ግብጺ ኣንጻር ኢትዮጵያ ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጥርዓን ኣቕሪባ

2024-09-02 19:25:35 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 173 times

ዓብይ ህዳሰ ሓጽቢ ኢትዮጵያ (ካብ መድያታት ኢትዮጵያ)

ግብጺ ኣንጻር ኢትዮጵያ ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጥርዓን ኣቕሪባ። ኣብቲ ዘቕረበቶ ጥርዓን፡ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ግድብ ኣባይ ትወስዶ ዘለና ስጉምቲ ዞናዊ ሓደጋ ዝፈጥርን ኢደ-ወነናውን ምዃኑ ብምጥቃስ ንክትሓስበሉ ጸዊዓ።

ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ግብጺ ባድር ኣብደላቲ ብ31 ነሃሰ 2024 ናብ ፕረሲደንት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ኣብ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀረባ ግዜ 5ይ ዙር ምምላእ ማይ ሓጽቢ ኣባይ ክንቅጽል ኢና ንዝበልዎ “ዘይሓላፍነታዊ መግለጺ” ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ግብጺ ከም እትኹንኖ ኣስፊሮም። ኣተሓሒዞም ድማ ተግባር ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣብይ ኣሕመድ፡ ንስምምዕ ሱዳን፡ ግብጽን ኢትዮጵያን ከምኡ ድማ ነቲ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ብ2021 ዝሃቦ መግለጺ ዝጻረር እዩ ኢለምዎ።

እቲ ናይ ጥርዓን ደብዳበ ኣተሓሒዙ፡ ተግባር ኢትዮጵያ ንኣድላይነት ዞባዊ ጸጥታን ምትሕብባርን ግምት ከም ዘይህብ ኣፍሊጦም። እቲ ኣብ መጻኢ ታሕሳስ 2024 ህንጻኡ ክዛዘም ትጽቢት ዝግበረሉ ዓብይ ህዳሰ ሓጽቢ ክሳብ ሎሚ 62.5 ቢልዮንን ኩቢክ ማይ ሒዙ ዘሎ ክኸውን እንከሉ፡ ነዚ ዓቐን  ክሳብ  መጻኢ ታሕሳስ ካብ 70 ክሳብ 71 ቢልዮን ኩቢክ ናይ ምብጽሑ መደብ ከም ዘሎ ጠቒሱ። እቲ ዝለዓለ ዓቕሚ ናይቲ ሓጽቢ ድማ 74 ቢልዮን ኩቢክ ምዃኑ ኣብቲ ደብዳበ ሰፊሩ። ግብጽን ኢትዮጵያን ካብ ቅድም ጀሚረን ኣብ መስርሕ ምምላእ ማይን ምምሕዳር ናይቲ ሓጽብን ግደ ንክህልወን ዘኽእል ቀያድን ናይ መወዳእታን ስምምዕ  ክህልው እየን ዝደልያ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኢትዮጵያን ግብጽን ኣብ ጉዳይ ሶማሊያ ኣብ ዝለዓለ ምፍጣጥ ይርከባ። ኢትዮጵያ ብዛዕባ ወደብን ምህናጽ መደበር ሓይሊ ባሕርን፡ ምስ ሶማሊላንድ ብባሕቲ ትሪ 2024 መሰማምዒ ሰነድ ምስ ፈረመት ሶማሊያ መቃድሾ፡  ልኡላውነተይ ደፊራ ብዝብል ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝለዓልለ ወጥሪ እየን ዘለዋ። ግብጺ ድማ ነዚ መዝሚዛ ምስ ሶማሊያ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ናይ ምትሕግጋዝ ስምምዕ ብምፍራም፡ ድሮ ወተሃደራትን ኣጽዋርን ናብ ሶማሊያ  ተእትው ከም ዘላ ይንገር ኣሎ።

ሶማሊያ ብወገና ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣካል’ቲ ኣብ ሃገራ ዝዋፈር ናይ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ዓቃብ ሰላም ክኸውን ከምዘይትደሊ ብተደጋጋሚ ገሊጻስ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ካብ ሶማሊያ ይወጹ ኣለዉ። ስለዚ ግብጺ ከም መቐጸልታ ናይቲ ምስ ኢትዮጵያ ብጉዳይ ሓጽቢ ኣባይ ዝጸንሓ ፍልልይ ብውሕዱ ኣንጻር ኢትዮጵያ ኣብ ኢድ ኣዙር ውግእ ከይትኣቱ ይስጋእ ኣሎ። ዋላኳ ብዙሕ እንተዘይተዝርበሉ ጉጅለ ኢስያስ እውን ወገን ሶማልን ግብጽን እዩ።

Last modified on Monday, 02 September 2024 21:35