ኣምኒስት ኢንተርናሽናል ቱርኪ ኤርትራውያን ኣገዲዳ ከይትሰጉግ ተማሕጺኑ

2024-09-08 18:51:09 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 238 times

ኣምኒስት ኢንተርናሽናል ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ኣብ ቱርክ ኣዲን ኣብ ዝተባህለ ቦታ ተዳጒኖም ከም ዘለዉን ናብ ኤርትራ ተገዲዶም ኣብ ናይ ምምላስ ሓደጋ ከም ዝወደቑን ሓቢሩ። እቲ ጸብጻብ ኣምንስቲ ከም ዝገለጾ ቅድሚ ሕጂ ብተመሳሳሊ ኩነታት ናብ ኤርትራ ዝተመልሱ ብኣማኢት ዝቑጸሩ መንእሰያት ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዓዲ ኣብየቶ ኣብ ዝበሃል ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ከም ዘለዉ ሓቢሩ። እዞም ጌና ኣብ ቱርክ ተታሒዞም ዘለዉ ብዘይድሌቶም እንተተሰጒጎም እውን ኣብ ትሕቲ ጨካን ስርዓት ኤርትራ ኣደዳ ማእሰርቲ፡ ስቓይን ካልእ ሰብኣዊ ግህሰትን ከም ዝኾኑ ዘለዎ ስግኣት ገሊጹ።

እቲ ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ትካል፡ መንግስቲ ቱርኪ ንኩነታት እቶም ኤርትራውያን ኣብ ግምት ኣእትዩ ኣገዲድካ ናይ ምስጓጎም መደቡ ኣቃሪጹ ብመሰረት’ቲ ብ1951 ዝፈረሞ ንኣተሓሕዛ ስደተኛታት ዝምልከት ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕጊ ነዞም ኤርትራውያን መሰል  ዕቑባኦም ከኽብረሎም ጸዊዑ።

ኣምንስቲ እቶም ግዳያት ንቐረቦም ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ከም ዝሓበርዎ፡ ንክስጎጉ ተዳለዉ ከም ዝተባህሉን ናይ መግቢ፡ ሕክምና፡ ክዳንን ካልእ መሰረታዊ ቀረባትን ጸገም ከም ዘለዎም ምሕባሮም ጠቒሱ፡ ብዛዕባቲ ዝተወሰኖም ኣገዲድካ ናብ ኤርትራ ምምላሶም  ነብሶም ናይ ምክልኻልን ሓሳቦም ናይ ምግላጽን መሰል ከም ዝተነፍጎም ገሊጹ።

ቅድሚ ሕጂ’ውን ካብ ማልታ፡ ግብጺ፡ ሊብያ፡ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራትን ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓይሊ ናብ ሃገሮም ከምዝተጠረዙ ዝዝከር ኮይኑ፡  ምስ ተመለሱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝዳጎኑ ዝዝከር እዩ።

ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ ሓንቲ ካብተን ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ቅድሚት ካብ ዝስርዓ ሃገራት ከምዝኾነት ይፍለጥ። በዚ መሰረት ኣብ ኤርትራ ብዘይክስን ብዘይፍርድን ዓመታት ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት፡ ፖለቲከኛታት፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ካለኦት ዜጋታትን ሃለዋቶም ከምዘይፍለጥ ኣምንስት ኢንተርናሽናልን ካለኦት ሰብኣዊ ትካላት ብተደጋጋሚ ከቃልዑ ከም ዝጸንሑ ዝፍለጥ’ዩ።

Last modified on Sunday, 08 September 2024 21:00