“ናታ እንዳሓረራስ እንዳማታ ተካውስ”

2018-11-09 08:37:52 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1789 times

መራሕቲ ሕመቕ ካብ ዝግለጸሉ ሓደ: ኣብ ክንዲ ናብ ውሽጥኻ ምቁማት ናብ ደገደገ ምምዕዳው እዩ። እዚ ሓማቕ ኣካይዳ ኣብ መራሕቲ ጥራይ ዝድረት’ውን ኣይኮነን። መራሕቲ ከምዚ ካብ ዝገብርሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ምስቲ ናብ ውሽጦም ጠሚቶም እመርሖ እየ ዝብልዎ ህዝቢ ዘየሳኒ ረብሓን ባህርን ክህልዎም እንከሎ እዩ። ናይዚ ግብራዊ ኣብነት ንምጥቃስ ናይ ሃገርና ህልዊ ኩነታት መስካሪ እዩ። ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ደው ዝብለሉ ሞራልን ፍናንን እንዳረሓቖ ምስ ከደ ኣብ ሓጽቢ ዓዲ ሃሎ ተዓምጺጽካ ምውዓል ከዘውትር ጸኒሑ። ደሓር ግና በዚ መጸ ዘይተባህለ፡ ንሱ ግና ንሓንሳብ ክንሰርሓሉ ጸኒሕና ንሓንሳብ ከኣ ከባብያዊ ምዕብልና ዘምጸኦ እዩ ዝብሎ መስተርሆ ረኺቡ እነሆ ጉዕዞ ናብ ኢትዮጵያ፡ ሱዕድያን ኢማራት ዓረብን መንገዲ ማይ ገይርዎ።

እቲ ኣብ ኤርትራ ተለጒሙ ዝጸንሐ ልሳኑ ክወሳወስ ጀሚሩ። ኩሉ ኣካይድኡ ናቱ ዕዮ ገዛ ከም ዝወደአ ደገደገ ከመዓዱን ብዛዕባኡ ክምድርን ዝህቅን ምዃኑ ንሰምዖን ንዕዘቦን ኣለና። ንኣብነት ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ዝገበሮ ዘሕፍርን ንህልዊ ኩነታት ኤርትራ ዘይምጥንን ቃለ-መጠይቕ፡ ያኢ ብዛዕባቲ ከባቢ 5 ሚልዮን ዝብዝሑ ህዝቢ ኤርትራ ኣድሚዑስ፡ ናይ 480 ሚልዮን ህዝቢ ዞባና ኩነታት መነባብርን ዕቤትን ከም ዘጨንቖን ዝዓጦን ሃለው ክብል ሰሚዕናዮ። ብዙሓት ወገናት እንተላይ እቶም ብዛዕባኦም ዝዛረብ ዝነበረ ዘይኤርትራውያን ወገናት፡ ኪኖ ምስማዕ ተዓዚበምዎ እዮም። መራሕቲ ኣይኮነንዶ ብዛዕባ ዞባኦም፡ ብዛዕባ ዓለም እውን ክዛረቡ ልሙድን ቅቡልን እዩ። ምኽንያቱ ኣብዚ ንነብረሉ ዘለና ዓለማዊ ኩነታት ገዝኻ ዓጺኻ በይንኻ ምንባርን ምዕባይን ስለ ዘይከኣል። እንተኾነ ናይተን ኣብቲ ብዛዕባኡ ትዛረበሉ ዘለኻ ዞባ ዝርከባ ሃገራት ዕቤትን ርግኣትን ተደሚሩ እዩ ናይ ሓባር ዕቤትን ቅሳነትን ዘምጽእ እምበር፡ ናትካ ኣበሳ ከየዕረኻ ኣብ ሰገነት ወጺእካ ብዛዕባ ዞባ ብምምዳር ጥራይ ዝመጽእ ኣይኮነን።

ኣቶ ኢሳይያስ ኣይኮነንዶ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ነብሱ እውን ዘይተዓረቐ ክነሱ፡ ብዛዕባ ናይ ከባቢ ርግኣት ክዛረብ እንከሎ ብዙሕ ዘዛርብ እንድዩ ብድብድቡ “ኣየምሕረሉን ኣይግብራውን ከኣ” ኢልናዮ ንሕለፍ። ናቱ ኣቐሚጡ ብዛዕባ እንዳማቱ ክዛረብ ህርድግ ብምባሉ “ናታ እንዳሓረራስ እንዳማታ ተካውስ” ምባሉ ከኣ ብግቡእ ዝገልጾ እዩ።

ከምቲ “ትውሕጦ እንተበልኩዋስ ትጎስሞ” ዝበሃል፡ በቲ ቅድሚ ሕጂ ብደረጃ ክልተ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ዝተገብረ ርክባት ዘርኣዮ ፍኹሰት ዝሰዓቦ ውግዘት ከይኣኽሎ ሕጂ ከኣ ናብ ሓንቲ ካብ ክልላዊ መንግስታት ኢትዮጵያ ኣምሓራ ይገይሽ ኣሎ። ሓደ ብዛዓብዚ ኣቶ ኢሳይያስ ዝገብሮ ዘሎ ጠብሎቕሎቕ ዝተገረሙ ኤርትራዊ “እንታ ንሱ እንተዓበደስ እቶም ኣብቲ ከባቢኡ ዘለዉስ የኽፈኣልና ኣሎ ዶ ኣይብሉን እዮም” ዝበልዎ፡ ንርኢቶ ብዙሓት ኤርትራውያን ዝውክል እዩ ዝብል ግምት ኣለኒ። እቲ ዕብዳን ኣብኡ ጥራይ ዝተደረተ ከምዘይኮነ ግና ዘይምርሳዕ። ገለ ንኢሳይያስ ምቅላዕ ከም ናቶም ሕፍረት ዝወስድዎ መጸባበቕቲ ከኣ፡ ወዮ ኣቶ ኢሳያስ ምስ ህዝቡን ዘይተዓርቀ ኣብ ጨንቂ ዝነብር ፍጡር ምዃኑ ጠፊኡናስ ናብ ጎንደር ናይ ምጋሹ ምኽንያት፡ ጉንበት 7ን ኣርበኞችን ክዓርቕ፡ ንኦነግን ንዶ/ር ኣብይን ከሰማምዕ፡ ኣብ መንጎ ክልላዊ መንግስታት ትግራይን ኣምሓራን ዘሎ ምስሕሓብ ኣብ ምህዳእ ክሕግዝ ከም ዝገሸ ኣምሲሎም ከቕርብዎ ይፍትኑ። እዚ ኩሉ ንኢሳይያስ ኣብ ጥራይ መዓኮሩ ኣተዓባቢኻ ንምቕራብ ዝፍተን ብኣረጊት ትምክሕቲ ዝተላዕጠጠ ምህዞ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ሕልና ኢሳይያስሲ ናይ ምጽላእ እምበር ናይ ምትዕራቕ መንፈስ የለን። ኣብ ኤርትራዊ ባይታ እነንብቦ እውን ንሱ እዩ።

ኣቶ ኢሳያስ ካብ ዝልለየሎም ባህርያት ሓደ ኣብ ከባቢኡ ህዱእ ኩነታት ከይፍጠር እሞ ንሱ እውን ከምኡ ከስፍን ንከይጥለብ ምሕንካር እዩ። እዚ ባህርያቱ ኣብ ሱዳንን ካለኦት ጐረባብትን ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት ተራእዩ እዩ። ሎሚ ከኣ ወየ ዕርክነቱ ምስ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ቁሩብ ከይሰጐመ “ንኣምሓራይ ኣጆኻ ንትግራዋይ ከኣ ወይለኻ” ክብል እንዳሰማዕናዮስ ዓራቒ ኣምሲልካ ምቕራቡ ትርጉሙ ኣይርደኣናን ኣሎ ማለት ድዩ። ኣብ ክንድኡ “መናቖቲ” እንተዝበሃል መመልከዓሉ። ኢትዮጵያውያን፡ ኢሱን ካልእ ዘሻህርቶ ኣስማትን እንዳሃቡ ይዕዘብዎ ክህልዉ ከኣ ባህርያዊ እዩ። ኢሳይያስ ኣብቲ ናይዚ ቀረባ ግዜ ተገዲዱ ከም ዝገበሮ ዘፍልጥ ቃለ-መጠይቑ ካብ ዝጠቐሶ ንምጥፍፋእ ከም ዝጽየፍን ካብ ኤርትራ ወጻኢ ንዝፍጸም ከይተረፈ ክምክት ከም ዝመጣጠርን ሰሚዕናዮ ኢና። ከምኡ ዝብል ዘሎ ምስ ብንብረት ህዝቢ ኤርትራ ዝዘቕበበ ሳጹናቶም ዘህጠሩን ኣእዳዎም ብደም ንጹሃት ኤርትራውያን ዝጨቀወን ወተሃደራዊ ኣዘዝቱ ይነብር ከም ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ኮነ መራሕቲ ከባቢና ኣይፈልጡን እዮም ኢሉ ስለ ዝግምት ድዩ። ይፈልጥ እዩ ግና ኩሉ ግዜ ናትካ ኣቐሚጥካ ወሓለ መሲልካ ብዛዕባ ካለኦት ምዝራብ ስለ ዝመርጽ እዩ። ብዛዕባ ጀነራላት ፍሊጶስን ተኽለ ማንጁስን እንተዝዛረብ ግና ቀልቢ ኤርትራውያን መረኸበ።

በቲ ሓደ ወገን ክሳብ ኣብቲ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ ግንባር ኣትዩ ኣብ ኣደባባይ ክፈላሊ ምፍታኑ ክሳብ ክንደይ ቦሶሮ ፖለቲከኛ ኮይኑ ከም ዘሎ ዘረድእ እዩ። ገለ እቲ ቀደም ኢሳይያስ ሓቀኛ ባህሪኡ ሓቢኡ ክነብር እንከሎ ዝፈልጥዎ ኤርትራውያን፡ ኩሉ ንሱ ዝገብሮ ነዊሕ ዝጥምት ኣምሲሎም ከቕርብዎ እዮም ዝፍትኑ። እዞም ወገናት እዚ ሰብኣይ ትምክሕትን ስኻርን ዝወለዶ ዕሽነት ወሲድዎ ከም ዘሎ ምስትብሃል ከድልዮም እዩ። ኣብ ሓደ እዋን እዚ ሰብኣይ ቤት ጽሕፈቱ ዓጽዩ መዓልቲ መዓልቲ ናብ ጋሽ ባርካ እንዳኸደ ኣብዘይሞያኡ ክሕንክር ተዓዚቦም “መራሒ ዝሰርሖ ስራሕ ግዳ ዘይሰርሕ” ክብልዎ ይዝከረኒ። ሎሚ እውን ነዚ እዩ ናብ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣዋሳ፡ ጎንደርን ባህርዳር ኣስፊሕዎ ዘሎ እምበር ሓድሽ ኣየምጸአን። ኩሉ ተግባራቱ ተደሚሩ ከኣ ዕላማኡ ካብቲ ባዕሉ ዝዛረብ ዘተሓሳስብ ኤርትራዊ ኩነታት ንምህዳም ዝሃንደሶ እዩ።

Last modified on Friday, 09 November 2018 09:40