ኣብ ኤርትራ ልዕሊ 200 ምእመናን ከም ዝተኣሰሩ ተሓቢሩ

2024-07-06 08:05:13 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 562 times

ኣብ ብሪጣንያ ዝመደበሩ፡ ረሊዝ ኢንተርናሽናል/Release International ዝተባህለ፡ ብዛዕባ ዓለምለኻዊ ጉዳይ እምነት ዝግደስ ትካል፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ 12 ኣዋርሕ  218 ዝኾኑ መብዛሕትኦም ህጻናትን ኣዴታትን  ምእመናን ከም ዝተኣስሩ ኣፍሊጡ። እቲ ትካል ነዚ ዘፍለጠ ብ3 ሓምለ 2024 ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ እዩ።


እቲ ነዚ ብዝምልከት ዝወጸ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ ዝሓለፈ ካብ ወርሒ ጥሪ ክሳብ መጋቢት 2024 ጥራይ 110 ኤርትራውያን ምእመናን ከም ዝተኣስሩ ጠቒሱ፡ ኣብዚ እዋንዚ ብሰንኪ እምነቶም ብዘይፍርዲ  ንዘይተወሰነ ግዜ ተኣሲሮም ዘለዉ ከባቢ 400 ከም ዝበጽሑ ሓቢሩ። ናይቲ ትካል ከባብያዊ ወኪልን ቅድሚ ሕጂ ተኣሲሩ ዝነበረን ዶር ብርሃነ ኣስመላሽ ኣብዚ እዋንዚ ብደረጃ ምሉእ ኣባላት ስድራቤት ዝተኣስሩ ኤርትራውያን ከም ዘለዉ ምጥቃሱ እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ኣቃሊዑ።.

ዶር ብርሃነ ኣስመላሽ ኣተሓሒዙ ብፍላይ ናይቶም ዝተስሩ ህጻናት ኣካላዊ ኮነ ስነ-ኣእሙራዊ ኩነታት ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ደረጃ ከም ዝርከብ ከም ዘሰክፎ ምጥቃሱ ተፈሊጡ። እቲ ጸብጻብ ኣብዚ እዋንዚ ስርዓት ህግደፍ ንእምነት ብዝምልከት፡ ንተዋህዶ፡ ሱኒ ምስልምና፡ ካቶሊክን ፕሮተስታንትን ጥራይ ኣፍልጦ ከም ዝህብኳ እንተ ገለጸ፡ እቶም ኣፍልጦ ረኺቦም ዝተባህሉ እምነታት እውን ዝኾነ ናጽነት ከምዘየብሎም ዝፍለጥ እዩ።

ፍሊስ ሂስለር ዝተባህለ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ዓለምለኻዊ ምሕዝነት ክርስትያን ብወገኑ፡ ዝሓለፈ ተመኩሮ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ዝሃቦ ምስክርነት፡ ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣመንቲ ክርስትና ቀጻሊ ጥሕሰትን ኢድ ኣእታውነትን ኣብ መሰረታዊ እምንነቶምን ሰብኣዊ መሰሎምን የጋጥሞም ከም ዘሎ ምስክርነቱ ሂቡ።

Last modified on Saturday, 06 July 2024 10:12