ክሳብ ንሞት ተፈሪዶም ዝነበሩ ዝርከብዎም ተጋሩ ወተሃደራት ነበር ተፈቲሖም

2024-09-10 19:30:47 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 106 times

ሚኒስትሪ ሃገራዊ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ኣብ ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ክሳብ ሞት ተፈሪዶም ዝነበሩ ዝርከብዎም 178 ተጋሩ  ቅድም ወተሃደራት ኢትዮጵያ ዝነበሩ፡ ብ10 መስከረም 2024 ብናጻ ከም ዝተፈትሑ ተሓቢሩ። ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ እዚ ብናጻ ናይ ምፍታሕ ስጉምቲ ዝተወሰነ፡ እቶም ግዳያት ብዘቕረብዎ ናይ ምሕረት ሕቶ መሰረት እዩ። እቲ ብኣዋጅ ቁጽሪ 840/2006 ዓንቀጽ 3 ዝቖመ ናይ ምሕረት ቦርድ በቲ ዘቕረብዎ ሕቶ መሰረት ዝሓደሮም ጣዕሳ ኣብ ግምት ብምእታው ከም ዝወሰነ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

እዞም ብናይ ደቡብ ኢትዮጵያ ሓይሊ ዕማም ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ፡ ክሳብ ሞትን ናይ ነዊሕ ዓመታት ማእሰርትን ዝተፈርዱ ኣብቲ ውግእ ዝተጀመረሉ ምስ ህዝባዊ ወያኒ ሓርነት ትግራይ ዝምድና ፈጢሮም ብዝብል ብክድዓት ሃገር ስለ ዝተኸሱ ምንባሩ ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ። እዞም ሎሚ ዝተፈትሑ ኣካል እቶም ንሓጺር ግዜ ተኣሲሮም ዝተፈትሑ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ተጋሩ ወተሃደራት ምዃኑ ተጠቒሱ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2022 ጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስት፡ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ሚራብ ኣባያ ኣብ ዝተባህለ ቤት ማእሰርቲ ኣስታት 83 እሱራት ወተሃደራት ተጋሩ ዝነበሩ ብግፍዒ በቶም ዝሕልዉዎም ዝነበሩ ከም ዝተቐትሉ ጽሒፉ ከም ዝነበራ ኣብዚ ምፍታሕ 178 ወተሃደራት ዝሓበረ ጸብጻብ ተመልኪቱ።

በቲ ዝቐረበ ጸብጻብ መሰረት፡ ናይዞም ኣብ ሓደጋ ወዲቖም ዝነበሩ 178 ወተሃደራትን ናይ ካለኦት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ምሩኻት ውግእ ምፍታሕ ኣካል ናይቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2022 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዝተበጽሐ ውዕል ምቑራጽ ተጻብኦ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ። እቲ ሚኒስትሪ ናይዞም ተፈሪዶም ዝነበሩ ምፍታሕ ኣካልቲ ውዕል ፕሪቶርያ ንድሕሪት ከይምለስ ዝውሰድ ስጉምቲ እዩ ኢልዎ።

Last modified on Tuesday, 10 September 2024 21:37