ፖሓኤ: ሓባር ኣኼባ ናይ መሰረታቱ ኣካይዱ

2024-07-06 22:17:56 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 202 times

ክፍሊ ውደባዊ ጉዳያት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ብ6 ሓምለ 2024  ዝሰርዖ ናይ መሰረታት ሓፈሻዊ ናይ ሓባር ኣኼባ ተኻይዱ። ናይቲ ኣኼባ ቀንዲ ኣጀንዳ መሰረታት ብዛዕባቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2024 ዝካየድ ናይ ሓባር ኮንፈረስን ፈስቲቫልን ሓበሬታ ንምሃብን ድሕሪኡ ካብ ኣባላት ትጽቢት ዝግበረሉ ዕማም ንምእማትን እዩ ነይሩ።

ኣብ መኽፈቲ እቲ ኣኼባ ኣቦመንበር ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖሓኤ ኣሕዋት ገረዝጊሀር ተወልደ፡ ያሲን መሓመድ ዓብደላን ምክትል ኣቦመንበርን ዮሃንስ ኣስመላሽ ሓላፊ ወጻኢ ጉዳያትን ቃል ኣስሚዖም። እቶም ኣሕዋት ኣብቲ ዘስምዕዎ ቃል ብሓፈሻ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ክሳብ ሎሚ ዝዓመሞም ዕማማትን ኣብ ድሮ ዋዕላ ምብጽሑን ኣስፊሖም ኣብሪሆም።

 ኣቦመንበር ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ከጋጥም ዝጸንሐ ብደሆታትን ኣመኻኽታኡን ኣብሪሁ፡ ንመጻኢ  ዋዕላ ዝምልከት ምድላዋት ብግቡእ ከም ዝተጻፈፈ ገሊጹ፡ ነቶም ኣብቲ መስርሕ ክሳተፉ ዝጸንሑ ድማ ኣመስጊኑ። ምክትል ኣቦመንበር ብወገኑ ኣብ ክፍሊ መዳያት ዜናን ሓበሬታን ዝተሰርሑ ጠቒሱ፡ ኣብ መጻኢ ክሰርሕዎ ብዛዕባ ዝግበኦም ኣመልኪቱ። ከምኡ እውን ሓላፊ ወጻኢ ጉዳያት፡ እቲ ንሱ ዝመርሖ ቤት ጽሕፈት ካብ ዝሰርሖም ሓደ ናብ ጸለውቲ ኣካላት መዘክራት ምዝርጋሕ ምንባሩ ጠቒሱ። ብዘይካዚ ምስ ካለኦት ኣካላት ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ብምዃን ዝተወሰነ ዲፕሎማሲያዊ ዕማማት ከም ዘካየዱ ሓቢሩ፡ እቲ መስርሕ ከም ዝቕጽል ከኣ ሓቢሩ።

ኣብ ርእሲዚ ኣሕዋት፡ ሓላፊ ክፍሊ ዜና ኢስማዒል ገበይታ፡ ሓላፊ ክፍሊ ፋይናንስን ማሕበራዊ ጉዳያትን ካሕሳይ ጉፍላን ሓላፊ ክፍሊ ውደባ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)ን እቲ ዝመርሕዎ ክፍልታት ብኸመይ ከም ዝተሰርዐን ዝዓመምዎ ስረሓትን ዝምልከት ንተሳተፍቲ ሰፊሕ መብርህታት ሂቦም።

ኣብ መወዳእታ ድማ ብተሳተፍቲ ዝቐረቡ ሕቶታት በብዝምልከቶም ኣቕረብቲ ሰፊሕ መብርህታት ተዋሂብዎም። ዋዕላ ንምዕዋትን ድሕሪ ዋዕላ ኣብ ዝካየዱ ዕማማት ቀዳምነት ክዋሃቦም ዝግባእ ስራሓትን ኣብ ኣፈጻጽምኦም ዝምልከት ቀዳምነታት ኣብ ምስራዕን ዝግባእ ሓይሊ ሰብ ኣብ ምምዳብን ዝኣምሰሉ ኣገደስቲ ለበዋታት ቀሪቦም ኣኼባ ትስፉውን ሕጋዝን ብዝኾኑ ሓሳባትን ተደምዲሙ።

Last modified on Sunday, 07 July 2024 00:36