ህዝቢ ኤርትራ፡ ብጉልባብ ኮረና ቫይረስ ይሳቐ’ሎ

2020-08-04 09:24:17 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2149 times

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እታ ሃገር፡ ኣብ ገጠራትን ከተማታትን፡ ብጉልባብ ኮሮናቫይረስ ተዓጽዩ ኣደዳ ሕጽረት ዝተፈላለዩ መሰረታዊ ቀረባት ይኸውን ከምዘሎ ምንጭታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ሃገርና ሓቢሮም። እቶም ምንጭታት ከም ዝሓበርዎ እቲ ጸገም ኣብ ሕጽረት ዝብላዕን ዝስተን ጥራይ ዝረአ ዘይኮነ፡ ኣብ ከም ሕክምና ዝኣመሰሉ መሰረታዊ  ናይ ህልውና ጉዳያት እውን እናገደደ ይኸይድ ከምዘሎ ጥቒሶም።

እቶም ምንጭታት ከም ዝበልዎ፡ ሓደ ንድሕነቶም ተባሂሉ ስሞም ዝተዓቀበ ኤርትራዊ ኣቦ፡ ካብ ምዕራብ ኤርትራ ከባቢ መጐራይብ፡ ኣብዚ እዋንዚ ህዝቢ’ቲ ከባቢ መተካእታ ስለ ዝሰኣነ ናይ ቀጻሊ ህይወቱ መሰረት ዝኾና ጤለበጊዕ ሓሪዱ ክበልዐን  ትርጉም ብዘይብሉ ኣዝዩ ሕሱር ዋጋ ክሸጠን ተገዲዱ ከም ዘሎ ገሊጾም። እዞም ወሃቢ ርኢቶ ኣቦ ከም ዝብልዎ፡ እቲ ጥሜት ካብዚ በጺሕዎ ዘሎ ዝያዳ ኣብ ልዕሊ ኣደታት፡ ህጽናትን መንእሰያትን ዝኸፈአ ሓደጋ ከየውርድ ዝለዕለ ስግኣት ኣሕዲሩ ኣሎ።

እዞም ምንጭታት ሰዲህኤ ካብ ኤርትራ ከም ዝበልዎ፡ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት፡ ዶብ ጥሒሱ ናብ ኤርትራ ክኣቱ ዝፍትን መሰረታዊ ቀረባት ኣሎ። እንተኾነ እዚ ቀረብ፡ ብናይቲ መንግስቲ ኣካላት ከም ዝግበትን እቲ ዝህገር ንብረት ኣብ ጠቕሚ ውሱናት ናይቶም ዝግብትዎ ሓለፍቲ ዝውዕል እምበር፡ ናብቲ ውጹዕ ህዝቢ ከምዘይበጽሕ ሓንቲ ነቲ ኩነታት ዝተዓዘባ ስመን ዝተዓቀበ ኤርትራዊት ወይዘሮ ከም ዘቃለዓ እቲ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ  ህግዲፍ ኣንጻር መንግስቲ ሱዳን ኣብ መሬት ኤርትራ ዝንቀሳቐሱን ንዓኡ ብስለያ ዘገልግልዎን ጉጅለታት ይውድብን ይሕግዝን ኣሎ። ህግዲፍ ነቶም ካብ ከባቢ ርብዳ ክሳብ ሃመሽኰረብ ኣብ ዝዝርጋሕ ቦታታት ዝርከቡ፡ ሎሚ ግና ዝርጋሐኦም ኣብ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ዝያዳ ዝሰፍሕ ዘሎ ኣካላት ህዝብና ኣብ ገጠርን ከተማን ብጥምየት ዓጸቦን እንዳተሳቐየ፡ መግብን ካልእ መሰረታዊ ነገራት ከም ዘቕርበሎም እቲ ዝበጸሓና ሓበሬታ ጠቒሱ።

ምስዚ ብተተሓሓዘ ጉጅለ ህግዲፍ ካብ ድሌቶም ወጻኢ ኣገዲዱ ካብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት  ኣብ ወተሃደራዊ ታዕሊም ኣእትይዎም ዘሎ ልዕሊ ኣርባዕተ ሺሕ መንእሰያት፡ ብጥምየትን ስእነት መሰረታዊ ቀረባትን ይሳቐዩ ከም ዘለዉ እዚ ምንጪ ብተወሳኺ ሓቢሩ። ሓደ ውላዱ ኣብዚ ግዱድ ወተሃደራዊ ታዕሊም ዝኣተወ ኣቦ፡ ደሃይ ውላዱ ክፈልጥ ከይዱ፡ ንእግረመ መንገዱ ተዓዚቡ ከም ዝበሎ፡ እቲ ጸገም ናይ መሰረታዊ ቀረብ መግቢ ሕጽረት ጥራይ ዘይኮነ፡ እቶም ግዱዳት ተዓለምቲ ብዕርቃን’ውን ይጥቅዑ ከም ዘለዉ ኣቃሊዑ።

Last modified on Wednesday, 05 August 2020 09:32