ህወሓት ምስ ህግደፍ ከም ዝተራኸበ ተኣሚኑ

2024-09-12 13:05:57 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 367 times

ኣብ ሓያል ምትህልላኽ ኣትዮም ዘለዉ፡ ጌታቸው ረዳን ደብረጼን ገ/ሚካኤልን

ኣቦ መንበር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፡ ዶር ደብረጼን ገብረሚካኤል ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ፈጻሚ ኮሚተ ናይቲ ውድብ ብዝወሰኖ መሰረት፡ ምስ ህግደፍ ብምስጢር ክራኸቡ ከም ዝጸንሑ ተኣሚኑ። ንሱ ነዚ ዝግለጸ ከም ውጽኢት ናይቲ ኣብቲ ውድብ ተፈጢሩ ዘሎ ምክፍፋል፡ ኣቦመንበር ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ምክትል ኣቦመንበር ህወሓትን ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ “እቲ ብደብረጼን ዝምራሕ ወገን ኢደ-ወነናዊ ጉባአ ዘካየደ ብድሕሪት ዝኣምኖ ሓይሊ ስለ ዘለዎ እዩ” ንዝበሎ መልሲ ንምሃብ ብዝዓለመ እዩ።

ከም መግለጺ ዶር ደብረጼን ነቲ ርክብ ብፈጻሚ ኮሚተ ተመዚዙ ዘካየዶ ኣቶ ጌታቸው ምዃኑ ጠቒሱ፡ ነቲ ርክብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ እውን ከም ዝፈልጦ ሓቢሩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ “ዛራ መድያ ኔትዎርክ”  ትካል ዩቱብ፡ “ካብ ምንጭታተይ ዝረኸብኩዎ ሓበሬታ” ብዝብል እቲ ቀዳማይ ርክብ ኣብ ዱባይ ኣብ መንጎ ጌታቸው ረዳን የማነ ገብረኣብን ከም ዝተኻየደ ጠቒሳ፡ ደሓር ግና ብወገን ጌታቸው ኣብ ሃዘሞ ዳግማይ ምርኻብ ክቕበል እንከሎ፡ ህግደፍ ግና ኣብ ምጽዋዕ ንራኸብ ስለ ዝበለት ምርድዳእ ስኢኖም ከም ዝተቋረጸ ሓቢራ። እንተኾነ እቲ ርክብ ብመንገዲ ጌታቸው ምዃኑ ተረፊ ካልእ ሰብ ብምትካእ ከም ዝቐጸለ ዝሕብሩ ወገናት ኣለዉ።

ተዓዘብቲ ከም ዝብልዎ፡ ነቲ ርክብ ብዝምልከት ኣብ መንጎ’ተን ብዶር ደብረጼን ገ/ሚካኤልን ብጌታቸው ረዳን ዝምራሓ ጉጅለታት ህወሓት ምክሕሓድ ዝፍጠር ዘሎ፡ ኣብ ዕላማ ናይቲ ርክብ ስለ ዝተፈላለዩ እዮም  ዝብል ግምት ኣለዎም።

እዚ ኣብ ህወሓት ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ነቲ ቀጻሊ ሰላም ከስፍን ተስፋ ተነቢርሉ ዝጸንሐ ሎሚ ግና ኣብ ፖለቲከኛታት ትግራይ ዘሰሓሕብ ዘሎ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦ ፕሪቶርያ ንድሕሪት ከይመልሶ ስግኣት ኣሎ።

Last modified on Thursday, 12 September 2024 15:19