ኣብ ዳርፎር ናይ ረዲኤት መግቢ ዝጸዓና መካይን ተጨውየን

2024-07-01 09:52:24 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 75 times

ትካል መግቢ ዓለም፡ 3 ናይ ረዲኤት መግቢ ዝጸዓና ዓበይቲ መካይን ናብ ማእከላይ ዳርፎር እናተጓዕዛ ከም ዝተጨውያ ብ30 ሰነ 2024 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ። “ዝተወሃሃደ ደሕንነት መግቢ” ዝተባህለ ኣካል ብወገኑ፡ ኣብ ሱዳን 755 ሺሕ ናብ ደረጃ ዓጸቦ ዝበጽሑ ወሲኽካ፡ 26.6 ሚልዮን ሰባት ተጸባይቲ ረዲኤት መግቢ ምዃኖም ኣፍሊጡ። እዚ ጸገም ናብ 14 ኣብ ኮርደፋን፡ ዳርፎንን ስናርን ዘለዋ ከባብታት ዝያዳ ከይሰፍሕ ስግኣት ከም ዘሎ እውን ኣፍሊጡ።

ብመሰረት መግለጺ ትካል መግቢ ዓለም፡ መንነት ናይቶም ነተን መግቢ ዝጸዕና መካይን ዝጨወዩ ዕጡቓት ኣይተፈልጠን። እቲ ትካል ኣተሓሒዙ ነዚ ኣሸሓት ሰባት ክምግብ ዝነበሮ መግቢ ንዝወሰዱ ኣካላት ተሓተትቲ ንክገብርዎም  ናብ ሓለፍቲ  ናይቲ  ከባቢ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።።

ምስቲ ኣብ ዳርፎር ዘሎ ዝተሓላለኸ ኩነታት ጸጥታ፡ ትካል መግቢ ዓለም እቲ ጭውያ ዝተኻየደሉ ውሱን ቦታ ኣይጠቐሰን። ኣብ ዳርፎር 6 ከባብታት ኣብ ትሕቲ ዕጡቕ ተወርዋሪ ሓይሊ ዝመሓደራ ክኾና እንከለዋ፡  3 ከባብታት ከኣ ኣብ ትሕቲ ብዓብደል ዋህድ ዝምራሕ  ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን ከም ዝመሓደራ እቲ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከብ፡ “ዓለምለኻዊ ትካል ዝምድና” ብወገኑ፡ ብ24 ሰነ 2024 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኣብ ሱዳን ዘሎ ኩነታት እቶት ሕርሻን ዝተኸዘነ ሰብኣዊ ረዲኤትን ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ክሳብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ መስከረም 2024 ናይ ህዝቢ ዳርፎርን ኮርደፋንን 15% ማለት 2.5 ሚሊዮን ናይ ሞት ሓደጋ ከጋጥሞ ይኽእልዩ ዝብል ስግኣት ከም ዘሎ ኣጠንቂቑ።

ኣብዚ እዋንዚ ጉዳይ ሱዳን ይሓላልኹ ካብ ዘለዉ ሓደ ህግደፍ እዩ። በዚ መሰረት ካብ ዝተፈላለዩ ብሄረሰብ ምብራቕ ሱዳን ዝተዋጽኡ 4ተ ውድባት፡ ብድምር ኣስታት 7 ሺሕ ሰራዊት  ኣብ መሬት ኤርትራ ብናይ ኤርትራ ወጻኢ፡ ኣብ ለኮይብን ሳዋን ይዕለሙ ከም ዘለዉ ምንጭታትና ይሕብሩ።

Last modified on Monday, 01 July 2024 12:04