ብሰንኪ ውግእ ዝተመዛበሉ ተጋሩ ናብ መረበቶም ክምለሱ ጀሚሮም

2024-07-02 07:06:31 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 58 times

ብሰንክቲ ኣብ ትግራይ ን2 ዓመታት ዝተኻየደ ውግእ ተመዛቢሎም ኣብ ፈቐዶ ግዝያዊ መጽለሊ ዝጸንሑ ተጋሩ ብመሰረት ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ነናብ መረበቶም ክምለሱ ከም ዝጀመሩ፡ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሓቢሮም። በዚ መሰረት ካብ ደቡብ ትግራይ ኣላማጣን ከባቢኣን ተመዛቢሎም ኣብ ፈቐዶ ግዝያዊ መጽለሊ ዝጸንሑ ኣሸሓት ቅድሚ ክልተ ሰሙን ምምላስ ጀሚሮም ኣለዉ። ብኻልእ ወገን ከኣ  መስርሕ ምምላስ ናብ ምዕራብ ትግራይ (ወልቃይትን ጸለምትን) ብ30 ሰነ 2024 ከም ዝጀመረ መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣፍሊጣ።

በቲ ሓበሬታ መሰረት ድሮ ኣስታት 1,456 ኣብ ከተማ ሽረ ካብ ዝነበሩ ተመዛበልቲ  ማይዓይኒ፡ መድሃኒኣለምን ወሃዳትን ዝበሃሉ ወሲኽካ ናብ 6 ቀበለታት ተመሊሶም ከም ዘለዉ ተፈሊጡ። ኣዲስ ስታንዳርድ ኣብ ግብራዊ መስርሕ ናይቲ ምምላስ ዘለዉ ኣካላት ጠቒሳ ከም ዝሓበረቶ፡ እቶም ናይ ሓደ ወርሒ መቑነን መግቢ ጥራይ ሒዞም ዝምለሱ ዘለዉ ተመዛበልቲ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ዘለዎም ናይ ጸጥታዊ እውን ከም ዘሻቕሎም ኣፍሊጣ።

በቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ መሰረት፡ ኣስታት 80 ሺሕ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ናይ ምምላስ መደብ ከም ዘሎን ኣብቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ካብ 8,500 ክሳብ 10 ሺሕ ዝኾኑ ከም ዝምለሱ ተፈሊጡ’ሎ። ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝከታተልዎ ኣካላት ከም ዝገልጽዎ እቲ መስርሕ ምምላስ ተመዛበልቲ ኣብ ራያን ምዕራብ ትግራይን ምስ ተወደአ ናብቲ ኤርትራን ትግራይ ዘዳውብ ከባቢ ከኣ ክቕጽል እዩ።

ኣብ ውዕል ፕሪቶርያ ካብቶም ኣብ መስርሕ ትግባረ ጸገም ከየጋጥሞም ከስግኡ ዝጸንሑ ዓንቀጻት፡ ምምላስ ዝተመዛበሉ ናብ መረበቶምን ምፍታሕ ዕጥቂ ሰራዊት ትግራይን ምዃኖም ዝፍለጥ እዩ።

Last modified on Tuesday, 02 July 2024 09:23