ፈጻሚ ሽማግለ  ድሕሪ 3ይ ጉባአ ሰዲህኤ  4ይ ስሩዕ ኣኼኡ ኣቃኒዑ

2020-08-02 18:34:32 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2354 times

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ1 ነሃሰ 2020 ድሕር’ቲ ኣብ 2019 ብዓወት ዝተዛዘመ 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ሰልፉ 4ይ ስሩዕ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብዚ ኣኼባኡ፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ዓመታዊ ጸብጻብ መዚኑ፡ ብዝተፈላለዩ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ እዋናዊ ዛዕባታት ብሽማግለታት ተጸኒዕም ንዝቐረብሉ ንድፍታት  መዚኑን ኣጽዲቑን።

ኣቦመንበር ሰድህኤ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ ኣብ መኽፈቲ ኣኼባ ድሕሪ  “እንኳዕ ደሓን መጻእኩም” ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ምዕባለታት ከባብናን  ሰልፍናን ብሓጺር  ዳህሲሱ። ብዛዕባ ኣብ ኣባላት ሰልፊ ዘጋጠሙ ምዕባለታት ጠቒሱ፡ መጻኢ ዓመት  ናይ ቃልስን ዓወትን ክኸውን ተመንዩ፡ ኣባላት ሰልፊ ሎሚ እውን ነቲ ዘይሕለል ንያቶም መሊሶም ከሕይልዎ ዘለዎ ትስፉው እምነት ከኣ ኣመዝጊቡ። ኣተሓሒዙ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ኣባላት ሰዲህኤን ቤተሰቦምን ካብዚ ኣጋጢሙና ዘሎ ኣጨናቒ ሓደጋ ኮሮናቫይረስ ብሰላም ክሳገሩ ሰናይ ትምኒቱ ምዃኑ ገሊጹ።

እዚ ኣኼባ ድሕሪ መእተዊ ቃል ኣቦመንበር፡ ነቲ ኣቐዲሙ ንድፉ ተዘርጊሕሉ ዝጸንሐ ጸብጻባት ትሻዓቲኤን ኣብያተ- ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ፡ በብሓደ ርእዩ ክጐድል ዝግበኦ እንዳጉደለ፡ ክውሰኽ ዝግበኦ ከኣ እንዳወሰኸ ዝያዳ ክጐልሕ ዝግበኦ እንዳጉልሐ ድሕሪ ዘድሊ ምምሕያሻት፡  ናብ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ዝቐር ናይ ፈጻሚ ሽማግለ ትካላዊ ጸብጻብ ኣጽዲቕዎ። እዚ ጸብጻብ ፈጻሚ ኣብዚ ቀረባ መዓላታት ናብ ዝካየድ፡ 2ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ቀሪቡ ምስ ጸደቐ ሰልፋዊ ሰነድ  ሰዲህኤ ዝኸውን እዩ።

4ይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ኣብቲ ጸብጻባት ኣብ ዘካየዶ ዓሚቕ ምይይጥ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ዘርኣይዎ ምልዕዓል፡ መስርሕ ሓድነት ንምዕዋትን ካልእ ሰልፋዊ ዕማማት ንምዕማምን፡ ኣብ ርእሲቲ ስሩዕ ክፍሊቶም፡ ዘካየድዎን ኣብምቕጽል ዝርከብን ፍሉይ ልዑል ገንዘባዊ ወፈያ ኣዝዩ ዘሕብንን መጻኢ  ሰዲህኤ ብሩህ ምዃኑ ዘመላኽትን ምንባሩ ተገንዚቡ። ኣተሓሒዙ ኣባላት ሰልፊ ከወፍዩ  ናይ መጀመርያኦም እዃ እንተዘይኮነ፡ እዚ ናይ ሎሚ ግና ኣብ ወሳኒ ሰልፋውን ሓድነታውን ዕማማት ዝረረጋገጸሉ እዋን ዝተኻየድ ዘሎ ብምዃኑ ብምርዳእ፡ ፈጻሚ ሽማግለ በቲ ተወፋይነት ከም ዝተሓበነን ንመጻኢ እውን ቀጻሊ ከም ዝኸውንን ዘለዎ እምነት ኣንጸባሪቑ።

ምስዚ ብምትሕሓዝ ኣብቲ ብሽማግለታት ተነዲፉ ዝቐረበ መጽናዕትታት ዝመዘነሉ፡ ተጀሚሩ ዘሎ ሓድነት ናይ ውድባትን  ምጥርናፍትን ክድልድል ሰዲህኤ ኩሉ ዝከኣሎ ክገብር ድልዊ ምዃኑ ርእዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ዞባና ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝረአ ዘሎ ምዕባለ፡ ልኡላውነትን ሓድነትን ኤርትራ ብዝዕቅብ፡ ናጽነት ፖለቲካዊ ሓይልታቱን ሓድነት ህዝቢ ኤርትራን ብዘውሕስ መንገዲ ክሕዞ ከም ዝቃለስ ድልውነቱ ዳግማይ ኣሕዲሱ።

ኣብ መዕጸዊ ኣኼባ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል ንተወፋይነት ኣባላት ሰልፊ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ብስም ፍጻሚ ሽማግለ ደጊሙ ንኢዱን ኣተባቢዑን። እዚ ተወፋይነትዚ ክሳብ ዓወት ክቕጽል ጸዊዑ፡ ብዘይካዚ ኩሎም ኤርትራውያንን ደገፍቲ ልኡላውነት ሃገርናን ሓድነት ህዝብን በሃግቲ ሰላምን ርግኣትን መደባት ሰዲህኤ ኣብ ምዕዋት ክድግፉ ጸዊዑ።

Last modified on Sunday, 02 August 2020 20:39