አገዳሲ ናይ ሓባር መግለጺ ፖሎቲካዊ ውድባትን ስቪካዊ ማሕበራትን ጀርመን
Thursday, 27 September 2018 21:25 Written by ጊዜያዊት ሽማገለዝሐለፈ ብዕለት 04/05.08.18 ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ብ ሰዲህኤ ዝተዳሎ ፈስቲቫል ኤርትራ ተረኺቦም፡ ፖሎቲካዊ ውድባትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ከምቲ ልሙድ ናይ ደገፍ መልእኽቶም ከስምዑ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ናይ ሎሚ ዓመት ካብኡ ፍለይ ዝበለ፡ ነዚ መድርኽ ዝበቅዕ ናይ ሓባር ስራሐት ከተግብሩ ዝኽእለሉ ኩነታት ክርእዩን ክፈጥሩን መታን ተባሂሉ እውን ብሓባር ኮፍ ኢሉ እንታይ ክግበር ይካአል ክፍትሽን ክእምትን ክኢሉ'ዩ። ብዝዋሐደ ከአ ነቲ አብቲ ፈስቲቫል ተጨሪሑ ዝነበረ ,,ብሐባር ነድምጽ ከነስምዕ! ብሓባር ንስራሕ ከነድምዕ!,, ዝብል ጭርሖ ከም ናይ ሓባር ጭርሖ ወሲዱ፡ ኩሉ ከአ ንምትግባሩ ክቃለስ ብቃሉ መብጽዓ አትዩ።
ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ማሕበር ጀርመን ንዝተኣተወ መብጻዓ ንምትግባር ሐላፍነት ወሲዱ ነተን አብ ፈስቲቫል ኤርትራ ዝተረኽባ ፖሎቲካዊ ውድባትን ስቪካዊ ማሕበራትን ብዕለት 16.09.18 ኣብ ከተማ ፍራንክፍርት ክራኸባ አኼባ ጸዊዑ። አብቲ አኼባ 10 ፖሎቲካዊ ውድባት 2 ከአ ስቪካውዊ ማሕብራት ወከልተን ተረኹቦም ኣብዞም ኣብ ታሕቲ ዝስዕቡ አርእስታት ተመያይጦም።
1. ኩነታት ህዝብን ሃገርን ዘንጸላልዎም ዘሎ ሐደጋታትን
2. ቀንዲ ናይ'ዚ እዋን ተባራዕቲ ሕቶታት ምልላይን መልሲ ምውህላልን ምርካብን
3. ተመክሮን ሃለዋት ደምበ ተቓውሞ ምድህሳስ፡ ሓያልን ድኹምን ጎድኑ ምልላይን
4. ንሕና ከም አካል ደምበ ተቓውሞ ህልዊ መደረኽ እንታይ ይጠልባና አሎ ዝብል'ዩ።
ኩሉም ተሳፍቲ አኼበኛታት ነዚ አብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ አርእስትታት በቲ ኣብኡ ዝተረኽበ ዓቕሚ ሰቡ ክመያየጠሉን ክካታዓሉን ኮይኑ። ንነብሲ ወከፍ አርእስቲ ናይ ጊዜ ገደብ ተገይርሉ ስለ ዝነበረ ኩሉ ሰብ ድማ ሓላፍነት ተሰሚዕዎ ጓል ነገር ገዲፉ፡ ኣብቲ ቀንዲ ቁምነገነገር ረጊጹ ሓሳቡ ስለ ዘቕረበን ተውሲኽዎ፡ እቲ አኼባ አብ ጊዚኡ ክውዳእ ኮይኑ። ቀንዲ ነዚ አኼባ'ዚ ስሉጥ ክኸውን ዝገብሮ መኽንያት ነቲ እንመያየጠሉ አርእስቲ አመልኪቱ ዝተዳለወ ሓርፋፍ ሰነድ ቀሪቡ ስለ ዝነበረ'ዩ። ከምዚ ዓይነት ናይ ስራሕ ልምዲ ከነማዕብልን ጊዜና ብግቡ ስለ ዝተጠቕመሉን ከአ ኩሉ ሰብ ተስፋ ሰኒቑ ሕጉስ ኮይኑ ነኒቦትኡ ተመሊሱ እዩ።
ቀንድን ቁምነገር ናይዚ ፍልመ አኼባ'ዚ ግን ነዞም አብ ላዕሊ ተሰሪዖም ዘሎው አርእስትታት ኣብ ምዕማቖምን ኣብዝርዝር ትሕዝቶኦምን ብዝምልከትን መብዛሕትና ዳርጋ ሐባራዊ አረዳድአ ዘዕረፍናሎም ብምዃኑ'ዩ። ዝተረፈ ብቐጻሊ እና ተራኽብና ብዛዕብኡ ክንዝትን ዝተርፉና ክንምልእን ከም ዘሎና ተራዳዲእና አሎና። ቀጺሉ ከአ አብ ጀርመን ብሐፈሽኡ ቀንዲ ከአ አኣብ ከባቢና ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ዝዓለመ ስራሐት ከነተግብር እንተ ድአኮይኑ፡ ካብ ዝጸንሐና ሕጽረታት ድኽመታት ተጋላጊልና፡ ኣብ ነብስናን ሕድሕዳዊ ምትእምማን ፈጢርና ህዝቢ ማእከሉ ዝገበረ ስረሓት ንምዕዋት ብቕድም ነብስና መዚዝና ክንረባረብ ከም ዝግባእና ኩሉ ተሳታፊ አኼባ ብሐደ ቃል አዲምጹ አሎ። አብዚ አኼባ'ዚ ነዚ እተዋሃህድ 5 ሰብ ዝአባላታ ጊዝያዊት ሽማገለ ተመዚዛ አላ።
ካልእ አገዳሲ ነጥቢ አብ ጀርመን ዝርከቡ ፖልቲካውያን ውድባትን ስቪካውን ማሕበራትን ነዚ ተጀሚሩ ዘሎ ተብግሶ ብሓባር ምስራሕ ብዝምልከት ከተጎልብትዎን ዋናታት ኮንኩም ክትዋስእሉን ስለ ዝግባእ ብሐባር ተጠሚርና ንስርሐሉ መድርኽ ክንፈጥር በዚ አጋጣሚ መጸዋዕታ ንቕርብ።
ጊዜያዊት ሽማገለ
ፖሎትካዊ ውድባትን ስቭካዊ ማሕበራትን ጀርመን
ዕለት 22.09.18
ኤርትራውያን ብብዝሒ ናብ ኢትዮጵያ ይሃድሙ ኣለዉ
Thursday, 27 September 2018 10:27 Written by ማርቲን ፕላውት (ትርጉም ቤ/ጽ ዜና ሰዲህኤ)ኣብ ሓሙሽተ መዓልታት ጥራይ ዳርጋ 4,000 ካብ ኤርትራ ዑቕባ ክሓቱ ዶብ ሰጊሮም ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ ኤርትራውያን ተመዝጊቦም ምህላዎም ማርቲን ፕላውት ዝተባህለ ጋዜጣኛ ኣብ ናይ ዕለት 26 መስከረም 2018 ዘውጽኦ ዜና ኣስፊሩ ኣሎ።
ብመንጽር ናይ ቅድሚ ሕጂ ኩነታት ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ወርሒ 5,000 ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ ከም ዝኣትዉ ዝሕብር ጸብጻብዩ ነይርዎም። እዚ ሓድሽ ኩነታት እንተቐጺሉ ግና ቁጽሪ ናብ ኢትዮጵያ ናይ ዝኣትዉ ኤርትራውያን ኣብ ወርሒ 20, 000 ክበጽሕ እዩ።
ንኣብነት ዝኣክል ካብ 21 መስከረም ክሳብ 25 መስከረም 2018 ኣብ ወግዓዊ መእተዊ ዝተመዝገቡ ኤርትራውያን ከምዚ ዝስዕብ እዩ: ክብል ጠቂሱ ኣሎ።
ዓርቢ 21 መስከረ 526
ቀዳም 22 መስከረም 550
ሰንበት 23 መስከረም 223
ሰኑይ 24 መስከረም 1,839
ሰሉስ 24 መስከረም 575
ድምር 3,713
እዚ ዝተጠቕሰ ናይ ዝተመዝገቡ ዝርዝር እዩ፡ ካለኦት 1,500 ከኣ ኣብ ዶብ ንክምዝገቡ ዝጽበዩ ኣለዉ። ኢትዮጵያውያን ሰብ መዚ ብዓለምለኻዊ ትካል ንስደተኛታትን ብላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን እንዳተሓገዙ፥ ኩነታት ንምምሕያሽ ኣብ እንዳባጉናን ካለኦት መደበራት ስደተኛታትን ዝከኣሎም ይጽዕሩ ኣለዉ።
ኤርትራዊ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ምስ ጐረባብትና ብሓፈሻ ምስ ኢትዮጵያ ድማ ብፍልይ፣ ምስ ትግራይ ከኣ ብዝያዳ ብፍላይ ምትእስሳር ከም ዘለዎ ኩልና ዘይንዝገዖ እዩ። እዚ ምትእስሳር ንሓንሳብ ብሰላም ንሓንሳብ ድማ ብህውከት ከም ዝግለጽ ከኣ ተመኩሮና ይምስክሮ። ክንጻላእ እንከለና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ይሰጎ፣ ክንፋቶ እንከለና ከኣ ኣብ ሕድሕድ መገሻ ይጽዕቕ። እቲ ህዝቢ ወትሩ ሰላምን ፍቕርን እዩ ዝመርጽ። እቲ ምቅይያራት ዝመጽእ በቶም ዝመርሑ ኣካላት እዩ።
ኣተሓሕዛኡ፥ ሕቶ ሕጋውነቱ፥ እሞ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝምልከቶ ህዝቢ ግሉጽነት ዘየብሉ ምዃኑ፣ ኣቐሚጥካ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ንክንደይ መዓልቲ ምዃኑ ዘይፍለጥ፣ መንግስታት ኣብ ዘጽቀጥሉ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብወገን ትግራይ ብዘይቪዛ ካብን ናብን ይስገር ኣሎ። ህዝቢ በዚ ኩነታት ተሓጒሱ ብፍላይ ብወገን ኤርትራ ብሰንኪ ጸቢብ ኣተሓሕዛን ቅድመ ኩነታትን መንግስቲ ሓርቢትዎ፣ ብናይ ቀረባ ቤተሰቡ ናፍቖት ክሕመስ ምስ ጸንሐ፣ ከምዚ ንነዊሕ እዋን ኣብ ደንበ ተዘሪዐን ዝጸንሓ እንስሳ ክትከፍተለን እንከለኻ ብሓንሳብ ዝነጉዳ ኤርትራዊ ንትግራይ ኣዕለቕሊቕዋ ኣሎ። ኣብቲ መንግስትኻ እየ ዝብሎ ህግድርፍ እምነት ስለ ዘየብሉን፣ እቲ መንግስቲ ሎሚ ንዝበሎ ጽባሕ ንከይቅይሮ ዝቆጻጸረሉ ሕጊ ስለ ዘየብሉን ዶብ ተመሊሳ ከይትዕጸዎ እሞ ከይቅደም እምበር መዓስ ይገይሽ፥ ክሳብ መዓስከ ይጸንሕ ካብተን ኣብ ወርሒ ዝወሃባ 5 ሺሕ ናቕፋኸ ክንደይ ሒዙ ይገሽ ምውሳን ከም ዝጽገሞ ካብ ኩነታቱ ምርዳእ ይከኣል።
እቲ ኩነታት ህግደፍ ፈትዩ ዝተቐበሎ ዘይኮነ ህዝቢ ዓቕሉ ምስ ጸበቦ ደፊኡ ዝወሰዶ ስጉምቲ ምዃኑ ምርዳእ ይከኣል። ህግደፍ ብመሰረቱ ምቁጽጻር ከም ሕዱር ሕማም ስለ ዝወስዶ ኣይኮነንዶ ናብ ትግራይ ካብ ኣውራጃ ናብ ኣውራጃ እውን ከመይ ከም ዝቆጻጸር ንፈልጦ ኢና። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ ንሱ ኣጺቂጡ፣ ኣጋፈርቱ ዝኾኑ ማሕበራዊ ሚድያታት እዮም ነቲ ጉዳያት ከም ድላዮም ዝጻወትሉ ዘለዉ። ህዝቢ ኤርትራ ብኸምዚ ደረጃ ደፊኡ ንህግደፍ ምግዳዱ ጽቡቕ ኮይኑ፣ እቲ ደፊእካ ምግዳድ ግና ናብ ትግራይ ንምፍላስ ዘይኮነስ፣ ካብቲ ኣብ ኤርትራ ተዓጽዩ ዘሎ ናይ ሰላም፣ ዲሞክራስን መሰልን ዕርድታት ንምስባር እንተዝኸውን ከኣ ዝያዳ መምሓረሉን መሰታዊ ፍታሕ መምጸኣሉን። እንተኾነ ሎሚ’ኳ እንተዘይገበሮ ጽባሕ ከም ዝገብሮ ግና እቲ ምልክታት ትስፉው እዩ።
ከምቲ ዝተጠቕሰ ናይቲ ህዝቢ ኣጋይሻ ክቱር ምፍልላይን ናፍቖትን ዝደረኾ ኮይኑ፣ ብዝሑ የሰንብድ፣ ደሓርከ ክምለስ ድዩ ኣይምለስን የስግእ፣ እንተዘይተመሊሱኸ ናበይ እዩ ክኸይድ የሰክፍ፣ በዚ ኣገባብ ናብ ትግራይ ጥራይ ዘይኮነ ናብ ማእከል ኢትዮጵያ ዝበጸሐኸ ደሓር ዜግነታዊ ደረጃኡን መጻኢ ዕድሉን እንታይ እዩ ክኸውን ዝብል ሕቶታት ኣይተመለሰን። ነዚ ከብርህዎ ዝነበሮም ከኣ እቶም ዘፍቅዱ ዘለዉ ወገናት እዮም። ግና ኣይገብርዎን። ኤርትራዊ ብፍላይ እቲ መንእሰይ ንህግደፍ ኣይኮነንዶ ኣብ ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኮይኑ እውን ስለ ዘያመኖ፣ ካብኡ ኣርሒቑ ንምህዳም ካብ መቐለን ዓዲ ግራትን ብጻዕቂ ለይትን መዓልትን ናብ ኣዲስ ኣበባ ይጓረት ኣሎ። ከምቲ ናይ ትግራይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ’ውን ዝጽበዮ ኣይፈልጥን እዩ። ገለ ኢሳይያስ ምስ ኣዲስ ኣበባ ፈጢርዎ ዘሎ ሓድሽ ዕርክነት ባህ ዘይበሎም ኣዲስ ኣበባ ምብጻሕ እኹል ኮይኑ ዘይተራእዮም፣ ኣብ ቅድሚኦም ዘሎ ሓደጋታት ብዘይምስትብሃል ብመስመር ሞያለ ኬንያን ዩጋንዳን ከም ዝበጽሑ ሓበሬታ ኣሎ። ድሕሪኡ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃን ካልኦት ናይቲ ከባቢ ሃገራት ናይ ምቕጻል ትልሚ ክህልዎም እዩ። ብኽንዱ ደርጃ ዝጽበዮም ሓደጋ ከኣ ህያው እዩ።
እቲ ዋሕዚ 10 መዓልታት ገይሩ ቀጻሊ ከኣ ኣሎ። ድሮ ከኣ ኣብ ከተማታት ትግራይ፣ ናይ መግብን መደቀስን ጸገም ገጢምዎም ካብኡ ከይቅጽሉ ገንዘብ ሓጺርዎም ኣብ ገበላታት ቀንፈዘው ዝብሉ ኤርትራውያን ይበዝሑ ከም ዘለዉ ይንገር። ኣብ ከተማታት ትግራይ ሓላፍ መንገዲ “እዚኦምከ ወዮም መገሽ ዝይጓስዮም ኤርትራውያን ድዮም” ክብሎም ጀሚሩ ኣሎ። ገሊኡ ድማ ኮንደኾን ዝቀርቀርዎ ይህልዎም ብዝብል “ናቕፋዶ ኣለኩም?” ኢሉ ይሓቶም። ትግራዋይ ናቕፋ ዝሓቶም ናብ ኣስመራ ከይዱ ኣብ ኤርትራ ሕሱር ዝበሃላ፣ ናይ ወጻኢ ኮበርታ፣ ረሲቨር፣ ተልቪዥንን ጂኤል ሞባይልን ንምግዛእን እዩ፡
ካብን ናብን ጉዕዞ መካይን ጽዑቕ እዩ። ናይ ንግዲ ጥራይ ዘይኮነ ናይ ገዛ መካይን ይመላለሰ እየን። ውሑዳት ናብ ህግደፍ ቅርበት ስለ ዘለዎም ከም ድላዮም ናቕፋ ዝጸዓኑ ኤርትራውያን ዘድልዮም ኣስቤዛ ካብ ትግራይ ይጽዕኑ ኣለዉ። ኣብ ኤርትራ ዝለመድዎ ስኽራን ከኣ ኣብ ትግራይ ብዝሓሰረ ዋጋን ዝሰፈሐ ናይ ኣልኮል ምርጫን የዘውትርዎ ኣለዉ። ገሊኦም ተዓዘብቲ ከም ዝብልዎ፣ ኣብ ሓደ ደቒቕ ካሳብ 20 መካይን ኣብቲ ዶብ ይመሓላለፋ። ከምቲ ዘይንዝንገዖ ንብረት ጥራይ ኣይኮነን ካብን ናብን ዝሰጋገር ዘሎ። ኣንተላይ ትዕዝብትን ኣትሓሳስባን እዩ። ኤርትራውያን ብብዝሒ ዘመናዊ ህንጻታት፣ ጽዑቕ ንግዳዊ ምንቅስቓስ፣ ብዝሒ መንእሰይ ኣብ ጐደናታትን ዘመናውነት መንገድን ይድነቑ፣ ትጋሩ ከኣ ብናይ ኣስመራ ዘይምቕያር፣ ጽምዋ ጐደናታትን ናብ ሓመድ ብዝተቐየረ መንገድታትን ይሕዝኑ። እቲ ዝያዳ ንህግደፍ ኣቃሊዕዎ ዘሎ ከኣ ጉዳይ መካይን እዩ። ኣብ ገለ ከተማታት ትግራይ ካብተን መካይን ዳርጋ ሓደ ሲሶ ናይ ኤርትራ መለልዪ/ታርጋ ዝለጠፋ እየን። ኣብ ከተማ ኣስመራ እውን ብዙሓት ናይ ኢትዮጵያ ታርጋ ዘለወን መካይን ይንቀሳቐሳ። እቲ ዘገርም ካብ ኤርትራ ዝመጻ መካይን መለዋወጢ ስኢነን ለቓቒምካ ክኸዳ ዝጸንሐ ኣዝየን ዝኣረጋ እየን፡ ከምኡ ስለ ዝኾና ከኣ ኣብ መንጎ መቐለን ዓዲ ግራትን ተጸጊዐን ዝደቀሳ ኣለዋ።
ብሳላዚ ኣብ ኤርትራ ዕዳጋ ሃዲኡ ኣሎ። ወዮ 7000 ናቕፋ ዝበል ዝነበረ ጣፍ 2500 በጺሑ ይበሃል። ካልእ ሃላኺ እውን በብደረጃኡ ኣዝዩ ነኪዩ። እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ለውጢ ሸውሃቱ ባዶ እንከሎ ብሕሱር ኣስቤዛ ከብዱ እንተመለአ ክጸግብ ኣይኮነን።
እዚ ኩነታት ብመንጽር ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ብፖለቲካዊ ምውጣጥ እንተርኢናዮ እቲ “ቅድም መሬት ይጠረር” ዝብል ዝነበረ ናይ ህግደፍ ጃጃዊ መርገጽ ተሳዒሩ፣ እቲ በመንገዲ “ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንስገሮ” ኮይኑ ዝጸንሐ መርገጽ ኢትዮጵያ ከም ዝሰዓረ ብንጹር እዩ ተራእዩ። እሞ ንሕናን ህዝብናንከ እንታይ ንግበር? ከኣ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ ግዜ ዘይህብ ሕቶ እዩ።
ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ ተወሲዱ ከም ዝተኣስረ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ኣረጋጊጾም ኣለዉ። እቶም ንጭታት ከም ዝጠቐስዎ ኣቶ ብርሃነ ዝተኣሰረ ኣብ ማእከል ከተማ እንዳተዛወረ ከባቢ ሰዓት ትሻዕተ ናይ ንግሆ ብኣርባዕተ ኣባላት ጸጥታ እዩ ተወሲዱ።
ማእሰርቲ ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ድሮ እቲ ሚድያ ኤርትራን ተቓወምትን ግዳይ ማእሰርቲ ዝኾንሉ 18 መስከረም 2001 ዝፍጸም ዘሎ ምዃኑ እዩ።.
ናይ ቅድም ሚኒስተር ገንዘብ ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ክልተ ክፋል ዘለዎ ንመንግስቲ ኤርትራ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ዝብድህ መጽሓፍ ኣሕቲሙ እዩ። ንሱ ኣብቲ መጽሕፍቱ ንምትእትታው ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ክካየድን ጸዊዑ ኣሎ። ብዘይካዚ ኣቶ ብርሃነ ንዲክታተር ኢሳይያስ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ክምክቶ ድልዊ ምዃኑ ጠቒሱ ኣሎ፡.
ኣቶ ብርሃነ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኮይኑ ከምዚ ዓይነት ተባዕ ስጉምቲ ምውሳዱ ሰፊሕ ደገፍ ረኺቡ ኣሎ። ከም መርእያ ናይዚ ናይ ቅድም ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝነበሩ ንተባዕ ስጉምቱ ብምድጋፍ ናይ ሓባር ናይ ደገፍ መግለጺ ኣውጺኦም ኣለዉ። እቶም ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ መንግስቲ ኤርትራ ኣብረሀ ኢሳይያስ ስልጣኑ ንከረክብ ብድፍረት ዝበሎ ዝደገፉ ናይ ቅድም ላዕለዎት ሓለፍቲ፣ ነቲ ኣቶ ብርሃነ ኣልዕሊልዎ ዘሎ ዛዕባ ካለኦት ወገናት እውን ክድግፍዎ መጸዋዕታ ኣቕሪቦም ኣለዉ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት እተን ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ዝደረሰን መጻሕትን ንሱ ዝሃቦ ብምስሊ ዝተሰነየ መልእኽትን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ናብ ህዝቢ ቀሪቡ ነይሩ። እዚ ናይ ቀደም ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ኣብቲ ዝሃቦ ብምስሊ ዝተስነየ መልእኽቲ፣ ኣቶ ኢሳይያስ ነቲ ንክልተ ዓሰርተ ዓመታት ዘይኣከቦ ባይቶ ንክእክቦ ጸዊዑ ኣሎ።
ዎር ድ ኦ ርድ ኦ ኣባይ ሃላ ዲብ ዓድና/ ርዳእ ርዳእ ርጉም ስብ ኣሎ ኣብ ሃገርና
Tuesday, 18 September 2018 21:49 Written by ፍስሓ ናይር"ኣብ ናይ ሎሚ ሓተታይ፣ ዎ ርድ ኦ ርድ ኦ ኣባይ ሃላ ዲብ ዓድና ብዝብል ኣርእስቲ ንህልዊ ኩነታት ሕዝብናን ሃገርናን ከምኡ ድማ ዞባ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ናይ ሕዝብታት ብርሰት ብውለቀ መላኺ ኢሳያስን ብፓስቶር ኣቢዩ ኣሕመድ ዝካየድ ዘሎ ናይ ሓሶት ሰላምን ፍቅርን ኣብ ትሕቲ ጭርሖ ንደመር"
በታ ኣብ ስ ሳታት ኣብ ምዕራባውን ምስራቃውን መታሕት ኤርትራ ግዜ ሃጸይ ሃይለ ስላሰ ዓድታት ከጥፍ እ ከሎ ዝድረፍ ዝነበረ ንምዝካር ኢዩ ከም ኣርኣስተይ መሪጸያ፣ ሎሚ ልክዕ ልጅ ኢሳያስ ወዲ ኣፎም ይደግሞ ስለዘሎ፣ ዎ ር ድ ኦ ርድ ኦ እናበልኩ መጀመርያ ንምሉእ ሕዝቢ ኤርትራ ንኽልዓል ኢለ ኢየ ኣስፊረያ።
እቲ ሒዞም ዘለዉ ናቶም ዘይኮነስ ካብ ናይ ዘመና ሓያላን ሃገራት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን፣ሓድነት ኤውሮጳን ዝተኣልመን ዝተሃንደሰን፣ከምኡ ድማ ብመስፍናውያን ስርዓታት ሃገራት ኸሊጅ ዝምወል ዕላማኡ ንሕዝብታት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘይኮነስ፣ ንጥቅሚ እተን መወልቲ ብምሕዝነት ሱዑዲ ዓረብን ኤሚራትን ዝካየድ ዘሎ ናይ ሕዝቢ ምጽናት ውግእ ኣብ የመን ነዚ ገርሂ ልቡ ሕዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ናብዚ ውግእዚ ንምእታው ኢዩ፣ ብዛዕባዚ ሓቅነቱ ንምፍላጥ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ኣለክስ ደዋል ርኤ( see the studies of Alex De Waal) ኣለክስ ደዋል ብዙሕ ግዜ ኣብ ኣፍሪቃ ውድድር ኣብ መንጎ ቺናን ኣመሪካን ፣ንሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ መቃቂልካ ሓዝ ኣብ ዝብል ቀርኒ ኣፍሪቃ ድማ ከም ስትራተጂካዊ መእተዊ ናብ ውሽጢ ሃገራት ንምእታው በቶም ስሱዓት መራሕቶም ገርካ ንሰብኣውን መረታውን ምንጭታት ሃገራት ኣፍሪቃ ጓሕጊሕካ ንምውራር ኢዩ። ኢስያስ ድማ ኣብ ከምዚ ናይ ሕዝቡ ብርሰት መጀመር ያኡ ኣይኮነን ዝሓቶ ሰብ እውን ክሳብ ሕጂ ኣብዛ ንፈልጣ ኤርትራ ኣይተወልደን ዘሎ፡፤ ክልቲ ኦም መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ትማሊ ኣብ ኢማራት ናይ ሰላም ሽልማት ሎሚ ድማ ናይ ሰላምን ካልእ ወዕልታት ምስ ምሕዝነት ሱዑድያ ናይ ሰላም ሽልማት ፣ ጸኒሖም ድማ ኣብ ኣመሪካን ኤውሮጳን ናይ ሰላም ሽልማት ክቅበሉ ይጽበዩ ኣለዉ።
እዞም ናይ ሰላም ሽልማት ዝህቡ ዘለዉ መራሕቲ ሃገራት ኽሊጅ ኣብ ውሽጦም ምስ ሕዝቦም ሰላም ዘይብሎም ይመስለኩምዶ ንኣና ኣፍሪቃውያን ሰላም ዝደልዩ፣ እቲ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ኩናት ናይ ህዝቢ የመን ኣይኮነን እንታይ ድኣ ብሱ ዑድያን ኤሚራትን ተመዊሉ ናይተን ሃያላን መንግስታት ኣብ መንጎ ኢራንን መሓዙታን ኢዩ፣ እዚ ናይ ብርሰት ውግ እ ከይዱ ከይዱ ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ መጀመርያ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተሳጊሩ ሃይማኖታዊ ብሔራውን መንነታ ዝሕዘ ውግ እ ሓድሓድ ኣብዚ ቀረባ እዋን ክጅመር ምዃኑ ብዙሓት ተመራመርቲ ግርጭታት ዓለም ይገልጹ ኣለዉ፡፤ ድሮ እኳ ኣብ ኢትዮጵያ ጀሚሩ ኣሎ፣ከይዱ ከይዱ ናይ ሱ ዑድያ ምሕዝነት ኣብ ኣሕላቂ ዝኾነ ሃይማኖታዊ ውግ ኣት ነዚሕዝብታት ከናቊት ምዃኑ................... ኣብ ጭብጥታት ዝተመርኰሰ መቀጸልታ..........ናይዚ ሓታተ ክቕጽሎ ኢየ...................................
ይቅጽል.
ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝቖመ ኣሰናዳኢ ሽማገል 3ይ ጉባአ ሰልፊ፡ ብ15 መስከረም 2018 ናይ መጀመርያ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ሽማግለ ኣብዚ ፈላሚ ኣኼባኡ ነብሱ ኣብ ንኡሳን ሽማግለታት ሰሪዑን ናኡሳን ሽማግለታት ምቋሙን ተሓቢሩ ኣሎ። በዚ መሰረት ናይ ሰነዳት ምድላው፡ ናይ ገንዘብን ሎጂስቲክን ናይ ኣባላት ኣሰታትፋን ዜናን ዝብሉ ንኡሳን ሽማግለታት ኣቝሙ።
እቲ ሽማግለ ኣብ ኣኼባኡ፡ ኣብ መጻኢ ንስረሓቱ ዝሕግዙ ብመሪሕነት ሰልፊ ክንጽሩ ዝግበኦም ነጥብታት ኣለልዩ። ብዘይካዚ ምስቲ ሰዲህኤ ሒዝዎ ዘሎ ምስ ቅሩባት ዝኾኑ ኤርትራዊ ናይ ተቓውሞ ውድባት ሓቢርካ ናይ ምስራሕ እማመ ቁጽሪ ኣባላት ኣሰናዳኢ ሽማግለ፡ ከም ኣድላይነቱ ክውስኽ ከም ዝኽእልን ከምዘዘድልን እውን ኣብዚ ኣኼባኡ መዚኑ።
ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን: መሰረት ንምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ክኸውን ይግባእ
Friday, 14 September 2018 22:18 Written by ትርጉም ቤ/ጽ ዜና ሰዲህኤ
Abdur Rahman Alfa Shaban
ሓዳስ ላዕለወይቲ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ሚቸለ ባቸለት ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ተስፋ ከም ዝሕደረለን ብምጥቃስ፡ እቲ ሰላም መሰረት ምኽባር ሰብኣዊ መሰል ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ክኸውን ይግበኦ ኢለን፡ ንሰን ዝመርሐኦ ኣካል ኣብ መጻኢ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከቋርጽን ኢትዮጵያ ጀሚራቶ ዘላ ምኽባር ሰብኣዊ መሰል ዝያዳ ክትቅጽሎን ከም ዝጽበያ ገሊጸን
ንሰን ንዝኾነ ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል ዘዕዝዝ ኣካል ክሕግዛ ቅርብቲ ምህላወን ኣነጺረን። ነዚ ብዝምልከት ከኣ “ቤት ጽሕፈትና ክልቲአን ሃገራት ንምኽባር ሰብኣዊ መሰል ብዝምልከት ኣብ ዝወስድኦ ስጉምትታት ክሕግዞም ድልዊ እዩ። ብዝያዳ ከኣ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝካየደ ዘሎ ገደብ ዘየብሉ መንእሰያት ናብ ውትህድርና ናይ ምምልማል ተግባር ክቋረጽ ትጽቢትና እዩ” ብዝብል ኣስፊረን።
ናይዘን ኮሚሽነር ርኢቶ ኣካል ናይቲ መበል 39 ጉባአ ክኸፍታ እከለዋ ብ10 መስከረም 2018 ዘስመዐኦ ቃል እዩ። ቅድሚ ባቸለት ዝነበሩ ኮሚሽነር ዛይድ ራኣዳል ሁሴኒ ብወገኖም በቲ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ከማርሩን መፍትሒ ክግበር ክጽውዑን እዮም ጸኒሖም።
ኢትዮጵያ ካብ ወርሒ ሚያዝያ 2018 ጀሚራ ኣብ ቅልጡፍ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይታ ሃገር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ናይ ለውጢ ማዕበል እያ እትርከብ። እሱራት ብብዝሒ ክፈትሕ ጸኒሓ። ሕግታት ዲሞክራሲያዊ ሜዳ ንምስፋሕ ብፍላይ ከኣ ንመጻኢ ምርጫ ብዝምልከት ይመሓየሹ ኣለዉ።
ብኻልእ ወገን ንኤርትራ ብዝምልከት እቲ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንክመሓየሽ መንግስቲ ምልክት ኣርእዩ ኣሎ። ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝምልከቶ ኣካል ብዙሓት ካብቶም ንሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተመልመሉ ኣብ ባርነት ከም ዝዋፈሩን ኣብ ልዕሊኦም ገበን ኣብ ሰብኣውነት ከም ዝፍጸምን ብዝምልከት ቅድሚ ሕጂ ጸብጻቡ ኣቕሪቡ እዩ።
ናይ ኤርትራ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል፡ ምእሳር ፖለቲካዊ ተቓወምትን ጋዜጠኛታትን ዝርከቦ ኮይኑ፡ ኣብ ካልእ ኣጋጣምታት ከኣ ኣመንቲ ብብዝሒ ዝተኣስርሉ ኩነታት’ውን ክረአ ጸኒሑ እዩ።
ድሕሪ እቲ ኣብ ብ9 ሓምለ 2018 ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ኣብይ ኣሕመድን ኣብ ናይ ሰላም ስምምዕ ምብጸሖም፡ ፖለቲካውን ሰብኣውን ተዓዘብቲ፡ ኤርትራ መዓስን ብኸመይ ፍጥነትን ዲሞክራስያዊ ስርዓት ከም እተተኣታቱ ይጽበዩ ከም ዘለዉ እተን ኮሚሽነር ጠቒሰን።
ኣሜሪካዊ ዲፕሎማት ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ኣይተቐየረን ኢሎም
Thursday, 13 September 2018 21:26 Written by ትርጉም ቤ/ጽ ዜና ሰዲህኤዋሽንግተን (ሮይተርስ)- ላዕለዋይ ኣሜሪካዊ ዲፕሎማት ኣብ ጉዳይ ኣፍሪቃ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንክልተ ዓሰርተ ዓመታት ዕንቅፋት ሰላም ኮይኑ ዝጸንሐ ኣብ ምውጋኑ ዝካየድ ዘሎ ኣተሓሕዛ ደጊፎም፡ እንተኾነ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት፡ ንዝምድናን ምትሕግጋዝን ምስ ዋሽንግተን ዕንቅፋት ኮይኑ ከም ዝቐጸለ ገሊጾም።

ፕረሲደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈውርቅን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን ብ16 ሓምለ 2018 ኣብ ኣዲስ ኣበባ
ኤምባሲ ኤርትራ ክኸፍቱ እንከለዉ ዘርኢ ስእሊ July 16, 2018. REUTERS/Tiksa Negeri//File Photo
መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብ11 መስከረም 2018 ነቲ ን20 ዓመታት ተዓጽዩ ዝጸንሐ ናይ ሓባር ዶቦም ምኽፋቶም ነቲ ዝነበረ ወጥሪ ኣህዲኡ ተስፋ ዝህብ ተግባር ኮይኑ ኣሎ። ቲቦር ናጊ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ቤት ጽሕፈት፡ ተሓጋጋዚ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ፡ ንጽባሒቱ 12 መስከረም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ መንግስቲ ኣሜሪካ ካብዚ ቀረባ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ክትዋሳእ ከም ዝጸንሐት ጠቒሶም፡ እንተኾነ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብ2009 ዝተወሰነ እገዳ ብዝምልከት ምልዓል ግዜኡ ከምዘይኣኸለ ጠቒሶም። እቲ እገዳ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተወሰነ ኣብ ሶማሊያ ምስ እስላማዊ ጉጅለታት ብምትሕግጋዛ ክኸውን እንከሎ፡ ኤርትራ ግና ነቲ ክሲ ኣይተቐበለቶን።
እቶም ኣሜሪካዊ ዲፕሎማት ንኤርትራ ብዝምልከት ካብ ዘልዓልዎም ዝኽፍታታት፡ ፖለቲካዊ ምኽንያታት ዘንቀዶ ማእሰርቲ ቦታዊ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራን ካለኦት ኣሜሪካውያንን ምዃኑ ገሊጾም። ከምኡ እውን ኣሜሪካ ብዛዕባ’ቲ ኤርትራ ካብ ሰሜን ኮርያ ኣጽዋር ከም ዝገዘአት ኣብ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ዝተሓበረ መብርሂ ከም እትደሊ ጠቒሶም።
እቶም ኣሜሪካዊ ዲፕሎማት፡ ብማእሰርቲ ሃይማኖታውያንን ፖለቲካውያንን ከምኡ ከኣ ብግዱድ ገደብ ዘየብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ጥቡቕ መንግስታዊ ምቁጽጻጻር ከም ዝሻቐሉ ኣስፊሮም። እዞም ናይ ቅድም ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ ኤርትራ ብጽቡቕ ኣቀራርባን ጽቡቕ ዝምድና ምስ ጐረባብቲ ሃገራትን እገዳ ከምዘይልዓለላ ከኣ ገሊጾም።
ብወገን ኤርትራ ዝረአ ኣውንታዊ ስጉምቲ እንተተወሲዱ ንሕና እውን ዋላ ልሙድ’ኳ እንተዘይኮነ ኣብቲ ጉዳይ ተሳቲፍና ምስክርነትና ክንህብ ንኽእል ኢና ኢሎም። ኤርትራ ብሕቡራት ሃገራት ክቐርባ ንዝጸንሐ ተደጋጋሚ ክሲ፡ ቅትለት፡ ምስቓይን ብዙሕ ዘይተመርመረ ገበናትን ክትነጽጎ እያ ጸኒሓ። ኣብ ሊዕሊ ኤርትራ ብ2009 ካብ 15 ኣባላት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ብ13 ዝተደገፈ እዩ እገዳ ተበይንዋ። ትሕዝቶ ናይቲ እገዳ ምኽልካል ምግዛእ ኣጽዋር፡ ገደብ መገሻ ገለ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ናይዞም ዝተወሰኑ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሃብቲ ምድስካልን የጠቓልል።እንተኾነ እቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ተወሲዱ ዘሎ ንፖለቲካዊ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዳግማይ ዝቐየረ ጽገናዊ ስጉምትታት ንዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን እውን ቀይርዎ ኣሎ።
ኣብይ ኣሕመድ ዝመርሖ ናይ ኢትዮጵያ ገዛኢ ግንባር፡ ኣዋጅ ህጹጽ ኩነታት ኣቋሪጹ፡ እሱራት እውን ፈቲሑ። ቁጠባ ኢትዮጵያ ብዝተወሰነ ደረጃ ንወጻእተኛታት ኣውፈርቲ ክፉት ክኸውን ተሊሙ ኣሎ። ኣብይ በቲ ተባዕ ኣካይድኡ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሓት ንሰላም ምስ ኤርትራ ብዝምልከት ስጉምቲ ወሲዱ ኣሎ። እዚ ስጉምቲ ድሕሪቲ ቅድሚ 20 ዓመታት ዝተኻየደን ኣስታት 80 ሺሕ ሰባት ዘህለቐን ናይ ዶብ ውግእ ዝውሰድ ዘሎ እዩ። ኤርትራ ንዝሓለፈ ልዕሊ 20 ዓመታት ንጉዳይ ኢትዮጵያ ከም መህደሚ ምኽንያት ክጥቀመሉ ጸኒሓ። ኣነ ንኤርትራ ናይ ስግእት መንግስቲ እየ ዝብላ’ውን ኢሎም ዲፕሎማት ናጋ። ምስ ምኽፋት ሰላማዊ ኩነታት ደጊም መህደሚ ምኽንያት ከምዘይህሉ ከኣ ሓቢሮም።
ብቐዳምነት እንቋዕ ንመበል 57 ዓመት ምጅማር ዕጥቃዊ ቃልስና ኣብቅዓና። ኩሉ ኤርትራዊ ከም ዝዝክሮ፡ ዕላማ ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ መስከረም 1961፡ እምቢ ኣይግዛእን ዝብል ጽንዓትን ኒሕን ዘንቀሎ ሃልሃል ዝብል ሃገራዊ ፍቕርን ስምዒትን ነድርን ምእንቲ ነጻነትን ሓርነትን ኤርትራን ህዝባን‘ዩ ነይሩ። ይከኣል‘ዩ ብዝብል ቈራጽ ድልየትን ውሳኔን ህዝቢ ንዝተበገሰ ወፍሪ ዝዓግቶ ሓይሊ ስለ ዘየሎ ድማ፡ ውሑድን ድሩት ዝዓቕሙን ህዝቢ ኤርትራ፡ ንኩሉ ሓይልን ትምክሕትን ሓያላት መንግስታት ዘይተፈልዮ ባዕዳዊ ግዝኣት ኢትዮጵያ ስዒሩ፡ ካባ ነጻነት ብምልባስ ተሞጒሱ (ተዓዊቱ)፡፡ እዚ ብናይ 30 ዓመታት መሪር ቃልስን መዘና ኣልቦ ክቡር ዋጋ መስዋእትን ዝተኸፍሎ ነጻነት ግን፡ ነቲ ዝተበገስናሉ ዕላማ ብምልኣት ስለ ዘይመለሶ፡ እንሆ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ክፉእ ናብ ዝኸፍአ ሓሳረ መከራ ተሸሚሙ መዋእል ባርነት የሕልፍ ኣሎ።
እዚ ልዑላዊት ሃገርን ኤርትራዊ መንነትን ኣረጋጊጹ ሃገሩ ሲንጋፖር ክትኮነሉ ዝጽበ ተስፋ ዘይቆርጽን ትዕግስተኛን ህዝቢ፡ ድሌቱን ትጽቢቱን ምስ ድሌትን ባህግን ገዛኢ ስርዓት ህግደፍ ስለ ዘይሳነ ግን፡ እንሆ ን27 ዓመታት ኣብ ርእይዎን ሰሚዑዎን ዘይፈልጥን ግዳይ ሕሱም ናብራ ክኸውን ብስርዓት ህግደፍ ተፈሪዱ። ብሕጽር ዝበለ ኣገላልጻ፡ እዚ ዋናን መሃዝን ሕግታት እንዳባ ምዃኑ ብዓለም ዝተኣምነሉን ዝተመስከረሉን ወረጃን ፍትሓውን ህዝቢ፡ ብዘይ ሃገራዊ ቅዋም ደስ ከም ዝበሎ ዝኸይድ ውልቀ መላኺ ክርገጽን ክጭቈንን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይግባእን ንዓለም ዘገረመን'ዩ።
እዚ ዓይነት ስርዓትን ኣካይዳን ብዝፈጠሮ ጠንቂ፡ ህዝብና ብዘይፈልጦን ዘይዓገበሉን ምስ ብየማን ብጸጋም ብምብራቕ ብምዕራብ ምስ ዝዳወቡዎ ኣሕዋቱን ጐረባብቱን ከናቝትዎን ከዳምዩዎን ከም ዘይጸንሑ፡ ነቲ ንዓመታት ዶብ ከይሕንጸጽ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ባድመ ከይወጸ ኣብ ናይ ዘተ ጣውላ ኮፍ ኣይብልን'የ እናበለ ሓንጊዱ ዝነበረ ትምክሕተኛ ዲክታቶር ኢሳያስ፡ መስርሕ ምሕንጻጽ ዶብ መዕለቢ ከይተገብረሉ፡ በቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዘውጽኦ መደብ ሓድሽ መጸዋዕታ ተቐቢሉ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ብምኻድ ጠገለ ዘይብሉ ጸፋዕፋዕን ክምስምስን ክብሃል ተዓዚብና።
ኣብዚ ብንጹር ንምዝራብ፡ ሰላም ምስ ኣሕዋትናን ጐረባብትናን ካልኦት ከባቢናን ብቀዳምነት እንደልዮን እንብህጎን ንሕና ህዝቢ ኤርትራ ኢና። እዚ ማለት ግን እቶም ካልኦት ወገናት'ውን ኣይደልይዎን እዮም ዝብል እምነት ከም ዘይብለይ ርዱእ ክኸውን እደሊ። ምኽንያት ሰላምን ፍቕርን ስጡም ሕውነትን ዝምድናን ጐረባብቲ ሓባራዊ ዕብየትን ምዕባሌን ዝስረተሉ ጥጡሕ ባይታ ስለ ዝኾነ። ይኹን'ምበር፡ ኣብዚ ንምብጻሕ ክኽተሎ ዘለዎ መስርሕ ኣለዎ።
ብቐዳምነት ዝግበር ስምምዕ ሰላም ኣብ መንጎ 2 ብቅዋም ዝሰርሑን ብባይቶ ናይ ህዝቢ ቍጽጽር ዝግበረሎም መንግስታዊ ትካላት ክህልዉ ኣለዎም።
ጠንቅን መንቀልን ናይ ህውከትን ዘስዓቦ መስዋእትን ክሳራን ክንጸርን ንዋንኡ ዝኾነ ህዝቢ ክሕበሮ ይግባእ።
ናይቲ ውግእን ህውከትን ጀማርን ግዳይ ብንጹር ክቕመጥን ክግለጽን ዝኽሕስን ዝከሓስን ብክልቲኡ መንግስታት ብመጋባእያ ወከልቲ ህዝቢ ክምዘንን ተቐባልነት ክረክብን ክምዝገብን ክዕቀብን ይግባእ።
እዚ ምስቲ ስምምዕ ኣልጀርስ ዝተለሞን ኣብ ደንሃግ ዝተኻየደ ፍትሓዊ መዓልቦ ተገይሩሉ ዝበሃል እንተኾይኑ'ውን ንጉዳዩ ዝምልከቶም ህዝቢ ክልቲኡ ሃገራት ክግለጽ ይግባእ።
ኣብ መወዳእታ፡ ኩሎም ወገናት ክሕብኡሉ ዝጸንሑ ውዕል ምሕንጻጽ ዶብ ብዘይ ቅድመኩነት ክፍጸም ዝብል መጸዋዕታ ተቐባልነት እንተረኺቡ፥ እቲ ውዕል በቶም ግዳይ ናይቲ ውግእ ዝኾኑ ክፋል ሕብረተሰብ ክልቲኡ ወገናት ክጅምር ኣብ ሕቶ ዘይኣቱ ግድነት'ዩ። ምኽንያቱ እዞም ህዝቢ'ዚኦም ን20 ዓመታት ሓሪሶምን ጓስዮምን ከይነብሩ፡ መሬቶም መደበር ወተሃደራት፡ ጋራጃት ታንክታትን ከቢድ ብረትን ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ከም ሰብ እግርኻ መሊእካ ዘይትረግጸሉ ፈንጂ ዝተዘርኣሉ ስለ ዝኾነ፡ ተጸበይቲ ሓገዝ ናይ ግብረ-ሰናይ ኮይኖም ዝነብሩ ዘለዉ ክፋል ሕብረተሰባት'ዮም። ነዚኦም ረሲዕካን ኣቓልቦ ከይሃብካን ዝግበር ውዕል ሰላም፡ ንገለ ክፋል'ቲ ሕብረተሰብ ሸጥካ ነቲ ካልእ ክትኣሊ ወይ ከተናብር ካብ ምሕሳብ ሓሊፉ ካልእ ትርጉም ኣይህልዎን'ዩ። እዚ ከኣ መስርሕ ሰላም ነባርን ቀጻልን ውሑስን ከይከውን፡ መዓልቲ ሓልዩ ዝባራዕ ፈንጂ ቀቢርካ ከም ምኻድ ስለ ዝኾነ፡ ዘላቒ ሰላም ዘየረጋግጽ ዓይነት ውዕላት'ዩ።
ህድእ ኢልና ብመንጽር ዓይኒ ሰላም እንተርኢና፡ ኣብ ሰላም ንደመር ዝብል ልዙብ መግለጺ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዶክቶር ኣቢ ኣሕመድ ካብ ዝዝመር 3 ወርሒ ኣብ ዘይመልእ፡ ብዙሓት ተስፋ ዝህቡ ተበግሶታት ይርኣዩ'ኳ ይሃልዉ'ምበር ድሕሪ ምቅጻል ቤተክርስትያናት ኣሕመድ ግራኝ ኣብ ኢትዮጲያ ክሳብ'ዚ ትማሊ 9 ቤተክርስትያናት ክቃጸልን ካህናት ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ዝተቐትሉላን ዕለት ከምዚ ዓይነት ታሪኽ ኣብ ኢትዮጵያ ኣንቢበ ኣይፈልጥን። እዚ ፈኸም እናበለ ዝባራዕን ኣቓልቦ ዘይተዋህቦን ድጉል ሓዊ ዘላቒ ፍታሕ ከይገበርካ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን እናበልካ ዝግበር ስውኣ ዝጠዓመላ ኮማሪት ዝመስል ቀበዝበዝን ሸብዳዕዳዕን፡ ሕጂ'ውን ገደብ ክግበረሉን ብሓላፍነታዊ ዓይኒ ክርአን ክእረምን ኣለዎ። ብኣጋጣሚ ነዚኣ ኣብ ምድላው ተጸሚደ ኣብ ዝጸናሕኩሉ እዋን፡ ብመሰረት እቲ ብ2 መራሕቲ ዝተሰማምዕሉ ናይ ምጣኔሃብታውን ንግዳውን ዲፕሎማስያውን ውዕል ስምምዕ፡ ካብ ቻይና ንብረት ዝጸዓነት መቐለ ዝተባህለት መርከብ ኢትዮጵያ ኣብ ወደብ ምጽዋዕ ምእታዋ ርእየ ኣይጸላእኩዎን። ምኽንያቱ ኣብ ምርጋፍን ምጽዓንን እዛ መርከብ ብቀዳምነት መግቢ ዕለቶም ክረኽቡ ዝኽእሉ ኤርትራውያን ስለ ዝኾኑ። እዚ ግን ብውዕል ሕጋዊ መስርሕ ወደብን ኣሰራሕትን ሰራሕተኛታትን ብንጹር ብዝተቐመጠ ኣገባብ ምስ ዝኸውን እምበር ብፍኑውን ብተብተብን ክኸውን ዘይግባእ'ዩ። በዚ መንጽር'ዚ ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ እቲ ዝኸይድ ዘሎ ውዕላት፡ ኣፍካ ትም ኢሉ ኢድካ ግን ከይኳላለስሉ፡ ብንቕሓት ክትከታተልን መሰልካ ክትሓትትን ግድነት'ዩ። ምኽንያቱ ትማሊ-ትማሊ ተወሪርና ተባሂልካ ርኢኻ ዘይጸገብካዮም ዓሰርተታት ኣሽሓት ዕሸላት ደቅኻ ዝኸፈልካሉ ጉዳይ ዶብ፡ ውዕል ኣልጀርስ ተቐበል ምስ ተባህለ፡ ብዘይከመይን ኣበይን ናብ ኣዲስ ኣበባን ኣቲኻ ኣይከሰርናን ተኻሒስና ኢና ክበሃል ከሎ፡ መስዋእቲ ደቅኻ ሓድሽ መርድእ ከም ዝኾነካ ዘጠራጥር ኣይኮነን።
እዚ ዘመልክቶ እንተልዩ ድማ፡ ንኢሳያስ ዝዓጅቦ ስልጣኑን ቀጻልነታን እምበር፡ ጉዳይካን ጉዳይ ሃገርካን ከም ዘይኮነ'ዩ። ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ፋሉል ስርዓት ነጻ ንምውጻእ እምበኣር፡ ብቃልኻ እምበር ብትኳቦ ዝርከብ ኣይኮነን። ስለ ዝኾነ ድማ ኩሉ ደላይ ፍትሒ እንተላይ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ዕላማ ብረታዊ ቃልስና ምሉእ ብምሉእ ሸቶኡ ወቒዑ ህዝብና ክሓልፈሉ፡ መሰሉ ክሕሎ፡ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ከቢሩን ኮሪዑን ክነብር፡ ሓደራ ስዉኣትና ከነተግብር፡ መብጽዓና ከነሐድስ እዋኑ ሕጂ'ዩ። ሓደ መስከረም'ውን ነዚ'ያ ትዕድም።
ዝኸበርካ መንእሰይ ወለዶ ኤርትራ፡ ወዲ ተባዕታይ ይኹን ጓል ኣንስተይቲ፡ ከም መንእሰይ ወለዶ መላግቦ ህልውን መሰጋገሪ ዝመጽእ ወለዶን ኣብ ርእሲ ምዃንካ፡ ተቐበል ናይ'ዚ ሕጂ ዘሎ ወለዶን፡ መቐጸልታን ዋሕስነትን ሃገርን ህዝብን ወራሲ ውሕሉል ባህሉን ልምዱን'ውን ኢኻ። ስለ ዝኾነ ድማ ነቲ በቦታትካን ኣዴታትካን ተዓቂቡ ዝቕጽል ዘሎ ኣወንታውን ኣሉታውን ገጻት ዘለዎ ታሪኽ ክትወርስን፡ ኣወንታኡ ዓቂብካ ኣሉታኡ እናኣረምካ ንቅድሚት ክትምርሽ ታሪኻዊ ሓላፍነትካ ምዃኑ ምርዳእ ኣማራጺ ዘየብሉ ግድነት'ዩ። ክንዲ ዝኾነ ድማ እዛ ብንኡስ ዕድሚኦም ተበጅዮም ዘምጽእዋ ልኡላዊት ሃገር ኣቦታትካን ኣዴታትካን ዝዓበዩ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ዘየረጋገጹዎን ንምሉእ ህዝብና ዘይቀስነላ ሂወት ከም ዘሎ ባዕልኻ ትዕዘቦ ዘሎኻ'ዩ። ዕላማን ባህግን ህዝብና ከይተረጋገጸ ድማ ኣብ ዝኸድካ ኪድ ስለ ዘይገድፈካ፡ ተቓሊስካ ምስዓሩ'ምበር ብህድማን ስደትን ክምለስ ከም ዘይክእል ዘይትስሕቶ ሓቂ'ዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ንስዉኣት እናኣኽበርካ ምስ ህሉዋት እናተዛተኻ፡ ካብ ኩሉ ትሕቲ ሃገራዊ ትሕዝቶ ዘለዎ በታኒ ምህዞታትን ዘየሳኒ ፈጠራታትን ሕማም ዘይምትእምማን ዝኾነ ናይ በለጽ ኣተሓሳስባ ነጻ ኮይንካ፡ ሃገርካ ካብ ጥፍኣት ህዝቢ ካብ ምብትታን ከተድሕን እቲ ዝኸበደ ጾር ናትካ'ዩ። ምእንቲ'ዚ ዕድመን ጾታን ብዘይምፍላይ ምስ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኣበይ ጸኒሑን እንታይ ኣበርኪቱን ብዘየገድስ ኢድን ጓንትን ክትኮነሉን ፋሕብትን ዝበለ መሃዚ ዓቕሚ ኣቦታትካን ኣዴታትካን ኣሕዋትካን ኣሓትካንዝእከቡሉ ጥጡሕ ባይታ ሃገራዊ ዕርቅን ዘተን ዝዕወተሉ ባይቶ ሰላም ዋናን በዓልቤትን እምበር ዕዱም ጥራሕ ከም ዘይኮንካ ክትርዳእ ይግባእ።
ሎሚ ኣብ ውሻጠኻ ኮይንካ በሃሊኡን መንቀሊኡን ዘይፍለጥ ቋንቋ ፈይስቡክ ሰጊርና ኣብ ሓደ ሰፊሕ ጣውላ ሃናጽን ተመላላእን ዝኾነ ጉዳይ ሃገር እንካን ሃባን እንበሃሃለሉ ጥራሕ'ዩ እቲ እንኮ ኣማራጺ ክኸውን ዝግባእ። ነዚ ብዘይምግባርና ድማ'ዩ ህዝብና ዝሳቐን ሃገርና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ትወርድ ዘላን። ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ንህዝብናን ሃገርናን ኣሎናልካ ክንብል ዘይንኽእል እንተኴንና ከኣ፡ ዝብኢ ምስ ከደ ከልቢ እነብሕ ዝብል ምስላ ኣባና ከይምሰልን፡ ኣብ ፈርሲ ዓዕ ካብ ምዃን እንድሕነሉ መገዲ ከነናዲ ዘሎ ዘየገላብጥ ሓጺር ግዜ ብህጹጽ ክንሰርሕ ይግባእ።
ንዓወት ዕላማ ሓደ መስከረም መተካእታ የብሉን!!
ዓወትን ሰላምን ንህዝቢ ኤርትራ!!
ህዝቢ ኤርትራ ናብ ህግደ ናይ ዲሞክራስን መሰልን ሕቶታት ካብ ዘቕርብ ነዊሕ ዓመታት ኮይኑ እዩ። እንተኾነ ህግደፍ ብባህሪኡ ሕቶ ህዝቢ ክምልስ ቅሩብ ስለ ዘይኮነ ኣግሂዱ’ኳ “እምቢ” እንተዘይበለ፥ ብዘይቅቡል ምኽንያታት ክሃድም ጸኒሑ። ድሕሪ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ውግእ ምጅማሩ ከኣ እቲ መህደሚ መንገዲ ገፊሕሉ፥ ንለውጢ ክሕተት እንከሎ “ኣብ ኩነታ ኣይውግእ ኣይሰላም እንከለና ደኣ እንታይ ክንገብር?” ብዝብል ዕባራ ምኽንያት ንሕቶ ህዝቢ እንዳረገሐ ነዊሕ ዓመታት ጸኒሑ። ከምኡ ኢሉ ክነብር ድሌቱ ከም ዝነበረ ከኣ ምልክታት ነይሩ እዩ።
ካብቶም ህግደፍ ንዘይተርፎ ከም ቁርን ኣስሓትያን ክፈርሖም ዝጸንሐ ሕቶታት፡ ምትእትታው ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት፥ ምፍታሕ ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት፥ ምኽፋት ብሕታዊ ማዕከናት ዜና፥ ምፍቃድ ተወዳደርቲ ውድባትን ሰልፍታትን፥ ምውዳብ ሲቪላዊ ማሕበራት፥ ምትግባር ኣዋጅ እቲ ገደብ ናብ ዘየብሉ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዝተቐየረ፥ ሃገራዊ ኣገልግሎት ካብቶም ብዙሓት ውሑዳት እዮም፡
ጉጅለ ህግደፍ ነዚ ንዘይምትግባር ከም ቀንዲ ምኽንያት ከቕርቦ ዝጸንሐ፥ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተፈጥረ ኩነታት መልክዑ ዘይምቕያሩ እዩ። ብወገና እቲ ዝጸንሐ ኩነታት ተጽዕኖ’ኳ እንተነበሮ ብኽምቲ እቲ ጉጅለ ክሕበኣሉ ዝጸንሐ ደረጃ፥ ካብ ምምላስ’ዞም ዝተጠቕሱ ህዝባዊ ሕቶታት ምሉእብምሉእ ዝዓግት ነይሩ ዝብል እምነት የብልናን።
ድሕሪ ናይ 17 ዓመት ምዕጥጣይ ግና ናይ ህዝብና ስቓይን መሰረታዊ ሕቶታቱ ብዘይምምላሱን ዘይኮነ፥ ኣብ ዞባና ተጸዕኖኦም ከሕይሉ ዝደልዩ ሓያላትን ሃብትማትን ኣካላት፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ኩነታት ናይ መወዳእታ መልክዑ ምትሓዝ ኣድላይ ኮይኑ ምስ ረኸብዎ ዲክታቶር ኢሳይያስን ጉጅለኡን ሓዲኡ ክገብሩ ብዘየገላብጥ ኣገባብ ተኣዚዞም። ህግደፍ ከኣ ወይ ሕራይ ምባል ወይ ከምቲ ዝጸንሖ ምስምስ ብምፍጣር ምእባይ ሳልሳይ ዘየብሉ ጸቢብ ምርጫ ኣብ ቅድሚኡ ተገቲሩ። እሞ ከኣ ከምቲ ዝለመዶ ብኣካይዳ ጓብየ ዘይኮነ “ቀልጥፍ ሓዲኡ ግበር” ዝብል ኩርማጅ ዝተሓወሶ ኮብኳብ።
ጉጅለ ህግደፍ ከምቲ “በዚ እንተኸድኩም መርዓዊ ይመተኩም፥ በዚ እንተመሪጽኩም ከኣ ሕጊ ይጠፍኣኩም” ዝበሃል ምስላ፥ ሓዲኡ ክመርጽ ተገዲዱ። ብድሌት ኢሳይያስን ጉጅለኡን እንተዝኸውን ክልቲኡ ኣይመመረጽዎን። ምርጨኦም ወገሐጸብሐ ምኽንያት እንዳመሃዝካ ወይ እንዳጽቀትካ ገዛኻ ዓጺኻ ኣብ ዓዲ ሃሎ ኮፍ ምባል’ዩ ነይሩ። እንተኾነ ጎይተቱን ጐረባብቱን ዕድል ስለ ዝኸልእዎ ካብቲ ክልተ ሕማቓት “ኮንደኾን ይሓሽ” ዝበሎ ክቕበል ተቐሲቡ። ክቕበሎ እንከሎ ከኣ በቲ ን17 ዓመታት ክግደረሉ ዝጸንሐ ኣገባብ ዘይኮነስ፥ መልሓሱ ሓይኹ በቲ “እዚ ተቐበል” ዝተባህሎ ኣገባብ’ዩ። ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ ክቕበል እንከሎ ኮነ፡ ናብ ኢትዮጵያ ገይሾ ዘርኣዮ ደንበርበር ብፍላይ ንናይ ቀረባ ፈለጥቱ ዘገረመ ምንባሩ ከኣ ናይዚ ምልክት እዩ፡
ጉጅለ ህግደፍ ብሳላ ትእዛዝ ጐብለላትን ብወገን ኢትዮጵያ ዝተራእየ ድፍኢትን ተቐሲቡ ምቕባሉ ምስ መሰረታዊ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ እምብዛ ምትእስሳር ዘየብሉ ጥረ ገንዘብ፡ ፈርስን ገመልን ዝርከቦ ግነዖታት ረኺቡ እዩ። ምስሉ ዘይጥዑይ ክነሱ፥ ኣብ ቅድሚ ሕብረሰብ ዓለም በዓል ጥዑይ መሲሉ ቀሪቡ። ምስ ጅቡቲ ተዓሪቑ፡ ኣብ ልዕሊኡ ተነቢሩ ዝጸንሐ ማዕቀብ ንክለዓለሉ ቃል ከም ዝተኣትወሉ’ውን ይንገር። እቲ ዘገርም ኢሳይያስን ጉጅለኡን ነቲ ትእዛዝ ተቐቢሎም ኣብ ምትግባሩ ግና ጐተት እንዳበሉ ግዜ ክሽምቱ’ኳ ድሌቶም እንተነበረ፥ እነሆ እቲ ዘይንርእዮስ ይጽናሕ እሞ፥ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ እንዳተኾብኮቡ ትንፋስ ክሳብ ዝሓጽሮም እንዳጐየዩ ኣብዚ በጺሖም። እቲ ዘይግሉጽ ኣካይደኦም ተወሲኽዎ ንህዝቢ ኤርትራ እንታይን ስለምንታይን ከም ዝጐዩ ብግቡእ ክሕብርዎ ኣይበቕዑን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ተለቪዥ ኤርትራ ተፋቲሑ ምስ ናይ ኢትዮጵያ ሚድያ ሓድሽ ሓበሬታዊ ዝምድና ክፈጥር ተገዲዱ ኣሎ፡
ሎሚ ኣብ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተመኩሮ ዘለዎም ሰባት ኮፍ ኢሎም ኣብ ዘዕልሉ ደረጃ ተበጺሑ ኣሎ። እቲ ዕላል ኣብ መንጎ በበይኑ ትሕዝቶ ዘለዎ፡ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ዛዕባታት ዘትከለ እዩ። እቲ ኣብዚ ዕላላት ዝፍጠር ምጽልላው ንጉጅለ ህግደፍ ዘየቕስን ምኳኑ ርዱእ እዩ። ሎሚ ገለ ተስፋ ዘይቆረጹ ደገፍቲ ህግደፍ ዝተሰነዐ መንነት እንዳቕረቡ ገበናቱ ዝሓብእሉ ዘይኮነስ ዝኾነ ሰብ ባዕሉ ርእዩ ዝፈርደሉ ኩነታት ዝተፈጥረሉ እዩ።
ጉጅለ ኢሳይያስ ነቲ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ብሓፈሻ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ብክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፥ ቅድሚ ምምልካት ዶብ ብናይ ጐረባብቲ ህዝቢ ርክብ ነቲ ዶብ ምስጋሩ ዝብል ከም ዝተቐበሎ ክሓቦ ስለ ዝደለየ፥ ንቕሎ ህዝቢ ክዓግት ክፍትን ጸኒሑ። ኣቐድም ኣቢሉ ብወገን ኡምሓጀር፥ ክሳድ ዒቃ፥ ገርሁ ስርናይ፥ ባድመን ዛላንበሳን ከርእዮ ዝጸንሐ ኣይብሱል ኣይጥረ ኣተሓሕዛ ናይዚ ኣብነት እዩ። ኣብ መወዳእታ ግና በቲ ቀዳማይ ምኒስተር ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ቀጻሊ ሓድሽ ዓመት ኢትዮጵያ ኣብ ዶባት ምስ ኤርትራውያን ሓቢርና ከነብዕሎ ኢና ዝበልዎ መሰረት፡ ብ11 መስከረም 2018 ኢሳይያስ ቅድም ተጐቲቱ ኣብ ቡሬ ተረኺቡ። ካብኡ ድማ ናብቲ ብህዝቢ ዛላንበሳን ከባቢኣን ዝተሰናድአ ናይ መዳውብቲ ህዝቢ መራኸቢ መድረኽ መጺኡ። ኣብ ውሽጢ ሒደት ደቓይቕ ከኣ ካብቲ መድረኽ ባህሪሩ ከይዱ። መህደሚኡ ምኽንያት ብናይቲ ከባቢ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ምቁጽጻር ወጻኢ ናብ ዛላንበሳ/ትግራይ ምውሓዝ እዩ። ናይቲ መድረኽ ኣዳለውቲ ካብ ኤርትራ ዝተጸበይዎ ጋሻ ወተሃደርን ሲቪልን ሓዊስካ 1,500 እዩ ነይሩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ብተግባር ዝተረኽበ ኤርትራዊ ግና ኣዲኡ ትቑጸሮ። ብሓጺሩ ኩሉ ተጓዒዝካ ዛላንበሳ ናይ ምብጻሕ ዓቕሚ ዝነበሮ ናይቲ ከባቢ ነባሪ ኤርትራዊ ናብ ዛላንበሳ ሰጊሩ ምባል’ዩ መልሲ ዝኸውን። በዚ ጠጠው ኣይበለን ብዘይዝኾነ ቀጥዒ ብኡ ኣቢለን ኣስመራ በጺሐን ዝተመልሳ ናይ ኢትዮጵያ መኻይን ብዙሓት እየን።
እዚ ዘመልክቶ እምበኣር፥ ደጊም ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ዝደለዮ ንምብጻሕ ብህግደፍ ክዕገት ከምዘይክእል እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ካብ ርክብ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምሕዳስ ዝዓበየ ምስ ህግደፍ ዝተሓናነቐሉ ጉዳያት ኣለዎ። እዚ ንህግደፍ ዘይምጽዓድ ከኣ ኣብ ምምላስ እቶም ተነፊገምዎ ዘለዉ መሰረታዊ መሰላት ክደግሞ ዘይተርፍ እዩ።