መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ በረራኡ ናብ ኣስመራ ኣቐዲሙ ኣቋሪጹ

2024-09-03 08:57:57 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 227 times

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ 3 መስከረም 2024 ጀሚሩ፡ ንዝሓለፉ 6 ዓመታት ናብ ኤርትራ ከካይዶ ዝጸንሐ ናብን ካብን በረራ ከም ዝቋርጸ ምግላጹ ማዕከን ዜና ኣዲስ ስታንዳርድ ኣፍሊጣ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደ፡ ካብቲ ሲቪል ኣቬሽን ኤርትራ ብ24 ሓምለ 2024 ብዘሃቦ መግለጺ መንዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብን ናብን ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን በረርኡ ኣብ መወዳእታ መስከረም  ንከቋርጽ ዝሃቦ ናይ ግዜ ገደብ ሓደ ወርሒ ኣቐዲሙ እዩ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ክሳብ 30 መስከረም 2024 በረራ ክቕጽልዩ ብዝብል፡ ትኬት ገዚኦም ንዝጸንሑ ገያሾ ብዘይተወሳኺ ክፍሊት ናብ ካልእ መንገዲ ኣየር ከም ዘሰጋግሮም ጠቒሱ፡ ኣብቲ መስርሕ ንዘጋጥም ናይ መሰጋገሪ ቪዛ (ትራንዚት ቪዛ)ን ካልእ ወጻኢታትን ግና ከምዘይምልከቶ ከም ዝሓበረ እውን ተፈሊጡ። ምርጨኦም እንተኾይኑ ግና ንዝኾነ ንትኬት ዝኸፈልዎ ገንዘብ ክምልሰሎም ቅሩብ ምዃኑ እውን ኣዲስ ስታንዳርድ ኣስፊራ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዛዕባ ምኽንያት ምቁራጹ ኣብ ወግዓዊ መርበቡ ኣብ ዘስፈሮ፡ ኣብ ኤርትራ ከጋጥሞ ዝጸንሐ ጸገማትን ዕንቅፋታትን ክጸሮ ከም ዘይከኣለ ኣስፊሩ።  እዚ ከምዚሉ እንከሎ እቲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነቲ ኣቐዲሙ ብናይ ኤርትራ ሲቪል ኣቪየሽን ዘይምኽኑይ ዋጋ ትኬት ብምስላዕ፡ ገያሾ ብምንግልታዕን ንብረት ኣጥፊእካ ካሕሳ ዘይምኽፋልን ብዝብል ዝኸሰሶ ክቃወሞ ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ እዩ።

ናይዚ ስጉምቲ ቀንዲ መንቀሊ ኣብ መንጎ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን እናሓደረ ክሕርፍፍ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ዝምድና ምዃኑ ናይ ብዙሓት ተዓዘብቲ እምነትዩ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ምስቲ ኣንጻር ኢትዮጵያ ዝፍጠር ዘሎ ምሕዝነት ኤርትራ፡ ግብጽን ሶማሊያን፡ ሰለስቲአን ጐረባብቲ ሃገራት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብክልል ኣየረ ምብራር ከይከልአኦ ስግኣት ኣሎ።

Last modified on Tuesday, 03 September 2024 11:11