መንገዲ ኣየር ፈረንሳ፡ ብሰማያት ቀይሕ ባሕሪ ምብራር ኣቋሪጹ
2024-11-06 19:40:23 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 377 timesካብ ናይቲ መንገዲ ኣየር፡ መርበብ ሓበሬታ ዝተወስደ ስእሊ
ኣየር ፍራንስ፡ ብ4 ሕዳር 2024 ብቀይሕ ባሕሪ ምብረር ከቋርጽ ከም ዝተገደደ ናይቲ መንገዲ ኣየር ወሃቢ ቃል ኣፍሊጡ። እቲ ጉጅለ ኣብረርቲ በረራኡ ከቋርጽ ዝተገደደ ኣብቲ ወጥርታት ዘዘሖ ዞቦ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሰማይ ሱዳን ኣብ ዝለዓለ ብራኽ ዘንጸባርቕ ነገር ስለ ዝረአየ ምዃኑ እቲ ወሃቢ ቃል ብተወሳኺ ሓቢሩ።
እቲ መንገዲ ኣየር ናይቲ “ዘንጸባርቕ” ዝበሎ ኣካል እንታይነት ዘይጠቐሰ ኮይኑ፡ በቲ ኢራን ኣንጻር እስራኤል ሕነ ንምፍዳይ ሚሳይላት ክትትኩስ እያ ዝበሃል ዘሎ ከም ዝሰግአ ጠቒሱ። በቲ ሃንደበታዊ ምቁራጽ በረራ ካብ ፓሪስ ናብ ኣንታራሪቮ፡ ማድጋስካርን ናይሮብን ዝግበር ዝነበረ በረራ ዝተዓንቀፋ ነፈርቲ፡ ናብቲ ዝተበገሳሉ ፓሪስ ከም ዝተመልሳ ተፈሊጡ።
እዚ ዘሻቕል ኩነታት ዝተፈጥረ የመናውያን ጉጅለ ሑቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መራክብ ኣብ ዝወቕዕሉን ናብ እስራኤል ድማ ሚስይላት ኣብ ዝትኩሱልን እዋን ምዃኑ ዝጠቐሰ እቲ ዜና፡ መንገዲ ኣየራት ካብቲ ኣስጋኢ ዝኸውን ዘሎ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ወጻኢ ካልእ ውሑስ ዝኾነ ኣቕጣጫታት ክመርጻ ይግደዳ ከም ዘለዋ ኣመልኪቱ።
መንግዲ ኣየር ፍራንሳ፡ ልዕሊ ኩሉ ድሕነት ዕማዊሉ ከም ዘገድሶን በዚ መሰረት ነቲ ዝፍጠር ጀኦ-ፖለቲካዊ ምዕባለታት እናተኸታተለ መንግዲ ከም ዝቕይር ጠቒሱ፡ ኣብዚ እዋንዚ ብክሊ ኣየር ዖማንን ሳዑዲ ዓረብን ይጥቀም ከምዘሎ ሓቢሩ።