ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተቐትሉ ጋዜጠኛታት ፍትሒ ዘይረኽቡለን ተባሂለን
2024-11-12 09:19:28 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 305 timesኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ትካል ሳይነስን ባህልን (UNESCO)፡ ብዘውጸኦ ጋዜጣዊ መገለጺ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከበአን ሃገራት ኣብ ዝሓለፉ 17 ዓመታት ብዛዕባ ዝተቐትሉ ጋዜጠኛታተን ኣጻርየን መልሲ ከም ዘይሃባ ገሊጹ። እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ካብ 2006 ክሳብ 2023 ኣብ ዝነበረ ዓመታት ኣብ 75 ሃገራት 1, 189 ጋዜጠኛታት ከም ዝተቐትሉ ጠቒሱ ክሳብ ሎሚ፡ ናይቶ 947 ጋዜጠኛታት ጉዳይ ኣብ ዝኾነ ናይ ፍትሒ ትካል ከም ዘይቀረበ ኣፍሊጡ
ዩነስኮ ነዚ ጸብጻብ ዘቕረበ 6ን7ን ሕዳር 2024፡ ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣዲስ ኣበባ 25 ኣንበሳድራትን 75 ወከልቲ ሃገራት ኣብ ዝተሳተፍዎ፡ “ጉዳይ ዝቕተሉሉ ጋዜጠኛታት ብዘይተሓታትነት ክሕለፍ የብሉን” ብዝብል ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ብምትሕብባር ኣብ ዘካየዶ ኣህጉራዊ ርክብ እዩ። ኣብዚ ምይይጥ ኣብቲ ዝተጠቕሰ ግዜ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ክልተ ኣብ ኤርትራን ኬንያን ድማ ነፍሲ ወከፈን ኣርባዕተ ጋዜጠኛታት ከም ዝተቐትሉ ጠቒሱ፡ ኢትዮጵያን ኬንያን ብዛዕባቲ ቅትለት ተሓቲተን መልሲ ክህባ እንከለዋ፡ ኤርትራ ግና መልሲ ከም ዘይሃበት ኣቃሊዑ።
እዚ ኣብ ከክልተ ዓመት ዝሕተም ናይ ዩነስኮ ጸብጻብ ከም ዝሓበሮ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝተቐትሉ ጋዜጠኛታት፡ ናይ 26 ጉዳይ ብመስርሕ ፍትሒ መዕለቢ ከም ዝረኸበ፡ ካብ 75 ንላዕሊ ናይ ዝኾኑ ኣብ መስርሕ ፍትሒ ከም ዘሎን ናይ 60 ዝኾኑ ግና ኣበ ከመይ ደረጃ ከምዘሎ ከምዘይፍለጥ ኣስፊሩ።
ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ዳኛ ሰብኣዊ መሰላት ዴኒስ ኣዳጄ፡ ኣብቲ ርክብ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ “ድሕንነት ጋዜጠኛታት ብኸይ ይሕለው” ብዝብል ኣብ ዝሃቦ ርኢቶ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ነዚ ዛዕባዚ ዝምልከት ምጽራይ ንክካየድ ዘለወን ቅሩብነት ኣዝዩ ዝተሓተ ምዃኑ ሓቢሩ። እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝኾነት ዓለም ለኻዊ ሕጊ ሰብኣዊ መሰል ዝኸተመት ሃገር ዝፍጸም ጥሕሰት ናይ ምርኣይ ሓላፍነት’ኳ እንተለዎ፡ ብተግባር ግና ሃገራት ብመንጽርዚ ክምዘና ከም ዘይደልያ ምጥቃሶም እውን እዚ ጸብጻ ተቒሱ።
ክሳብ ሎሚ ጉዳይ ዝተቐትሉ ጋዜጠኛታተን በዚ ቤት ፍርዲ ክረኣይ ፈቓደኛ ዝኾናን መንግስታተን ግጉያት ምንባሮም ተነጊርዎም ዝተቐበሉን ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ታንዛንያ፡ ሩዋንዳ፡ ቤኒንን ኮትዲቭዋርን ጥራይ ምዃነን ድማ ተሓቢሩ። ብዓለም ደረጃ ካብ ዝቕተሉ 10 ጋዜጠኛታት እቶም 8 ፍትሒ ከም ዘይረኸቡ እቲ ጸብጻብ ዩነስኮ ኣስፊሩ።
ኤርትራ ብሓፈሻ ብጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል፡ ብፍላይ ከኣ ጋዜጠኛታት ኣሲርካ ኣሲርካ ሃለዋቶም ብምጥፋእን ኣብ ቅድሚት ካብ ዝስረዓ ሃገራት ዓለም ሓንቲ ምዃና ዝዝከር እዩ።