ኢትዮጵያን ሶማሊያን ን2ይ ዙር ዘተ ተቋጺረን

2024-07-03 07:33:05 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 53 times

ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት፡ ኢትዮጵያ፡ ቱርክን ሶማሊያን

ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣብቲ ብ1 ሓምለ 2024 ኣብ ዋና ከተማ ቱርክ ኣንካራ ዝገበርዎ ርክብ ስለ ዘይተሰማምዑ ኣብ መጻኢ 2 መስከረም 2024 ኣብ ኣንካራ 2ይ ዙር ዘተ ከካይዱ ከም ዝተቛጸሩ ነዚ ብዝምልከት ካብ ኣንካራ ዝወጸ ናይ ሓባር መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ መግለጺ ከም ዝሓበሮ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ታየ ኣጽቀስላሴን ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሶማሊያ ኣሕመድ መዓልምን ዝመርሕዎም ልኡኻት፡ ኣብ መጻኢ ፍልልያቶም ብዘተ ክፈትሑ ዘለዎም ቅሩብነት ገሊጾም፡ ነቲ ዘተ ንምድላው ተበግሶ ንዝወሰዱ ፕረሲደንት  ሃገረ ቱርኪ ረሰፕ ታይፕ ኢርዶጋን ኣመስጊኖም።

ፕረሲደንት ሶማሊያ ሓሰን ሼክ ማሕሙድ ድሕሪቲ ርክብ ብዘይውጽኢት ምብታኑ ካብ መቃድሾ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ካብቲ ምስ ሶማሊላንድ ዝኸተመቶ መረዳድኢ ሰነድ ናይ ምምላስ ምልክት ከም ዘየርኣየት ብምጥቃስ ወቒስዋ።  ኣተሓሒዙ ከኣ ናብ ቱርኪ ናይ ኣዛትዩና ሕቶ ዘቕረበት ኢትዮጵያ ምዃና ኣብቲ መግለጺኡ ጠቒሱ፡ እቲ ብወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ክልቲአን ሃገራት ዝተመርሐ ልኡኻት ብዘይካ ንክሰኣል  ፊትንፊት ተራኺቡ ከምዘይተዘራረበ  ኣስፊሩ።

ናይ ሶማሊያ ልኡኽ ብወገኑ፡ እቲ ናይ ሓባር መግለጺ ብርኢቶ እቲ ንከዛትዮም ዝተመዘ ቱርካዊ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ሃካን ፊዳን ዝወጸ ምዃኑ ጠቒሱ፡ እቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ፍልልይ ሰፊሕ ምዃኑ ሓቢሩ። ሶማሊያ ኢትዮጵያ ነቲ ብ1 ጥሪ 2024 ምስ ፕረሲደንት ሶምሊላንድ ዝኸተመቶ እሞ ናይቲ ወጥሪ ጠንቂ ኮይኑ ዘሎ፡ መረዳድኢ ሰነድ ብወግዒ ክትስርዞ ከም እትጽበ ገሊጹ።

Last modified on Wednesday, 03 July 2024 09:43