እዘን ውድባትን ሰልፍታትን ኣይወሓዳን ዶ?

2018-04-29 21:45:37 Written by  ተስፋይ ባይረ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2238 times

 ውድብ ወይ ሰልፊ ምምስራት ካብ ምሕሳብ ካብ ምእማን ኢዩ ዝብገስ፡ ክንደይ እምነታት ክንደይ ኣተሓሳስባኸ ኣሎ ንዝብል ሰብ መልሱ ማእለያ የብሉን ኢዩ ፡ ስለዚ ክንደይ ውድባት ክፍጠራ ይኽእላ ንዝብል ሕቶ መልሱ ወሰን የብሉን። ኣብ ግብጺ ድሕሪ ዓርቢ ሓርነት 52 ሰልፍታት ፡ኣብ ጀርመን ድሕሪ ምፍራስ መንደቕ ጀርመን 82 ሰልፍታት፡ ኣብ ኢትዮጵያ 62 ሰልፍታት ተፈጢረን፡ እቲ ሕቶ ኣብ ምርጫ ክንደይ ሓሊፈን ኢዩ=====2 ክሳብ 3 ጥራሕ። ስለዚ ሰልፍታት በዚሐን ኢልካ ምስካፍ ኣገዳስነት የብሉን።

       ኣብ ናይ ኤርትራውያን ግን ውሒደን ዘበለኒ ምኽንያት ንጹር ዝኾነ መትከላዊ ፍልልይ ዳርጋ የብለንን። እተን ገሊኤን ውድባት ወይ ሰልፍታት ኢለን ንነብሰን ዘጠመቃ ኣብ ምርጫንምውድዳር ዘብቅዕ መትከል የብለንን፡ ምኽንያቱ ስርዓት ኢሳያስ ተኣልዩ ባይቶ ኤርትራ ኣብዝሃ ሰልፍታት ከፍቅድ ከሎ ሰልፊ ንክትከውን ከተማልኦ ዘሎካ መምርሒ ክህሉ ኢዩ፡ ገለ ኣብነታት ንምጥቃስ ኣብ ጀርመን ፓርቲ ክትምስርት ብዝሒ ናይ ኣባላትካ ክሳብ ክንድቲ ወሳኒ ኣይኮነን ግን ካብ ገበን ነጻ ምዃንካን 250 ደገፍቲ ኣብ ኣውስትርያ 2600 ደገፍቲ ኣብ ኢትዮጵያ 1500 ኣባላት ክምዘለውኻ ከተመስክር ኣሎካ፡ ኣብቲ መትከላትካ እውን ነቲ ናይታ ሃገር ቅዋም ዘይጥሕስ ክኸውን ኣለዎ።ኣብ ኩለን ከኣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ካብ ዝቅመጡ ኣባላት ይኹኑ ደገፍቲ ዝብል ሕጊ ኣለወን። ኣብቲ ብህግደፍ ዝወጸ መምርሒ እኳ ሰልፊ ንክትከውን 2/3 ካብ 5 ብሄራት 1/3 ከኣ(6.5…_b.at least 1/3 of them must be followers oft he islamic or christian faiths) ኣስላም ወይ ክርስትያን ዝሓቆፈ 3000 ደገፍቲ ዝፈረሙሉ ዝብል ስግንጢር ኢዩ። በቲ ናይ 1997 ዝወጸ ቅዋም እዘን ኣብ ውጻኢ ዘለዋ ሰልፍታት እንተዝዕቀና ሓንቲኳ ኣይምሓለፈትን፡ ሓድሽ ቅዋም ይፍጠረልና ኢዩ ዘብል።

     ኣብ ወጻኢ ዘለዋ ሰልፍታትናን ውድባትናንከ እንታይ ይመስላ፡ እተን ክብድ ዝበለ ዕላማ ዘለወን ዕልመናውያን ፈደራልያ ውያን መሰል ብሔራት ጸጋማውይን የማንውያን ወዘተ….. ምስ በልና፡ ኣተን ብወገን ብሃይማኖት ብኣውራጃ ዝቆማ ግን ኣብ ውሽጠን ዝተፈላለየ ሰልፋዊ እምነት ዘለዎም ሰባት ዝቆማ ኢየን፡ ካብዚ ተበጊሶም እውን ሲቪክ ኢና ዝበሉ ለባማት እውን ኣይተሳእኑን ። ኣብቲ ብዙሓት ዝመስላ ሓንቲ ሰልፋዊ እምነት ዘለወን ግን ዘገርም ኢዩ፡ ሰውራዊ ባይቶ ቅድም ኣብ ክልተ ተመቅለት፡ ጸኒሐን ከኣ ኣብተን ክልተ ዝነበራ ኣብ 8 ተመቃቀላ፡ ኣብ ካልኦት ውድባት እውን ተመሳሳሊ ምፍንጫላት ተራእዩ ኢዩ፡ ገለ ስም ከይቀየራ ገለ ስም ቀይረን ግን መትከላተን ኣይቀየራን፡ ስለዚ ከምቲ ሓደ ይኾኑ ሰለስተ ይኾኑ ዝተባህለ ሓደ ይኾኑ ሸሞንተ ይኾኑ ኢዩ ነገሩ። ክሰምራ ከለዋ ኸኣ ከምታ ዝተፈናጨልዋ፡ ማለት ብስልጣን ብገንዘብ ብወገን ብኣነነት ደኣምበር ብመትከል ስለ ዘይተፈናጨሉ፡ ኣብ መን መርሐ ስልጣን ይውሃሃቡ፡ ክሳብ ሎሚ ኣብ ዝተራእየ ምፍንጫላት ብመትከል ዘይኮነ ምንባሩ ተመሊስኩም እንታይ ፈንጪልኩም ኢልኩም እንተሓቲትኩም፡ ንሕና ጸጋማውያን ኢና ንሶም የማንዋያን ኢዮም ዝብል የለን፡ ገለ ኣብነታት ንምጥቃስ ኣብ ጎነጽ ኣይኣምኑን ኢዮም፡ ኣብ ባይቶ ምክፋል ኣብዮም፡ ንኢትዮጵያ ኣይንኣቱን ኢና ኢሎም. . . ወዘተ. እቲ ሓቐኛ መልሲ ግን ምስጢር ኢዩ።

     እቲ ጽባሕ ነውጽኦ ቅዋም ሓደ ዓይነት መትከል ዘለኩም ተጠርኒፍኩም ምጹ፡ ኣስማት ኣይኮናን ንቅበል መትከላት እምበር እንተዝብል ኮይኑ፡ እቲ መራጺ እውን እንታይ ኢዩ መትከል ክፈልጥን ክመሃርን ምኸኣለ። አንጂነራት ገዛ ንክሰርሑልካ ዝተወዳደሩ ኩሎም ሓንቲ ዓይነት ቅርጽን ዋጋን እንተኣቅሪቦሙልካስ ንመኖም ኢኻ ክትህባ፡ ስለዚ እተን ኣሎና ትብላ ሕደ ዓይነት መትከል ዘሎክን ሰልፍታት ካብ ጽባሕ ተንጠልጢልክን ከይተመረጽክን ትተርፋ፡ መትከላዊ ስምረት ገርክን ህዝብኽን ክትከስባ ተቃለሳ። ኤርትራዊ ብዙሕ ተመኩሮ ስለ ዘለዎ፡ ብሕጂ ዝወጽእ ቅዋም ነባሪ ፍታሕ ዘምጽእ ንክኸውን፡ ነቶም ኣብ ታሪኽና ዘመስከሩ ለባማትን ምሁራትን ሃገርና እዚ ዕድልዚ ክወሃቦም ኣለዎም።  

   ከምዚ ንከይከውን ኣብ ጊዜ ኪዳን ዝተመስረተሉ ( ናይ ሰልፍታት ቅዋም ካብ ዘይሃለወና) ነዘን ውድባት መዐቀኒ ንግበረለን ተባሂሉ ተፈቲኑ ነይሩ፡ ገለ እውን ክሰርሕሉ ፈቲኖም፡ እቲ ሓቂ ግን ኣብ ፓርላማ ወይ ባይቶ ንክትኣቱ ቅድም ህዝቢ ክመርጸካን ከም ብዝሒ ህዝብኻ ዝተተመንልካ ቁጽሪ ምስ ኣምጻእካ ጥራሕ ኢዩ፡ እቲ ድሒሩ ዝመጸ ኣብ ባይቶ ኣዋሳ ውድብ ኢየ ጥራሕ በል ኣምበር ኣብ ባይቶ ክትኣቱ ምስተባህለ ብሓንሳብ 34 ውድባት በጽሓ፡ ኣይ ብቅዋም ኣይ ብመዐቀኒ ሎቶሪ ኢዩ ነይሩ። ነዚ ዲዩ በዚሐን ዝበሃል ዘሎ፡ ምስኣ ትውሰኻ ኸኣ ኣላ፡ ነንሓድሕድኩም ዘይትሰማምዑ ኢዩ፡ ኣየነይቲ ሰልፊ ኢያሞ ናተይ ትጽናሕ ናትኪ ትበልጽ ትብል፡ ፠፠፠፠፠፠. እወ ርግጽ ሰልፍታት ዝቖም ንክሰማምዓ ዘይኮነ ሰልፈይ ኢዩ ንህዝቢ ዝውክል ኢለን ስልጣን ንምሓዝ ኢዩ። ከም ምሕዝነት ከም ኪዳን ከም ባይቶ ምስተኣከብካ ውድባዊ ውይ ሰልፋዊ እምነትካ ኣብ ደገ ግዲፍካዮ ክትመጽእ፡ ኣብ ናይ ሓባር ሕዝባዊ ሲቪካዊ ጉድያት ክትላዘብ ጥራሕ ኢዩ ዘፍቀድ ፡ እቲ ሓቂ ግን መልክዑ ቀይሩ ናይ ስልጣን ውድድር ፡ ብሕጓ መትከላትካ ከምዝዕወት ምግባር ስለዝነብረ ንክትሰማማዕ ቀሊል ኣይኮነን፡ ኣብ ክንዲ ብውድባት ብነጻ ብዘይ ኣዳላው ክመርሑ ዝኽእሉ ለባማት እንተዝካየድ ምናልባት ምሰርሐ። ከምቲ ቀርነልዮስ ኣብ ባይቶ ኣዋሳ ፠፠መሰል ብሐራታክሳብ ምፍንጫል ሕጂ ክእወጅ ኣለዎ---፠፠፠ ዝበሎ ተቀባልነት ዘይረከበ ሓደ ርኡይ ኣብነት ኢዩ።  

     እቲ ስክፍታ ናይ ብሐራትን ኣውርጃታትን ሃይማኖትን ኣብ ትሕቲ ዲሞክራሲ ዝረጋገጽ ኢዩ፡ እቲ መሰል ካብ ናይ ውልቀሰብ መሰል ጀሚሩ ነቲ ካልእ መሰላት ዝተፈላለየ ኣገባባት ገርካ እንዳፈተንካ ዝፍታሕ ኢዩ፡ ኣብዚ ዝተመርኮሰ ከኣ ኣብ ዝተፈልላያ ሃገራት ብዙሕ ኣብነታት ስለ ዘሎ ሽግር ኣይኮነን፡ እተን ሰልፍታት ከኣ ዝተፈላላየ ፍታሕ ኣቅሪበን ኣለዋ። ኣብ ሓንቲ ብሐር ወይ ኣውራጃ ወይ ሃይማኖት ዘለዉ ሰባት ዝተፈላላየ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስብ ስለ ዘለዎም ኣብ ሓደ ፖለቲካዊ እምነት ከተሰልፎም ስለዘይከኣል ኢዩ፡ ከም ሃገር ኮይኖም ክፍንጨሉ እንተዘይኮይኖም፡ ንኤርትራን ህዝባን ክቃለሱ ግን ዘይሕሰብ ኢዩ።

       ነቶም እንታይ ዝኾና ውድባትን ሰልፍታትን ዝብሉ ኸኣ መልሱ ሓጺር ኢዩ፡ ኩሎም ፈላስፋታት ዝሰማምዑሉ ኣብዚ ዘለናዮ ዘበን ብፓርላመንት ኣገባብ ክትመሓደር ብዘይ ሰልፍታት ዘይሕሰብ ኢዩ ይብሉ። ስለዚ እቶም ኣብ ሰልፍታት ክኣትዉ ዘይደልዩ ፡ ናይ ጽባሕ መረጽቲ ክኾኑ ምእንቲ ኣየነይቲ ሰልፊ ኢያ ንድልየቶም ተማልእ መትከላት ከጽንዑ ክሸባሸቡ ኣለዎም። መን ኢያ መሰል ደቂ ኣንስትዮ፡ መሰል መንእሰይ፡ መሰል ብሐራት፡ መሰል ሓረስቶት ሰራሕተኛ ሽማግለ ትሕሉ፡ መን ኢያ መሬት ናይ ሕዝቢ ታኣምን መንከ ናይ መንግስቲ…………..ወዘተ ፡ እወ ርግጽ ነዘን መሰላት ንምሕላው ኢዩ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ብህዝባውያን ማሕበራት ዝበሃል፡ ስለዚ ንመሰልካ ክትብል ተጠርነፍ። ኣብ ምሉእ ዓለም ንህዝቢ ዝሓቶ መሰላት ምሉእ ብምሉእ ዘማልኤት ሰልፊ ግን ክሳብ ሕጂ የላን ምስ ብዙሕ ዓቅምታት ዝተኣሳሰረ ስለ ዝኾነ።

ህዝቢ ክዕወት ኢዩ

ተስፋይ ባይረ   April 2018

Last modified on Sunday, 29 April 2018 23:51