መሰረት ነጻነት እፎይታ ህዝቢ ምስ ዝረጋገጽ ጥራሕ'ዩ

2018-10-15 07:37:59 Written by  ክፍላይ ተኪአ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2077 times

ዝኸበርካ ኤርትራዊ፡ መሰረት ነጻነት እፎይታ ህዝቢ ምስ ዘረጋግጽ ጥራሕ'ዩ ዝብል ኣርእስቲ ተሞርኲሰ ሓሳባተይ ብጽሑፍ ክገልጽ እንከለኹ፡ ሓደ ድርኺት ኣብ ውሽጢ ኣእምሮይ ንሕዋሳተይ ዘየደቅስ ኩነታት ህዝበይን ሃገረይን ይድርኸኒ።

ኣነ ወይ ንሕና ደቂ ሰባት ኣእምሮ ዝተዓደልና ክንስና፡ ሰብ ከማኻ ሰብኣዊ መሰልካን ነጻነትካን ረጊጹ፡ ከርፋሕ መነባብሮ እናሃለወካ፡ ከመይ ገይሩ ሕዋሳትካ ክቕበሎም ይኽእል። ልክዕ'ዩ ንሕና ኤርትራውያን ካብ ወለዶ ንወለዶ መግዛእቲ ይበራረየልና ኣብ ዝነበረሉ፡ ወዲ ሰብ ብባህሪኡ ንመግዛእቲ ይኹን ንርግጸት ናይ ማዕርነት መሰል፡ ክጻወሮ ስለ ዘይክእል፡ ብካልእ ኣበሃህላ ድማ፡ ወዲ-ሰብ ብዝኾነ ሰብኣዊ ግህሰት ተረጊጹ ክኸይድ ስለ ዘይነብር፡ ምእንቲ እ "ኣነ – ኣነ እየ" ዝብላ ሰብኣዊ መሰሉን ክብሪ መንነቱን ብነድሪ ክለዓል ናይ ግድን ይኸውን። እዚ ከኣ ወዲ-ሰብ እቲ ዝኸበረ ፍጡር ብኣምላኽ ውልድ ምስ በለዝተዋህቦ ነጻነትኣብዛ እንነብረላ ዓለም ብሰላም ክነብር'ዩ፡፡ ኮይኑ ግን፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብታ ዝፈትዋ ሃገሩ ክነብር ኣይከኣለን። እዚ ስለ ዝኾነ ከኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መወዳእታ ምእንቲ መሰሉን ክብሪ መንነቱን፡ ንናይ ንሓዋሩ እፎይታ ነጻነቱ ዝረኸበሉ ንርብዒ ዘመን ብሓባር መስዋእቲ ከፈለ። ኣብ መወዳእታ ጩራ ናይ ብርሃን ነጻነት ኣመስከረ። ህዝቢ ኤርትራ፡ "ሕጅስ ድሕሪ ደጊም እፎይታ ረኺበ ህርመት ልበይ ሰሚሩለይ" እናበለ ብደስታን ሓጐስን ብእፎይታ ዝመልአ ሂወቱ ክመርሕ ተበገሰ።

ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈትዎም ደቁ ከፊሉ እፎይታ ነጻነት ረኸበ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ለባምን መስተውዓልን ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ነንሓድሕዱ ንኩነታቱ እናተጸናንዐ፡ በዚ ጥራሕ ይወድኣልና እናበለ ብልቦና ክሓልፎን ክጽመሞን ከሎ፡ ሓደ ዝዘንግዖ ወይ ዝተሃመለሉ ቀንዲ ነገር ነይሩ። ንሱ ከኣ ነቲ እፎይታ ነጻነት ብማዕረ ዝኣልን ዘማእክልን ዘረጋግጽን ቅዋም/ሕጊ ክተክል ግዜ ከይወሰደ ብዓንተቦኡ ከረጋግጽ ነይሩዎ። ኣብዚ እቲ ዘገርም፡ ንክብሪ መሰልካን ንቕዋም ሕግታትካን መሕድሮኻን ብእምነት ምጽባይ፡ ንስኻ ህዝቢ ንባዕልኻ ወሳኒ ክንስኻ፡ ንስኻ ህዝቢ ብመስዋእቲ እታ ሃገር ዘምጻእካ፡ እቲ ብኣግኡ ደቅና እንድዮም ዝብል ኣዘራርባ ናይ የውሃት ኣበሃህላ ተሪፉ፡ ሃገር ብቕዋም/ሕጊ ትመሓደር ሕ/ሰብ ይኹን ውልቀ-ሰብ ብሕጊ ይምእዘዝን ኣብ ነንሓድሕዱ ብሕጊ ይፍረድን ይማሻገልን ምኽንያቱ ሕጊ ልዕሊ ኩሉ ስለ ዝኾነክበሃል ኔሩዎ። እዚ ክኸውን ዝነበሮ፡ ኣብ መወዳእታ ግን ህዝቢ ኤርትራ ቅልጡፍ ግብረ-መልሲ ብዘይምውሳዱ፡ ኣደዳ መሕድሮ ሕጊ-ኣልቦ፡ ህዝብን ሃገርን ተሓታቲ ዘየብሉ ሽግርን፡ መከራን፡ ዕንወት፡ ጥፍኣት ኮይኑ። ብዓቢኡ ድማ መንእሰይ ወለዶ ራኢ መጻኢኡ ስለ ዝጸልመቶ ንስደት ክውሕዝ ተገደደ። ናይዚ ኩሉ ጠንቂ ከኣ ተሓታቲ ዘየብሉ፡ ስርዓት ኣልቦ፡ መሕድሮ ኣልቦ፡ ቅዋማዊት ዲሞክራስያዊት ሃገር ብዘይምህላው ንሱ ከኣ ሓጋግን ፈጻምን ፈራድን ዘይምህላው እዩ።

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብዚ እቲ ዘገርም፡ እንስሳታት ካብ ሓደ ቦታ ወይ ጫካታት ክልውጡ ከለዉ ናይ ባዕሎም ሕግታት ኣለዎም። ንሕና ደቂ-ሰባት ግዳ ምሉእ ኣእምሮ ዝተዓደለናን ዘሎናን ክንስና፡ ክሳብ ሕጂ ብቕዋም/ሕጊ ክንመሓደር ብዘይምኽኣልና ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዓለም ዘሕፍርን ዘድንንን እዩ።

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብመስዋእቲ ነጻነት ዘምጻእካ ዓለም ዘዛረብካ ተባዕ ህዝቢ ክንስኻ፡ እሞ ከኣ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ን27 ዓመት ብዘይቅዋም/ሕጊ ተሓታቲ ዘየብሉ መሰልካን ነጻነትካን ሓርነትካን ተረጊጽካን ትርገጽ ዘሎኻን፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተኻትዓሉ ብፈላጣት ናይ ሕጊ መወዳእታ ዝተገብረሉ፡ ህዝቢ ሎሚ ጽባሕ ቅዋም ክእወጅ እናተጸበየ እከሎ ቅዋም ሞይቱ'ዩ ተባሂልካ። ዘስደምም! ወረ ከመይ ጌርካ ሂወትካ ትመርሕ ኣሎኻ ነዚ ሰሚዕካ፡ ከም ሰብ ከም ህዝብን ሃገርን እንታይ ይስምዓካ። እቲ ካብ ሃገርካ ሃጽ ዘብለካ ዘሎን ናብ ሃገርካ ዘይመልሰካ ዘሎን መሕድሮ ኣልቦ ስለ ዝኾነን ቅዋማዊት ሃገር ስለ ዘይብልካንዶ ኣይኮንካን። በል ስማዕ ኤርትራዊ! ህዝቢ ብዘይሕጊ ምሉእነት ኣለዎ ክበሃል ኣይክእልን። ሃገር ብዘይሕጊ ሃገር ክትከውን ኣይትኽእልን። ምኽንያቱ ኣምር ናይ ሂወትካ ፍትሒ/ሕጊ ስለ ዝኾነ። እዚ ስለ ዝኾነ ሓደ ሕ/ሰብ ብሕጊ ክሳብ ዘይተመሓደረ፡ ምዕቡል ሕ/ሰብ ተወዳዳሪ ምስ ዓለም ክኸውን ኣይክእልን'ዩ፡ ኣብ ቅድሚ መጋባእያ ባይቶ ዓለም'ውን ብርእሰ-ተኣማንነት ክምድር ኣይክእልን። ምኽንያቱ ኣብ ገዝኡ ልዕልነት ሕጊ ስለ ዘየብሉ። ኣንታ ክቡር ህዝቢ ብሕጊ እንዳባ እንዀርዕ ዝነበርና ህዝብን ሕ/ሰብን እኮ ኢና።

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዓቢ ምስ ንእሽቶ፡ ከም ደቂ-ሰባት ኣእምሮ ዝተዓደልካ ክብሪ ዘሎካ ክብሪ መሰልካ ተረጊጹ ከሎ ከመይ ጌሩ ድቃስ ይወስደካ። አረ ከመይ ገይሩ መግቢ ይወርደልካ። ከመይ ገይሮም ኣሕዋትካ ይቕበሉዎ። በል ስማዕ ኤርትራዊ! ወዲ-ሰብ ነባሪ ኣይኮነን። ወዲ-ሰብ ሓላፊ'ዩ። ህዝብን ሃገርን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ነበርቲ'ዮም። ስርዓት ከኣ ከምቶም ስርዓታት ዝሓለፉ ሓላፊ'ዩ። ኣብዚ ክብሎ ዝደሊ ደጋጊመ፡ ወዲ-ሰብ ሓላፊ ስለ ዝኾነ፡ ጽቡቕ ታሪኽ ንወለዶታት ክገድፍ ኣለዎ። ምኽንያቱ ታሪኽ ንባዕሉ ጽቡቕን ሕማቕን ባህርያት ስለ ዘለዎ። ስለ'ዚ ወዲ-ሰብ ተራኽን ጸሓፍን ደራስን ስለ ዝኾነ፡ ኣብዛ ንግዜኡ እንነብረላ ዓለም ብርእሰ-ተኣማንነት ንቅኑዕ ቅኑዕ ንጌጋ ጌጋ በብሕብሮም ወዲ-ሰብ ክብሎምን ክዛረበሎምን ክኽእል ኣለዎ። ስለ'ዚ ወዲ-ሰብ ክብሪ ናቱ ኣብ ቅድሚ ሕ/ሰቡን ሃገሩን ሓቀኛ፡ እሙን፡ ሕልናዊ፡ ኣብ ቅድሚ ውጹዕ ደው ዝብል ምስ ዝኸውን፡ ወትሩ ሕፉርን ክቡርን'ዩ።

ዝኸበርካ ኤርትራዊ፡ መስዋእቲ ከፊልካ ድሕሪ ርብዒ ዘመን ነጻነት ኣምጺእካ፡ ብተስፋ እተን ውሑዳት ዓመታት ንነጻነት ከተተንፍስ ዝጸናሕካ፡ ደም ስዉኣት ኣሕዋትካ ከይነቐጸ፡ ዳግማይ ኲናት ናይ ዶብ ጠንቁን ኣመጻጽእኡን ከይፈለጥካ፡ ኣብ ኲናት ተሸሚምካ። ኣብ ክልቲኡ ከኣ ዘስካሕክሕ ህልቂት ኮይኑ። ኣብ'ዚ ተንተንቲ ፖለቲካ ከም ዝብሉዎ፡ እቲ ዝዓበየ ናይ ዶብ ኲናት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከኣ ተባህለ።

ዝኸበርካ ኤርትራዊ፡ ኣብ ኲናት ሰዓርን ተሰዓርን ዝበሃል የለን። ምኽንያቱ ኲናት ንሕስያ ዘየብሉ ሰብ ምብላዕን፡ ቓንዛን፡ ስንክልናን፡ ዕንወትን፡ ብርሰትን ጥራሕ'ዩ ውጽኢቱ። ኣብ መወዳእታ ኣሽሓት መንእሰያት ምስ በልዐን ህዝቢ ካብ ዓዱ ምስ ተመዛበለን፡ ጉያ ናብ ዓለምለኻዊ ፍርዲ ዶብ ኮነ። ኣብ መወዳእታ ከኣ፡ ክልቲአን ሃገራት ብውዕል ኮሚሽን ዶብ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብመንጎኝነት ውዕል ኣልጀርስ ንብይን ፍርደን ፌርማአን ኣንበራ። ኣብዚ እቲ ትግባረ ብይን ኣብ ግብሪ ብዘይምውዓሉ፡ ን17 ዓመታት ዝኣክል ደንጐየን ' ኣይሰላም ኣይውግእ' ተባሂሉ ድማ ጸንሐ።

ዝኸበርካ ኤርትራዊ፡ ሕጂ ከኣ ሰላም ይበሃል ኣሎ፡ ጽቡቕ ንሕና ህዝቢ ኤርትራ ብሃንቀውታ ክንጽበዮ ዝጸናሕና፡ ይንዋሕ-ይሕጸር ሓንቲ መዓልቲ እቲ ብይን ኮሚሽን ዶብ ክትግበር ምኻኑ ዘጠራጥር ኣይነበረን። ምኽንያቱ ሕጊ ንኹሉ ወሳኒ ስለ ዝኾነ። እዚ ከኣ ንሕና ህዝቢ ኤርትራ፡ ዶብና ተሓንጺጹ ልዑላውነትና ከቢሩን ተሓልዩን፡ ከምቶም ካልኦት ሃገራት ዓለም፡ ምስ ጐረባብትና ብፍቕርን ሰላምን ምርድዳእን፡ ናይ ጸጋታትና ንግዳዊ ምልውዋጥ ክህሉ ዘዘራርብ ኣይኮነን። ኣብዚ ብርግጽ ንሕና ህዝቢ ኤርትራ ንሰላም ወትሩ ንምነያን ንሃርፋን ኢና። ካብ ሰላም ዝጥዕም ዋላ ሓደ የለን። ኣብ'ዛ እንነብረላ ዓለም፡ እታ እንኮ መቐረት ኣህዛብ ዓለም ወይ መቐረት ወዲ-ሰብ ሰላም ጥራሕ'ያ።

ዝኸበርካ ኤርትራዊ፡ ኣብዚ መዝሙር ሰላም ዝበሃለሉ ዘሎ፡ ዝኾነ ወዲ-ሰብ ወይ ዝኾነ ኤርትራዊ ሰላም ዘይደሊ ኣሎ ክብል ኣይክእልን እየ። ንዓና ንህዝቢ ኤርትራ ገሪሙና ዘሎ ግን፡ ኣብዚ ጉያ-ጉያ ዝበሃለሉ ዘሎ ኩነታት፡ ንዓና ንህዝቢ ኤርትራ ኩሉ ሽፉንን ግሉጽነት ዘየብሉን ህዝቢ ዘይዋሳኣሉን ስለ ዝኾነ፡ ህዝቢ ኤርትራ እንታይ'ዩ ዝግበር ዘሎ እናበለ ይዛረብ ኣሎ። ኣንታ ክቡር ህዝቢ፡ ሎምስ እንታይ ዲና ኴንና። ኣንታ ክቡር ህዝቢ፡ ህዝቢ እኳ'ዩ ንኩሉ ወሳኒ። ስለዚ ንሕና ኤርትራውያን፡ ንልዑላውነትና ብዝተፈላለየ ምኽንያት ክትንክፍ ዝመጽእ ሓይሊ፡ እቲ ግልጺ መልሲ ህዝቢ ኤርትራ ' ወይልኡ' እዩ ዝብል። ስለዚ ንሕና ኤርትራውያን ወትሩ እንቃለሰሉን ለይትን መዓልትን እንሰርሓሉን ቀንዲ ዕዮ-ገዛና ብልጽግትን፡ ክብርትን፡ ሰላም ዝሰፈና ዲሞክራስያዊት ኤርትራ፡ ብቕዋም/ሕጊ እትመሓደር፡ ባይቶ ዝውስኑላ እንኮ ምርጫና'ዩ። እዚ ስለ ዝኾነ ከኣ፡ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ፍትሒ ስለ ዝኾነ፡ ከይወዓለ ከይሓደረ፡-

  1. ደረት ኣልቦ ዝኾነ ወተሃደራዊ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብቕጽበት ደው ክብል፤
  2. ቅዋም/ሕጊ ከይወዓለ ከይሓደረ ኣብ ግብሪ ክውዕል፤
  3. ናይ ፖለቲካ እሱራት ብቕጽበት ክፍትሑ፤
  4. ናይ ዝኾነ ሃይማኖት ኣመንቲ እሱራት ብቕጽበት ክፍትሑ፤
  5. ኩሉ ሰብኣዊ ግህሰትቅዋማዊ/ሕጋዊ ተሓታትነት ክህልዎ፤
  6. ኩሉ ሰብኣዊ መሰል እንተላይ ብተሓታትነት ኣብ ትሕቲ ዓለምለኻዊ ሕጊ ክኸብር፤
  7. ኩሉ ምርጫታት ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ክካየድ፤ … ወዘተ

 

ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ፡ ኣቦታትና ከም ዝምስሉዎ ' ከም ቀደም ይመስለክን ውሕጅ ይወስደክን ' ዝብል ኣበሃህላ ናይ ለባማት ኣቦታትና ኣብ ላዕሊ ጠቒሰዮ ኣለኹ። ሕጂ'ውን እዚ ጉያ-ጉያ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ጉያ ስለ ዘይኮነ፡ ኣብ መወዳእታ ውዱቕን ፍሹልን'ዩ። ሓደ ክብሩ ዝደርበየ ሰብ ዝኾነ ክገብር ኣየሕንኾን'ዩ። እቲ ካልኣይ ጐያያይ ዶ. ኣቢ፡ እንተኮይኑሉ ንዓዱ'ዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ኣብ መወዳእታ ፍሽለት ከም ዘጋጥሞ'ውን ኣጸቢቑ ይፈልጥ'ዩ። ምኽንያቱ እቲ ውዕላትን ፌርማታትን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ውዕላትን ፌርማታትን ስለ ዘይኮነ።

ብክፍላይ ተኪአ

ጀርመን    

Last modified on Monday, 15 October 2018 09:43