ካብ ኩርሙክ ልዕሊ 73 ሺሕ ሰባት ተመዛቢሎም ተባሂሉ

2026-03-28 10:38:34 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 151 times

 ኩርሙክ ብተወርዋሪ ሓይሊ ሱዳን ብ26 መጋቢት ምስ ተታሕዘት፡ ነበርቲ እናተመዛበሉ

ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሱ ነጠፍቲ፡ ብሰንኪ ዝተኸፍተ ሓድሽ ውግእ፡ ኣብ ዞባ ብሉናልይ ሱዳን ካብ እትርከብ ኩርሙክ ኣስታት 73 ሺሕ ሰባት ከም ዝተመዛበሉ ሓቢሮም። ናይቲ ምምዝባል ጠንቂ ኣባላት ተወርዋሪ ሓይሊ ሱዳን ኣንጻርቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት መንግስቲ ዝኸፈቶ ሓድሽ መጥቃዕቲ ምዃኑ እውን ተሓቢሩ።

ሓይልታት ናይቲ ብጀነራል ኣሕመድ ደጋሎ  ዝምራሕን ብዓብደል ዓዚዝ ኣል ሂሉ ዝእዘዝ ዕጡቕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሱዳንን ኣብታ ናብ ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ብቐረባ እትርከብ ኩርሙክ፡ ኣብ መወዳእታ ሰሙን መጋቢት 2026  ዘካየድዎ ናይ ሓባር መጥቃዕቲ ብኢትዮጵያ ዝተደገፈ እዩ ዝብል ዜና እውን ተዘርጊሑ እዩ። ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝተኸታተለ ቤት ጽሕፈት ህጹጽ ጉዳያት ምምሕዳር ብሉ ናይል፡ ካብ ሕቡራት ሃገራት ብዝተረኸቦ ሓበሬታ 73,406 ተመዛበልቲ ርሙክ ናብ ደማዚንን ከባቢኣን ከም ዝሃደሙ ኣፍሊጡ። እቲ ብዛዕባ’ቶም ተመዛበልቲ ዝሓበረ ዜና፡ እቶም ግዳያት መብዛሕትኦም ኣዴታትን ህጻናትን ምዃኖም ጠቒሱ፡ ነቲ ኩነታት ኣዝዩ  ጫካን ፍጻመ ክብል ገሊጽዎ። እቶም ተመዛበልቲ ኣዝዩ ከቢድ ናይ መግቢ፡ ዝስተ ጽሩይ ማይን ሕጽረት ተመጣጣኒ መጽለልን  ኣጋጢምዎም ስለ ዘሎ እቲ ጉዳይ ዝተሓላለኸ ቅልውላው ኣኸቲሉ ከምዘሎ’ውን ተሓቢሩ።

እቲ ኩነታት ልዕሊ ዓቕሚ ኣብቲ ከባቢ ናይ ዝንቀሳቐሳ ናእሽቱ ሰብኣዊ ትካላት ስለ ዝኾነ፡ ዓለም ለኻውን ዞባውን ሰብኣዊ ትካላት መሰረታዊ ነገራትን መጽለልታትን ኣብ ምቕራብ  እጃመን ንከበርክታ ዝምልከት መግለጺ ወጺኡ’ሎ።

እቲ ዜና ከም ዝጠቐሶ መጥቃዕቲ ርሙክ ዓለምለኻዊ መዲያታት ኢትዮጵያ ኣብ ጐረቤት ሱዳን ክልል ቤንሻንጉል ሰራዊት ዕጡቕ ተወርዋሪ ሓይሊ ሱዳን ዝዕለመሉ መደበር ከም ዝኸፈተት ኣረጋጊጽና ድሕሪ ምባሎም ዝተኸስተ ምዃኑ ጠቒሱ፡ እዚ ሓቂ እንተኮይኑ ናይ ኢትዮጵያ ብቐጥታ ኣብ ውግእ ሱዳን ኢድ ምእታዋ ዘርኢ እዩ'ውን ኢልዎ።

በዚ መስረት ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መንጎ ጐረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘሎ ምስሕሓብ ናብ ቀጥታዊ ዞባዊ ሓደጋ ክኸውን ዝኽእል ጐንጺ ከይምዕብል ናይ ብዙሓት ስግኣት ኮይኑ ኣሎ።

Last modified on Saturday, 28 March 2026 11:53