ዜናዊ ጸብጻብ፡ 2ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ

2024-08-24 18:44:42 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 171 times

ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ  ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ23 ነሃሰ 2024 ካለኣይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣቦመንበር ሰዲህኤ ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ ኣብ መኽፈቲ ኣኼባ ንተሳተፍቲ “እንኳዕ ደሓን መጻእኩም” ኢሉ። ቀጺሉ ኣብ ዘስመዖ መእተዊ ቃል ድማ፡ ብሓፈሻ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብደረጃ ሰዲህኤ፡ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራን ብፍላይ ከኣ፡ ጽላል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ንምምስራት ዝተገብረ ጻዕሪን፡  በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ኣብ መጻኢ ዝያዳ ንክሰፍሕ ዘለዎ ተስፋን ጠቒሱ። ኣብ መግለጺኡ እዚ ጽላል ዝሰፍሓሉን ዝሕይለሉን ኩነታት ኣብ ምፍጣር ሰዲህኤ ከም ሓደ ኣካል ፖሓኤ ኣብ ኩሉ መዳያት ካብኡ ዝድለ ክገብር ድልዊ ምዃኑ  ሓቢሩ። ከምኡ እውን ብዛዕባቲ ውጽኢት ዋዕላ ፖሓኤ ዝተገልጸሉ ፈስቲቫል ብምጥቃስ ንኹሎም እቲ መደባት ዘዕወቱን ዝተሳተፉን ኣካላት ኣመስጊኑ።

ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ቀጺሉ፡ በቲ ኣቐዲሙ ዝተታሕዘ ኣጀንዳ መሰረት፡ ኣብ ዝቐረበሉ ዓመታዊ ጸብጻባት ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ በብሓደ ተመያይጡ። ኣብቲ ምይይጥ ኣብተን ኣብያተ-ጽሕፈት ክካየድ ዝጸንሐ ስረሓት ብደቂቕ ብምምዛን እቲ ኣውንታ ዝያዳ ዝዓብየሉ ሕጽረታት ድማ ዝእረምሉ ኣሰራርሓሃ ስኢሉ። ቀጺሉ  ብኣብያተ ጽሕፈት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ንዝቐረበ  ጸብጻባት ድማ ብምሉእ ድምጺ ኣጽዲቕዎ።

በቲ ካልእ ወገን ድማ ብፈጻሚ ሽማግለ ብደረጃ ባይቶ ክረኣዩ  ንዝተመሓላልፉ ሓድሓደ ፍሉያት ሰልፋዊ ጉዳያት ወጊኑ። ዝያዳ ዕምቆትን መጽናዕትን የድልዮም ዝበሎም ጉዳያት ንምጽፋፍ ከኣ ንፈጻሚ ሽማግለ ሓላፍነት ሂቡ። ባይቶ ኣብዚ ኣኼባኡ ብመሰረት ቅዋም ሰዲህኤ፡ ንመጻኢ ሓደ ዓመት እትመርሕ ፈጻሚ ሽማግለ መሪጹ።

ኣብ መወዳእታ ኣኼባ ኣባላት ሰዲህኤ ከምቲ ልሙድ መደባት ሰዲህኤ ኮነ፡ ዕላማታት ጽላል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ምዕዋት ኣብ ኩሉ መዳያት ተሳትፈኦምን ተወፋይነቶምን ከሕይልዎ ጸዊዑ። ብዘይካዚ ነቲ ኤርትራውያን በብኩርናዑ ዘርእይዎ ዘለዉ ዘይሕለል ቃልሲ ንኢዱ፡ ኩሎም  በሃግቲ  ሰላም ዲሞክራሲን ዕቤትን ኤርትራውያን ኣብ ምውጋድ ስርዓት ህግደፍ ኮነ ምዕዋት መደባት ሰዲህኤን  ፖሓኤን  እጃሞም ከበርክቱ ተማሕጺኑ።

Last modified on Saturday, 24 August 2024 20:50