደና ምዃኑ ርጉጽ እዩ። እዚኦም’ባ እቲኦም እናበልካ ሕድሕድ ምቁንጻባትን ምንእእስን ንወጽዓ ህዝቢ ዘገልግል ኣይኮነን። ዘገልግል ነይሩ እንተዝኸውን ንዕስራን ሽድሽተን ዓመት ተፈላሊናን ተረሓሒቕናን ኢና፥ ስለዚ ጎዲኡና እምበኣር ፍረ ኣይነበሮን። ውልቃዊ ጻዕሪ እዩ ዝያዳ ኣድማዒ ዝብል ኣምር ዝኽተል ከኣ፥ ነቲ ሓባራዊ ስራሓት ፍሕት ከምዘይብል ይገብሮ። ካብዚ ነቒሉ መራሕን ተመራሕን ክህሉ ዝግበኦ ተርሲዑ ኩሉ መራሒ ክኸውን ህርድግ ስለ ዝብል፡ ነቲ ምድሓን ወጽዓ ህዝብን ሃገርን የደናጉ ዮእዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፥ ፈቲና ጸሊእና ፍልያትና ዓቂብና፥ ብሓባር ክንስርሕ ዘይንደሊ እንተኮይና፥ በዚ ድምበ ተቓውሞ ክሳብ ሕጂ ዝኸዶ ዘሎ ዝተበታተነ መንግዲ ነዚ ስርዓት ጽንጽያ ዓይኑ ኣይከነንፍረሉን ኢና። እዚ ካብ ኮነ ነቲ ስርዓት ናይ ምውጋድ ጉዕዞና ዘገምታዊ ከይከውን ዘየስግእ ኣይኮነን።
እንትርፊ ንምልካዊ ስልጣን ከም መከላኸሊ ገበናዊ ተግባራቱ ዝጥቀሙሉን ካብ ምልካዊ ምሕደራ ውልቃዊ ረብሓ ዝምነይን፣ ንምብትታን ስድራቤታትን ህዝብን፣ ንብርሰት ሃገርን፣ ምብላል ኤርትራዊ መንነትን ብኣፍልጦ ብተዓዛብነት ዝምልከት ዜጋ ዋላ ሓደ የሎን።
ሎሚ ጸሎትን ምህለላን፣ ባህግን ትምኒትን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ደገን ዘሎ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ሃገሩ ሰላምን ፍትሕን ረኺቡስ ምስኩሎም ወገናቱ እንዳ ተራኸበ፣ ክብረትን፣ መቐረትን፣ ትርጉምን ዘለዎ ኤርትራዊ ህይወት ንኸስተማቅር እዩ። ኣብ ዓድና ሰላምን ቅሳነትን ረኺብና ጸገምና ስእነት እንተዝኾነልናስ ክንደይ ኮን ምሓሸና፣ እንዳበለ ብዘለዎ ኩነታት ዘማርር ደኣምበር ሳላ ዝተሰደድና ዶላራት ሓፊስና፣ ሳላ ዶላራት ዝሓፈስና ድማ ሕጉስን ትርጉም ዘለዎን ህይወት ነሕልፍ ኣሎና ኢሉ ዘመስግን ዜጋ ኮቶ ኣይርከብን። እቲ ምንታይሲ ብፍላይ ንዓና ንኤርትራውያን ትርጉምን መቐረትን ዘለዎ ህይወት ኣብ ጥረ ገንዘብን ንዋይን ዘይኮነስ፣ ይጥዓም ይምረር ምስ ስድራኻን ቤተ ሰብካን፣ ደቂ ዓድኻን ደቂ ጎዶቦኻን፣ ምስ ዓርኪ መሓዙትካን ሓቢርካ ብምንባር እዩ ዝርከብ ዝብል ሓቀኛ እምነትን ኣምልኾን ስለዘሎና።
እዚ ባህጊ ኩሉ ኾይኑ ግን፣ ሎሚ ምናልባት ሊዕሊ ፍርቂ ዝኸውን ኤርትራዊ ዜጋ ካብ ዓዱ ክስደድ ተገዲዱ፣ ገሊኡ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ሱዳን፣ ኢትዮጵያ፣ ከንያ፣ ኡጋንዳ፣ ወዘተ፣ ገሊኡ ኣብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቅ፣ ስዑድ ዓረብ፣ ቀጠር፣ የመን፣ ኢስራኤል፣ ገሊኡ ኣብ ኤውሮጳ፣ ካናዳ፣ ኣመሪካ፣ ኣውስትራልያ ተዘሪኡ ይርከብ። ከም ሓደ ጭቡጥ መርትዖ ናይዚ፣ ምስቲ ምዝጉብን ዘይምዝጉብን መዓልታዊ ንስደት ዝውሕዝ ዘሎ ቁጽሪ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ብዕለት 7 ሚያዝያ 2018 ዓመተ ምሕረት፣ ሓደ ኣብ ሃገረ ስደት ዝርከብ ኤርትራዊ መንእሰይ፣ ንበዓል ፋሲካ/ትንሳኤ ምኽንያት ብምግባር ብመንገዲ ሓደ ኤርትራዊ ፈነወ ራድዮ ኣቢሉ፣ ንሓያለይ ቤተ ሰቡን አዕርኽቱን ናይ ርሑስ በዓል ፋሲካ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ነይሩ። ንሱ ኣብ ናይ ርሑስ በዓል ሰናይ ትምኒቱ ብሓፈሻ ገዲፍካ፣ ንነፍሱ ወሲኹ ናይ 44 ኣዝማድን አዕሩኽትን መሓዙትን ሰምዩ። ካብቶም ዝተሰምዩ 44 ሰባት፡ እቶም 17 ክሳብ ሕጂ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከቡ ኮይኖም፣ ዝተረፉ 27 ካብኣቶም ግን ብስደት ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝርከቡ እዮም። ብምእታዊት ክረአ እንተኾይኑ ሊዕሊ 60% ካብ ቤተሰብን ዓርከ-መሓዛን ናይዚ ሰብ እዚ፡ ካብ ሃገር ወጺኦም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተበታቲኖም ይርከቡ ኣለዉ ማለት እዩ። እቶም ኣብ ከርሲ ዓዶም ኣብ በዓላትን ውራያትን ብኣካል ዝራኸቡን፣ ንምረትን ደስታን ብሓባር እንዳተቋደሱ ትርጉም ዘለዎ ህይወት ዘስተማቅሩ ዝነበሩስ፣ ኣብ ተረኽቦ ነጻነታን ልዑላውነታ ዝኣወጀት ኤርትራን፣ ድሮ ሊዕሊ 60% ምእታዊት ካብኣትም ካብ ሃገር ወጺኦም ተበታቲኖም ይርከቡ። ካብዚ ዝኸፍእ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ዝበጽሐ ምብትታን ህዝብን ብርሰት ሃገርን እንታይ ክህሉ ይኽእል!!! ኣብ ገለ ገለ ስድራ ቤታት 7, 8, ውላድ ዝነበርዎ ኩሎም ንስደት ኣምሪሖም፣ ካብ ወለዶም ነቶም ብህይወቶም ዘለዉ ብዝተፈላለየ ሜላ ናብቲ ዝነብርሉ ሃገራት ስደት ክስሕብዎም ዝቃለሱ ሓያለይ ዜጋታት ክትርኢ ከሎካ ግን፣ ኣብ ገለ ገለስ፣ እቲ ምብትታን ስድራ ቤታትን እንዳታትን ክሳብ 100% በጺሑ ከምዘሎ ይረኣየካ።
ምብትታን ሓደ ህዝብን፣ ስድራ ቤታትን፣ እንዳታትን ብወገኑ ዝፈጥሮ ካልእ ጸገም ክብደቱን ምረቱን ከምዚ እዩ ኢልካ ብቀሊሉ ዝግለጽ ኣይኮነን። ከምቲ ብዘይ ሓድጊ ዝሞተ ሰብ ጸኒቱ ዝበሃል፣ ሓደ ህዝብውን ካብ ኩቡር ባህልታቱን ልማዳቱን ወጺኡ ናብ ባህልን ልማዳትን ኣአንገድቱ ሃገራት ተመሳሲሉ ክነብር ምስ ዝግደድን፣ ንባህልታቱን ልማዳቱን ተቀቢሉ ዝወርስን ዝትክኦን ወለዶ ከዕብን እንተዘይተዓዲሉ፣ ዕጫኡ ካብቲ ብዘይ ሓድጊ ሞይቱ ዝጸነተ ውልቀሰብ ብዙሕ ዝፍለ ኣይኮነን። ምስዚ ብምትሕሓዝ ኤርትራውነትን ኤርትራዊ ክቡር ባህልታትን እውን ብመንጽሩ፣ ቀስ ብቀስ ይብለልን ይቅህምን።
ክቡራትን ክቡራንን ኣንበብቲ፣ ንህልው ኩነታትና ብዓይኒ ኤርትራዊ ሕልና ንርኣዮ፣ ልክዕ ርዝነቱን ምረቱን ንኽንፈልጥ ድማ ምስ ናይ ርሑቅን ቀረባን ኣሉታዊ ሳዕቤናቱ ነገናዝቦ።
መጸዋዕታ ንኩለን ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራውያን ተቀማጦ ጀርመን
ብመሰረት እቲ ኣብ ደንሃክ-ሆላንድ ብደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራውያን ዝተጋብአ ዋዕላ ምርኩስ ብምግባር ኩሉና ማሕበራትን ውልቀ-ሰባትን ድቂኣንስትዮ ኤርትራውያን ኣብ ንነብረሉ ሃገራት ኣብ ህልዊ ኩነታት ደቂ ኣንስትዩ ዘተኮረ ሓደ ጥርኑፍ ዝኾነ ኣስራርሓ ንክህልወናን ስፍሕ ዝበለ ናይ ምርድዳእን ምይይጥ ባይታ ከነጣጥሕ ኣብ`ቲ ብቀዳም ዕለት 05/5/2018 ልክዕ ሰዓት 14:00 ድሕሪ ቀትሪ እነካይዶ ኣኼባና ክትሳተፋ ብክብሪ ንዕድም።
ዛዕባታትኣኼባ
- 1.ናይ ሓባር ራእይ ምቅማጥ
- ናይ ሓባር መደባት ምስራዕ
- ናይ ሓባር መጽውዒ ወይ መላለይስ ምምግባር
- መራከቢት ሽማግለ ምምራጽ
ግዜ፡ ቀዳም ዕለት 05/05/2018 ልክዕ 12፡00 ድሕሪ ቀትሪ
ቦታ፡ Wilhelm Leuchnere strasse 12
60329 Frankfurt am Main
ብድሓን ምጻ
دعوة الى جميع النساء الارتريات المقيمات بالمانيا
بموجب مخرجات ملتقاة المرأة الارترية المنعقد فى لاهاى – هولندا التى دعت القيام بعمل مشترك فى دول اقامتنا واستناداً اليها ندعو باحترام جميع جمعيات المرأة والناشطات مشاركتنا فى اجتماع عام سنناقش فيه اوضاع المرأة الارترية الراهن وصولا الى تفاهمات مفادها خلق ارضية مواتية للعمل المشترك المنشود.
والجدير بالذكر نقترح ان تكون اجندة الاجتماع المواضيع التالية:
الاتفاق على رؤية مشتركة
- وضع برنامج موحد
- تعريف وتسمية الاطار الموحد
- انتخاب لجنة تنسيقية
الزمان: 5/5/2018 الساعة 12:00
المكان:Wilhelm Leuchner strasse 12
60329 Frankfurt am Main
أهلاً وسهلاً ومرحباً بكم
ኩልና ደቂ ኣዳም እዛ ዓለም ንዘልኣለም እንነብረላ ከምዘይኮነት ኩሉ ፍጡር ዝፈልጦን ዝርደኦን እዩ። ካብ ኩሉ እቲ ዝገርም ድማ፥ ክንፍለያ እንከለና ካብቲ ዝነበረና ክንዲ ፍረ ኣድሪ ትኸውን እኳ ተማሊእና ኣይንኸይድን። እንታይ ደኣ ኩሉ ድሕረና ገዲፍናዮ ኢና እንኸይድ። ወዲ ሰብ ግና ብዝተፈላለየ ምኽንያት ወይ’ውን ባህርያት ነፋጊ፡ ስሱዕን፥ ነዓይ ጥራሕ ይጥዓመኒ በሃላይን ስለዝኾነ ንነፍሱ ካብ ካልኦት ኣብሊጹ ክረአ ክብል ኣብ ጸገማት ይኣቱ።
ወዲ ሰብ እምበኣር ብቃሉን ብግብሩን እዩ ዝፍረድ። ከመይሲ እቲ ተግባር ካብቲ ንሱ ሓሲቡ ዘውጽኦ እዩ ዘተግብር። እዚ ማለት ቃላት ወዲ ሰብ ከም ሴፍ በሊሕ ወይ ድማ ከም ርግቢት የዋህ ክኸውን ይኽእል። ስለዚ እቲ ዘወጽኦ ቃል ክሳብ ክንደየናይ ኣሉታን እወንታን፥ ኣዕናውን ሃናጽን፥ ሓቛፍን ነጸጋን፥ ኣሳታፍን ኣግላልን፥ እዩ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ንኣብነት ሓደ ወዲ ሰብ ንኣወንታ እናጸወዐ እንከሎ እቲ ሓሳቡ ዝድገፍ እምበር ዝንጸግ ኣይኮነን። ግን ሓንቲ ከይፈለጥካ እዚ እወንታዊ ሓሳብ እዚ ጠምዚዝካ ዝምቡዕ ሓሳብ ብምቕራብ ከምዘይሰርሕ ምግባር ክፍኣት ናይ ምሕሳብ ምልክት እዩ።
ንኣብነት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኩለን ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን፥ ዓሌት ብሄር፥ ሃይማኖት ከይፈላለያ ንረብሓ ኩሉ ህዝቢ ዝቃለሳ እንተኾይነን ዝፈላልየን ነጥቢ የለን ዝብል እምነት እዩ ዘለዎ። እቲ ፍልልይ ግን እቲ ጥሙሓት ናይ ነፍሲ ወከፍ ፖለቲካኛ ንፖለቲካዊ ስልጣን ኣብ ምቕዳምን ምድሓርን ይፈላለ እዩ። ካብዚ ብምብጋስ እምበኣር ንኤርትራዊ ሃገራውነት ንቕድሚት ብምስራዕ ንኹልና ዝጠምረና ቅዋም መስሪትና ካብ ኣውራጃዊ ብሄራውን ሃይማኖታውን ጸቢብ ስምዒታት ተላቒቕና ብሓደ ልቢ ንሃገረይን ንህዝበይን ክንብል ኣይበቓዕናን ዘሎና።
ምልክቱ ድማ እቲ ወግሐ ጸብሐ ካብ ፖለቲካ ወጻኢ ዝኾነ ንጥቀመሉ ቃላት ህያው ምስክር እዩ። እቲ ዝወጽእ ቃላት ድማ ፈላላዪ እምበር ጠርናፊ ኣይኮነን። ፖለቲካ ግን ናይ ጽልእን ቅርሕንትን ኣይኮነን፥ ወዮ ደኣ ምኽኣሉ ስለዝሰኣናዮ እምበር ፖለቲካስ ንገዛእ ርእሱ ጥበብ እዩ። ጥበብ ከኣ ብልህነትን ተመኩሮን ብተግባር ናይ ምምስርሑን የድሊ። ከመይሲ ፖለቲካ ጉዳይ ምሕደራ፥ ጉዳይ ሓቢርካ ምንባር፥ ጉዳይ መሰል ኮታ ንመዓልታዊ ህይወት ዝገልጽ እዩ።
ውልቀሰብ ይኹኑ እኩባት ሰባት ድሌታቶም እንተዘይተፈጸመ ምስ ካልኦት ክሰማምዑ ኣይክእሉን እዮም። ምኽንያቱ እዞም ድሌታትና እንተዘይተፈጸመ ዝብል ሓሳብ ዘሕደሩ ናይ ግድን እዩ እቲ ድሌታቶም ክፍጸም ኣለዎ ብዝብል ሓሳብ ክደርቁ። እቲ ድሌታቶም ምስ ናይቶም ካልኦት ሰባት ከወሃህዱን ኣብ ማእከላይ ቦታ ክመጹን ድማ ፈጺሞም ኣይሓስብዎን። ካብዚ ነቒሎም ካብቲ ሓባራዊ ረብሓ ወጻኢ ብዝኾነ ኣገባብ ክወስዱ ስኽፍ ኣይብሎምን። እዚ ከኣ ከይዱ ከይዱ ካብቲ ነዓይ ይጥዓመኒ ዝብል ስምዒት ዝነቅል እዩ።
ካብ ከምዚ ዝዓይነቱ ባህሪ ከኣ እቲ ዝወጽእ ቃላት ጉዳኢ እምበር ጠቓሚ ኣይከውንን። እወ! ደቂ ሰብ ኣብ ብኸመይ ከምዝመሓደሩ፥ ከመይ ከምዝናበሩ፥ ስልጣንን ጸጋታትን ከመይ ከምዝመቓርሑን ኣብ ዝብሉ ሓሳባት ክፈላለዩ ናይ ግድን እዩ። እንተኾነ ግን ነዚ ኩሉ ነቲ ንስኻ እትደልዮን እቲ ካልእ ዝደልዮን ብክፉት ልቢ ኣብ ማእከል ዘምጽእ ድሌታት ክትውንን እንተዘይበቒዕካ ኣዕናዊ ቃላት እምበር ሃናጺ ቃላት ኣይተዘውትርን ኢኻ።
ናብዚ ንኹሉ ብማዕረ ዘጠምትን፥ ንረብሓ ኩሉ ዝብል ሓሳብን ክንበጽሕ ፖለቲካዊ ብስለትን ኣፍልጦን የድልየና። ስለዚ ፖለቲካ ኩሉ ግዜ ዘተ፥ ምርድዳእ፥ ምትሕብባርን ምስምማዕን እምበር ምንጽጻግን ምንፍፋግን ኣይድግፍን እዩ። ስለዚ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ኣብዛ ምድሪ እንከለና እንደልዮ ዘበለ ንርከቦ ኣይንርከቦ ሒዝናዮ ወይ ተማሊእናዮ ንኸይድ ጉዳይ ኣይኮነን። እዚ ስለዝኾነ ንኹሉ እቲ ካብ ኣእምሮና ዝፍልፍል ሓሳብ ንቕንዕናን፥ ሓቢርካ ምንባርን፥ ዝእምት ክኸውን ይግባእ። ብመንጽርዚ ነቲ ዝትከኣና ወለዶ ገዲፍናሉ እንኸይድ ጽቡቕ ሓሳብን፥ ሰናይ ተግባርን ደኣ ክኸውን ኣለዎ እምበር ጽልኢ፡ ቅርሕንትን ምርሕሓቕን ከነውርሶ ኣይግበኣናን።
ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰ.ዲ.ህ.ኤ) ሓፈሻዊ ኣኼባ ኣባላት ኣካይዱ
Monday, 16 April 2018 06:23 Written by ቤት ጽሕፈት ዜናን ብህልን ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰ.ድ.ህ.ኤ.ቀዳም 14 ሚያዝያ 2018 ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ እቲ ኣብ ከክልተ ወርሒ ዝካየድ ስሩዕ ሓፈሻዊ ናይ ኣባላት ኣኼባ ኣካይዱ።
ከምቲ ልሙድ ኣኼባ ብጸብጻባት ናይ ዞባ ቤት-ጽሕፈታትን ንኡሳን ሽማግለታትን እዩ ጀሚሩ። ብሓፈሻኡ ኣባላት ብኩለን ቤት-ጽሕፈታት ዝቐረበ ጸብጻባት ኣመስጊኖም።
ብናይ ዉድባዊ ጉዳያት ምስ ናይ ጎሽጓሽ ሽማግለ ብዝተገብረ ጽዑቕ ጻዕርታት፡ ብዙሓት ሓደስቲ ኣባላት ብፍላይ ኣብ ካናዳ ኣብ ሰልፍና ከምእተጸንበሩ ተሓቢሩ። ኣብ እስራኤል’ውን ብዙሓት ሓደስቲ ኣባላት ከምእተጸንበሩናን ሓደስቲ ጨናፍር ይቖማ ምህላወንን ኣኼበኛ ተብሲሩ።
ብናይ ገንዘባውን ማሕበራውን ጉዳያት ቤት-ጽሕፈት ብዝተኻየደ ዕቱብ ጻዕሪ፡ ልኡኽ ናይ ሰልፍና ናብ እስራኤል ዑደት ንኸካይድ ዝተገብረ ናይ ገንዘብ ምውጻእ ወፈራ ዕዉት ምንባሩ ተገሊጹ። ዕዉት ምንባሩ ጥራሕ ዘይኮነ ኩሉ ዝተኣትወ መብጽዓ ኣብ ዉሽጢ ሓደ ሰሙን ኣብ ሳጹን ምእታዉ ናይ ኣባላት ሞራል ሓፍ ዘበለ ኣወንታዊ ሓበሬታ ነይሩ።
ቀጺሉ ናይ ዜናን ባህልን ቤት-ጽሕፈት ጸብጻብ ናይ ዘካየዶ ንጥፈታት ኣቕሪቡ።
ድሕሪዚ ሓው ተስፋይ ደጊጋ ሰልፍና ምስ ሓይልታት ተቓዉሞ ኣብ ናይ ሓባር ምርድዳእ ንምብጻሕ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕርታትን ተበጺሑ ዘሎ ምዕብልናታትን ድሕሪ ምሕባር ብጠለብ ናይ ዞባ ሽማግለ መሰረት፡ እቲ ንሰልፊ ህዝብን ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራን ናብ ሓደነት ዘብጸሐ ጉዕዞ ከመይ ነይሩ። እቲ ስዒቡ ንኣቶ መስፍን ሓጎስን ዉሑዳት ሰዓብቱን ሰልፊ ገዲፎም ክኸዱ ዝገበረ ዘይምርድዳእ ከ እንታይ መበገሲኡ ብዝብል ኣርእስቲ ሰፊሕ መግለጺ ሂቡ። ብዘይካዚ ኣብ ከባቢና ብፍላይ ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ሓድሽ ምዕብልናን ገና ክረአ ዘለዎ እኳ እንተኾነ ንኤርትራውያን ክመይ ክጸልወና ይኽእል ኣብ ዝብል ዛዕባ መግለጺ ሂቡ።
ኣኼባ ንሕቶን መልስን ተኸፊቱ ብህዱእ መንፈስ ኣባላት ሕቶታቶምን ርእይቶኦምን ኣቕሪቦም። ኣብ መደምደምታ ኣባላት ከምዚ ዝኣመሰለ ኣኼባታት ከምዚ ጀሚሩዎ ዘሎ ቀጻሊ ክኸውን ተላቢዮም ኣኼባ ተደምዲሙ።
ክንዕወት ኢና!
ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት!
ክብርን ዘልኣለማዊ ዝኽርን ንስዉኣት ኤርትራ!
ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን
ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰ.ድ.ህ.ኤ.
14 ሚያዝያ 2018

ኣብቲ ፈለማ ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ሓርነት ኤርትራ፡ እቶም ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ኣብ ወጻእን ዝዕዘቦም ዝነበርኩ ኤርትራውያን፡ ፖለቲካውን ርእዮተ ዓለማውን ፍልልያት ዳርጋ ኣይነበሮምን ኪብሃል ይከኣል። ኣብዚ ጽሑፍዚ፡ ኤርትራውያን ኪብሃል ከሎ፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ዘይኮነስ ንመብዛሕትኡን፡ ብፍላይ ድማ ነቲ ድሕሪ ናጽነት ዚነጥፍ ዝነበረን ዘሎን ዜጋ ይጥርንፍ። ኣብቲ ዘመነ ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ኤርትራዊ ብዛዕባ ናጽነት ሃገሩ ጥራይ እዩ ዚዓጦ ወይ ዚዓጅቦ ዝነበረ። ክንድዚ ጦር ሰራዊት ተኾስቲረን፡ ተጋደልቲ ክንድዚ ጸላኢ ማሪኾም፡ ናጽነት ቀሪባ እያ፡ ወዘተ ዚብላ ቓላት፡ ኩሉ ግዜ ኤርትራውያን ምስ ዚእከቡ ዚጥቀሙለን መኽፈት-ኣፍ እየን ነይረን። ከምዚ ዝበለ ዘረባታት ድማ ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ኣብ ወጻእን ብብዝሒ ይቃላሕ ነይሩ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩ ኤርትራውያን ከይተረፉ፡ ዳርጋ ብምሉኦም ናይ ናጽነት ደርፍታት ይሰምዑን፡ ኣብ ፈቐዶ ባራት ኣትዮም ድማ ኣስምዑና ይብሉን ነይሮም። ሓንቲ ካብተን ዝዝክረን ደርፍታት ድማ፡ እዚ ገዛና ዓቢ ህድሞ፡ ትዃን ቍንጭን መሊኡዎ እትብል እያ። እተን ናይ ሳታየ ኣውቶቡሳት እውን ብወገነን፡ ሽገይ ሃቡኒ እትብል ናይ ተወልደ ረዳ ደርፊ እናደረፋ እየን ንኣዲስ ኣበባ ዝኣትዋ ዝነበራ። ግን ሓደ ዘይተረደኣኒ ነገር እንተ ነበረ፡ እቶም ኣብቲ እዋንቲ ዝነበሩ ገዛእቲ መደብ ኢትዮጵያውያን፡ ስቕ ኢሎም ይርእዩና ምንባሮም እዩ። ንዒቖምና ዲዮም? ቀሊልናዮም ዲና? ምናልባት። ደሓር ግን ምስ ተሳዕሩ፡ ተመሊሶም ኪሓስቡ ጀሚሮም። ክልተ ግዜ ኣዛሪብናዮም ማለት እዩ።
ኣብቲ እዋንቲ፡ ናብ ወጻኢ ሃገር እመላለስ ስለ ዝነበርኩ፡ ኣብ ኩሉ ኤርትራዊ ዝነበረ ናብ ሃገርን፡ ናብ ተቓለስትን ናብ ህዝብን ዝቐንዐ ዓሚቝ ፍቕሪ እዕዘቦ ነይረ። ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ሃገር ኪራኸቡ ኸለዉ፡ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኪጋብዝን ኪዕድምን ኣይጻገቡን እዮም ነይሮም።ሽዑ ከምዚ ሎሚ ህግደፍ ኣይነበሩን። ዘራጊ ስለ ዘይነበረ ድማ ጽሩይ ማይ ይስተ ነይሩ። ይኹን ምበር፡ ህግደፍነት ኣብቲ ናይቲ መሪሕነት ኣእምሮ ከም ትልሚ ነይሩ እዩ። ሽዑ፡ ሳዋ እውን ኣይነበረን፡ ኣብ ኣእምሮ መሪሕነት ግን ከም ድቂ ኾይኑ ይድኰን ነይሩ እዩ። ጀብሃ ሻዕብያ ዚብል ፍልልይ ኣይተጀመረን፡ እንተ ጀመረውን ኣብቲ ህዝቢ ክሳዕ ክንድዚ ዘይምርድዳእ ኣይፈጠረን። ትምክሕቲ መሪሕነት ሻዕብያ ግን፡ ነቲ ፖለቲካዊ መናፍቕ ኢሉ ዝፈረዶ ኤርትራዊ ውድብ፡ ኣብ ሜዳ ኪንቀሳቕስን ሰዓብቲ ከጥርን ምርኣይ ኪወሓጠሉ ኣይከኣለን። ምሳና ሆየ ዘይበለ፡ ካባና ይፈለ ዚብል ኣተሓሳስባ ካብ ሽዑ ኣትሒዙ እዩ ጀሚሩዎ።
ኣብ ውሽጢ ሃገር ዚነብሩ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን፡ ሉቸ ክትመጽእ ከላ እልል ዚብሉ፡ ምስ እትኸይድ ግን ስለምንታይ ከይዳ ኢሎም ኪጥይቑን ኪካትዑን ዘይክእሉ ሰባት እዮም። ገዛውቶም ኪፈርስ ከሎ ስቕ ኢሎም ይርእዩ። ባህሎምን ሃይማኖቶምን ኪነዓቕ ኸሎ ድማ ንምቅዋም ይፈርሁ። ከምዚ ዝገበሮም ድማ እቲ ስርዓት እዩ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ዚቕመጡ ኤርትራውያን፡ ነቲ ደሞክራሲ ዚብል ኣምር፡ ከም ታሪኽ ጥራይ እዮም ዚፈልጡዎ፡ ኪስርሓሉ ስለ ዘይረኣዩ። ኣብ ኤርትራ፡ ማሕበራት ከተቕውም ምፍታን፡ ብህይወትካ ከም ምጽዋት እዩ። ንግፍዒ ዓገብ ምባል ድማ ዕምርኻ ምሕጻር እዩ። ነቲ ስርዓት ምንቃፍ፡ ዕሽነት፣ ምእዳም ድማ ቀልቢ ዘይምህላው እዩ። ሽሕኳ ነቶም ቀዳሞት ጸላእትና ክልተ ግዜ ኣዛሪብናዮም እንተ ኾንና፡ እዞም ዳሕረዎት ጸላእቲ ግን ክልተ ግዜ ከዛርቡና ኢዮም ኢልና ሓሲብና ኣይንፈልጥን።
ኣብ ኣእምሮ ናይቲ ስርዓት፡ መሰል ደቅሰብ ዚብል ኣምር፡ ከም ያታን ጽውጽዋይን ኮይኑ ስለ ዚረአ፡ ብዛዕባኡ ካብ ምጽሓፍ ብዛዕባ ዝንግባባ ምጽሓፍ ከም ዚምረጽ ኮይኑ ኣሎ። ኣነ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ክሰርሕ ከሎኹ፡ እቲ ክፍሊ ሳንሱር፡ ንቪደዮታት ፍቕርን ጾታዊ ርክባትን ብዘይ ገለ ጸገማት ከሕልፎ ኸሎ፡ ነቲ ብዛዕባ ማሕበራዊ ሕቶታት ዘልዕል ፊልምታት ግን፡ ይነጽጎ ወይ ይሕዞ ነይሩ። በዚ ምኽንያትዚ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ኤርትራዊ፡ ንትርጉም መንግስቲ፡ ንትርጉም ሰብኣዊ መሰላት፡ ንትርጉም ደሞክራስን ፍትሕን፡ ንትርጉም መሰል ምግላጽ ሓሳባት፡ ምናልባት ኣብ መጻሕፍቲ ረኺቡ ዘንብቦ እንተ ዘይኮይኑ፡ ከም ኣብ ተግባር ኪትርጎም ዚኽእል ኮይኑ ዚስምዖ ኣይመስለንን። ከምቲ ኣብ ደብረቢዘን ሰበይቲ ከይትኣቱ ክልክልቲ ዝኾነት፡ ኣብ ኤርትራ ድማ ደሞክራሲ ከይትኣቱ ክልክልቲ እያ።
ከምዚ ዝበለ ስርዓት፡ ነቲ ህዝቢ፡ ግጉይ ናይ ነብሱን ናይ ዓለምን ስእሊ ከም ዚሕዝ ገይሩዎ። ጭቆና ንደሞክራሲ ተኪኡዎ። ምርጫ ድማ ኣብ ክንዲ ብኢድ ብእግሪ ኾይኑ፥ ማለት ክልተ ኣእጋርካ ተጠቒምካ፡ ናብታ ዝመረጽካያ ጎረቤት ሃገር ምስጋር፡ ብኡ ኣቢልካ ድማ ዕድለይ ኢልካ ንቕድሜኻ ምኹብላል ኮይኑ ሽሕኳ ዶብ ሰጊርካ ናብ ጎረቤት ሃገር ምእታው፡ ካብቲ ናይቲ ስርዓት ኣካላዊ ሞቑሕ ዘላቕቐካ እንተ ኾነ፡ ካብቲ ናይቲ ስርዓት ስነ ልቦናዊ ሞቕሕ ግን ከገላግለካ ኣይክእልን። መብዛሕትኡ ኤርትራዊ፡ ዶብ ብምስጋር ኣብቲ ዝደልዮ ሃገር ኪበጽሕ ክሎ፡ ምስኡ ተሓንጊጡዎ ዚኣቱ ከቢድ ካብቲ ስርዓት ዝሸመቶ ስነ ልቦናውን ኣእምሮኣውን ሕማማትን ጸገማትን ስምብራትን ኣሎ። ምናልባት፡ መብዛሕትኡ ዶብ ዝሰግር ኤርትራዊ ብገለ ሸነኻቱስ ዳርጋ ስንኩል ኮይኑ እዩ ናብቲ ባዕዳዊ ሃገር ዚኣቱ እንተ በልና፡ ምግናን ኣይከውንን። ብምቕጥቃጥን ብመግረፍትን ዚኽሰት ኣካላዊ ስንክልና፡ ብጭቆናን ብግፍዕን ዚመጽእ ኣእምሮኣዊ ስንክልና።
እቲ ካብ ኩሉ ዘገርም ግን፡ እቲ ስንኩል ኢልና እንጽውዖ ዘሎና ግዳይ ህግደፍ፡ ንነብሱ ከም ጥዑይ ገይሩ ምውሳዱ እዩ፡ ከመይሲ ብፍልስፍና ህግደፍ፡ እቶም ስንኩላት ዚብሃሉ፡ እቶም ካብቲ ሞቑሑ ተላቒቖም ዶብ ዚሰግሩ ኤርትራውያን ዘይኮኑስ፡ እቶም ኣብቲ ጎረቤት ሃገር ዚቕበሉዎም ባዕዳውያን ህዝብን ፖለቲካዊ ኣቃውማኦምን መትከላቶምን እዩ። በዚ እተላዕለ፡ መብዛሕትኡ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ኣብታ እተቐበለቶ ሃገር ኮይኑ እዩ ነቲ ዘሰንከሎ ስርዓት ምውዳስ ዚቕጽል። ነቲ ኻብቲ ስርዓት ዝሰነቖ ግጉይ ኣተሓሳስባን ግጉይ ስእሊ እንታይነቱን፡ ንብዙሕ ዓመታት እዩ ሒዙዎ ዚጎዓዝ።
ኣብዚ ኣጋጣምዚ፡ ሓደ ብጻየይ ዘዘንተወለይ ሓጻር ፍጻመ ከዘንቱ እፈቱ። ሓንቲ ኣብ ጥቓ ዶብ ኢትዮጵያ ዝዓዳ ንእሽቶ ኤርትራዊት፡ ዶብ ሰጊራ ናብ ኢትዮጵያ ትኣቱ። እቶም ኣብቲ መዓስከር እተቐበሉዋ ኣሕሉቕ በቲ ንእስነታ ተገሪሞም፡ ምናልባት ስድራኣ ከመርዕዉዋ ምስ ደለዩ ሃዲማ ዝመጸት ከይትኸውን ብማለት ነቲ ንቡር ጥያቔታት የቕርቡላ። ንሳ ዕድሜኣ 14 ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር፡ ኣመጻጽኣኣ ክትገልጽ ከላ ግን ከምዚ ዚስዕብ ትብል፥ ካብ መርዓ ኣይኮንኩን ሃዲመ፡ ክሰግር እየ ደለየ። እቶም ኣሕሉቕ ድማ፡ ብኸመይ ደኣ እቶም ወትሃደራት ኢትዮጵያ ደው ዘየበሉኺ፡ ብምባል ይውከሱዋ። እቲ መልሳ ከምዚ ዚስዕብ እዩ ነይሩ፥ ረሳሕ ክዳን ተኸዲነ፡ ዓጋመ መሲለ እየ ተሳጊረ፡ ስለዚ ገለ ኣይበሉንን!! እቲ ዝሃበቶ መልሲ ነቶም ኢትዮጵያውያን ኣሕሉቕ ኣዚዩ ኣተሓሳሲቡዎም። ትምህርቲ ህግደፋውያን፡ እንተ ዘይቀተለስ፡ የዕነኒ። እቲ ኤርትራዊ፡ ኸምዚ ዝበለን ኻልእ እተፈላለየ መገድታትን ብልሓታትን ተጠቒሙ ኣብ ጎረቤት ሃገር ወይ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ምስ ኣተወ፡ ዕቝባ ድማ ምስ ሓተተ፡ እቲ ኣካላቱ ኣብ ባዕዲ ሃገር፡ ኣእምሮኡ ግን ኣብ ውሽጢ ሃገር እዩ።
ሽሕኳ ኤርትራዊ ምዃኑ ዘረጋግጸሉ መገዲ፡ ብቐዳምነት እቲ ዚሕዞ ታሴራ ወይ ወረቐት መንነት እንተ ኾነ፡ ካብኡ ቀጺሉ ግን፡ ንኢትዮጵያን ንኢትዮጵያውያን ምጽላእን ምንእኣስን ከም ቀንዲ መረጋገጺ ኤርትራውነቱ ገይሩ እዩ ዚወስዶ። ነዚ ድማ ብእተፈላለየ ጸርፍታትን ዘለፋን ኣሽካዕላልን ይገልጾ። ቀጺሉ ነቶም ኣባላት ተቓወምቲ ደምበን ንሰዓብቶምን ደገፍቶምን ምንሻውን ምጽላምን፡ ሓደ ካብቲ ንኤርትራዊ መንነንቱ ፍጹም ንምግባር ከማልኦ ዘለዎ ነጥብታት ገይሩ እዩ ዚቘጽሮ። ካብዚ ስዒቡ፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ እቲ ስርዓት ከሎ ንነብሱን ዓቕምታቱን ዚልምከት ዘጥረዮ ግጉይ ስእሊ ኣብ ግብሪ ንምውዓል፡ ንነብሱ ከም ፈላጥን ጥበበኛን ገይሩ ይወስዳ። መን ከም ኤርትራዊ፡ ዚብል ሕማም ይድግሶ። ብሓይሊ፡ ብፍልጠት፡ ብመልክዕ፡ ብጥበብ ወዘተ፡ ዚወዳደሮ ከም ዘየልቦ ገይሩ ድማ ንነብሱ ከዐሽዋ ይነብር። እዚ ብዛዕባ ነብስኻን ብዛዕባ ካልእ ዓለምን ኣብ መብዛሕትኡ ኤርትራዊ ዚጥረ ግጉይ ወይ ጥምዙዝ ስእልዚ፡ ኣብቲ ናይቶም ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ዚቕመጡ ናይ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ባህርያትን ተግባራትን ዓቢ ኣሉታዊ ጽልዋ ከም ዚገብር ኩሉ ዚፈልጦ ሓቂ እዩ። እቲ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ነቲ ኣብ ሃገሩ ንኺረኽቦ ከም ሕልሚ ዝኾነ መሰላት ደቂ-ሰብ ብምጽብጻብ፡ ካብቲ ዘዕቈቦ መንግስቲ፡ መሰላቱን ሓለፋታቱን ኪሓትት ድሕር ኣይብልን፡ ነቶም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራ ዚሓቁ ዘለዉ ኣሕዋቱ ሓራ ንምውጻእ ግን፡ ተቓውሞ ዘይምርኣይ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ምስቲ ገፋዒ ስርዓት ኮይኑውን ይነጥፍ እዩ።
እዚ ኸይኣክል፡ ኣብ መብዛሕትኦም ኣብ ወጻኢ ዚቕመጡ ኤርትራውያን ዚረአ ናይ ምፍልላይ ባህርያት፡ ተስፋ ዘቝርጽ እዩ። እዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣውራጃን፡ ቀቢላን፡ ሃይማኖትን፡ ፖለቲካዊ ዝንባሌን፡ ዘተኮረ እዩ። ገሊኣቶም ድማ ኣብ ድሑር ሃይማኖታዊ ሕልሚ ተኣሊኾም፡ ኣድሓርን ሕልና ዘዕርብን ድኹምን ትምህርቲ ኪዝርግሑ ይረኣዩ። ናይ ባዕዲ ሃገራት ኣጀንዳታት ዘጣጥሑ ድማ ውሑዳት ኣይኮኑን ከምዚ ምስ ተጓነፈካ፡ ንበዓል ወዲ ዓሊን ንበዓል ሓጂ ሙሳን ትዝክር። ከምዚኣቶምስ ኣብ ወጻኢ ድማ እንተ ዚፍጠሩ ትብል። ከምኡውን ዝኽሪ በዓል ድሩዕ ንመንፈስካ ይቕስቅሶ።ብሓቂ፡ ድሩዕን ብጾቱን ንኣና ኪብሉ እዮም ተሰዊኦም።
ንሃይለ ድሩዕ፡ ሓደ ንግሆ፡ ቅድሚ ምእሳሩ፡ ኣብ ጥቓ ገዝኡ ብጃማ ገይሩ ደው ኢሉ ኸሎ ረኺበዮ፡ ቅሩብ ድማ ኣዕሊለዮ። ምስ ሃይለ ድሩዕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ኢና ንፋለጥ። ንቕሩብ ግዜ ኣብኡ ስለ ዝነበረ። ተጋደልቲ ምስ ኣተዉ እቲ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ከይደ ዝረኸብኩዎ ቀዳማይ ብጻይ ተጋዳላይ ንሱ እዩ ነይሩ። ከም ተዋዛይን ምቕሉልን፡ ከም ምሒር ደፋርን፡ ከም ሓደ መከራን ጸገማትን ቅጭጭ ዘይብሎ ሰብን እየ ዝፈልጦ። ነተን ቅድሚ ኣብ ኢድ ገፋዕትን ጠለምትን ምውዳቑ ኣብ መንጎ ዕላልና ዘውሰአን ቃላት ኩሉ ግዜ እዝክረን፤ ንሕና ክንስዋእ ኢና፡ ኣይተርፈናን እዩ፡ ነዚ ኸኣ ተቐሪብናሉ ኢና፡ ግን እዚ ህዝቢ ቀስ ኢሉ እዩ ዚርድኣና፡ ከመይሲ ፖለቲካል ኤንድ ካልችራል ኢነርሻ ኣለዎ (ነቲ ዘጥረዮ ፖለቲካውን ባህላውን ኣረኣእያ ንኺልውጦ ግዜ ኪወስደሉ እዩ፡ ማለቱ እዩ)። ብድሕሪኡ ኣይረኣኹዎን። ግን ኩሉ ግዜ ነተን ዝበለን ቃላት እዝክረን።