ሓውኻ ኣይበድልካ!

2018-05-04 20:26:46 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2089 times

ወዲ ሰብ ካብ ግዜ ህጻንነቱ ጀሚሩ እዩ ኩነታት ስድራቤቱን ከባቢኡን ክፈልጥን ክመሃርን ዝኽእል። ካብዚ ነቒሉ ብዕድመ እናደፍአ ኣብ ዝኸድሉ እዋን ከኣ ካብቲ ግዜ ንእስነቱ ኣትሒዙ ምስቲ ማሕበራዊ መስርሓት ይኹን ወይ ትምህርቲ ዝረኽቦ ተመክሮ ኣብ ኣተዓባብያኡን፥ ኣተሓሳስባኡን እንተስ ብኣውንታ ወይ ብኣሉታ ክጽሎ ምዃኑ ዘይተርፍ እዩ። ካብዚ ብምንቃል ፍትሓዊነትን ቅንዕናን እትኣምን ሓንቲ ስድራቤት፥ ብመንጽር ለይትን መዓልትን እትቆያቑን እትበኣስን ስድራ ቤት ዝወለድ ቆልዓ እንታይ ዓይነት ባህርያት ከም ዝህልዋ ክንግንዘብ ንኽእል ኢና። ልክዕ እዩ ወዲ ሰብ ንዓቕሚ ኣዳምን ህይዋንን ምስ በጸሐ መኻይዱ እንተዘየነጸረ፡ ወይ ኣብ ደልሃመት ወይ እውን ኣብ ስልጣኔ ገጹ ክኸይድ ምዃኑ ዘካሕድ ኣይኮነን። ከምቲ”መን ምዃንካ ክነግረካስ ምስ መን ከም እትኸይድ ንገረኒ” ዝበሃል ኢዩ ነግሩ::

ቀዳሞት ወለድና ብፋላይ ንጓለንስተይቲ ዝምልከቱ ብርክት ዝበሉ ሕግታት ኣመዝጊቦም ኢዮም። ሓደ ካብኡ ንጓልንስተይቲ ብዝኾነ ይኹን ናይ ዓመጽ ኢድ ከየንብረላ ዝብል ሕጊ ነይሩ። “ስለምንታይ እዮም ወለድና ከምኡ ሓጊጎም?” ዝብል ሕቶ ክለዓል ናይ ግድን እዩ። እቲ መልሲ ጓለንስተይቲ ብፍጥረታ ድኽምቲ እያ። እዚ ማለት ብሓንጎል ዘይኮነስ ብኣካል ማዕረ ወዲ ተባዕታይ ሓይሊ የብላን ካብ ዝብል ብሂል እዩ ዝነቅል። ስለዚ እቲ ሓይላን ዝከላኸለላን ሕጊ እዩ ዝብል መልእኽቲ ንምትሕልላፍ እዩ።

ሎሚ ኤርትራውያን ናብራ መሪሩናን ፖለቲካዊ ቅሳነት ብምስኣናን፥ መሰላትና’ውን ብምግፋፉ፥ ናእሽቱናን ዓበይትናን ሃገርናን ህዝብናን ጠንጢና ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ብምስዳድና ነቲ በቦታትና ዘጽንሐ ሕጊ እናጠሓስና ንኸይድ ኣሎና። ንክብረት ጓለንስተይቲ እውን ኣብ ግምት ንእቱ የለናን። ስለዚ ኣካላዊ ይኹን ዘለና ኤርትራውያን በደል ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊት ሓብትና ምፍጻም ቅኑዕ ወይ ቅቡል ኣይኮነን። ሎሚ ኣብ ስደት ብምህላውና እቲ ሕጊ ዓድና እንተዘይኣኽበና፥ ጽባሕ ዓድና ርህይዋ፡ ቅዋማ ኣጽዲቓ ስርዓታ ምስ መስረተት ግና ወይልኡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ በደል ይኹን ጉድኣት ወይ ዝኾነ በደል ዝፈጸመን መሰላ ዝገሃሰን።

ኣብ ስደት ኣብ ዓዲ ጓና ኰይንና ንደቂ ኣንስትዮ ኣሕትና ክንብድል ቅኑዕ ስነምግባር ኣይኮነን። ንጓለ ንስተይቲ ዝውጽዕ ወይ ዝብድል ወይ’ውን ኣካላዊ ማህሰይቲ ዘውርድ ስልጡን ዘይኮነስ ኣዝዩ ናይ ክፍለዝመና ንድሒሪት ከምዘሎ እዩ ዝእምት። እዚ ኣብ ስደት ዝፍጸም በደል ዝኸበርኩም ኤርትራውያን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ እትፍጽምዎ ዘሎኹም ግፍዒ ናይ ብሓቂ ጸረ-ምዕብልናን ስልጣነን ምዃኑ ክትግንዘቡ ይግበኣኩም።

ኣብ ኤውሮጳ፥ ኣመሪካ፥ እስራኤል፥ ዩጋንዳ፥ ደቡብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኮታ ኣብ ኩሉ ክፍለ ዓለማት ዝርከቡ ኤርትራውያን ደቂ ተባዕትዮ ክሳ ክንደይ ኢዮም ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ኣኽብሮት፥ ምሕብሓብን፥ ምትሕግጋዝ ጠባይ ዘለዎም። ክንደይከ እዮም ፍትወት ነፍሲ ኣጥቂዕዎም፥ ነታ ሓወይ፥ ረደኣየይ፥ ከዋንየይ ኢኻ ኢላ ብእምነት ዝተጸገዓቶም ኤርትራዊት ዘጨንቕዋ፥ ገንዛባ ክዘምቱን፥ ካብኣ ወሊዶም ዝኽሕዱን። ወረ ክሳብ መቕተልቲ ዝበጽሑስ ናይ ብሓቂዶ ሕልና፡ ፈሪሃ እግዚኣብሄርን ሕግን ኣሎዎም ድዩ ዘብል እዩ።

ዝተቖጠዐን ተስፋ ዝቖረጸን በዓል ሓዳር ብፍላይ ብተባዕታዊ ጸብለልትነት ዝተጠቕዐ እንተ ኮይኑ ጎዳእን ጭካኔ ዝመልኦ ሕልና ዝውንን ክኸውን ስለዝኽእል፡ እታ ሕያወይቲ ጓለንስተይቲ ብእምነት ዝቐረበቶ የዋህ ጓለንስተይቲ ክመጻ ዝኽእል ሳዕቤን ስለዘይትፈልጥ ክትጥቃዕ ምዃና’ኳ እንተተረደአት ክተምልጠሉ ዘይትኽእል ኩነት የጋጥማ ከምዘሎ ናይ ኣደባብይ ምስጢር እዩ። እዚ ከኣ ነቲ ኣብ መጀመርያ ዝነበረ ጽቡቕን ምውቕን ፍሽኽታን ሓልዮትን ዝመልኦ ዝምድና ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ ሃንደበት ናብ ምብራዝ ገጹ ይድይብ። ኣብ መንጎ ጓለንስተይትን ወዲተባዕታይን ዝነበረ ፍቕሪ ድሮ ኣብ ምህሳስ ይበጽሕ እሞ እቲ ኣጆኺ ክብላ ዝግባኦ ሓዋ ናብ ክፍኣትን ተንኮልን ገጹ ይጓዓዝ። እዚ ከኣ ፍትሓውን ርትዓውን ካብ ምዃን ወጺኡ ስሰዐ፥ ፍትወት ነፍሲ፥ ሕማቕ ልምድን ባህልን ምዝውታር ዝወልዶ እዩ። ብፍላይ ድማ በቲ “ንጓል ኣንስተይቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽርካ ዘይተእቱ እንተዀንካ ልኡኽ ሰበይ ኢኻቲ” ዝበሃል ኣጉል ፍልስፍና ዝግዛእ፡ መወዳኣትኡ ናብ ሓደጋ እዩ ዘቃልዕ። ስለዚ ኣማን ብኣማን ሓውካ ኣይበድልካ እዩ’ሞ ሓውካ ኣይበድልካ እዩ ነገሩ።

Last modified on Friday, 04 May 2018 22:32