ደቂ ኣንስትዮ ሱዳን እገዳ ኣጽዋር ክትግበር ጸዊዐን

2024-09-10 18:51:09 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 107 times

ፕረሲደንት ትካል ሓለዋ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ሱዳን፡ ሃዲያ ሓሰበላ

ነጠፍቲ activists ሱዳናውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ሃገረን ብህጹጽ ተኹሲ ጠጠው ክብል፡ ሰብኣዊ ቀረብ ክማላእን ምሉእ እገዳ ኣጽዋር ብምትግባር፡ ውሕስነት ብዘለዎ ወግእ ክቋረጽን ከም ዝጸወዓ ማዕከን ዜና “ሱዳንስ ትሪቡን” ኣፍሊጣ።

ሃዲያ ሓሰበላ ዝተባህለት ፕረሲደንት ትካል ሓለዋ ደቂ ኣንስትዮ ሱዳን፡ ኣብ ከተማ ካምፓላ ኡጋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ኣብ ዘስመዓቶ መደረ፡ ንምቁራጽ ተኹስን ረዲአት ዝቐርበሉ ኣፍደገ ምኽፋትን እዋናዊ ቀዳምነት ዝወሃቦ እዋናዊ ኣጀንዳ እዩ ክትብል ገሊጻ። ኣተሓሒዛ ድማ ንተሳተፍቲ ኣብዚ እዋንዚ “ኣብ መላእ ሱዳን ቀረብ ኣጽዋር ክቋረጽ፡ ሓለዋ ሲቪል ሕበረተሰብ ክግበርን ሰብኣዊ ቀረብ ብስሩዕ ክቕጽልን ክንሰማማዕ ይግበኣና” ከም ዝበለት እቲ ዜና ጠቒሱ።

ሃዲያ ሓሰበላ ኣተሓሒዛ፡ ንግዝያዊ ሰላም ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንቐጻሊ ዘተኣማምን ሰላምን ንሰውራ ታሕሳስ ናብ ንቡር ንምምላስን ክንሰርሕ ይግበኣና ከም ዝበለት እውን ተሓቢሩ። ኣብ ርእሲኡ ኣካላት ሃገራዊ ሰልፊ ጉባአ ሱዳን ካብ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ መስርሕ ሰላም ከም ዝግለሉ ክንገብር ኣለና ድሕሪ ምባል፡ ደቂ ኣንስትዮ ሱዳን ኣንጻርቲ ሲቪል ሕብረተሰብ ንምክፍፋል ዝግበር ምንቅስቓስ ንክስለፋ ጸዊዓ።

ናይዚ ኣብ ካምፕላ ዋዕላ ዘካየደ ደቂ ኣንስትዮ ሱዳን ዝሓቖፈ ትካል ምክትል ፕረሲደንት ቡታይና ዲናር ብወገና፡ እዚ ኣብ ሱዳን ዝተፈጥረ ውግእ መብጸዓታት ሰውራ ታሕሳስ ንምምላእ ዕድል ዝኸፍት ክኸውን  እዩ ኢላ፡ ግደ ሱዳናውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዘጉልሕ ኣጀንዳ ንክዓስላ ጸዊዓ።

Last modified on Tuesday, 10 September 2024 20:57