መግለጺ መሪር ሓዘን

2024-08-25 13:04:42 Written by  ገረዝጊሄር ተወልደ ኣቦ-መንበር ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 557 times

መስዋእቲ ተጋዳላይ መሓመድ ኣደም ኣርተዓ ብኣዝዩ መሪር ሓዘን ሰሚዕናዮ። ኣርተዓ ብ1958 ኣብ ከተማ ኣቑርደት ተወሊዱ። ነታ ኣብ ኣቑርደት ብሰራዊት ጸላኢ ጨፍጫፍ ዝተፈጽመላ “ጸላም ሰንበት” እትበሃል ህልቂት ብኣካል ርእዩ፡ ነቲ ኩነታት ክጸሮ ስለ ዘይከኣለ ድማ ወዲ 13 ዓመት እንከሎ ስሩዕ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ከም ዝኾነ ሓጺር ታሪኹ ይሕብር።

ኣርተዓ በቲ ዝነበሮ ትግሃት ቆላሕታ ስለ ዝረኸ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ሃገር ሶርያ ብዛዕባ ፖለቲካውን ንቓባውን ትምህርቲ ዝወሰዱ ካድራት ጠቕላላ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኤርትራ ነይሩ።  ብዝነበሮ ትግሃትን ንቕሓትን ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኣብ ልዕሊ ምቅላሱ፡ ቅድም ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ፡ ደሓር ድማ ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብደረጃ ኣባል መሪሕነት ውድብ ተመሪጹ ብፍላይ ኣብ 2008 ዝተኻየደ ጉባኤ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ነይሩ፡ ክሳብ ዕለተ-መስዋእቱ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ዝተቓለሰ ብጽንዓቱን ናይ ምልዕዓል ብቕዓቱን ዝልለ እዩ ዝነበረ ።

 ኣቦ 5 ደቂ ዝነበረ ኣርተዓ፡ ድሕሪ ምሕማሙ ቅድም ኣብ ሱዳን ደሓር ድማ ኣብ ሃገር ግብጺ ብቤተሰቡን መቓልስቱን ክእለን ክሕገዝን ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ከተማ ካይሮ እዩ ብ24 ነሃሰ 2024 ወጋሕታ  ዓሪፉ።

ኣርተዓውን እነሆ ከምቶም ቅድሚኡ ዝተሰውኡ ብጾት፡ ኣብታ ክቡር ዋጋ ዝኸፈለላ ሃገሩ ኤርትራ ሓመድ ኣዳም  ናይ ምልባስ ዕድል ዘይረኸበ  ስዉእ ኮይኑ ኣብ ሃገረ ግብጺ ሓመድ ኣዳም ለቢሱ። ስለዚ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ናይቲ መሪር ሓዘን ተኻፋላይ ምዃኑ እናገለጸ፡ መሪሕነቱን መሰረታቱን ንስዉእ ብጻይና መንግስተ ሰማያት የዋርሶ፡ ንቤተሰቡ፡ ፈተውቱን መቓልስቱን ድማ ጽንዓት ኣኻእሎን ይሃቦም ይሃበና ይብል።

ገረዝጊሄር ተወልደ

ኣቦ-መንበር ሰዲህኤ

25 ነሃሰ 2024

Last modified on Sunday, 25 August 2024 15:24