ዜናዊ ጸብጻብ፡ ኣቦመንበር ሰዲህኤ፡ ኣብ መርበብ “ዘተ ንሓባራዊ ንቕሓት” መብርሂ ሂቡ፡

2022-04-09 10:00:42 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1421 times

ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ መርበብ ዘተ ንሓባራዊ ንቕሓት፡ ”ኣረኣእያ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኤርትራን ኣንጸላልዩ ዘሎ ምዕባለታት” ብዝብል ኣርእስቲ መግለጺ ክህብ ብዝገብረሉ ዕድመ መሰረት ብ8 ሚያዝያ 2022 ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። ኣብ መብርሂኡ ሃለዋት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ መርገጻት ሰዲህኤ ኣብቲ ምዕባለታትን ግደ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራን ንዝብሉ ዛዕባታት ቆላሕታ ሂቡ።

ብጻይ ተስፋይ ኣብቲ ዝርዝር መግለጺኡ፡ ከም መበገሲ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝበሃል ከባብን ኣብዚ ከባቢ ዝሕቆፋ ሃገራትን ኣላልዩ። ኣተሓሒዙ ከኣ ክሳዳዊ ኣገዳስነት ናይዚ ከባቢ ዳህሲሱ በብግዜኡ ክረኣዩ ዝጸንሑ ምዕባለታትን ኣብዚ እዋንዚ ብሓፈሻ ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ከኣ ኣብ ውሱናት ሃገራት ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለ ዘርዚሩ።  ኤርትራ ኣብዚ ከባቢ እትርከብ ሃገር ብምዃና ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ናይ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ቆላሕታ ክትስሕብ ምጽነሓን ብሰንኩ ክወርዳ ዝጸንሐ ተጽዕኖታትን ገሊጹ።

ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ዘሰክፍ ውግእ እሞ ኤርትራ እውን ብሰንኪ ዘይሓላፍነታዊ ኣተሓሕዛ ጉዳያት ምምሕዳር ህግደፍ ኣካሉ ብምህላዋ ጽልዋኡ ኣብ ኤርትራን ህዝባን ሓደገኛ ምህላዉ ጠቒሱ። ኣብ ርእሲዚ እቲ ኣብ ትግራይ ኢትዮጵያ ዝተወለዐ ውግእ፡ ክሳብ ሕጂ ዘለዎ ደረጃን ኣውሪድዎ ዘሎ ማህሰይትን ገሊጹ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ሱዳን ዝተጀመረ ለውጢ፡ ተነቢርሉ ዝነበረ ተስፋን ሎሚ ዘለዎ ደርጃ ኣብሪሁ። ጉዳይ የመን ዝሓልፎ ዘሎ ናይ ዕንወት ኩነታት እውን ጠቒሱ። እዘን ሃገራት ጐረባብትና ጥራይ ዘይኮና ኣብ ቃልስና ምእንቲ ናጽነት ምስ ዝነበረን ታሪኻዊ ግደ ጽልወአን ኣብ ኤርትራ ዕዙዝ ምዃኑ ኣስፊሑ ገሊጹ።

ሰዲህኤ ነዚ ሎሚ ናይ ብዙሓት ወገናት ኣሻቓሊ ኣጀንዳ ኩይኑ ዘሎ ኩነታት ኢትዮጵያ፡ ቅድሚ ውግእ ምጅማሩን ድሕሪኡን ክከታተሎን መርገጻት ክወስደሉ ከም ዝጸንሐን ኣብሪሁ። በዚ መሰረት ሰዲህኤ ቅድሚ ውግእ ብሰላማዊ መንገድን ዘተን ክፍታሕ ተስፋ ከም ዝነበሮ፡ ውግእ ምስ ተጀመረ ከኣ ኣብ ርእሲቲ ብደረጃ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ዝተወስደ ቅልጡፍ መርገጺ፡  ካብ 3ይ ጉባአኡ ጀሚሩ ናይ ዝተፈላለዩ ሰልፋዊ ጽፍሕታት ኣኼባታት ብምክያድ መርገጻት ክሕዘሉ ምጽንሑ ጠቒሱ መርገጻቱ ከኣ፡ ኢድ ኣእታውነት ኤርትራ ኣብቲ ውግእ ዝኹንን፡ ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ ነዚ ኢድ ኣእታውነት ንምግታእ ተጽዕነኦም ከሕይሉ ዝጽውዕ፡ ውግእ ጠጠው ኢሉ ብዘተን ልዝብን ክፍታሕ ዝዕድም፡ ኩሎም ወገናት ኣብ ከባብቲ ውግእ ዝተኻየደሉ ንዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሓለዋ ክገብርሎም ዘዘኻኽር፡……..ወዘተ ምንባሩ ዘርዚሩ። እዚ መርገጻት እዚ ክሳብ ሕጂ ዝተፈላለዩ ወገናት ዝድግፍዎን ንምትግብራሩ ዝጽዕርሉን ዘለዉን ምዃኑ ከኣ ኣዘኻኺሩ። ብእምንቶ ሰዲህኤ ምስ ጐረባብቲ ኮነ ካለኦት ሃገራት ዝግበር ዝምድና ንናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዘውሕስ፡ ኢድ ምትእትታው ዘየፍቅድን ንናጻ ውሳነና ዘይጻባእን ክኸውን ከም ዝግበኦ ጠቒሱ።

ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ኣብዚ ህልዊ ምዕባለ ኣድማዒ ጽልዋ ክህልዎም፡ ከረጋግጽዎ ካብ ዘለዎም ብሓባር ዘቃልስ ሰፊሕ ጽላል ምምስራት ከም ዘድልዮምን ናብኡ ንምብጻሕ ሰዲህኤ ከም ወትሩ ግደኡ ከበርክት ቅሩብ ምዃኑ ኣረጋጊጹ። ናብ ምምስራት ሰፊሕ ጽላል ንምብጻሕ ክሳብ ሕጂ ዝተገብረ ጻዕሪ ጠቒሱ ድማ ተስፋ ኣብ ዝህብ ደረጃ ምህላዉ ሓቢሩ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ኩሎም ወገናት ነዚ ንምዕዋት ዝሕተት ዋጋ ንክኸፍሉ ኣዘኻኺሩ።

ድሕሪዚ ኣዝዩ ሰፊሕ መብርሂ፡ ብተሳተፍቲ ካብ ዝቐረቡ ብዙሓት ሕቶታት፡ ብዛዕብቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ትግራይ ይካየድ ኣሎ ዝበሃል ውግእ እንታይ ኣፍልጦ ኣለኩም፡ እቲ ውግእ እንተተኻይዱኸ ናበይ ገጹ ክምዕብል ይኽእል?፡ ኣብዚ እዋንዚ ንትግራይ ከም ኣካል ኢትዮጵያ ዲኹም ትርእይዋ?፡ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ ብኣገዳስነት ምምስራት ጽላል ዝሰማምዑ ክነሶም፡ ስለምንታይ ኣብ ምትግባሩ ይድንጉዩ?፡ እቲ ዝምስረት ሰፊሕ ጽላል ነቲ ዘይተወደበ ግና ኣብ ቃልሲ ዘሎ ኤርትራዊ ኣካላት ብኸመይ ከመሓድሮ እዩ?፡ ዝብሉ ይርከብዎም። ብጻይ ተስፋይ ነዞም ሕቶታት ግዜ ወሲዱን ብተመኩሮታት ኣሰንዩን ሰፊሕ መልሲ ሂብሎም።

ኣብ መወዳእታ ብጻይ ተስፋይ ነቲ ኣኼባ ንዝወደቡ ኣካላትን በቲ መጸዋዕታ መሰረት ንዝተሳተፉን ሃናጻ ሓሳባት ንዘቕረቡን ምስጋናኡን ናእዳኡን ኣቕሪቡ። እቶም ዝዓደሙ ኣመሓደርቲ ናይታ መርበብ እውን ስለቲ መጸዋዕታኦም ኣኽቢሩ ምምቕላሉን መርገጽቲ ዝመርሖ ሰልፊ ብግቡእ ምቕራቡን ንኣቦመንበር ተስፋይ ኣመስጊነምዎ።

Last modified on Saturday, 09 April 2022 12:11