ኣብ ፖርት-ሱዳን ሓጽቢ ፈሪሱ ሰባት ሞይቶም

2024-08-27 08:32:34 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 139 times

ኣብ ምብራቕ ሱዳን ከተማ ፖርትሱዳን፡ ሓጽቢ ፈሪሱ ብሰንኩ 13 ሰባት ከም ዝሞቱ  ሱዳን ትሪቡን ሓቢራ። ነቲ ኩነታት ንምክትታል ዝተመስረተ ናይ ሓደጋ ጉጅለ፡ ብደርዘን ዝግመቱ ሰባት በቲ ሓደጋ ደሃዮም ከም ዝጠፈአን ፖርትሱዳን  ሕጽረት ዝስተማይ ከየጋጥማ ተሰጊኡ ከም ዘሎን ሓቢሩ። ሓጽቢ ኣርባት ብሰንኪ ሓያል ዝናብ ከም ዝፈረሰን ከም ሳዕቤኑ ሓያል ውሕጅን ጭቃን ኣብቲ ከባቢ ናብ ዘለዋ ዓድታት ከም ዝፈሰሰን እቲ ዜና ኣፍሊጡ። እቲ ዜና ኣተሓሒዙ 15 ዓድታት በቲ ሓደጋ ምሉእ ብምሉእ ከም ተሃስያን ካለኦት 30 ዓድታት ድማ ብኸፊል ከም ዝተጠቕዓ ተቒሱ።

ሚኒስትሪ ሓለዋ ጥዕና ምምሕዳር ግዝኣት ቀይሕ ባሕሪ ብወገኑ፡  ምስቲ ዘጋጠመ ሓደጋ  ብዝተኸስተ ጸገም ጥዕና፡ 7 ሰባት ሞይቶም ፡ ብኻልእ ገጽ ናይቲ ዝፈረሰ ሓጽቢ ድማ 100 ዝኾኑ ስድራቤታት ተዓጊቶም ከም ዘለዉ ኣፍሊጡ። ብኻልእ ወገን ድማ ጠቕላላ ቁጽሪ ምዉታት ክሳብ 132 ዝበጽሕ ከም ዝኽእል ብምጥቃስ እንተኾነ ናይቲ ግዝኣት ምምሕዳር ብዛዕባ ናይ ዝሞቱን ዝተሃስዩን ሰባት ወግዓዊ መግለጺ ከምዘይውጸአ ተጠቒሱ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ናይቲ ምምሕዳር ዳይረክተር ጥዕና ሰይድ ኣህላም ከም ሳዕቤን ምፍራስ ናይቲ ሓጽቢ ውጸኣት፡ ኮለራን ካልእ ሕማማትን ከይላባዕ ከም ዝሰግኡ ብምጥቃስ፡ ዝያዳ ፍሪቂ ሚልዮን ካብ ነባሪ ከተማ ፖርትሱዳን ዝስተ ማይ ከይስእን ስግኣቶም ጠቒሶም።

ፖርት ሱዳን እቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ኣካል መንግስቲ ሱዳን ከም ማእከል መሪጽዋ ዘሎ ወደባዊት ከተማ እያ።

Last modified on Tuesday, 27 August 2024 10:37