ኤርትራ ዜጋታተን ከይገሹ ተሪር ምቁጽጻር ካብ ዝገብራ ሃገራት’ያ
2024-11-08 22:04:12 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 377 timesኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር ኤርትራ፡ ዜጋታተን ጉዳይ ሃልይዎም፡ ናይ ጉዕዞ ትኬት ቆሪጾምን ከማልእዎ ዝግበኦም ኣማሊኦምን ከይገሹ ብትሪ ካብ ዝኽልክላ ሃገራት ሓንቲ ምዃና ኤሪጋዘተ (Erigazette)፡ ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ብ7 ሕዳር 2024 ኣብ ዘስፈረቶ ጽሑፍ ሓቢራ።
እቲ ጽሑፍ ኤርትራ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝበሃል ኣገዳዲ ግቡእ ከይፈጸሙ ክወጹ ንዝደልዩ ዜጋታት፡ ዜግነታዊ ናይ ምጋሽ መሰሎም ይንጸግ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝተፈላለዩ መቕጻዕቲ ከም ዘኸትል እውን ጠቒሱ። ካብቲ መቕጻዕቲ መንግስቲ ተደጋጋሚ ተሪር ግፋታት የካይድ። ናይቲ ግፋ ዓላማ ናብ ኣገልግሎት ከይከዱ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዝተሰወሩ መንእሰያት ንምህዳን እዩ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዘይኣፍልጦ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጸጥታ ናይቲ መንግስቲ ክወጹ እንከለዉ ኣብ ዶባት ዝተረኽቡ ዜጋታት ተኹሲ ይኽፈቶም። ገንዘባዊ ክፍሊትን እውን ይጸዓኖም።
እዚ መቕጻዕቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ብዘይፈቓድ ዝወጹ እሞ ዋላ ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ከም ዝትግበር ከኣ እቲ ጽሑፍ ኣስፊሩ። እቲ መቕጻዕቲ ብዘይካ ኣብ ልዕሊ እቲ ብቐጥታ ዝምልከቶ ኣካል ኣብ ልዕሊ ናይ ቀረባ ቤተሰቡ ከይተረፈብመልክዕ ምውራስ ንብረት ወይ ኣብ ክንድኡ ናብቲ ግዱድ ኣገልግሎት ብምውሳድ ይትግበር እዩ።
መንግስቲ ኤርትራ ዜጋታቱ እንተ ገይሾም ኣይምለሱን እዮም ዝብል ስግኣት ስለ ዘለዎ፡ ኣብ ስፖርተኛታት እውን ጥቡቕ ምቁጽጻር ከም ዝገብርን፡ ብሄራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ካብ ናይ 2026 መጻረይ ጽዋዕ ዓለም ከም እትበኩር ዝገበረት ተጻወታ እንተወጺኦም ኣይክምለሱን እዮም ብዝብል ስግኣት ምዃኑ ከኣ እቲ ጽሑፍ ኣቃሊዑ።