ትካል መግብን ሕርሻን ዓልም ስኽፍታኡ ገሊጹ

2026-03-24 19:57:40 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 74 times

ትካል መግብን ሕርሻን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ((FAO)፡ ኣብ 2026 ኣብ 41 ሃገራት ሓያል ዋሕዲ መግቢ ከም ዘጋጥም ዝሓደሮ ስኽፍታ ዝገልጽ ጸብጻብ ኣውጺኡ። እተን 41 ሃገራት 31 ካብ ኣፍሪቃ፡ 8 ካብ ኤስያ፡ ካብ  ላቲን ኣሚሪካን ካርቢያንን ከኣ ሓሓደ ምዃነን ኣብቲ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።

ካብተን ካብ ኣፍሪቃ  ኣብቲ ጸብጻቡ ዝጠቐሰን ኢትዮጵያ፡ ኬንያ፡ ሶማሊያ፡ ሱዳን ቡርንዲ፡ ማእከላይ ኣፍሪቃ ረፑብሊክ፡ ጅቡቲ፡ ማላዊ፡ ማውሪታንያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኒጀርን ናጀርያን ይርከበአን። ካብኣተን ኣብ ኣዝየን ጽንኩር ኩነታት ክወድቃ እየን ካብ ዝበለን ከኣ፡ ንኤንያ፡ ሶማሊያ፡ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ከም ኣብነት ጠቒስወን። ካብ ኤስያ ከኣ ህንዲ፡ ኢንደኖሲያ፡ ማልዲቭ፡ ሚያማር፡ ስሪላንካ፡ ታይላንድን ባንግላደሽን ኣብቲ ዝርዝር ናይ ጽጉማት ተቒሰን

ናይተን ሃገራት ኣብቲ ጸገም ምውዳቐ ምኽንያታት ከከም ኩነታተን ዝፈላለ ኮይኑ፡ ምልውዋጥ ኩነታት ኣየር፡ ዝለዓለ ክብሪ ዋጋ መግብን ብሰንኪ ውግእ ዘጋጥም ምምዝባልን ከኣ ካብቶም ቀንዲ ሕርሻዊ እቶትን ማሕበራዊ ምሕስነትን ከንቆልቁል ዝጸልዉ ምዃኖም ኣብቲ ጸብጻብ ዝሰፈሩ እዮም።

ደርቂ፡ ዘይስሩዕ ዝናብ፡ ብጐንጽታት ዝዝረግ ሕርሻን ምርባሕ እንስሳን፡ ድማ ከም ፍሉያት ሃሰይቲ ምኽንያታት ኣቕሪብዎም። በዚ ጠንቂ ኣብ 2025  ኣብ ኬንያ 2.1፡ ኣብ ሶማሊያ 6.5 ሚልዮን ሰባት ብሕጽረት መግቢ ዝተጠቕዑ ምንባሮም ሓቢሩ፡ እዚ ኣሃዝ ኣብ 2026 ከኣ ክዛይድ እዩ ዝብል ስግኣት ከም ዘለዎ ጠቒሱ።

ጸብጻባት ፕሮግራም መግቢ ዓለም (WFP)ን ዓለምለኸ ገንዘባዊ ሕርሻዊ ትካል (IFAD)ን እውን ካብዚ ዝተፈልየ ከምዘይኮነ ተሓቢሩ።  

Last modified on Tuesday, 24 March 2026 21:03