ህዝቢ ሶማሊላንድ ፕረሲደንቱ ንምምራጽ ኣድሚጹ
2024-11-15 19:59:53 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 557 timesህዝቢ ናይታ ኣስታት 6 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ከም ሃገር እትንቀሳቐስ እንተኾነ ኣፍልጦ ዘይረኸበት ሶማሊላንድ ብ13 ሕዳር 2024 ፕረሲደንት ንምምራጽ ድምጹ ሂቡ። እዚ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ድምጺ ዝሃበሉ ምርጫ ሶማሊላንድ፡ ን4ይ ግዜ ዝካየድ ዘሎ ካብቲ ክካየደሉ ዝነበሮ ግዜ 2ተ ዓመታት ድሒሩ ዝተኻየደ እዩ። ሶማሊላንድ ድሕሪ ውድቀት መንግስቲ ዘይድ ባረ ጀሚራኳ ካብ መቃድሾ ተፈልያ፡ ንገዛእ ርእሳ ከም “ሃገር” እንትፈለጠት፡ ብደረጃ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይኹን ውልቂ ሃገራት ግን ክሳብዚ እዋን ኣፍልጦ ኣይረኸበትን።
ኣብዚ ፕረሲዳንታዊ ምርጫ፡ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ሙሴ ቢሂ ኣብዲ ካብ ሰልፊ ኩልሜ፡ ዓብዱራሕማን መሓመድ ዓብዱላሂ ካብ ሰልፊ ዋዳኒን ፈይሳል ዓሊ ዋራበ ካብ ሰልፊ ዩሲኣይዲን ተወዳደርቲ እዮም። እዞም ተወዳደርቲ ኣብ ኣሰራርሓ ፍልልይ ሃልይዎም፡ ቁጠባ ኣብ ምዕባይ፡ ዲሞክራሲያዊ ምምሕዳር ኣብ ምስፋሕን ሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ንክትረክብ ኣብ ምጉስጓስ ግና ተመሳሳሊ መርገጽ ከም ዘለዎም ይንገረሎም።
በዚ መሰረት ነቲ ሶማሊላንድ መህነጺ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ዝኸውን 20 ኪሎሜትር ትርብዒት ዝስፍሓቱ መሬት ኣብ ገመገም ባሕርን ኣገልግሎት ወደብን ን50 ዓመታት ክትህባ፡ ኢትዮጵያ ብወገና ከም ሃገር ኣፍልጦ ንክትህባ ብ1 ጥሪ 2024 ዝበጽሕዎ መረዳድኢ ሓሳብ ሰለስቲኦም ሕጹያት ተወዳደርቲ ይድግፍዎ እዮም።
ሶማሊላንድ ብኣብዘሓ ሰልፋዊ ስርዓት እትመሓደር ክትከውን እንከላ፡ ናይ ገዛእ ርእሳ፡ ባንዴራ፡ ገንዘብ፡ ሕገመንግስትን ፓስፖርትን ኣለዋ። ብዘይካዚ ቅድሚ ሕጂ ብዘካየደቶም ምርጫታት ካብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝሓሸ ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ዝረኣየላ ከም ዝኾነት ብዙሓት ይምስክሩላ።
ነቲ ምርጫ ዝመርሕ ዘሎ ኣካል፡ እቲ ኣብ 2 ሺሕ መውሃቢ ድምጺ ነቑጣታት ዝተኣከበ ድምጺ ካብ ታሕቲ ጀሚሩ ክሳብ ላዕሊ ምስ ተቖጽረ ኣብ 21 ሕዳር 2024 ውጽኢቱ ክንግለጽ ትጽቢት ኣሎ።
እዛ ከም ሃገር ዘይትፍለጥ ሶማሊላንድ፡ ጌና ከም ሃገር ኣፍልጦ ከይረኸበት፡ ሕገመንግስቲ ወኒና ምርጫታት ብምክያድ ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ክትፈጥር እንከላ፡ ቅድሚ 31 ዓመታት ልኡላውነታ ዝኣወጀት ኤርትራ ግና ብዙሕነት ዘይተፍቅድ፡ ሕገመንግስቲ ዘይወነነትን ዝመርሓ ኣካል ዘይመረጸትን ኮይና ትቕጽል ዘላ እያ።