ቅልዕቲ መልእኽቲ ንክቡር ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር. ኣብይ ኣሕመድ
Thursday, 18 October 2018 09:31 Written by ዓንደጽዮን ግርማይዝኸበርኩም ዶር. ኣብይ ኣሕመድ
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ
ኣቐዲመ በቲ ኣብ ኣዋሳ ዝተኻየደ መበል 11 ጉባአ ኢ.ህ.ኣ.ደ.ግ ብምሉእ ድምጺ ጉባኤኛታት ክትምረጹ ምብቃዕኩም እንቋዕ ደስ በለኩም ክብል ኣፍቅዱለይ።
እዚ ዝረኸብኩሞ ልዑል እምነት መረጽቲ፡ ውጽኢት ናይቲ ኣብ ስልጣን ካብ እትመጹ 4 ወርሒ ኣብ ዘይመልእ እዋን ዝወሰድኩሙዎ ፍትሓውን ሰላማውን ተበግሶ፣ ንህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብፍላይ፡ ንህዝቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ድማ ብሓፈሻ፡ ናይ ሰላምን ራህዋን ተስፋ ዝህብ ስራሕ ምዃኑ ኩሉ ዝርድኦ ሓቂ'ዩ።
ስለ ዝኾነ፡ ነቶም ነዚ ተረዲኦም ብከምዚ ዝኣመሰለ ዘደንቕ እምነት ዝመረጹኹም ወከልቲ ህዝቢ ጉባአኛታት፡ ነቲ ተበጊስኩሙሉ ዘለኹም ቅኑዕ ህዝባውን ሃገራውን ዞናውንዕላማ፡ ዝለዓለን ነባርን ዘይዕጸፍ ሰላምን ራህዋን፡ ኣብ ምዕራፍ ከተብጽሑዎ ብምእማን ስለ ዝኾነ፡ ንዓኹም ፍጹም ዓወትን ኣሳልጦን ንመረጽትኹም ድማ ክብርን መጎስን ከቕርብ ሓጐስ እስምዓኒ።
ዝኸበርኩም ዶክ. ኣብይ
ኣብ ስልጣን ምስ መጻእኩም ብኡንብኡ ግዜ ከይወሰድኩም፡ ነቲ ክልቲኦም ቅርሕንተኛታት መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘካየድዎ ትርጉም ኣልቦን ክቡር ህይወት ዓሰርተታት ኣሽሓት ዜጋታት ክልቲኡ ኣህዛብ ዝበልዐን ኲናት ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ድሕሪ ውዕል ኣልጀርስ'ውን ንከየብቅዕ ስልጣኖም ንምንዋሕን ስቓይን መከራን ክልቲኡ ህዝብታት ክነውሕ ተሓቢኦሙሉ ዝነበሩ ዕርዲ ብምስባርኩም ዓብዪ ታሪኻዊ ሓላፍነት እዩ። እዚ ኣብ ልዕሊ ክልቲኡ ኣህዛብ ተንጠልጢሉ ዝነበረ ሓደጋ ሰርቢ ዝቐንጠጠን፡ ሓድሽ ናይ ተስፋ ህይወት ዝሰዅዐን ስለ ዝኾነ፡ ምሉእ ደላይ ሰላምን ራህዋን ህዝብታት ክልቲኡ ሃገራት ብፍላይ፡ ህዝቢ ዓለም ድማ ብሓፈሻ ዝተቐበሎን ዘድነቖን ስለ ዝኾነ፡ ክብርን መጐስን ንዓኹም ይኹን።
ዝኸበርኩም ዶር. ኣብይ
መስርሕ ሰላም ንዓና ንግዳያት ሕሰም ህዝብታት ክልቲኡ ሃገራት፡ መተካእታ ዘየብሉ መድሃኒት'ዩ ምባል ንኣድላይነቱ ዝገልጽ እመስለኒ። ምኽንያቱ ኣብ ሃገርና ኣኺሉ ዝተርፍ ጸጋን፡ ነዚ ኣብ ምፍራይ ክሰርሕን ክሃንጽን ዝኽእል ዓቕሚ እናሃለወና፡ ሰላም ስለ ዘይተረኽበ፡ ኣብ ዘይምኽኑይ ዶባት ምሕላው 20 ዓመታትን ኣሽሓት ኣፍረይቲ መንእሰያትን ከሲርና። ሎሚ እዚ ዝነፍስ ዘሎ ድምጺ ሰላም ብግቡእ እንተተተግቢሩ፡ ነቲ ዝሓለፈ ክንጸባጸብን ክንከሓሓስን ስለ ዘኽእለና፡ ንዓመታት ዝተጸበናዮ ውጽኢት ተጻዋርነት ክልቲኡ ህዝብታት ስለ ዝኾነ፡ ንዓና ሕልፍን ትርፍን'ዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ'ዩ ከኣ ክልቲኡ ህዝብታት ድምጺ ሰላም ምስ ሰምዐን ዶባት ምስ ተኸፍተን ወሰን ዘየብሉ ሓጎስን ዕልልታን ከስምዕ ዝቐነየን ዘሎን። ይኹን'ምበር ሰላም ክትነግስን ደላይ ሰላም ክሳፍሓላን ነባሪት ክትከውን፡ ጠንቂ ዘይሰላም ነቒስካ ምውጻእ እጽንሓለይ ዘይብሃሎ ጉዳይ ስለ ዝኾነ፡ ብክልቲኡ ወገናት ዝግበር መስርሕ ሰላም፡ ሕጋዊ ውክልና ህዝብን ተሳትፍኡን፡ ተሓታትነት ዘለዎም ስርዓታትን፡ ዝተጸንዐን ግሉጽነት ዘለዎን ኣካይዳ ክኸውን ምስ ዝኽእል ጥራሕ'ዩ። እዚ ገደብ ዘይብሉ፡ መጽናዕቲ ዝጐደሎ፡ ተቐባልነት ዘይብሉን ዘይግሉጽን፡ ምስ ገበነኛ ኢሳያስ ኣፈወቂ ዝግበር ዘሎ በይናዊ ውዕላትን ፌርማታትን ክልተ መራሕቲ ግን፡ ነዊሕ ከይከደ ዝዅርመሽ እምበር፡ ነባሪ ሰላም ዘረጋግጽ ኣይኮነን።
ዝኸበርኩም ዶክ. ኣብይ
ህዝቢ ኤርትራ ብከመይ ዝኣመሰለ ጨቋኒ ስርዓት ይደሃኽን ሰብኣዊ መሰሉ ተገፊፉ ይሳቐ ምህላዉን ከም እትፈልጡ ኣይጠራጠርን'የ። ኣብ ትሕቲ ቅዋም ዘየብላን ውልቀ-መላኺ ከም ድላዩ ዝጠላዓላን ዝነብር ህዝቢ፡ ንሱ ብዘይወከሎን ብገበን ዝኽሰስን ኣካል፡ ንህዝብን ሃገርን ቀጻሊ ሰላም ዘውሕስ ምእንቲ ክኸውን፡-
- ከምቲ ንስኹም ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበርኩሙዎ ምፍታሕእሱራት፤
- ሰላማውን ዲሞክራስያውን ፖለቲካዊ ዝጻወር ዲሞክራስያዊ ጥጡሕ ባይታ ምፍጣር፤
- ከምቲ ብሰንኪ ናይ ፖለቲካ ኢድ ኣእታውነት ኣብ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ሃገርኩም ተፈጢሩ ዝነበረ ፍልልይ ፈቲሕኩም ሰላምን መንፈሳዊ ሓድነትን ክረጋገጽ ዝገበርኩሙዎ፤
- ከምቲ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ምስ ዝነብሩ ተቓወምቲ ውድባት ሃገርኩም ዘቲኹምን መኺርኩምን፡ ኣብ ሃገሮም ኣትዮም ብሰላማውን ዲሞክራስያውን መገዲ ክወዳደሩ ዝገበርኩምዎ፤
መስርሕ ሰላም ኣብ ጥጡሕ ባይታ ምእንቲ ክስረት፡ ኣብ ኤርትራ'ውን ፡-
- ህዝቢ ኤርትራ ቅዋም ክህልዎን ብሕጊ ክመሓደርን፤
- ኩሎም ዓይነት እሱራት እንተላይ መራሕቲ ሃይማኖት ክፍትሑ፤
- ዲሞክራስያዊ ናይ ፖለቲካ ውድድር ክህሉ፤
- ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ዝተኣሰሩ ፓትርያርክ ሃገርና ክፍትሑን
- ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ዝወሰዶ ወፍሪ ባርነት ተስፋ ቆሪጾም ዝዓርቡ ዘለዉ መንእሰያት ኤርትራ ከይጠፍኡ ፖሊሲኡ ክቕይር፤ ኣብ ዝብሉ ቅኑዕን ንጹርን ሓጋዚ ተበግሶ ክትወስዱ ይግባእ እዩ።
ነዚ ግቡእ ኣቓልቦ ከይሃብኩምን፡ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ሃገሩን ዕድሉን ናይ ምውሳን ዕድል ኣብ ዘይረኽበሉ እዋን፡ በዚ ክሳብ ሕጂ ዝኸይድ ዘሎ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይሓወሰ ልጓም ኣልቦ ዕንደራ፡ ምስ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ዝህሉ ስምምዓት ዝፈርስ እምበር ንረብሓ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዘይኮነ ክገልጸልኩም እፈቱ። ኣብዚ ክንጸር ዘድልዮ ሓቂ እንተሎ ኣብ ልዕሊ ስርዓታት እምበር ኣብ መንጎ ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ቂምን ጽልእን ዝበሃል ከምዘየሎ ትርድእዎ እዩ። ባዕልኹም ኣብ ኣስመራ ዝራኣኹሞ ህያው ምስክር ምዃኑ'ዩ። ክንዲ ዝኾነ ድማ ነቲ ዝተኸስረ ናይ ርብዒ ዘመን መዋእል ንምምላስ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን መበቈላውን ሃይማኖታውን ቋንቋውን ባህላውን ሕውነቱ ዓቂቡ፡ ከም ሃገራት ልዑላውነተን ዘረጋገጻ ክልተ ጐረባብቲ ህዝቢ ኮይኖም፡ ወደባት ኤርትራ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብንጹርን ሕጋውን ስምምዕ ውዕል መሰረት ንህዝቢ ኤርትራውን ዝያዳ ተጠቃማይ ስለዝገብሮ እምቢ ዝብል ኣይመስለንን። እዚ ዝረጋገጽ ግን ህዝቢ ኤርትራ ዋናን በዓልቤትን ልዑላዊት ሃገሩን ቅዋማውን ዲሞክራስያውን ምሕደራ ኣውሒሱ ባዕሉ ብዝመረጾም ወከልቱ ምስ ዘጽድቖን ጥራሕ ድኣምበር፡ በዚ መንቀሊኡን መዕረፊኡን ዘይፍለጥ ፖለቲካዊ ዕጥራን ውልቀ ምልኪ ዝውዳእን ዝፍጸምን ኣይኮነን።
ዝኸበርኩም ዶ. ኣብይ
ነቲ ብውዕል ኣልጀርስ ዝተኸተመ ቀያድን እግባይ ዘይበሃሎን ብይን ምቕባልኩም ንፍትሓውነትኩም ዘመልክት ኮይኑ፤ እቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ባድመ ከይወጸ ንዘተ ኮፍ ኣይብልን ብማለት ኣቕቢጹን ን16 ዓመታት ሓንጊዱን ዝነበረ ዲክታቶር ንዝገበርኩሙሉ መጸዋዕታ ብምቕባል፡ ነቲ ዘልዕሎ ዝነበረ ሕንግድ ምኽንያቱ ጠንጢኑ፡ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሕምብርቲ ኤርትራ ዓስኪሮም እንከለዉ፡ ንኣዲስ ኣበባ ዘብዘብ ዘብል ከመይ ዝበለ መድሃኒት ከም ዝሃብኩሙዎ፡ ብፍላይ ንህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ድማ ንደለይቲ ፍትሕን ሰላምን ዘገረመ ፍጻሜ'ዩ። እዚ ዘመልክቶ እምበኣር ኢሳያስ ስልጣኑን ቀጻልነቱን እምበር፡ ኤርትራን ህዝባን ከም ዘየገድሶ በተን ባዕሉ ዝበለን ቃላት " ኣብዘን 25 ዓመታት ዝሓለፈ ህውከት ኣይከሰርናን ገንዘብና ተመሊሱና'ዩ " ብምባል፥ ኣብ ባድመ ዘሎ ሰራዊት ከይለቐቐ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ ክሳብ መኣዝኑ ዝሰሓተ ውቃበ መራሕ ሃገርን ፕሮቶኮልን ኣጥፊኡ ሸብዳዕዳዕ ምባሉን ጥራሕ እኹል መግለጺ እንታይነቱ'ዩ። ብከምዚ ዝኣመሰለ ከም ሰብውን ክብሩ ዘጥፍኤ፡ ሃገራውን ህዝባውን ተሓታትነቱ ዘይብሉ ገበነኛ ስርዓት፡ ተሓታትን ተኸሳስን እምበር ወካልን ከታም ውዕልን ህዝቢ ጌርኩም ክትርድኡዎ ፍትሓዊ ባህሪኹም ክቕበሎ ኣይግድን። እዚ ስለ ዝኾነ፡ ምስ ከምዚ ዝበለ ገበነኛ ስርዓት እትገብሩዎ ስምምዕ፡ ብደለይቲ ፍትሕን ደላይ ሰላም ህዝቢ ኤርትራን ኣባላትደምበ ተቓውሞን ህዝባዊ ሰላማዊ ሰልፊ እንተጋጠመኩም፡ ግቡእ መልሲ ምሃብ እምበር ምግራም ኣይግባእን።
ነባሪ ሰላምን ራህዋን ብፍላይ ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ንመላእ ዓለምና ድማ ብሓፈሻ!
ዓንደጽዮን ግርማይ
ጀርመን
ዝኸበርካ ኤርትራዊ፡ መሰረት ነጻነት እፎይታ ህዝቢ ምስ ዘረጋግጽ ጥራሕ'ዩ ዝብል ኣርእስቲ ተሞርኲሰ ሓሳባተይ ብጽሑፍ ክገልጽ እንከለኹ፡ ሓደ ድርኺት ኣብ ውሽጢ ኣእምሮይ ንሕዋሳተይ ዘየደቅስ ኩነታት ህዝበይን ሃገረይን ይድርኸኒ።
ኣነ ወይ ንሕና ደቂ ሰባት ኣእምሮ ዝተዓደልና ክንስና፡ ሰብ ከማኻ ሰብኣዊ መሰልካን ነጻነትካን ረጊጹ፡ ከርፋሕ መነባብሮ እናሃለወካ፡ ከመይ ገይሩ ሕዋሳትካ ክቕበሎም ይኽእል። ልክዕ'ዩ ንሕና ኤርትራውያን ካብ ወለዶ ንወለዶ መግዛእቲ ይበራረየልና ኣብ ዝነበረሉ፡ ወዲ ሰብ ብባህሪኡ ንመግዛእቲ ይኹን ንርግጸት ናይ ማዕርነት መሰል፡ ክጻወሮ ስለ ዘይክእል፡ ብካልእ ኣበሃህላ ድማ፡ ወዲ-ሰብ ብዝኾነ ሰብኣዊ ግህሰት ተረጊጹ ክኸይድ ስለ ዘይነብር፡ ምእንቲ እታ "ኣነ – ኣነ እየ" ዝብላ ሰብኣዊ መሰሉን ክብሪ መንነቱን ብነድሪ ክለዓል ናይ ግድን ይኸውን። እዚ ከኣ ወዲ-ሰብ እቲ ዝኸበረ ፍጡር ብኣምላኽ ውልድ ምስ በለዝተዋህቦ ነጻነትኣብዛ እንነብረላ ዓለም ብሰላም ክነብር'ዩ፡፡ ኮይኑ ግን፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብታ ዝፈትዋ ሃገሩ ክነብር ኣይከኣለን። እዚ ስለ ዝኾነ ከኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መወዳእታ ምእንቲ መሰሉን ክብሪ መንነቱን፡ ንናይ ንሓዋሩ እፎይታ ነጻነቱ ዝረኸበሉ ንርብዒ ዘመን ብሓባር መስዋእቲ ከፈለ። ኣብ መወዳእታ ጩራ ናይ ብርሃን ነጻነት ኣመስከረ። ህዝቢ ኤርትራ፡ "ሕጅስ ድሕሪ ደጊም እፎይታ ረኺበ ህርመት ልበይ ሰሚሩለይ" እናበለ ብደስታን ሓጐስን ብእፎይታ ዝመልአ ሂወቱ ክመርሕ ተበገሰ።
ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈትዎም ደቁ ከፊሉ እፎይታ ነጻነት ረኸበ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ለባምን መስተውዓልን ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ነንሓድሕዱ ንኩነታቱ እናተጸናንዐ፡ በዚ ጥራሕ ይወድኣልና እናበለ ብልቦና ክሓልፎን ክጽመሞን ከሎ፡ ሓደ ዝዘንግዖ ወይ ዝተሃመለሉ ቀንዲ ነገር ነይሩ። ንሱ ከኣ ነቲ እፎይታ ነጻነት ብማዕረ ዝኣልን ዘማእክልን ዘረጋግጽን ቅዋም/ሕጊ ክተክል ግዜ ከይወሰደ ብዓንተቦኡ ከረጋግጽ ነይሩዎ። ኣብዚ እቲ ዘገርም፡ ንክብሪ መሰልካን ንቕዋም ሕግታትካን መሕድሮኻን ብእምነት ምጽባይ፡ ንስኻ ህዝቢ ንባዕልኻ ወሳኒ ክንስኻ፡ ንስኻ ህዝቢ ብመስዋእቲ እታ ሃገር ዘምጻእካ፡ እቲ ብኣግኡ ደቅና እንድዮም ዝብል ኣዘራርባ ናይ የውሃት ኣበሃህላ ተሪፉ፡ ሃገር ብቕዋም/ሕጊ ትመሓደር ሕ/ሰብ ይኹን ውልቀ-ሰብ ብሕጊ ይምእዘዝን ኣብ ነንሓድሕዱ ብሕጊ ይፍረድን ይማሻገልን ምኽንያቱ ሕጊ ልዕሊ ኩሉ ስለ ዝኾነክበሃል ኔሩዎ። እዚ ክኸውን ዝነበሮ፡ ኣብ መወዳእታ ግን ህዝቢ ኤርትራ ቅልጡፍ ግብረ-መልሲ ብዘይምውሳዱ፡ ኣደዳ መሕድሮ ሕጊ-ኣልቦ፡ ህዝብን ሃገርን ተሓታቲ ዘየብሉ ሽግርን፡ መከራን፡ ዕንወት፡ ጥፍኣት ኮይኑ። ብዓቢኡ ድማ መንእሰይ ወለዶ ራኢ መጻኢኡ ስለ ዝጸልመቶ ንስደት ክውሕዝ ተገደደ። ናይዚ ኩሉ ጠንቂ ከኣ ተሓታቲ ዘየብሉ፡ ስርዓት ኣልቦ፡ መሕድሮ ኣልቦ፡ ቅዋማዊት ዲሞክራስያዊት ሃገር ብዘይምህላው ንሱ ከኣ ሓጋግን ፈጻምን ፈራድን ዘይምህላው እዩ።
ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብዚ እቲ ዘገርም፡ እንስሳታት ካብ ሓደ ቦታ ወይ ጫካታት ክልውጡ ከለዉ ናይ ባዕሎም ሕግታት ኣለዎም። ንሕና ደቂ-ሰባት ግዳ ምሉእ ኣእምሮ ዝተዓደለናን ዘሎናን ክንስና፡ ክሳብ ሕጂ ብቕዋም/ሕጊ ክንመሓደር ብዘይምኽኣልና ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዓለም ዘሕፍርን ዘድንንን እዩ።
ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብመስዋእቲ ነጻነት ዘምጻእካ ዓለም ዘዛረብካ ተባዕ ህዝቢ ክንስኻ፡ እሞ ከኣ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ን27 ዓመት ብዘይቅዋም/ሕጊ ተሓታቲ ዘየብሉ መሰልካን ነጻነትካን ሓርነትካን ተረጊጽካን ትርገጽ ዘሎኻን፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተኻትዓሉ ብፈላጣት ናይ ሕጊ መወዳእታ ዝተገብረሉ፡ ህዝቢ ሎሚ ጽባሕ ቅዋም ክእወጅ እናተጸበየ እከሎ ቅዋም ሞይቱ'ዩ ተባሂልካ። ዘስደምም! ወረ ከመይ ጌርካ ሂወትካ ትመርሕ ኣሎኻ ነዚ ሰሚዕካ፡ ከም ሰብ ከም ህዝብን ሃገርን እንታይ ይስምዓካ። እቲ ካብ ሃገርካ ሃጽ ዘብለካ ዘሎን ናብ ሃገርካ ዘይመልሰካ ዘሎን መሕድሮ ኣልቦ ስለ ዝኾነን ቅዋማዊት ሃገር ስለ ዘይብልካንዶ ኣይኮንካን። በል ስማዕ ኤርትራዊ! ህዝቢ ብዘይሕጊ ምሉእነት ኣለዎ ክበሃል ኣይክእልን። ሃገር ብዘይሕጊ ሃገር ክትከውን ኣይትኽእልን። ምኽንያቱ ኣምር ናይ ሂወትካ ፍትሒ/ሕጊ ስለ ዝኾነ። እዚ ስለ ዝኾነ ሓደ ሕ/ሰብ ብሕጊ ክሳብ ዘይተመሓደረ፡ ምዕቡል ሕ/ሰብ ተወዳዳሪ ምስ ዓለም ክኸውን ኣይክእልን'ዩ፡ ኣብ ቅድሚ መጋባእያ ባይቶ ዓለም'ውን ብርእሰ-ተኣማንነት ክምድር ኣይክእልን። ምኽንያቱ ኣብ ገዝኡ ልዕልነት ሕጊ ስለ ዘየብሉ። ኣንታ ክቡር ህዝቢ ብሕጊ እንዳባ እንዀርዕ ዝነበርና ህዝብን ሕ/ሰብን እኮ ኢና።
ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዓቢ ምስ ንእሽቶ፡ ከም ደቂ-ሰባት ኣእምሮ ዝተዓደልካ ክብሪ ዘሎካ ክብሪ መሰልካ ተረጊጹ ከሎ ከመይ ጌሩ ድቃስ ይወስደካ። አረ ከመይ ገይሩ መግቢ ይወርደልካ። ከመይ ገይሮም ኣሕዋትካ ይቕበሉዎ። በል ስማዕ ኤርትራዊ! ወዲ-ሰብ ነባሪ ኣይኮነን። ወዲ-ሰብ ሓላፊ'ዩ። ህዝብን ሃገርን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ነበርቲ'ዮም። ስርዓት ከኣ ከምቶም ስርዓታት ዝሓለፉ ሓላፊ'ዩ። ኣብዚ ክብሎ ዝደሊ ደጋጊመ፡ ወዲ-ሰብ ሓላፊ ስለ ዝኾነ፡ ጽቡቕ ታሪኽ ንወለዶታት ክገድፍ ኣለዎ። ምኽንያቱ ታሪኽ ንባዕሉ ጽቡቕን ሕማቕን ባህርያት ስለ ዘለዎ። ስለ'ዚ ወዲ-ሰብ ተራኽን ጸሓፍን ደራስን ስለ ዝኾነ፡ ኣብዛ ንግዜኡ እንነብረላ ዓለም ብርእሰ-ተኣማንነት ንቅኑዕ ቅኑዕ ንጌጋ ጌጋ በብሕብሮም ወዲ-ሰብ ክብሎምን ክዛረበሎምን ክኽእል ኣለዎ። ስለ'ዚ ወዲ-ሰብ ክብሪ ናቱ ኣብ ቅድሚ ሕ/ሰቡን ሃገሩን ሓቀኛ፡ እሙን፡ ሕልናዊ፡ ኣብ ቅድሚ ውጹዕ ደው ዝብል ምስ ዝኸውን፡ ወትሩ ሕፉርን ክቡርን'ዩ።
ዝኸበርካ ኤርትራዊ፡ መስዋእቲ ከፊልካ ድሕሪ ርብዒ ዘመን ነጻነት ኣምጺእካ፡ ብተስፋ እተን ውሑዳት ዓመታት ንነጻነት ከተተንፍስ ዝጸናሕካ፡ ደም ስዉኣት ኣሕዋትካ ከይነቐጸ፡ ዳግማይ ኲናት ናይ ዶብ ጠንቁን ኣመጻጽእኡን ከይፈለጥካ፡ ኣብ ኲናት ተሸሚምካ። ኣብ ክልቲኡ ከኣ ዘስካሕክሕ ህልቂት ኮይኑ። ኣብ'ዚ ተንተንቲ ፖለቲካ ከም ዝብሉዎ፡ እቲ ዝዓበየ ናይ ዶብ ኲናት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከኣ ተባህለ።
ዝኸበርካ ኤርትራዊ፡ ኣብ ኲናት ሰዓርን ተሰዓርን ዝበሃል የለን። ምኽንያቱ ኲናት ንሕስያ ዘየብሉ ሰብ ምብላዕን፡ ቓንዛን፡ ስንክልናን፡ ዕንወትን፡ ብርሰትን ጥራሕ'ዩ ውጽኢቱ። ኣብ መወዳእታ ኣሽሓት መንእሰያት ምስ በልዐን ህዝቢ ካብ ዓዱ ምስ ተመዛበለን፡ ጉያ ናብ ዓለምለኻዊ ፍርዲ ዶብ ኮነ። ኣብ መወዳእታ ከኣ፡ ክልቲአን ሃገራት ብውዕል ኮሚሽን ዶብ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብመንጎኝነት ውዕል ኣልጀርስ ንብይን ፍርደን ፌርማአን ኣንበራ። ኣብዚ እቲ ትግባረ ብይን ኣብ ግብሪ ብዘይምውዓሉ፡ ን17 ዓመታት ዝኣክል ደንጐየን ' ኣይሰላም ኣይውግእ' ተባሂሉ ድማ ጸንሐ።
ዝኸበርካ ኤርትራዊ፡ ሕጂ ከኣ ሰላም ይበሃል ኣሎ፡ ጽቡቕ ንሕና ህዝቢ ኤርትራ ብሃንቀውታ ክንጽበዮ ዝጸናሕና፡ ይንዋሕ-ይሕጸር ሓንቲ መዓልቲ እቲ ብይን ኮሚሽን ዶብ ክትግበር ምኻኑ ዘጠራጥር ኣይነበረን። ምኽንያቱ ሕጊ ንኹሉ ወሳኒ ስለ ዝኾነ። እዚ ከኣ ንሕና ህዝቢ ኤርትራ፡ ዶብና ተሓንጺጹ ልዑላውነትና ከቢሩን ተሓልዩን፡ ከምቶም ካልኦት ሃገራት ዓለም፡ ምስ ጐረባብትና ብፍቕርን ሰላምን ምርድዳእን፡ ናይ ጸጋታትና ንግዳዊ ምልውዋጥ ክህሉ ዘዘራርብ ኣይኮነን። ኣብዚ ብርግጽ ንሕና ህዝቢ ኤርትራ ንሰላም ወትሩ ንምነያን ንሃርፋን ኢና። ካብ ሰላም ዝጥዕም ዋላ ሓደ የለን። ኣብ'ዛ እንነብረላ ዓለም፡ እታ እንኮ መቐረት ኣህዛብ ዓለም ወይ መቐረት ወዲ-ሰብ ሰላም ጥራሕ'ያ።
ዝኸበርካ ኤርትራዊ፡ ኣብዚ መዝሙር ሰላም ዝበሃለሉ ዘሎ፡ ዝኾነ ወዲ-ሰብ ወይ ዝኾነ ኤርትራዊ ሰላም ዘይደሊ ኣሎ ክብል ኣይክእልን እየ። ንዓና ንህዝቢ ኤርትራ ገሪሙና ዘሎ ግን፡ ኣብዚ ጉያ-ጉያ ዝበሃለሉ ዘሎ ኩነታት፡ ንዓና ንህዝቢ ኤርትራ ኩሉ ሽፉንን ግሉጽነት ዘየብሉን ህዝቢ ዘይዋሳኣሉን ስለ ዝኾነ፡ ህዝቢ ኤርትራ እንታይ'ዩ ዝግበር ዘሎ እናበለ ይዛረብ ኣሎ። ኣንታ ክቡር ህዝቢ፡ ሎምስ እንታይ ዲና ኴንና። ኣንታ ክቡር ህዝቢ፡ ህዝቢ እኳ'ዩ ንኩሉ ወሳኒ። ስለዚ ንሕና ኤርትራውያን፡ ንልዑላውነትና ብዝተፈላለየ ምኽንያት ክትንክፍ ዝመጽእ ሓይሊ፡ እቲ ግልጺ መልሲ ህዝቢ ኤርትራ ' ወይልኡ' እዩ ዝብል። ስለዚ ንሕና ኤርትራውያን ወትሩ እንቃለሰሉን ለይትን መዓልትን እንሰርሓሉን ቀንዲ ዕዮ-ገዛና ብልጽግትን፡ ክብርትን፡ ሰላም ዝሰፈና ዲሞክራስያዊት ኤርትራ፡ ብቕዋም/ሕጊ እትመሓደር፡ ባይቶ ዝውስኑላ እንኮ ምርጫና'ዩ። እዚ ስለ ዝኾነ ከኣ፡ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ፍትሒ ስለ ዝኾነ፡ ከይወዓለ ከይሓደረ፡-
- ደረት ኣልቦ ዝኾነ ወተሃደራዊ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብቕጽበት ደው ክብል፤
- ቅዋም/ሕጊ ከይወዓለ ከይሓደረ ኣብ ግብሪ ክውዕል፤
- ናይ ፖለቲካ እሱራት ብቕጽበት ክፍትሑ፤
- ናይ ዝኾነ ሃይማኖት ኣመንቲ እሱራት ብቕጽበት ክፍትሑ፤
- ኩሉ ሰብኣዊ ግህሰትቅዋማዊ/ሕጋዊ ተሓታትነት ክህልዎ፤
- ኩሉ ሰብኣዊ መሰል እንተላይ ብተሓታትነት ኣብ ትሕቲ ዓለምለኻዊ ሕጊ ክኸብር፤
- ኩሉ ምርጫታት ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ክካየድ፤ … ወዘተ።
ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ፡ ኣቦታትና ከም ዝምስሉዎ ' ከም ቀደም ይመስለክን ውሕጅ ይወስደክን ' ዝብል ኣበሃህላ ናይ ለባማት ኣቦታትና ኣብ ላዕሊ ጠቒሰዮ ኣለኹ። ሕጂ'ውን እዚ ጉያ-ጉያ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ጉያ ስለ ዘይኮነ፡ ኣብ መወዳእታ ውዱቕን ፍሹልን'ዩ። ሓደ ክብሩ ዝደርበየ ሰብ ዝኾነ ክገብር ኣየሕንኾን'ዩ። እቲ ካልኣይ ጐያያይ ዶ. ኣቢ፡ እንተኮይኑሉ ንዓዱ'ዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ኣብ መወዳእታ ፍሽለት ከም ዘጋጥሞ'ውን ኣጸቢቑ ይፈልጥ'ዩ። ምኽንያቱ እቲ ውዕላትን ፌርማታትን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ውዕላትን ፌርማታትን ስለ ዘይኮነ።
ብክፍላይ ተኪአ
ጀርመን
ጉጅለ ህግዲፍ በብእዋኑ ካብ ሓቅን ክውንነትን ዝረሓቐ ምስምሳት ብምቕራብ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ክሽሕጦ ከም ዝጸንሐ ሕጂ ተቓሊዑ እዩ። ህግዲፍ ህዝቢ ዘዳህልለሉ ምኽንያት ክስእን እንከሎ፣ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ፍቕሪ ሃገር ስለ ዝርዳእ ነዚ መዝሚዙ ድራማታት ይፈጥር። ምስ ሱዳን፣ የመን፣ ጅቡቲ ዝፈጥሮም ዝነበረ፣ ኣብ ክንዲ ህድኣትን ሕግን ትዕቢትን ታህዋኽን ዘቐድሙ ውግኣት ዕላመኦም ምድህላልን ኣቕጣጫ ምቕያርን እዩ ነይሩ። እዚ መምሃሪ ተመኩሮ ኣብ ዘይኮነሉ ምስ ኢትዮጵያ ዝጻሕተሮ ውግእ ኣዝዩ ብዙሕን ብዝተፈላለዩ መዳያት ዝግለጽን ማህሰይቲ ኣስዒቡ ሓሊፉ።
እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ውግኣት ከምቲ ምስ ካለኦት ሃገራት ዝተኻየደ ጐንጺ ውሑድ ዋጋ ዝሓትትን ብቐሊሉ ዝድቅስን ኣይነበረን። ብሰንክዚ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ውግእ ብዙሓት ኣብ ኢትዮጵያ ንነዊሕ ዓመታት ከከም ዓቕሞም ንብረት ዘጥረዩ ኤርትራውያን ዛሕዛሕ ኢሎም። ናይዚ ዛሕዛሕ ስንብራት ክሳብ ሎሚ ከምዘይሃሰሰ ኣብዚ እዋንዚ ዝጠፈአ ንብረቶም ንምምላስ ኣብ ከተማታት ኢትዮጵያ ፈቐዶ ቀበለታት፣ ወረዳታትን ክፍለ ከተማታትን ቀንፈዘው ዝብሉ ዘለዉ ኤርትራውያን ምስክር እዮም። ጉጅለ ህግደፍ ዝገብሮን ብሰንክቲ ተግባሩ ክስዕብ ዝኽእል ጉድኣትን ዝርዳእ እንተዝነብር፣ ኩነታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኤርትራውያን ኣብ ግምት ከየእተወ ውግእ ከፊቱ ነቲ ክሳብ ሕጂ ዘይሃሰሰ ቅልውላው ኣይመፈጠረን። እንተኾነ ነቲ ዘይሓላፍነታዊ መንገዲ ኮነ ኢሉ መሪጽዎስ፣ እቲ ክወርድ ዘይነበሮ ጉድኣትን ክሳራን ወሪዱ። ኣብዚ እዋንዚ ብዙሓት ኤርትራውያን ህግደፍ ሓልዮት ህዝቢ ከምዘየብሉ ተረዲኦም እዮም። ገለ ውሑዳት ግና ሓንሳብ በቲ ናይ ህግደፍ ኣምሱልነት ምስተሰልቡ ናብ ልቦም ዘይተመልሱ ኩነታት ረጊጽዎም ዝሓለፈ ይህልዉ ይኾኑ።
መራሒ ህግደፍ ካብ ባድመ ወጻእና ማለት ጸሓይ ዳግማይ ኣይክትበርቕን እያ ከም ማለት እዩ ብዝብል ተመጢጡ ክምካሕ ምስ ጸንሐ ኩሉ ትምክሕቱ በኒኑ፣ ባደመ ጥራይ ዘይኮነ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሕንብርቲ ኤርትራ’ውን ናይ ምብጻሕ ዕድል ረኺቡ። ነቲ ናይ ሽዑ ናይ ስዕረት ኩነታት፣ ካብተን ናይ ዓለምና ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ሓደ፣ ቢቢሲ ኣብቲ እዋንቲ “ሰራዊት ኤርትራ ተሳዒሩ” ( Eritrean army is deffited) ዝበሎ ክሳብ ሕጂ ኣይርሰዖን። እንተኾነ ዓለም ተጓይያ ነቲ ውግእ ኣህዲኣቶ። ከም ውጺት ናይቲ ህድኣት ከኣ ስምምዕ ኣልጀርስ ተፈሪሙ። ጉዳይ ዶብ ናብ ቤት ፍርዲ ዘሄግ ተወሲዱ። ንዶብ ዝምልከት ፍርዲ ከኣ ተዋሂቡ። በቲ ፍርዲ መሰረት እታ ናይቲ ውግእ መጸዊዒት ዝኾነት ባድመ ናብ ኤርትራ ተፈሪዳ። እዚ ማለት ግና ሰፊሕ ናይ ኤርትራ ዝበሃል ዝነበረ መሬት ናብ ኢትዮጵያ ኣይከደን ማለት ኣይኮነን። ብዓይኒ ቁጠባዊ ልምዓትን ህዝባዊ ምምዝባልን እንተተወሲዱ ኣብቲ ፍርዲ ኢትዮጵያ እምበር ኤርትራ ኣይኮነትን ረቲዓ ዝብሉ፣ ነቲ ኩነታት ብስምዒት ዘይኮነ ብህድኣት ዝመዝኑ ብዙሓት እዮም።
ዋላ’ኳ እቲ ፍርዲ ቀያድን ናይ መወዳእታን እንተኾነ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ምትግባር ቅሩብነት ኣይተራእየን። ጉጅለ ህግደፍ ብወገኑ ናይቲ ንኻለኦት ዘቤታዊ ጉዳያት ጅሆ ሒዝሉ ዝነበረ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምውዳእ ብውሽጡ ዘይድግፎ’ኳ እንተነበረ፣ ከም ደጋፊ ግብራውነት ናይቲ ብይን መሲሉ ቀሪቡ ክፍክርን ናይ ልኡላውነት ተሓላቒ መሲሉ ክቐርብን ጸኒሑ። ዋላ’ኳ ገለ ንባህርያት እቲ ጉጅለ ዝፈልጡ፣ ናይ ህግደፍ ናይ “ቅድሚ ኩሉ ዶብ ይመልከት” ፈኸራ፣ ካብ ልቢ ከምዘይነበረ የተብሁ እንተነበሩ፣ ብዙሓት ውገናት ግና ምጉብዕባዕ ህግደፍ ሓቂ መሲልዎም “መን ከማኻ” ክብልዎ ጸኒሖም። ኣብ መወዳእታ ዞናዊ ረብሓኦም ንምውሓስ፣ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክውዳእ ዝደለዩ ናይ ርሑቕ ጎብለላት ንመራሒ ህግደፍ ምስ ሸረጥዎ፣ ኣይኮነንዶ ዶብ ከጥርር ነታ “ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን” እትብል ሓረግ ናይ ምጥቃስ ልሳኑ ከም ዝተዓጽፈ ንዕዘቦ ኣለና። ብኣንጻሩ ነቲ ኩነታት ንምድውዋስ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣዋሳን ኣብ ዝተተኽሉ ጓይላታት ኣህተፍቲፉ። ኣይኮነንዶ ደገፍቱስ ንሕና ተቓወምቱ እውን እቲ ኤርትራውነት ግዲ ቀንጥዩና ከክንዱ እምብዛ ሓፊርና።
ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ’ዚ ወደኽደኹ ግዜ ከይወሰደ፣ ወዮ ብጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተዓብዒቡ ዝጸንሐ፣ ሕገመንግስታዊ ስርዓት፣ ዲሞክራስያዊ ምምሕዳር፣ ኩሉ መሰላት ምኽባር፣ ልዕልና ሕጊ ምስፋን ወዘተ ዝብል ሕቶታት ኣጉሊሑ፣ “እሞኸደኣ ሕጂ” ክብሎ ጀሚሩ። ህግደፍ ስለ ዝደለዮ ዘይኮነስ፣ ብዘይተጸበዮ ኩነታት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስተኸፍተ፣ ተዓጊቱሉ ዝነበረ መንደቕ ከም ዝተሰብረ ማይ፣ ኤርትራዊ ናብ ትግራይን ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያን ብምውሓዝ ንህግደፍ “ምሳኻ የለኹን” ኢልዎ። ኣብዚ ህሞትዚ ወዮ ከም ቁርን ኣስሓይታን ዝፍራሕ ዝነበረ ህግደፍ ውቃበኡ ተገፊፉ ካብ ሱቕ ኢልካ ምርኣይ “ከምዚ ይኹን፣ ከምዚ’ባ ይገበር” ዝብል ዓቕሙ ጠሊምዎ ኣንጐልሒጡ ይዕዘብ ኣሎ። ኮታ ዓይኑ እንዳረአየ እዝኑ እንዳሰምዐ ተሳዒሩ። ወዮ ብጉዳይ ህዝቢ ዘሽካዕልልን ዝምካሕን ዝነበረ ሓጫጪ ልሳን ኣቶ ኢሳይያስ ተዓጺፉ። ክሳብ ሎሚ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዉ ዝመስሎም ዝነሩ፣ ኣብ ስእሊ ተሰሪዕም እንርእዮም ግና ድምጾም ዘይንሰምዖም ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራት’ኳ ሎምስ “ሓሚመ ጸሚመ” ክብሉ ምጅማሮም ይውረ ኣሎ። ንምንታይ ከምኡ ክብሉ ጀሚሮም ዘዛርብ ኣይኮነን። ህዝቢ ኣግሂዱ “ኣይናትናን ኢኹም” ኢሉ ክሳብ ዝነድሖም ምጽንሖም ግና ዘተዓዛዝብ እዩ።
ብዕለት 07.09.2018 ጨንፈር ሰዲህኤ ፍራንክፎርን ከባቢኣን ሰዓት 2፡00 ድ.ቀ. ዝጀመረ ኣኼባኡ ብኣቦ መንበሩ ብሰናይ ምንዮት ምስ ተኸፈተ፡ ኣብ ውሽጣዊ ምዕባሌታት ሰልፍን፡ ዞባን፡ ደምበ ተቓውሞን፡ ጀኦ-ፖለቲካዊ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝምልከቱ ጉዳያት ስፍሕ ዝበሉ ምርድዳኣት ኣካይዱ።
ኣኼበኛ፡ ነቲ ብሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ውሽጣዊ ይኹን ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታትን ምዕባሌታትን ኮነ፡ ነቲ ብብዙሕ ሸነኻት ዝርአ ዘሎ ተቓውሞታት ደለይቲ ፍትሒ‘ውን ኣሞጒሱ። ነቲ ብዶ. ኣቢይ ቀዳማይ ሚኒስተር ምስ ውልቀ መላኺ ሰርዓት ኤርትራ ዝግበር ዘሎ ህዝብና ዘይፈልጦ ውዕላትን ምፍርራማትን ድማ፡ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ከኸትል ስለ ዝኽእል፡ ዘይቅቡል ምዃኑ ኣኼበኛ ኣስሚሩሉ።
እቲ ዝርአ ዘሎ ምዕባሌታትን ለውጥታትን ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ግሉጽነት ዘይብሉን ንልዑላውነቱ ዝደናደንን ንህዝብና ድማ ኣብ ዝኸፍአ ናይ ስደት ዋሕዚ ሸሚሙዎ ዘሎን ስለ ዝኾነ፡ ኣዝዩ ኣሰንባዲ ከም ዝኾነ ኣኼበኛ ብሰፊሑ ተዘራሪብሉ። ኣብዚ ኩነታት እዚ እቲ ክግበር ዝግብኦ ኣዝዩ ህጹጽ ዝኾነ ጉዳይ እምበኣር፡ ከምቲ ሰዲህኤ ጀሚሩዎን ዝቃለሰሉ ዘሎን ጉዳይ ሓቢርካ ምስራሕ ናይ ሓይልታት ተቓውሞ፡ ናህሪ ብዝወሰኸ ክቀላጠፍ ከም ዘለዎ ኣኼበኛ ርእዩ። ኣብዚ ቀረባ ግዝያት፡ ማለት ኣብ ፍርቂ ወርሒ መስከረም ኣብ ፍራንክፎርትን ኣብ‘ዚ ዝሓለፈ ቀረባ ማዓልታት ድማ ኣብ በርሊን ዝተራእዩ ናይ ምጥርናፍን ሓቢርካ ምስራሕን ንጥፈታት ተስፋ ዝህቡ ምዃኖም ኣኼበኛ ኣሞጒሱ። ሓባራዊ ስራሕ ንምዕዋት፡ ብዘይምቍራጽ ክድፍኣሉ ከም ዘለዎ ኣኼበኛ ኣብ ውሽጢ ስልፊ ዝካኣል ጻዕርታት ክገብርን፡ ምሕጽንታኡ ናብ ደምበ ተቓውሞ ኣመሓላሊፉን።
ኣኼባ ድማ ልክዕ ኣብ ሰዓቱ ተዛዚሙ።
ናይ ኢትዮጵያዊ ህዝብታት ወያናይ ዲሞክራስያዊ ግንባር (ኢህወደግ) ኣብ መበል 11 ጉባአኡ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ኣቦ-መንበር ኦሮሞ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ: እንደገና ኣቦ-መንበር ናይቲ ግንባር ገይሩ መሪጹ። ኣብዚ ካብ 3 ክሳብ 5 ጥቅምቲ 2018 ኣብ ከተማ ኣዋሳ ዝተኻየደ ጉባአ ኣቶ ደመቀ መኮነን ኣቦመንበር ኣምሓራ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ ከኣ ምክትል ኣቦ-መንበር ናይቲ ግንባር ኮይኖም ተመሪጾም። ብመሰረት ቅዋም ኢህወደግ ኣቦመንበርን ምክትሉን ዝመርጽ እቲ ካብ ኣርባዕቲአን ውድባት ብማዕረ ቁጽሪ ዝቐውም 180 ዝኣባላቱ ማእከላይ ቤት ምኽሪ እዩ። እዚ ማእከላይ ቤት ምኽሪ ኣቦመንበርን ምክትሉን ሓዊስካ ካብ ኣርባዕቲኣን ውድባት ብማዕረ ዝቐውም 36 ዝኣባላቱ ፈጻሚ ስርሕ እውን ይመዝዝ እዩ፡
እዚ ጉባአ ኢህወደግ ስረሓቱ ክዛዝም እንከሎ፣ ሸውዓተ ነጥብታት ዝሓቖፈ ደምዳሚ መግለጺ ኣውጺኡ። ብመሰረቲ መግለጺኡ፣ ዋላኳ ብዙሓት ወገናት እዚ ጉባአ ኣብ ሓያሎ ነጥብታት፣ ብፍላይ ከኣ እቲ ግንባር ክምርሓሉ ዝጸንሐ ርእዮተ-ዓለምን ኣብ ኢትዮጵያ ተዘርጊሑ ዘሎ ስርዓት ፈደራሊዝምን ለውጢ ክገብርዩ ዝብል ግምት እንተነበሮም፣ ዝኾነ ይኹን ለውጢ ኣይገበረን። ጉባአ ኢህወደግ ዝተኻየደሉ ኩነታት ኣብተን ኣባል ውድባት ኣብ ሓያሎ ዛዕባታት ፍልልያት ኣብ ዝተንጸባረቐሉ፣ ኣብ ብዙሕ ኩርነዓት እታ ሃገር ዓሌት ዝመሰረቱ ጐንጽታት ኣብ ዝሓየለሉን ኣብ መንጎ እተን ክልላዊ ምምሕዳራት ሓሓሊፉ ናይ ዶብ ምስሕሓባት ኣብ ዝረኣየሉ ዝተኻየደ ብምዃኑ፣ ብሓድነት ኣይክወጽእን እዩ ዝብል ስግኣታት ሓዲርዎም ነይሩ። እንተኾነ እቲ ጉባአ ጉዳያቱ ኣከኣኢሉን ሓድነቱ ሓልዩን ብምዝዛሙ ኣብ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ተስፋን ሓጐስን ኣሕዲሩ ኣሎ።
ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና መዋእል ኣብ ቅድሚ ፖለቲካዊ መሪሕነታት ካብ ዘለዉ ብደሆታት ሓደ መስርሕ ምትኽኻእ ወይ ምውርራስ ሓላፍነት እዩ። እዚ ዛዕባ ብፍላይ ኣብቶም ብጐነጻዊ ኣገባ መግዛእትን ወጽዓን ስዒሮም ስልጣን ዝሓዙ ሓይልታት ጐሊሁ ዝረአ ዘሎ እዩ። ርሑቕ ከይከድና እዚ ኣብቶም ንናይ ሓባር ጸላኢኦም ስርዓት ደርግ ኣወጊዶም ኣብ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ቅድሚ 27 ዓመታት ስልጣን ዝጨበጡ ሓይልታት ጐሊሁ ዝረአ ዘሎ እዩ። ንሕና ተቓወ’ቲ እውን ዋላ’ኳ መንግስታዊ ስልጣን እንተዘይሓዝና ቃልስና ንምቕጻል እዚ በዳሂ ዛዕባ ዝጓስየና ኣይኮነን። ካብ’ዚ ከባቢና ርሒቕና እንተደህሰስና እውን እዚ ዛዕባ ጐሊሁ ዝረአ ናይ ምስሕሓብ ጠንቂ እዩ።
ኣብቲ ሓቀኛ ትሕዝቶኡ እንተመጺእና ምትኽኻእ እናተቐባበልካ ሓላፍነት ምቕጻል እምበር ምጥፍፋእ ማለት ኣይኮነን። ሓደ ኣካል ነዚ ክርዕም ግና ዓቕሙ ዝፈልጥን ሓላፍነታውን ክኸውን የድሊ። ከምዚ ናይ በዓል ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝኣመሰለ ብናይ “ኣነ እንተሞይተላ ዳንዴር ኣይትብቆላ” ኣምር ዝምርሑ ኣካላት ግና ንምትኽኻእ ከም ቁርን ኣስሓይታን ስለ ፈርሕዎ ኣይቅበልዎን ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣንጻሩ እዮም ዝሰርሑ። ብመሰረት እቲ “ተካኢኡ ዘይፈጥር መሪሕነት ብቑዕ መሪሕነት ክበሃል ኣይክእልን” ዝብል ዘረባ ለባማት፣ በዓል ኣቶ ኢሳይያስ መራሕቲ ንክበሃሉ ዘኽእሎም መዕቀኒ ኣየማልኡን።
ኣብ ጐረቤትና ኢትዮጵያ እዚ ዛዕባዚ ከም ሓደ ኣገዳሲ ጉዳይ ካብ ዝለዓል ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ብብዙሕ ዕንቅፋታት እንዳሓለፈ ሕጂ እውን ቀጻሊ ኣሎ። ንኣብነት ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ጉባአአን ዘካየዳ ነቲ ንኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ ግንባር ኢህወደግ ዝቖማ ውድባት ንኣገዳስነት ምትኽኻእ ግቡእ ቆላሕታ ብምሃብ ብሓርፋፍ ገምጋም ካብ ሓደስቲ መሪሕነታተን ክልተ ሲሶ ሓደስቲ መዚዘን ኣለዋ። ብርግጽ እቲ ናይ ሓድሽነት መምዘኒ ጉዳይ ዕድመ ጥራይ እንተኾይኑ ፋይዳ የብሉን። ነቲ ዕድመ ዝምጥን ሓዲሽ ኣተሓሳስባ ዘሰነዮ እንተኮይኑ ግና ሃናጺ እዩ። ኣብዚ ኣብቲ ንኡስ ዕድመ ኣረጊት ኣተሓሳስባ ኣብቲ ነባር ዕድመ ድማ ሓድሽ ኣተሓሳስባ ክህሉ ከም ዝኽእል ምግንዛብ የድሊ። ስለዚ ሓድሽ መሪሕነት ክንብል እንከለና ኣብ ናይ ዕድመ መምዘኒ ጥራይ ከይንድረት ጥንቃቐ ከድልየና እዩ።
ገለ ውድባት ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ዘካየደኦ ጉባአታት፣ ኣብ ሜዳ ቅድሚ ውድቀት ደርጊ ኣብ መሪሕነት ዝነበሩ ባእታታተን ምሉእ ብምሉእ ብኽብሪ ኣፋንየን፣ ብሓድሽ ክትከኣ በቒዐን ኣለዋ። ኩነታት መራሕቲ ኤርትራ ብመንጽርዚ ንምርዳእ ከኣ ኣብዚ ቀረባ ግዜ፣ ኣብ ኤርትራ ብዙሕ ክዝረበሉ ዝግበኦ ዛዕባታት እንዳሃለወ፣ ብፍርቂ መዓልቲ ኣኼባኡ ናይ ዝዛዘመ ካቢነ ሚኒኢስትራት ስእሊ ምዕዛብ ጥራይ እኹል እዩ። እዚ እንተዘይኣኺሉ ከኣ ንዕድመ ዲክታቶር ኢሳይያስን ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድን ምውድዳር ይከኣል።
ምትኽኻእ ስሙ ከም ዝሕብሮ ናይ ስልጣን ዘይኮነ ናይ ሓላፍነትን ተሓታትነትን ምውርራርስ መስርሕ እዩ። ኣብዚ ምውርራስ ክልተ ማዕረ ሓላፍነት ዘለዎም ተዋሳእቲ ኣለዉ። እቲ ሓደ ኣረካቢ እቲ ካልእ ከኣ ተረካቢ። ናይዚኣቶም ማዕረ ቅሩብነትን ምክብባርን ኣብ ዘይሃለወሉ እቲ ምርኽኻብ ኣድማዒ ኣይከውንን እዩ። ካብ ናትና ተመኩሮ ጥራይ እንተነቒልና ኣብ መንጎ ኣረከብትን ተረከብትን ክንድቲ ክኽዕኖ ዝግበኦ ምንባብ ኣይረአን። እዚ ምርኽኻብ ሓላፍነት ግብራዊ ኣብ ዘይኮነሉ፣ ክልቲኦም ወገናት ተሓተቲ እዮም። እቲ ነባር ተካኢ ናይ ምፍጣር ሓላፍነቱ ብዘይምፍጻሙ። እቲ ተረካቢ ድማ ንኡስ ትውልዳዊ ሓላፍነት ክፍጽም ድልውነት ብዘይምርኣዩ። እቲ ኣረካቢ እቲ ዝርከቦ ካብ ናቱ ዓቕሚ ዝሓሸ ምስ ኩነታት ዝኸይድ ዓቕሚ ከም ዘለዎ ክኣምን ይግበኦ። እቲ ተረካቢ ድማ ንተመኩሮ ናይቲ ዘረክቦ እንዳ እነኣኣሰን እንዳነጸገን ዘይኮነ ከም መንጸፍን መንቀልን ንቐጻሊ ጉዕዞ እንዳኽበረ ክርከብ ከም ዝግበኦ ብሓላፍነት ክግንዘብ ይግበኦ። እዚ እንተዘይኮይኑ ናይቲ ነባር ተመኩሮን ናይቲ ተቐባሊ ሕድሪ መንእሰይ ውዑይ ዓቕምን ኣብ መዓላ ክውዕል ኣይክእልን እዩ።
እዚ መስርሕ ምትኽኻእ ኩርኳሕ ዘየብሉ ልሙጽ መንገዲ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ቃልሲ ዝሓትት እዩ። ዕምቆት ናይቲ ቃልሲ ከኣ ብናይቶም ኣረከብትን ተረክብቲ ሕድርን ቅሩብነትን ሓላፍነታውነትን ዝውሰን እዩ። ብፍላይ እቶም ኣብ መንግስቲ ኮነ ኣብ ደንበ ተቓውሞና፣ ነቲ ቃልሲ ተረኪብካን ብሓድሽ ኣተሓሳስባ ቀሊስካ ናይ ምቕጻል ዜግነታውን ትውልዳውን ሓላፍነት ዘለኩም መንእሰያት፣ ኣረካቢ ማዕጾ እንተተዓጽዩኩም፣ ኣጸቢቕኩም ብቐጻሊ ኳሕኩሕዎ እምበር ተንኪፍኩምዎ ምኽፋት ምስ ኣበየኩም በጨው ኣይትበሉ። “ነባራት ምቅላስ ከሊኦምና” ዝብል ምስምስ ብፍጹም ተቐባልነት የብሉን። እቲ መቃለሲ ባይታ ሰቲ ተነስኒስዎ ዝጽበየካ ዘይኮነ፣ ብቓልሲ ዝፍጠር ምዃኑ ሓደራ ከይትርስዑ። ብውሽጥኻ ንቃልሲ ከይተዳለኻ ትንክፍ ኣቢልካ ምርሓቕን ምምራርን ፈጺሙ መፍትሒ ኣይኮነን።
ኣብዚ እዋንዚ እቲ ተወዲብካ ዝካየድ ቃልሲ በቲ ዝተጸበኻዮ ፍጥነት ምኻድ ምስ ኣበየካ፣ ኣቋራጭን ዘይውዱብን ናይ እንጽርጽሮት ዝመስል መንገዲ ንምንዳይ ዓቕለጽበታዊ ምርጫ ናይ ምውሳድ ምልክታት ሓሓሊፍና ንዕዘብ ኣለና። እዚ ነቲ “ውዳበ ሓይሊ እዩ” ዝብል ክስገር ዘይግበኦ ፍቱን ኣምር ዝጓሲ ስለ ዝኾነ፣ መፍምቶ ህግደፍ ዝገብር እምበር ዘዕውት ከምዘይኮነ ብምርዳእ ናይዚ ዘይቅርዑይ ንቕሎ ኣሳሰይቲ ናብ ልቦም ተመሊሶም ኣብ ውዱብ ኣገባብ ቃልሲ ክጸዓዱ ነዘኻኽሮም። ናይቲ መንእሰይ ተመኩሮን ናይቲ መንእሰይ ዓቕምን ከነወሃህድ እንተበቒዕና ኢና ከኣ ከም እንዕወት ዘይንጠራጠር።
ብዕለት 30 መስከረም 2108 ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባ ናይ ምሉኣት ኣባላት ብኤለትሮኒካዊ መራከቢ ብዙሓን ኣኼባ ኣካይዶም። ብሓዳስ ጨንፈር ሽማገለ ዝቀረበ 3ተ ኣጀንዳ ተኸቲሎም ኣብ ስሪዒታውን ሰልፋዊ ሃለዋትን ምዉቅን ዓሚቅን ክትዕን ምይይጥን ኣካይዶም። ብፍላይ ኣብ ጉዕዞ ዘሎ ምድላው 3ይ ሰልፋዊ ጉባኤ ጽጹይ ሓበረታ ብምስማዕ ንምዕዋቱ ከኣ ዕጥቆም ከም ዝድርቡ ኣስሚረምሉ። ኣብ ህልዊ ሃለዋት ሃገርናን ህዝብናን ዝርኤ ዘሎ ተሃዋስን ኣሰካፍን ኩነታት ብዝርዝር ተማያይጦም። ብጉዳይ ኤርትራዊ ደምበ ተቋውሞ ፡ ናይ ሰልፊ እማመ ብሓባር ንስራሕ ዝብል ምስ ሎሚ ዝረኣዩ ዘሎዉ ንልዕላውነትን ህዝባዊ ምጽናትን ዝተንክፍ ስለ ዝኮኑ ንምድሓኑ ጊዜ ዘይህብ ኮይኑ ብቅልጡፍ ናብ ግብሪ ክትርጎም ከም ዘሎዎ ብትሪ ተላብዮም። ንጉዳይ ሰላም ዉልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍን መንግስቲ ኢትዮጵያን ብዝምልከት ኣዝዩ ኣሰካፍን ሓደገኛን ኣንፍታት እና ተደራረበ ይኸይድ ስለ ዘሎ ካብ ምዝንባል ሓሊፉ ናብ ብርሰትን ምጽናት ከይሰግር ብምህላዉ ኩልና ኣባላት ተኻታተሊ ኣኼባታት ብምክያድ ብዕቱብ ክንዛረበሉን ክንዛየተሉን ከም ዘሎና ድሕሪኡ ከኣ ብመደብ ንህዝብና ምሕባር መደባት ክዳሎ ተሳማሚዖም። ኣብ መደምደምታ ብመስዋእቲ ሓውና ማሕሙድ ኣሕመድ ናይ ሓዘን ተኻፈልቲ ምዃኖም ገሊጾም ኣኼባ ብዝኽሪ ስዉኣት ተዛዚሙ።
ኤርትራውያን፣ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ፣ መገሻኦም ክስርዙ ወይ 360 ኣስከሬናት ላምፓዱሳ ምስኦም ክማልኡ ሓቲቶም
Wednesday, 03 October 2018 10:13 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣብዚ ናይ 3ጥቅምቲ 2013 ህልቂት ላምፓዱሳ ዝዝከረሉን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ናብ ኤርትራ ክገሹ ዝመደብሉን ኣጋጣሚ ሰለስተ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውድባት (ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪን ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሕን) ዝሓደሮም ዓሚቕ ሻቕሎትን ቅሬታን ብምጥቃስ ናብ መንግስቲ ኢጣልያ መዘክር ሰዲዶም። ኣብቲ መዘክሮም ናይ ኢጣልያ ተደጋጋሚ ንኤርትራውያን ኣብ ግዜ ጸገሞምን ሓገዝ ዝደልይሉ ኣጋጣምን ናይዘይምትሕግጋዝ ተግባር ኣስፊሮም።

እዚ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ጂሶፐ ኮንተን ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተሮም ኢንዞ ሚላነሲን ዝተላእከ መዘክር፣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጨቋኒ ጉጅለ ብውሕዱ ገለ ካብቲ ንኤርትራ ዝምልከት ብባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ለበዋታት ከይተግበረ፣ ብደረጃ ላዕለዋይ ልኡኽ ክብሪ ክወሃቦ ከምዘይግባእ መንግስቲ ኢጣልያ ንክርዳእ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።
ኣብዚ መዘክር ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ናብ ኤርትራ ዝመደብዎ መገሻ ንክስርዙ ወይ ድማ እቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ናይ ህልቂት ላምፓዱዛ ኣስከሬናት ምስኦም ተወሲዱ ኣብ ኤርትራ ብግቡእ ንክቕበር ሓቲቱ።
እዘን ኤርትራዊ ውድባት ኣብ መዘክረን፡ መንግስቲ ኢጣልያ ናይ ቀደም ግዝኣቱ ዝነበረት ኤርትራ ክሕግዝ ዘይምብቅዑ ጠቒሰን። ምስዚ ብምትሕሓዝ ኢጣልያ ናይ ቀደም ግዝኣታ ንዝነበረት ሊቢያ፣ ቁስላ ንምውሕዋይን ንምኽሓስን ብ2009 ዝሃበቶ 6 ቢልዮን ዶላር ገንዘባዊ ሓገዝን ናይቲ ዝፈጸመቶ በደል ግሉጽ ኣፍልጦን ጠቒሰን።