ቢንያም ግርማይ ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ተዓዋቲ ኮይኑ

2024-07-03 20:04:44 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 57 times

ኤርትራዊ ተወዳዳሪ ብሽግለታ ቢያም ግርማይ፡ ኣብ ውድድር ግራንድ ቱር ደ ፈረንሳ ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ዕዉት ብምዃን ኣብቲ መዳይ ሓድሽ ምዕራፍ ከም ዘመዝገበ ዝተፈላለያ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ገሊጸን።

ኣብቲ ካብ ከተማ ኪካንዛ ናብ ቶሪኖ ዝተዘርገሓ  230.8 ኪሜ ዝርሕቀቱ ብቅጽበታዊ ውድድር ከም ዝውዳእ ግምት ተዋሂብዎ ዝነበረን ቅድድም፡ ቢንያም ግርማይ፡ ንኮሎምብያዊ ፈርናንዶ ጋቪርያን ቤልጅማዊ ኣርኖድ ደ ሊን ሓሊፉ እዩ ዓወት ኣመዝጊቡ።

እዚ ወዲ 24 ዓመት ተወዳዳሪ  ብሽግለታ ቢንያም ግርማይ፡ በቲ ዕለት ዘመዝገቦ ውጽኢት እዩ ኣብ ውድድር “ቀጠልያ ማልያ” ቅጽበት ብ76 ነጥቢ ቀዳማይ ደረጃ ሒዙ ካብ ዘሎ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዕዉት ነርወጃዊ ኣራሃምሰን ብ10 ነጥብታት ድሒሩ 29 ደረጃታት ኣመሓይሹ እዩ ናይዚ ዓመት ክዕወት ክኸውን ክኢሉ።

ቅድሚ ክልተ ዓመት‘ውን ኣብ ውድድር ግራንድ ቱር ጂሮ ዲ ኢጣልያ፡ ቀዳማይ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ዕዉት መድረኽ ክኸውን ዝበቕዐ ቢንያም፡ ድሕሪ`ዚ ሎሚ 210 ነጥብታት ኣብ ዘዋህለለሉ  መድረኽ ውድድር፡ ብሓጐስ ክስዕሮ ንዝደለየ ንብዓት እናተቖጻጸረ፡ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሓይሊ ንዝሃቦ እግዚኣብሄር፡ ከምኡ`ውን ንስድርኡ፡ በዓልቲ ቤቱን ደገፍቱን ብድሕሪ ምምስጋኑ፡ “ኣብ ካልኣይ ዓመት ተሳትፎይ ናይ ቱር ዲ ፍራንስ፡ ንብሉጻት ክኢላታት  ስዒረ ብምዕዋተይ ክእመን ዘይከኣል እዩ ከም ዝበለ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ቱር ዲፍራስን ንኻልኣይ ግዜኡ እዩ ዝሳተፍ ዘሎ። ኣብ 2023 ኣብ ራብዓይ መድረኽ ዘመዝገቦ ናይ ሳልሳይ ደረጃ ውጽኢት እቲ ዝበለጸ ብጸሊም ኣፍሪቃዊ ኣብ ቱር ዲፍራንስ ዝተባህለሉ ውጽኢት ኣመዝጊቡ ነይሩ።

Last modified on Wednesday, 03 July 2024 22:13