“ባዕላ መምጽኢት ደርፊ፡ ባዕላ መጥፍኢት ደርፊ” ከም ዝበሃል!

2018-11-01 16:46:27 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2461 times

“ናይ ዶብ ጉዳይ ብይን ተዋሂብዎ  ዝተደምደመ ስለዝኾነ፡  ከምዘይተፈትሐ ዓቢ ግድል ክውሰድ ዝኽእል ኣይኮነን። ቅድሚ ዝምድና ምትዕርራይን ቅድሚ ናብ ሓድሽ መድረኽ ምእታውናን ግድን እዚ ጉዳይ’ዚ  ክፍታሕ ኣለዎ ዝበሃሎ ኣይኮነን። ንዕኡ መመኽነይታ ገይሮም ክዕንቅፉ  ወይ ክሓላልኹ ዝፍትኑ እውን ስለዘይሰኣኑ፡ ኣብ’ቲ ናቶም ጸወታ ዘእቱ ምኽንያት የብልናን። (ኣቶ ኢሳይያስ ብ11 ሓምለ 2018 ኣብ ሳዋ ካብ ዘስምዖ ዘረባ ዝተወስደ)

ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ መድረኻት ክመላለሱ፡ ክጸሓፈሎምን ክዝረበሎምን ካብ ዝጸንሑ ሕቶታት ሓደ “ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንዝያዳ 17 ዓመታት ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከይተተግበረን ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ወሪሩ ዘሎ ሰራዊት ከይወጸን ዝምድናና ናብ ንቡር ምምላስ ማለት ዘበት እዩ ክብል ምስ ጸንሐ፡ ሃንደበት ኣፍ ልቡ እንዳወቕዐ፡ እንኳዕከ ከምዚኣ በለት እንዳዘመረ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝጐየየሉ ምኽንያትሲ እንታይ እዩ? ዝብል እዩ። እቲ ንሱ ብዛዕባዚ ሕቶ ዝሃቦ ክትእምኖ ዘጸግምን ርኢቶ ኣብ ላዕሊ ብፍሉይ ሕብሪ ሰፊሩ ዘሎ ካብ መደረርኡ ዝተወስደ እዩ። ኣብዚ ርኢቶኡ ብዓብይኡ ሕሶት ኣሎ። ተሰልቢጥካ ህዝቢ ተሓታቲ ከም ዝኸውን ክትገብር ምምጥጣር’ውን ከምኡ።

እዚ ኣበሃህላኡ ብብሩህ ነቲ ካብ ቀደም እውን፡ ሓንጊድሉ ዝጸንሐ ምኽንያት ጉዳይ ቀያድነት ብይንን ልኡላውነት ሃገርን ዓጢጥዎ ዘይኮነስ፡ ካልእ ካብ ህዝቢ ክሓብኦ ዝደለየ ምቹእ ኣጋጣሚ ክጽበየሉ ዝጸንሐ ምኽንያት እዩ ክንብሎ ንዝጸናሕና መሊሱ ዘብርህ መርተዖ እዩ። እንተኾነ ንህዝቢ ንዝተወሰነ ግዜ እምበር ካብ ጉዳዩ ዓይኑ ኣዕሚትካ እንዳሓሰኻ ንሓዋሩ ከዊልካዮ ኣይትነብርን ኢኻ። ኣብዚ እዋንዚ ካብቶም ነዚ ተዋቓዒ ዘረባኡ ብእዝኖም ዝሰምዑ መንእሰያት ክንደይ ኣብ ኤርትራ ኣለዉ ክንደይከ ራሕሪሐምዎ ናብ ኢትዮጵያ ሰጊሮም ባዕሉ ይፈልጦ እዩ። እዚ ከኣ ደጊም ኢሳይያስ ዝበለ እንተበለ ንሓሶቱ ዝጸውር ኤርትራዊ ሕልና ከምዘየለ ዘመልክት እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ እቲ ካብ ኤርትራ ወጻኢ በብግዜኡ እንዳሓየለ ዝመጽእ ዘሎ ተቓውሞታት ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ፈኸም ክብል ዝጸንሐ ናይ “ለውጢ” ድምጺ ከኣ መመሊሱ ይዓኩኹ ኣሎ። ናይ ኣቶ ብርሃነ ኣብርሃ ኣብ ማእከል ኣስመራ ኮይንካ ንዘራጊ ባህርያት ኢሳይያስ ዘቃልዕን ንለውጢ ዝዕድምን መጽሓፍ ምድራስን ናይ ኣባ ተኽለሚካኤል ተወልደ ምሳጢ ኣባታዊ መድረን ብኣብነት ዝጥቀሱ እዮም። እዞም ህይወቶም ምእንቲ ሓቂ ዝወፈዩ ተበዓት ብጽሒቶም ኣወፍዮም። ወዮም ኣንበብትን ሰማዕትከ “ሓቃቶም እዮም” ኢልና ጥራይ ዲና ክንሓልፎ ወይ ንሕና እውን ግብራዊ እጃምና ከነብርክት ኢና? ናይዞም ውሱናት ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮይኖም ኣብ ኢዶም ዘሎ ከይበቐቑ ዝደርበዩ ንቕሎ ብናይ ኩላትና ኣበርክቶ እንተዘይተሰንዩ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ስሉጥ ውጽኢት ዘይሃበ ፈተነታት ክኸውን እዩ። ፈጺሙ ክመውት እዩ ማለት ግና ዘበት እዩ።

ሎሚ እዚ ኣብ ላዕሊ ሰፊሩ ዘሎ ባዕላ መምጽኢት ዘረባ፡ ባዕላ መጥፍኢት ዘረባ” ዘብል ጉዳም ዘረባን ካልእ ኣካይዳ ኣቶ ዘራጊቶን ኣብ እንዳ ኩሉ ኤርትራዊ ስድራቤት መዛረቢ ዛዕባ ኮይኑ ዘሎ እዩ። ኤርትራውያን ህዝብና ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከም ዘሎ ዝፈላለይሉን መርተዖ ክደልይሉ ዝግደድሉን ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኣብ ገገዝኦም ስለ ዘሎ። “እሞ እዚ ካብ ኮነ እንታይ ንግበር?” ምስተባህለ ግና እቲ መልሲ ሓበጀረዋይ እዩ። ብድፍኑ “ገለ’ሞ ክግበር ኣለዎ” ምባል ግና ናይ መብዛሕትና መውጽእ ኣፍ ኮይኑ ዘሎ እዩ። ነቲ ኩነታት ዝተረድኡን ብዝቐርብዎም ሰባት ብዛዕባ መፍትሒ ዝሕተቱን ናይ ኣቶ ኢሳይያስ ሚኒስተራትን ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝትን’ውን ከም ሰቦም “ገለ’ሞ ክግበር ኣለዎ” ክብሉ እዮም ዝውዕሉ። ነዚ ርኡይ ሕማቕ ኤርትራዊ ህይወት ክሒድካ “ጽቡቕ ኣለና” ናይ ምባል ሞራልፕም ግና ተጸንቂቑ እዩ። እቲ “ገለ ይገበር” ዝበሃል ዘሎ ኣንቊርካ ንዘይምዝራብ እንተዘይኮይኑ ኣብ ልቢ ብዙሓት ዘሎ ትርጉሙ “ህግደፍ ይወገድ” እዩ።

መንግስቲ ህግደፍ በቲ ምስ ኢትዮጵያ ጀሚርዎ ዘሎ ሓድሽ ሕቱኽቱኽ ኣቢሉ ንህዝቢ ኤርትራ ካብቲ መሰረታዊ ለውጢ ናይ ምምጻእ ቃልሱ ከረሳስዖ ብዙሕ ፈተነታት ኣካይዱ እዩ። ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ኣበሃህላ እውን ንሱ እዩ። እንተኾነ ካብቲ ሰፊሕን መሳጥን ኣባታዊ ቃል ኣባ ተኽለሚካኤል ተወልደ “ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ጻዕዳ ፊኖን ስሚንቶን ኣይኮነን” ዝብል ሓረግ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ናይ ለውጢ ቃልሱ ብግዝያዊ ኣቕርቦት መዕንገሊ ክልውጦ ከም ዘይኮነ ዘመልክትን ኣብ ልቢ ኩሉ ኤርትራዊ ዘሎ ተረድኦን እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ሕጂ ናቱ ናይ ለውጢ መንገዲ ሒዙ ክቕጽል እምበር እቲ ጉጅለ ነናብ ዝኾዓቶ ጐዳጉዲ ክኣትው ድልዊ ከምዘይኮነ ዘመልክት እዩ። በዚ ኣጋጣሚ ክሳብዚ ቀረባ ግዜ ሕቖ ህግደፍ ደጊፎም ከቕንዕዎ ክፍትኑ ዝጸንሑ ወገናት፡ ህዝቢ ለውጢ ካብ ህግደፍ ክጽበ ዝዓይነቱ መዘናግዒ ስብከቶም ብግቡእ ምርዳእ ዘድልዮ ምዃኑ ከይንዝንግዕ ሓደራ።

Last modified on Thursday, 01 November 2018 17:51