ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፡ ንጋንታ ኢስዋቲኒ ስዒራታ

2026-03-26 10:56:02 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 61 times

“ሬድ ሲ ካመልስ” ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፡ ብ25 መጋቢት 2026 ኣብ ማረኮ ኣብ ዝተኻየደ ቀዳማይ ዙር  መጻረዪ ግጥም ኣፍሪቃ 2027፡ ንጋንታ ኢስዋቲኒ ክልተ ብባዶ ስዒራታ። ጋንታ ኤርትራ ቀዳመይቲ ሸቶ ኣብ መበል 81 ደቓይቕ ብኢዮብ ኣብርሃ ከተመዝግብ እንከላ፡ እታ ከለኣይቲ ሸቶ ድማ እቲ ስሩዕ ግዜ ተወዲኡ ኣብ ዝተዋህበ ናይ 4 ደቓይቕ ተወሳኺ ግዜ እያ፡ ዓሊ ሱሌማን ብዝቐለዓ ኩርናዕ  ኣመዝጊባ።

ኣብ 31 መጋቢት 2026 ድማ ኣብ ኢስዋቲኒ 2ይ ዙር ግጥም ከካይዳ ትጽቢት ኣሎ። እቲ 2ይ ዙር ኣብ ኢስዋቲኒ ዝካየድ ካብ ኮነ፡ ስለምንታይ እቲ ቀዳማይ ዙር ኣብ ኤርትራ ዘይተኻየደ  ኣይተገልጸን።

ጋንታ ኤርትራ ን6 ዓመታት ካብ ዝኾነ ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ውድድራት በዂራ ድሕሪ ምጽናሕ እያ ብግብጻዊ ኣሰልጣኒ ኮያ ሓሺም ያኪን እናተምርሐት ናብዚ ውድድር ተመሊሳ። ኣቐዲሙ ከም ዝተሓበረ ኣባላት ናይታ ጋንታ 26 ኮይኖም፡ ካብዚኣቶም እቶም 12 ካብ ኤርትራ ዝተጓዕዙ ኮይኖም፡ እቶም 14 ኣብ ድማ ኣብ ግብጺ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ጀርመን፡ ሽወደንን ኣወስትራልያን ክጻወቱ ጸኒሖም ዝጽንበሩ እዮም።

ጋንታ ኤርትራ ንዓመታት ካብ ኩሉ ውድድራት ኣቋሪጻ ዝጸንሐት፡ ኣባላታት ኣብ ዘዝኸድዎ ሃገራት  ፖለቲካዊ ዑቕባ ይሓቱ ስለ ዝነበሩ እዩ። ካብ 2000 ንደሓር ኣስታት 89 ተጻወትን ኣሰልጠንትን ናይታ ጋንታ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝያት ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ከምዘይተመለሱ እዩ ዝግለጽ። ናይቲ ኣብ ዘዝኸድዎ ምትራፍ ጠንቂ ከኣ ኣብ ሃገሮም ዘጋጥሞም ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን መጀመርታኡ እምበር መወዳእታኡ ዘይፍለጥ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ምዃኑ  እቶም ተዓዘብቲ ይገልጹ።

ኣብ2006- 2007 ብዙሓት ኣብ ኬንያ፡ ታንዛንያን ኣንጎላን፡ ኣብ 2010፡ 17 ኣብ ኡጋንዳ፡ ብ2015፡ 10 ኣብ ቦትስዋና፡ 2019፡ 7 ኣብ ኡጋንዳ፡ ኣባላት ናይታ ጋንታ ናብ ኤርትራ ምምላስ ተሓሲሞም ኣብተን ሃገራት ዑቕባ ከም ዝሓተቱ ከኣ ኣካል መግለጺ ድሕረ ባይታ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ እዩ።

ኢስዋቲኒ ኣብ ደቡባዊ ክፍሊ ኣፍሪቃ እትርከብ፡ 17,364 ትርብዒት ኪሎሜተር ዝስፍሓታ፡ 1.27 ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ ዘለዋ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ዝየብላን ብደቡብ ኣፍሪቃን ሞዛምቢክን እትዋሰንን ምባባን ዝዋና ከተመኣ ንእሽቶ ሃገር እያ።

Last modified on Thursday, 26 March 2026 12:06