ጨንፈር ሰዲህኤ ፍራንክፎርትን ከባቢኣን ኣኼባኡ ኣካይዱ

2018-10-09 19:00:59 Written by  ሽማግለ ጨንፈር Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2020 times

ብዕለት 07.09.2018 ጨንፈር ሰዲህኤ ፍራንክፎርን ከባቢኣን ሰዓት 2፡00 ድ.ቀ. ዝጀመረ ኣኼባኡ ብኣቦ መንበሩ ብሰናይ ምንዮት ምስ ተኸፈተ፡ ኣብ ውሽጣዊ ምዕባሌታት ሰልፍን፡ ዞባን፡ ደምበ ተቓውሞን፡ ጀኦ-ፖለቲካዊ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝምልከቱ ጉዳያት ስፍሕ ዝበሉ ምርድዳኣት ኣካይዱ።

ኣኼበኛ፡ ነቲ ብሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ውሽጣዊ ይኹን ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታትን ምዕባሌታትን ኮነ፡ ነቲ ብብዙሕ ሸነኻት ዝርአ ዘሎ ተቓውሞታት ደለይቲ ፍትሒ‘ውን ኣሞጒሱ። ነቲ ብዶ. ኣቢይ ቀዳማይ ሚኒስተር ምስ ውልቀ መላኺ ሰርዓት ኤርትራ ዝግበር ዘሎ ህዝብና ዘይፈልጦ ውዕላትን ምፍርራማትን ድማ፡ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ከኸትል ስለ ዝኽእል፡ ዘይቅቡል ምዃኑ ኣኼበኛ ኣስሚሩሉ።

እቲ ዝርአ ዘሎ ምዕባሌታትን ለውጥታትን ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ግሉጽነት ዘይብሉን ንልዑላውነቱ ዝደናደንን ንህዝብና ድማ ኣብ ዝኸፍአ ናይ ስደት ዋሕዚ ሸሚሙዎ ዘሎን ስለ ዝኾነ፡ ኣዝዩ ኣሰንባዲ ከም ዝኾነ ኣኼበኛ ብሰፊሑ ተዘራሪብሉ። ኣብዚ ኩነታት እዚ እቲ ክግበር ዝግብኦ ኣዝዩ ህጹጽ ዝኾነ ጉዳይ እምበኣር፡ ከምቲ ሰዲህኤ ጀሚሩዎን ዝቃለሰሉ ዘሎን ጉዳይ ሓቢርካ ምስራሕ ናይ ሓይልታት ተቓውሞ፡ ናህሪ ብዝወሰኸ ክቀላጠፍ ከም ዘለዎ ኣኼበኛ ርእዩ። ኣብዚ ቀረባ ግዝያት፡ ማለት ኣብ ፍርቂ ወርሒ መስከረም ኣብ ፍራንክፎርትን ኣብ‘ዚ ዝሓለፈ ቀረባ ማዓልታት ድማ ኣብ በርሊን ዝተራእዩ ናይ ምጥርናፍን ሓቢርካ ምስራሕን ንጥፈታት ተስፋ ዝህቡ ምዃኖም ኣኼበኛ ኣሞጒሱ። ሓባራዊ ስራሕ ንምዕዋት፡ ብዘይምቍራጽ ክድፍኣሉ ከም ዘለዎ ኣኼበኛ ኣብ ውሽጢ ስልፊ ዝካኣል ጻዕርታት ክገብርን፡ ምሕጽንታኡ ናብ ደምበ ተቓውሞ ኣመሓላሊፉን።

ኣኼባ ድማ ልክዕ ኣብ ሰዓቱ ተዛዚሙ።

 

Last modified on Tuesday, 09 October 2018 21:03