ዕላማ ኢሳይያስ እንታይ እዩ?

2018-10-30 16:24:43 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2343 times

ብዙሓት ኣካይዳ ኣቶ ኢሳይያስ ምርድኡ ዘጸገሞም ወገናት፣ “ዕላማ ናይዚ ሰብኣይ እንታይ እዩ?” ኢሎም ካብ ዝሓቱ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ነዚ ሕቶዚ ንምምላስ ንድሕሪት ነዊሕ ተመሊሶም፣ ምስክርነት ተስፋሚካኤል ጆርጆ፣ ተረኽቦ ምምልላሱ ኣብ መንጎ ዓላን ቃኘውን፣ ኣበሃህላ ናይ ቅድም ኣመሓዳሪ ኤርትራ ሻለቃ ዳዊት ወ/ጊዮአጊስ፣ ናይዚ ቀረባ ምስክርነት ነባር መቓልስቱ ኣቶ መስፍን ሓጐስ ዝጠቕሱ ብዙሓት እዮም። እዚ ኩሉ መርተዖታት ደሚርካ ክረኣይ እንከሎ፣ ኪኖ ኣብ ስልጣን ምንባር ኤርትራውነት ናይ ምልማስ ሕልና ከም ዝነበሮ ብውሑዱ ምግማት ይከኣል።

ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝሰማዕናዮምን ዘንበብናዮምን፣ “ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ዶብ ትርጉም ናብ ዘየብሉ ደረጃ ከነውርዶ ኢና። ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝብታት እዮም ዝብሉ እቶም ነቲ ሓቂ ዘይፈልጡ እዮም። ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ክመርሕና ሓላፍነት ሂብናዮ ኣለና።” ዝብሉ ኣብ ባይታ ዘይወድቁ ሓምሉኣት ሓሳባት ሰሚዕናዮም ኢና። ምናልባት ነቲ በሃሊኦም ከነጸባብቐሉ ክንብል “ ካብ እግሪ ኣፍ ይዕንቀፍ” ከይከውን ዝበሉ ኣለዉ። ኣቶ ኢሳይያስ ግና ነቶም ዘሎ መሲልዎም ኣጸባቢቖም ከቕርብዎ ዝፍትኑ ወገናት ኣይሓገዞምን። ካብቲ ኣብ ኣስመራ፣ ኣዲስ ኣበባን ኣዋሳን ተገቲሩ ዝበሎ ዝተፈልየ ትርጉም ከም ዘለዎም ኣይነገረናን። ናብ ካልእ ከይሰገርና ነታ “ ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ቀያድን ናይ መወዳእታን እዩ” እትብል ኣብ ዕዲ ሃሎ ኮይኑ ንነዊሕ ግዜ ከኮማስዓ ዝውዕል ዝነበረ ረዛን ሓረግ ካብ መዝገበ ቃላቱ ምውጽኡ ከኣ ፍሉይ ግምት ዝወሃቦ እዩ፡

ነዚ ዝኸውን ዘሎ መሰረት ገይርና፣ ነቲ “ዕላማ ኢሳይያስ እንታይ እዩ?” ዝብል ሕቶ ንመልስ። ዝተፈላለዩ ወገናት ነዚ ሕቶ’ዚ ዝተፈላለዩ መልስታት ኣለዎም። እቶም ጐሊሖም ዝወጹ መልስታት ግና ክልተ እዮም። በቲ ሓደ ወገን “ቀንዲ ዕላማ ኢሳይያስ ንህዝቢ ኤርትራ እንዳደሃኽካ ኣብ ስልጣን ምንባር እዩ” ዝብል ክኸውን እንከሎ፣ እቲ ካልእ ወገን ከኣ “የለን ዕላማ ኢሳይያስ ኪኖ ኣብ ስልጣን ምንባር ዝምጠጥ፣ ህልውና ኤርትራ ከም ሓንቲ ብኣዝዩ ክቡር ዋጋ ዝተረኽበት ልኡላዊት ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ እዩ” ዝብል ኮይኑ ንረኽቦ። ካብዚ ክልተ ንዕላማ ኢሳይያስ ዝምልከት ግምታዊ መልስታት ኣፍካ መሊእካ ከም ውዱእ መልሲ “እዚ እዩ” ንምባል ቁሩብ ግዜ ምጽባይ ከም ዘድሊ ርዱእ እዩ። እንተኾነ ኣብዚ ንርእዮን ንከታተሎን ዘለና ምዕባለታት ተመርኲስካ ዝያዳ ናብቲ ሓቂ ዝዛዘወ መልሲ ምሃብ ዘጸግም ኣይኮነን።

ሕጂ ንዕዘቦ ከም ዘለና፣ ኣቶ ኢሳይያስ ነቲ ንኣድላይነት ምርግጋጽ ልኡላውነት ኤርትራ ዘበርኽ ቋንቋን ብሂልን ገዲፍዎ እዩ። ከም መህደሚ ዝጥቀመሉ ከኣ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንውሳነ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን “ብዘይቅድመ ኩነት ተቐቢለዮ ኣለኹ ኢሉ” ዝብል እዩ። እቶም ኣቶ ኢሳይያስ ደድሕሪ መኽሰቡ ዝኸይድ ዘይኮነስ፣ ኣብ ዝወዓሎ ዝሓድር ጭቡጥ መራሒ መሲልዎም፣ ነዚ ንትግባረ ምምልካት ዶብ ዝምልከት ሓረግ ርዒሞም ዝነበሩ፣ ኣቶ ኢሳይያስ ኣብ ማእከል ጎልጎል ራሕሪሕዎም ከም ዝተዓዝረ ዘንጊዖም፣ ሎሚ እውን ዶ/ር ኣብይ ዝበሎ ክትግበረሎም ጭልም ይብሉ ኣለዉ። እንተኾነ “ ንውሳነ ኮሚሽን ዶብ ብዘይ ቅድመኩነት ተቐቢልናዮን ብዘይ ቅድመ-ኩነት ተግቢርናዮን” ዝብሉ ሓረጋት ኣዝዩ ዝተረሓሓቐ ትርጉም ከም ዘለዎ ክግንዘቡ ነዘኻኽሮም። እቲ ብዘይ ቅድመ-ኩነት ተቐቢልናዮ ዝብል ኣበሃህላ መደንዘዚ እምበር መተግበሪ ኣይኮነን። እምበርከ ስለምንታይ ኢና ነቲ መራሒ ኢትዮጵያ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ምስ ተሓተተ “ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንኡስ ዛዕባ ስለ ዝኾነ ኣየልዓልናዮን” ዝበሎ እሞ ብወገን ጉጅለ ኢሳይያስ ርኢቶ ዘይተዋህበሉ እንዝንግዖ። ኣቶ ኢሳይያስ ግና እቲ ብዘይቅድመ-ኩነት ተቐቢልናዮ ዘይትግበር መደዓዓሲ ምዃኑ ኣዳዕዲዑ ተረዲኡ ካብኡ ዝዓቢ ቅጫ ሃሪፉ ዝኣተዎ እዩ። ካብ “ተቐቢልናዮ” ናብ “ተግቢርናዮ” ንሰጋገር ከይብል ከኣ ምናልባት ዝበለዐት ከብዲ ኮይንዎ ይኸውን። ስለዚ እዚ ኣካይዳ ዲክታቶር ኢሳይያስ ንሃገር ብዓባያ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ እምበር፣ ኣብ ስልጥን ክነብር ናይ ዝደሊ ጥራይ ኣይኮነን።

ኣብዚ እዋንዚ ብገዛእ ናይ ህይወት ዋጋ ዝኸፈልናላ ሃገር፣ ብዛዕባኣ ህዝቢ ኤርትራ ዘይንፈልጦ ስምምዓት ይካየድ ኣሎ። ከም ኣካል ናይዚ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝተሓብአ ሽፉን ስምምዕ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዶብ ምስተኸፍተ ወዮ ተዘሪዑ ዝጸንሐ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ብቐጻሊ ይውሕዝ ኣሎ። ኤርትራ ናብ ሰሪሑ ዘፍሪ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዘየብላ ትምዕብል ኣላ ዝብል ስግኣት ከኣ ናይ ብዙሓት እዩ። ቅድም ሕልሚ ዝመስል ዝነበረ፣ ሎሚ ግና ዝገሃድ ዘሎ ሸፋጢ ተግባር ኣቶ ኢሳይያስ ብሓቂ ህልውና ኤርትራ ዓቂብካ ኣብ ስልጣን ምቕጻል እንተዝነብር፣ ነዚ ዘይዛሪ ህዝባዊ ዋሕዚ ስቕ ኢሉ ኣይመረኣዮን። ምኽንያቱ ኣብ ስልጣን ምንባር ብዘይ ህዝቢ ትርጉም የብሉን። ዝግዛእ ህዝቢ ዘየለ ገዛኢ ኮይንካ ምቕጻል ኣይከኣልን እዩ። ናይቲ ትገዝኦ ህዝቢ ጉልበት መዝመዝካ ንዋት ከይደለብካ ኣብ ስልጣን ኣይንበርን እዩ። ኣብ ስራሕ ተዋፊሩ ግብርን ቀረጽን ዝኸፍል ህዝቢ ዘየብሉ ኣብ ስልጣን ኣይንበርን እዩ። ኣንጻር ስልጣንካ ዝመጹ ሓይልታት እትከላኸለሉ ኣብ ውትህድርና ዘገልግል መንእሰይ ዘየብሉ ኣብ ስልጣን ኣይንበርን እዩ፡ ስለዚ ኣቶ ኢሳይያስ ካልእ ገዲፍካ፣ ህዝቢ እንዳፈለሰ ስቕ ኢሉ ምርኣዩ፣ ኣብ ስልጣን ምንባር መንይዎስ፣ “ድሕረይ ዳንዴር ኣይብቆላ” ከም ዝበሃል፣ ንኤርትራ ለኪምካ ናይ ምጥፋእ ምዃኑ ምግንዛብ ዘጸግም ኣይኮነን። እቶም ዕላማ ኢሳይያስ ኪኖ ኣብ ስልጣን ምንባር ንኤርትራ ከም ሃገር ምህሳሳ ኣይኮነን ዝብሉ፣ ኤርትራና ንህልውነኣ ከም ሃገር ዝፈታተን ሓደጋ ክትወድቕያ ምባል ከም ሕማቕ ፋል ስለ ዝርእይዎ ክኸውን ይኽእል። ሓቂ እዩ እቲ ፋል ሕማቕ እዩ፡። እቲ ክዉን ሓቂ ነዚ ከም ዘመልክት ግና ክንቃለሶ እምበር ክንሓብኦ ዝግበኣና ኣይኮነን።

Last modified on Tuesday, 30 October 2018 17:26