
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ነሃሰ 2016 ክልተ ኣገደስትን ኣብ ሕድሕዱ ዝደጋገፍን ፍጻመታት ኣካይዱ። እዞም ኣብ ሃገረ-ጀርመን ከተማ ፍራንክፈርት ዝተኻየዱ ዓውደ መጽናዕትን ፈስቲቫልን ብፍላይ ነቲ ሰልፊ ጥራይ ዘይኮነ ብሓፈሻ ንደንበ ተቓውሞ ኤርትራ እውን ዝጸልዉ እዮም ነይሮም። እዚ ማለት ኩሉ ሓይልታት ተቓውሞ ዝተሳተፎም ነይሮም ማለት ዘይኮነ እቶም ኣብኡ ዝተላዕሉ ጉዳያት ብፍላይ ነቲ ሰልፊ ጥራይ ዝምልከቱ ዘይኮኑ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ዘለዉ ሕጽረታት ዝዳህሰሱን ፍተሓት ዘቕረቡን ነይሮም ንምባል እዩ። ብፍላይ ከኣ ኣብ’ቲ ዓውደ መጽናዕቲ ዝተላዕለ ዓብይ ኣርእስቲ “ ምህናጽ ምትእምማን”፡ ኣብ ኩሉ ውድባት፡ ሰልፍታን ማሕበራትን ዕዙዝ ተደላይነት ዘለዎ ዛዕባ ከም ዝኾነ ንነብረሉ ዘለና ናይ ምንጽጻግ ሃለዋት ዝምስክሮ እዩ።
ኣብዚ ብሰዲህኤ ብዝተዳለወ ዓውደ መጽናዕቲ ጀሚሩ፡ ብኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ማሕበር ብምትሕብባር ምስ ጨናፍር ሰደህኤ ኣብ ኤውሮጳ ብዝተዳለወ ፈስቲቫል ዝተዛዘመ ፍጻመታት ብዙሓት ምሁራት ኣብ ክልቲኡ ፍጻመታት፡ ንኣገዳስነት ምህናጽ ምትእምማን ዘዕዝዙ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ኣቕሪቦም። እዞም ምሁራት ዘቕረብዎም ጽሑፋት ዳህሳሶም ኣብ ሓደ ሰልፊ ዝተደረተ ዘይኮነስ ንብዓብይኡ ሃለዋት ህዝቢ ኤርትራን ጸገማት ደንበ ተቓውሞን ዝመዘነ ስለ ዝነበረ ኩሉ ዝምልከቶ ክሰርሓሉ ዝግባእ እዩ ዝብል እምነት ኣለና።ምእንቶኡ እዩ ከኣ ተዘርጊሑ ዘሎ። እቶም ኣቕረብቲ ኣብዚ እዋንዚ ካብ ሓደ ግዱስ ኤርትራዊ ምሁር ወይ ክኢላ ትጽቢት ዝግበረሉ ግቡእ ስለ ዝፈጸሙ፡ “ግቡኦም እዩ” ተባሂሉ ጥራይ ዝሕለፍ ዘይኮነስ ምስጋናን ንክቕጽልዎ ምትብባዕን እውን ዘድልዮ እዩ።
ብፍላይ ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ዝተዓደሙ ፖለቲካዊ ውድባት ምስቲ ዓዳሚ ሰልፊ ተመሳሳሊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ዝነበሮም ጥራይ ምስ ምንባሮም ርኢቶ ዝሃቡ ወገናት ነይሮም። “እንተደኣ ተመሳሳሊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሃልይዎም ደኣ ምትእምማን ኣለዎም ማለትዶ ኣይኮነን” ዝብል ሓሳብ ካብቲ ዝቐረበ ርኢቶታት ነይሩ። ዘይምትእምማን ደረጃታቱ ደኣ ይፈላለየ’ምበር ምስ ብርኢቶ ዝመሳሰሉኻ ኮነ ዘይመሳስሉኻ ክህሉ ዝኽእል’ዩ። ምኽንያቱ ዘይምትእምማን ካብ ንእሽቶ ፍልልይ’ውን ዝብገስ ስለዝኾነ። ብርግጽ’ዚ ሓደ ዓይነት ሃገራዊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ምውናን ምልክት ምቅርራብ ወይ ምምስሳል ምዃኑ ዝከሓድ ኣይኮነን። እንተኾነ ሓደ ዓይነት መደብ ዕዮ ስለ ዘለካ ከም ርዱእ ምሉእብምሉእ ትተኣማመን ኢኻ ማለት ከምዘይኮነ ከኣ ተመኩሮና የርእየና ኣሎ። ብዘይካዚ ምትእምማን ሓንሳብ ምስ ተፈጥረ ስቕ ኢሉ ዝቕጽል ዘይኮነ መምስ ዘጋጥሙ ሓደስቲ ውሽጣውን ግዳማውን ምዕባለታትን ብድሆታትን እንዳተሓደሰን እንዳተሃነጸን ዝቕጽል እዩ። ስለዚ ኣብቶም ሓደ ዓይነት ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ዘለዎም ሓይልታት እውን ኣብ ወረቐት ዝሰፍር ዘይኮነስ ብተግባር ዝሰርሕ ምቅርራብ ንምፍጣር ዘኽእል ምትእምማን ንምፍጣር ዝግበር ጻዕሪ ወርትግ ኣድላይ እዩ።
እዚ ማለት ግና ኣብቶም ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኦም ፍልልይ ዘለዎም ወገናት እውን ኣብቲ ዝሰማማዓሉ ጉዳያት ሓቢሮም ንምስራሕ ዘኽእል ምትእምማን ምህናጽ ኣየድልን ማለት ኣይኮነን። ብመሰረቱ ኣብዚ መዳይዚ ፖሊሲ ሰልፊ ደምክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ምቅርራብ ጻዕሩ ምስ ውሱናት ወገናት ከይደረተ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ብሓባር ዝስለፍሉ መድረኽ ምፍጣር እዩ። እዚ ንዛረበሉ ዘለና ዓውደ መጽናዕቲ ዝተወደበሉን እቲ ኣርእስቱ ዝተመርጸሉን መሰረታዊ ምኽንያት እውን ነቲ ኩልና እንብህጎ ግና ድማ ክሳብ ሕጂ ዘይተግበርናዮ ኣብቲ ንረዳደኣሉ እንዋሰኣሉ ናይ ሓባር መድረኽ ንምርጓድን ባይታ ንምምድማድን እምበር፡ ንምትክኡ ከም ዘይኮነ ኣብቲ እዋኑ ተነጺሩ እዩ። ሕጂ እውን ንሱ እዩ።
ብመንጽር እቲ ከም ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ ዝጽበየና ዘሎ ዕማማት፡ እዚ ብሰደህኤ ዝተሳለሰለ ፍጻመታት ውሱን ስለ ዝኾነ፡ ሰደህኤ ኩነታት እንተዘይደሪትዎ ክቕጽሎን ከስፍሖን እዩ። ካልኦት ወገናት እውን ከምዚ ዓይነት ሃናጺ ተበግሶ ክወስዱ ትስፉው እዩ። ብዓብይኡ ከኣ እቲ ኩነታት ዓውደ መጽናዕትን ፈስቲቫልን ብምውዳብ ከይተደረተ ብትግባር ብሓባር ዘስርሕ እሞ ድማ ኣብ ምትእምማን ዝተመስረተ ኩነታት ንክፍጠር ናይ ኩልና መጻኢ ጻዕሪ ምዃኑ ሰደህኤ ይኣምን። ክልቲኦም ፈጻመታት ክምዕርጉን ክዕወቱን ዝጸዓቱ ምሁራትን ክኢላታትን ጻዕሮም ክቕጽሉ የተባብዕ። ህልዊ ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ዘሻቕሎም ኤርትራውያን ምሁራትን ክኢላታትን እዚኣቶም ጥራይ ከምዘይኮኑ ስለ ዝኣምን ከኣ ካልኦት እውን ኣብዚ ህዝቢ ኤርትራ ዝጣረዓሉ ዘሎ እዋን፡ መንፈስ ምትእምማን ኣብ ምስራጽ ሓላፍነቶም ክፍጽሙ ይጽውዕ።
كارتريين عامة ومعارضة بصفة أخص أمامنا مسئولية ثقيلة الوزن تجاه سلامة وطننا وشعبنا، وهذه المسئولية علي الرغم من إدراجها في مقدمة أجندتنا النضالية منذ مدة طويلة، إلا أننا لم ننجز شيئاً في ذلك بالمقارنة بين طول المدة وما تم إنجازه، هذه المسئولية العظيمة والمعقدة في ذات الوقت مسئوليتنا جميعاً نحن المعنيين بالتغيير الديمقراطي في ارتريا، وهذا بدوره يلقي علي عاتقنا مسئولية بناء الثقة بيننا حتى نتصدى لهذه المهمة بفاعلية، الثقة بيننا سلاح ذو حدين بالنسبة لنا وسم ناقع في حلق عدونا المشترك نظام الهقدف الدكتاتوري.
منذ مدة طويلة كلنا نعلم أن ليس لدينا نحن مكونات معسكر المعارضة علاقات وثيقة بين تنظيماتنا أو مؤسساتنا السياسية، وفي ذات الوقت أمضينا زمناً طويلاً في معالجة عوامل انعدام الثقة بيننا، لكننا لم نسجل إنجازاً يذكر، إن معرفة تشخيص المشكلة نصف الحل وليست كل الحل. إحدى مشكلاتنا المعيقة هي عدم الثقة ببعضنا البعض، والثقة علي أهميتها وثقلها ليست بالشيء المستحيل تحقيقه إذا وجد الإرادة والعزم بين من يهمهم الأمر، إذاً يجب أن لا نتهيب أمراً هو من السهولة بمكان إذا خلصت النوايا.
الثقة لا تبنى بتبادل الوعظ والدروس بأهميتها إنما بتبادل الحوار والأفكار حولها، خلق الثقة لا يتم بمجرد إزالة الخلاف بصورة متعجلة ولكن بالدراسة الدقيقة لنقاط الاختلاف والعمل وفق ما اتفقت عليه الأطراف من نقاط اتفاق، وبالتالي تنفيذ ما بنيته بينك من خلال الثقة المتبادلة، هنا توجد مسألة في غاية الجدية، ألا وهو أن لا تنسى أنك كما تحب أن يثق بك الآخرون عليك بالاستعداد للتغيير بحيث تكون أنت أيضاً قابلاً للثقة بالآخرين.
من وسائل بناء الثقة الفعالة عقد المنتديات التفاكرية وغيرها من طرق العمل، حزب الشعب الديمقراطي الارتري بعقده ملتقىً خاصٍّ حول بناء الثقة ضرب مثالاً يحتذى في هذا الصدد، اختيار (بناء الثقة) كعنوان يعتبر في حد ذاته استشعاراً بأهمية التصدي لأزمة الثقة الحقيقية السائدة بين مكونات المعارضة الارترية، الثقة لا تتأتى بين يومٍ وليلة أو بمنتدى أو تعاليم حزبية بعينها، إنها تتطلب جهد الكثيرين وهي أيضاً ليست مسيرة يوم أو يومين. إن ما قاله السيد منقستئاب أسمروم رئيس الحزب في افتتاح منتدى بناء الثقة من (أن الثقة تبنى عبر مسيرة العمل ولا تتحقق بورشة عمل واحدة أو لقاء واحد أو قرار واحد) شاهد علي هذه الحقيقة عن الثقة وبنائها. حزب الشعب الديمقراطي الارتري سوف لن يدخر جهداً في السعي الي بناء الثقة بأي وسيلة ممكنة.
إن ما قدمه مثقفون وسياسيون وناشطون مدنيون وحقوقيون من أبناء شعبنا عن بناء الثقة من أوراق علمية يعطينا الكثير من الثمار المفيدة المستخلصة من تجارب عميقة وغنية من العمل السياسي والمدني والعسكري. إن هذه الأوراق فضلاً عن فوائدها الحالية تعتبر مراجع فائقة الأهمية لمن يزاولون البحث والدراسة في مثل هذه الحقول. وهو كذلك بادرة طيبة وفيتامين فاتح لشهية المهتمين بهذا الأمر من سياسيين ومثقفين.
እቲ መላእ ኣባልን መሪሕነትን ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ፖለቲካዊ መርገጹ ይኹን ሃገራዊ ራኢኡ ነቕ ዘይብል ምዑትን ተባዕን ተቓላሳይ ከም ወትሩ ከይተሓለለ ንእወንታዊ ለውጢ ድግድጊት ተዓጢቑ ይቃለስ ኣሎ።
መላእ ኣባል ሰልፊ ነቲ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እግሩ ተኺሉ ንቕድሚት ክስጉም ከይተሓለለ ብገንዘቡን ንዋቱን ጉልበቱን ደኺመ ስኢነ ከይበለ ንፍትሓዊትን ዲሞክራሲያዊትን ሃገርና ኤርትራ ንምህናጽ ምስ ኩሎም ዝሰማምዕዎ ሓቢሩ ክቃለስን ንቃልሲ ድልው እዩ። እዚ ኣባል እዚ መዓልታዊ ንጥፈታቱ ብዝርዝር እኳ ንምግላጹ ክነውሕ ስለዝኽእል ኣሕጸር ኣቢልና ግን ኣብቲ ዓመት መጸ ዝግበር ፈስቲቫል ዘበርክቶ ግደን ኣስተዋጽኦን ጥራሕ ክንውሰን ኢና።
ኣብ ናይ ሎምዘበን ዝተኻየደ ናይ ‘ምህናጽ ምትእምማን’ ዓውደ መጽናዕቲ ነቲ ኣኼባ ከም ኣመሓደርቲ ኮይኖም ዝመርሕዎ ወ/ት ኤርትራ ኣልኣዛር ሓላፍት ቤት ጽሕፈት ድቂ ኣንስትዮ፥ ኣቶ ኣለም ዮውሃንስ ማሕበራዊ ጉዳያት ሓላፊ ፥ ኣቶ መድሃኔ ህዝብትዝጊ ናይ መንእሰያት ምትእስሳር ቤት ጽሕፈት ሓላፊ።
ኣብዚ ዓውደ መጽናዕቲ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ተሳትፎአ ዘበርከተት ወይዘሮ ኣስገደት ምሕረተኣብ ከኣ ብዛዕባ ‘’ስለምንታይ ዘይምትእምማን ይፍጥር’’ ብዝብል ኣርእስቲ ትምህርቲ ሓዝል ወረቐት ኣቒባ።
ብተወሳኺ ኣብ ፈስቲቫል ናይ ዕለት 13-08-2016 ነቲ መድረኽ ዝመርሑ ወይዘሮ ኣድያም ተፈራ ብትግርኛ፥ ኣቶ ግርማይ ዘምኪኤል ከኣ ብዓረብኛ ብዘደንቕ ኣገባብ ከሳስዩ ኣምስዮም። ብዘይካ እዚ ነቲ ብሓው ፕሮፈሶር ግርማይ ነጋሽ ዝቐረበ ‘መገዲ ዓድና ከመይን መኣስን ንኸዶ’’ ዝብል መደረ ብወይዘሮ ኣድያም እናተመርሐ ኣብ ሕቶን መልስን ተኣትወ።
እቲ ናይቲ ንሰለስተ መዓልቲ ዓወደ መጽናዕቲ ዝተኻየደ ምይይጥ ከኣ ብወ/ት ኤርትራ ኣልኣዛርን ኣቶ ኣለም ዮውሃንስን እናተመርሐ ተሰላሲሉ። ምስእዚ ተተሓሒዙ ከኣ እቲ መደብ ናይ መንእሰያት ዝነበረ ክትዕን ምይይጥን ብወ/ሮ ፈቨን ጊደዎን ተመሪሑ ንተሳተፍቲ ብግቡእ ዘስተናገደ እዩ ነይሩ።
ናይ 2016 ፈስቲቫል ኩሉ ምድልዋቱ ብገንዘብ ይኹን ብጉልበት ከምኡ እውን ነቲ ናይ ምስሳይ ስራሓት ከይተረፈ እቶም ካብ ቀረባን ርሑቕን ዝመጹ ኣባላት ሰልፊ ብነቕ ዘይብል ሓቦን ንሕን ጽኑዕ መንፈስን ንተሳተፍቲ ብዘለዎም ዓቕሚ ኣኣንጊዶም። ንዝመጽእ ዓመት ፈስቲቫል እንተኾነ ኣብታ እንፈትዋ ሃገርና ኤርትራ፥ እንተዘይኮነ ከኣ ንኹልና ሰላም ጥዕናን ሂቡ የራኽበና ብምባል ኣብ ዕለት ሰንበት ዕለት 15-08-2016 ነናብ ዝመጽዎ ተሰናቢቶም።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኣብዚ እዋንዚ ከም ኤርትራውያን ብፍላይ ከኣ ከም ተቓወምቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ቀዳማይ ዕማም ህዝብን ሃገርን ምድሓን ስለ ዝኾነ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ነዚ ከቢድ ሓላፍነት ናትና ኢልና ካብ እንርከቦ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ ኣሎ። ዘመዝገብናዮ ውጽኢት ግና ምስ ንውሓት ዝወሰዶ ግዜን ክብደት ህጹጽነት ኩነታት ሃገርናን ዝመጣጠን ኣይኮነን። እቲ ዕማም ከቢድ ጥራይ ዘይኮነ ዝተሓላለኸን ናይ ኩልና እቶም ይምልከተና እዩ ኢልና ተተሓሒዝናዮ ዘለና ሓላፍነታዊ ዘይሕለል ኣበርክቶ ዝሓትት’ውን እዩ። ምእንቲ ኣብቲ ናይ ሓባር ሓላፍነት ናይ ሓባር ዓወት ከነምዝግብ ከኣ ተራኺብና ናብዚ ናይ ዓወት መንገዲ ዝመርሓና ናይ ሓባር ኣተሓሳስባ ከነጥርን ክንተኣማመንን ናይ ግድን እዩ። ናትና ምትእምማን ከምቲ ንዓና ፍቱን መፍትሒ ምዃኑ ንጸላኢና ጉጅለ ህግደፍ ግና ዘይምሕር መርዚ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ።
ኩልና ከም ዘይንርሰዖ ኣብ ደንበ ተቓውሞ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ፖለቲካዊ ትካላትና ኮነ ኣብ መንጎ ትካላት ኣብ ዝግበር ዝምድና ዘለና ጸገማት ነዊሕ ዝርዝር ዘለዎ ምዃኑ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት ተዳህሲሱ እዩ። ነቲ ጸገማት ምድህሳስ ጥራይ ዘይኮነ ንምውጋዱ እውን ሓያሎ ግዜ ቃል ተኣትዩ እዩ። እንተኾነ ክሳብ ሕጂ እውን ኣይሰለጠን። እዚ ድማ ጸገምካ ምፍላጥ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት እምበር ናይ መወዳእታ ፍታሕ ከምዘይኮነ ዘርኢ እዩ። ናይቲ ጸገማትና ኣብ ምፍታሕ ዘይምስላጥ ጠንቅታት ተባሂሎም ካብ ዝተነጸሩ ሓደ፡ ሕድሕድ ምትእምማን ክንሃንጽ ዘይምኽኣልና እዩ። ምትእምማን ምፍጣር ክሳብ ክንድዚ ወሳኒ ኮይኑ፡ ናይቶም ክተኣማመኑ ዝግበኦም ኣካላት ቅሩብነት እንተልዩ ከምቲ ከቢድ ኮይኑ ዝረኣየና ከቢድ ኣይኮነን። ስለዚ ከቢድ ዘይኮነ ጉዳይ ንምስጋር እዩ ጸጊሙና ዘሎ።
ምትእምማን ተመዓዳዲኻ ዘይኮነስ ነናትካ ሓሳብ ሒዝካ ተቐራሪብካ ብዝግበር ሓላፍነታዊ ዘተን እሂንምሂንን እዩ ዝህነጽ። ምትእምማን ምፍጣር ማለት ፍልልያት ብቕጽበት ኣወጊድካ ሓደ ኣካል ምዃን ማለት ዘይኮነ፡ ኣበይ ከም እተፋላለ ኣነጺርካን ወጊንካን፡ ኣብቲ እትሰማመዓሉ ብሓባር እትዋሰኣሉ ኣገባብ ምትላም እዩ። ኣብቲ ዝተለምካዮ ጸኒዕካ ብግሉጽነት ምጉዓዝ ከኣ ይሓትት። ኣብዚ ሓደ ቀንዲ ቁምነገር ኣሎ። ከምቲ ክትእመን እትደሊ ንካለኦት ክትኣምን ቅሩብ ምዃን።
ነዚ ወሳንነቱ ዝገለጽናዮ ምትእምማን ንምውሓስ ዘኽእል ናይ ሓባር ኣተሓሳስባ ንምጥራይ ዝተፈላለዩ መዋስኢ መድረኻት ምውዳብ የድሊ። ዋዕላ ሓደ ካብኡ እዩ። ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ 10-12 ነሃሰ 2016 ኣብ ሃገር ጀርመን ፍራንክፈርት ዝወደቦ ዋዕላ ከኣ ከም ሓደ ካለኦት ውድባት’ውን ክስዕብዎ ዝግባእ ኣብነት ዝውሰድ እዩ። “ምህናጽ ምትእምማን” ዝብል ኣርእስቲ ምምራጹ ድማ ምስቲ ኣብዚ እዋን ኣብ ኩሉ ኩርነዓት “ምትእምማን ጠፊኡ” ዝብል መረረ ዝለዓለሉ ዘሎ እዋን ምዃኑ፡ ናይቲ ዋዕላን ዝሓዞ ዛዕባን እዋናውነት ብንጹር የርኢ። ምትእምማን ኣብ ውሱን ግዜ እሞ ድማ ካብቶም ኣብ ምህናጹ ግደ ዘለዎም ወገናት ዉስናት ጥራይ ብዝሳተፍዎ ዋዕላ ዝኽምታእ ኣይኮነን። ናይ ብዙሓት ተሳትፎ ዝሓትትን ኣብ መስርሕ ዝረጋገጽን እምበር ውሱን ርሕቀት ኬድካሉ ኣኺልዎ ዝበሃል ዕማም ኣይኮነን። ኣቦመንበር ሰደህኤ ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣብ መኽፈቲ ናይዚ ዋዕላ “ምትእምማን ብመስርሕ ዝረጋገጽ ኣምር እምበር፡ ብሓደ ወርክሾፕ ወይ ብሓደ ርክብ፡ ወይ ብሓደ ውሳኔ ዝረጋገጽ ኣይኰነን።” ዝበለ እውን ካብዚ ሓቂ እዚ ነቒሉ እዩ። ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ጀሚርዎ ዘሎ ምትእምማን ናይ ምህናጽ ዓብይ ጉዳይ ዋዕላ ብምድላው ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዝረኸቦ ኣጋጣሚ ክጽዕተሉ እዩ።
ነዚ መሰረታዊ ዕማም ምህናጽ ምትእምማን ንምርጓድን ምዕማቝን ኣብ ተመኩሮ ቃልስና ነናቶም ብጽሒት ብዘለዎም ኤርትራውያን ምሁራት፡ ፖለቲከኛታትን ኣብ ዝተፈላለዩ መሰረታዊ ናይ መሰል ዛዕባታት ዝነጥፉን ዘቕረብዎም መጽናዕታዊ ጽሑፋት ኣዝዮም ጠቐምቲ ነይሮም። ካብዚ ሓሊፎም እዞም ጽሑፋት ንካለኦት ኣብ ቀጻሊ ኣብዚ ጉዳይዚ ክመራመሩን ከጽንዑን ዝደልዩ መንቀሊ ክኾኑ ዝኽእሉ ምንባሮም ከኣ ካልእ ንኣገዳስነት ናይዚ ዋዕላ ዘጉልሕ ጐኑ እዩ። እዚ ዋዕላ እዚ ንበይኑ ዝንጥልጠል ዘይኮነስ ናይቲ ዝሓለፈ ምትእምማን ናይ ምፍጣር ጻዕርታት መቐጸልታን ንመጻኢ ሰፋሕቲ ተመሳሰልቲ መድረኻት መንግዲ ዝጸርግን ተመላላእን እዩ።
مع من وعلي ماذا تقوم علاقاتنا؟
Wednesday, 17 August 2016 17:43 Written by اعلام حزب الشعب الديمقراطي الارتريللعلاقة بين الناس والأشياء عدة أوجه ومنطلقات، فهناك مثلاً علاقة القرابة، علاقة مصلحة ناشئة عن العمل المشترك...الخ. لكن حديثنا عن العلاقة في هذا المقال سوف ينصب علي العلاقة القائمة علي المبدأ والهدف. فإذا أردت تحقيق هدفٍ ما وبالتالي انتظار نتائجه وثماره التي تعم وتضم آخرين، لابد لك من العلاقة والتعاون مع أولئك الآخرين والاستفادة من طاقاتهم. والتدقيق في اختيار رفيق المسيرة يجعل نتائج العلاقة مثمرة.
من عوامل اختيار صاحب العلاقة التأكد من إمكانية استفادته من علاقته بك أو انعدام تلك الفائدة، ثم يأتي شرط التأكد من قناعة الزميل بجدوى تلك العلاقة معك وحماسه لها، إذ لا علاقة يمكن أن تنشأ أو تفيد في ظل عدم استعداد الطرف الآخر لها وعدم قناعته بها. وهذا إن دلَّ علي شيء فإنما يدل علي أن ما يقيم العلاقة ويتعهدها بالرعاية هو الفائدة المشتركة التي تجنيها أطراف العلاقة من تلك العلاقة، لذا من المستحيل قيام علاقة بين طرفين علي فائدة أحد الطرفين وانعدام تلك الفائدة لدى الطرف الآخر، وحتى لو حدثت تلك العلاقة فلن تدوم أو تثمر.
لا يمكن قيام العلاقة علي مصلحة طرف واحد فقط، بل عليها أن تأخذ في اعتبارها مصلحة جميع الأطراف، العلاقة مثلها مثل كل شيء مشترك تتعرض خلال المسير لعدة منعطفات منها الوعر ومنها السالك، ففي وقتٍ من الأوقات قد تميل الي مصلحة طرف من الأطراف الي حدٍّ أو أمدٍ ما، وقد تتغير الظروف أثناء المسيرة فتميل العلاقة بقدرٍ ما لصالح الطرف الآخر.
العلاقة لا تقوم علي مجرد ظهور ضرورتها، بل لابد من دراسة جدواها جيداً لتفادي أضرارها غير المدروسة، ومثل هذه الملاحظات يجب أن تكون مرعية ومفهومة من قبل كل أطراف العلاقة. لذا علي الكل أن يتفهم أن للآخر ما لديه من مبادئ أو مصالح غير قابلة للمساومة أو التنازل عنها بالمرة. ومن خلال الدراسة المسبقة لجدوى العلاقة يمكنك تخمين مدى قابلية الآخر لتلبية ما تطلبه منه من تنازلات لصالح أجندتك، وأية محاولة منك للضغط علي شريكك أكثر من قدرته علي التنازل سوف تضطره هو الآخر الي التعدي علي مصالحك ومن ثم احتواءك، وذلك سوف يضر بمصلحة قيام العلاقة علي مبدأ تكافؤ العلاقة بين طرفيها فيؤدي الي وقوع العلاقة في خطر التعثر. لذا لابد من قيام العلاقة علي أساس المصلحة المشتركة لأطراف العلاقة. ومثل هذه العلاقة لا تقوم فقط بين التنظيمات فحسب، بل يمكن أن تقوم بين الحكومات أيضاً.
العلاقة يجب أن لا تقوم علي دعاوى وأغراض ضيقة الأفق، يجب أن تبنى علي أسس إستراتيجية بعيدة المدى. هذا بالطبع لا يعني أن كل علاقة متينة غير قابلة للانهيار لسبب داخلي أو خارجي، ومن هنا نشأ المثل الشعبي القائل: ( هناك جار دائم لا صديق دائم ). أيضاً وكما هو معهود في الكثير من العلاقات لا ثمار تجنى فور قيام العلاقة، بل تتطلب الثمار صبراً ووقتاً طويلاً للنضج والقطف. التعجل والتهافت علي الفوائد العاجلة لا يصنع علاقة سليمة.
كما يجب أن ندرك أن العلاقة القائمة بين طرفين أو أكثر مختلفي المبادئ والأجندة ليست بالمهمة السهلة ولا سريعة النتائج. ذلك أن قيام العلاقة يجب أن ينبني علي المصالح والأهداف المشتركة دون الانحياز لطرف دون الطرف الآخر. العلاقة قد تتسع وقد تضيق، وذلك يعتمد علي ما بين أطراف العلاقة من نقاط محل اتفاق مشترك. موازين القوة بين أطراف العلاقة أيضاً لها تأثيرها علي العلاقة قوةً أو ضعفاً، سعةً أو ضيقاً.
حزب الشعب الديمقراطي الارتري يرى أن لديه الكثير مما يجمعه بمختلف قوى المعارضة الارترية، وبناءاً علي هذه العلاقة يعمل مع رصفائه من قوى التغيير علي تقوية وتعزيز دور الشعب في إحداث التغيير. وفي ذات الوقت يدرك حزبنا أن لديه خلافات جذرية مع بعض مكونات المعارضة لا يحتكم فيها إلا الي رأي الشعب فيها عبر دستور ارتريا الغد. لذا فإن ما يجمعه بتلك القوى في الوقت الحاضر قضايا وهموم مشتركة يتفق الجميع علي أولويتها وأهميتها. ويأتي علي رأس تلك القضايا والهموم إسقاط نظام الهقدف الدكتاتوري والتمهيد لمرحلة انتقال دستوري ديمقراطي سلس في ارتريا الغد.
بما أن المناسبة التي نحن بصدد الحديث عنها اليوم ذات تاريخ طويل وماضٍ عريق لا يمكن تلخيصه في هذه الأسطر القليلة، سوف نكتفي بشرح ضرورة ومبررات حزب الشعب الديمقراطي الارتري في إقامة هذا المهرجان بصورة سنوية راتبة. ما يسمى بالمهرجان أو الاحتفال يأتي علي صور كثيرة، فقد يكون حفل عرس، أو علي شكل احتفالات دينية، ثقافية، وطنية، اقليمية...الخ. والاحتفالات من هذا النوع الراتب هي عبارة عن أعياد للتلاقي وتبادل الفرحة والأفكار والمقترحات وطيب التمنيات وعاطر الذكريات. فضلاً عن أنه نوع من الهروب من روتين الحياة وفرصة سانحة لتجديد الفكر والنشاط.
المهرجانات فرصة للراحة والاستجمام، كما هي علي المستوى الوطني مدارس لتعلم تاريخ وجغرافيا وفنون وعادات وثقافات الوطن والشعب واكتساب الجديد من الصداقات ومعرفة المزيد من المعلومات عن حقول شتى. الراحة والاستجمام والشعور بالمسرة التي يوفرها المهرجان نعني بها تجديد وإنعاش المخ والروح الذي نحس به ونحن نحضر تلك المهرجانات. إنها أيضاً تنعش وتجدد روحك الوطنية عندما تشاهد وطنك وشعبك مجسدين علي أرض الواقع رغم بعد المسافات وتباين بلدان القدوم والإقامة.
في مهرجان ارتريا السنوي علي الرغم من محدودية الوقت تكتسب العديد من الفوائد والمعلومات حيث تتعرف علي أبناء وطنك وأصدقاء وطنك من الأجانب المعجبين بالشعب الارتري وتجاربه النضالية. ومن ناحية اجتماعية فالمهرجان فرصة للتلاقي مع أصدقاء ومعارف قدامى وجدد كنا قد افتقدناهم طويلاً واشتقنا اليهم كثيراً.
المهرجان الوطني السياسي لا يقتصر علي الترفيه فقط، وإنما يؤدي وينقل الي أجيال اليوم رسالة وطنية ثقافية، تاريخية، بطولية، رسالة حزب الشعب الديمقراطي الارتري من هذا المهرجان السنوي من حيث الشكل والمضمون رسالة تراثية وسياسية، والرسالة السياسية موجهة في المقام الأول الي الشباب بهدف تأهيلهم لاستلام المسئولية السياسية مسترشدين بتجارب الماضي والحاضر. لذا يهدف الحزب من الحرص علي الاستمرار علي إقامة المهرجان ليتعرف الشباب بأشخاص ومعارف كانوا بعيدين عنها معنوياً وجسدياً. كما يعتبر المهرجان مكاناً تعكس فيه رؤيتك حول مختلف شؤون وطنك.
المهرجان أيضاً منبر لاستفادة الحضور من الشباب من كل ما يقدم فيه من إسهامات فكرية وعلمية وسياسية لينقلها بدوره الي أكبر قطاع ممكن من مختلف المشارب الشبابية ومن ثم تأمين أكبر مشاركة نضالية في عملية التغيير. لذا فالمؤتمر منبر وطني يقوي الروابط بين الشعب والوطن وينشر المحبة والوفاق بين أبناء الوطن. وبذا يكون المهرجان قد قدم الإجابة الشافية علي سؤال: ( ماذا قدمت لوطني؟ ).
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ነዊሕ ታሪኽ ዘለዎ ኣጀማምራን መቐጸልታን ናይዚ ብስልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዓመት መጸት ዘዳሎ በዓል ዝምልከት ምግላጽ ክሰፍሕ ስለ ዝኽእል ምእንቲ ክሓጽረልና ኣብ ኣድላይነት ናይዚ በዓል ምትኳር ኣገዳሲ እዩ። ፈስቲቫል ወይ በዓል ክበሃል ከሎ ብዙሕ ኣገባባት ከም ዘለዎ ርዱእ እዩ። ካብኡ ንምጥቃስ ዝኣክል ሃገራዊ፥ ሃይማኖታዊ፥ ባህላዊ፡ ዓዳዊ፡ መርዓ … ወዘተ። ኩሉ ከኣ ብሓባር ተራኺብካ እትሕጎሰሉን ዝሓለፈ ታሪኽን ዝነበረ ኣጋጣሚታትን ብምዝካር ብሩህ መጻኢ ብምእማት ንውሉድ ወለዶ ንክሰጋገር ወይ ከመሓላለፍ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ተበርክተሉ’ዩ። ጽምዋን ብሕትውናን ንምስዓር’ውን ደቂ ሰባት ተራኺቦም ናፍቖቶም ከውጽኡን ክዘናግዑን ባህርያዊ ፈውሲ እዩ ዝኸውን። ምእንቲ እዚ ፈስቲቫል ክህሉ ጠቓምን ተደላይን እዩ።
ፈስቲቫል ንሓጎስን ደስታን ከምኡ እውን ንሃገርዊ ስምዒትካን ወንኻን ዘለዓዕልን ንባህልን ልምድን ዘላልን ህዝቢ ኣብ ነንሓድሕዱ ተራኺቡ ከዕልልን ክዋሳእን ዘኽእል ዓቢ መራኸቢ መኣዲ እዩ። ደስታን ሓጐስን ከበሃል ከሎ ነቲ ኣብ ህይወትና ዘስዕቦ ናይ መንፈስ ተሓድሶን ዝህቦ ስነ-ኣእምሮኣዊ ቅሳነትን ንምምልካት እዩ። ብተወሳኺ እቲ ኣብ ነፍስኻ ተሃድሶ ምግባር ንሃገራዊ ስምዒትካ ክብ ዘብልን ካብ ባህልን ታሪኽን ሃገር ዝመንጨወ ኰይኑ ሕብረተሰብ በብባህሉ ተኸዲድኑን ብወግዑን መልኪዑን ሕድሕዱ ከላለን ከወሃህድን ሓባራዊ ርድኢት ከስርጽን ዝኽእል ምዃኑ ኣገዳሲ ይገብሮ።
ኣብ ሓደ ውሱን ግዜ ንውሑዳት ሰዓታት ወይ መዓልታት’ኳ ይኹን እምበር፡ ምስ ደቂ ሃገርካን ንባህልኻን ትልሂትካን ክርእዩ ዝመጹ ኣጋይሽ ደቂ ዘይደቂ ሃገር ምስቲ ናትካ ባህልን ልምድን ክላለየዩን ዝምድና ከጥርዩን ፈስቲቫል ሓጋዚ እዩ። ከምኡ እውን ነቲ ማሕበራዊ ህይወትና ከይተረፈ ማለት፡ ምስ ስድራቤትና፡ ኣዝማድና፡ እዕሩዂትና፡ ጐረባብትናን መቓልስትናን በቲ ሓደ ወገን፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ፡ ብዙሕ ዝኣኻኽብን ዘተኣሳስርን፡ ዝሓለፈን መጻእን ጉዳያት እንዳሃለወካ ተፈልየሙኻ ምስ ዝጸንሑ ናፍቖትካን መጻኢ ናይ ሓባር ራኢኻን እትንገልጸሉን እትምሃሃረሉን’ውን እዩ።
ፈስቲቫል ንመራኸብን መዘናግዕን ጥራይ ዘይኮነስ ዝሓለፈ ያታ፡ ባህሊ፡ ልምድን ታሪኽ ጅግንነትን ንመጻኢ ወለዶ ዘመሓላልፍን ዘውርስን ኣገዳሲ መድረኽ እዩ። ብመንጽር’ዚ ብሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝዳሎ በዓል ብመልክዑ ኮነ ትሕዝቶኡ ባህላውን ፖለቲካውን ተልእኾ ኣለዎ። እዚ ፖለቲካዊ ተልእኾ እዚ ከኣ እዩ ነቲ መንእሰይ ሓላፍነት ዘሰክሞ። እዚ መድረኽ እዚ ንመንእሰይ ወለዶ ጥራይ ዘይኮነ ኩሉ ብሃገር ዝግደስ ዘበለ ካብ ዝሓለፉ ኮኑ ዘለዉ ምኩራት ትምህርቲ ዝቐስመሉን ብዛዕባ መጻኢ ዝመያየጠሉን እዩ። ክላለዩ ዝግበኦም ክላለዩን ክፋለጡን መድረኽ ምክፋት ናይ ወትሩ ዕማም ሰዲህኤ ኮይኑ ፈስቲቫል ከኣ ናይዚ ኣብነት እዩ። ፈስቲቫል መጻኢ ራኢኻ ኣብ ጉዳይ ሃገር እተንጸባርቐሉ መድረኽ’ውን እዩ።
መንእሰይ ወለዶ እምበኣር ነቲ ኣብዚ መድረኽ ፈስትቫል ዝመሓላለፍ መልእኽቲ ብጽሞና ተኸታቲሉን ተቐቢሉን ተቐቢሉ ንዘሎ ሽግር ሃገርና ኣብ ምፍታሕ እጃሙ ከበርክትን ተቢዑ ሓባራዊ ቃልሲ ክካይድ እውን እዚ ኣጋጣሚ ዝዕድም እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ፈስቲቫል ሃገራዊ ኮይኑ፡ ነቲ ናይ ሃገርናን ህዝብናን ምትእስሳር ዘራጉድን ዘደልድልን እዩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ንሓድነትን ፍቕርን ኤርትራውያን ዘደልድል እዩ። እዚ ኣብ ዝተረጋገጸሉ ህሞት ድማ እዩ እቲ “ንሃገረይ እንታይ ገይረላ?” ዝብል ሕቶ ብግቡእ ክምለስ ዝኽእል።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ዝምድና ብዙሕ መልክዕን መንቀልን ኣለዎ። ንኣብነት ናይ ስጋ ዝምድና ኣሎ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ረብሓ ዝተመስረተ ናይ ሓቢርካ ምስራሕ ዝምድና እውን ኣሎ። ንሕና ኣብዚ ንዛረበሉ ዘለና ዝምድና ግና ናይ ዕላማን መትከልን ዝምድና እዩ ክኸውን። ሓደ ጉዳይ ንምፍጻም ክትበገስ እንከለኻ እሞ ውጽኢቱ ናይ ሓባር ክኸውን እንከሎ ዝምድና ፈጢርካ ዓቕሚ ብምድላብ ምንቅስቓስ ተመራጺ እዩ። ኣብዚ ምስ መን ትዛመድ ኣብ ምምራጽን ምውሳንን ጥንቁቕ ምዃን ውጽኢት እቲ ዝምድና ኣድማዒ ንክኸውን ወሳኒ እዩ።
መዛምድቲ ክትመርጽ እንከለኻ ኣብ ግምት ከተእትዎ ካብ ዝግበኣካ ረቛሒታት፡ እቲ መዛምድትኻ ካብቲ ዝፍጠር ዝምድና ተጠቃሚ ምዃኑን ዘይምዃኑን ምርግጋጽ እዩ። ብዘይካዚ ነዚ ረብሓኡ ከረጋግጽ ክዛመደካ ቅሩብ ምዃኑን ዘይምዃኑን ምድህሳስ’ውን ካልእ ኣገዳሲ ቅድመ-ኩነት እዩ። እንዳ ጸዋዕካዮ ጸማም እዚ ምስ ዝህበካ ምዝማድ ስለ ዘይከኣል። እዚ ዘርእየና ድማ ዝምድና ዝድልድልን ቀጻልነት ዝህልዎን እቶም ዝምስርትዎ ተዛምደቲ ካብቲ ዝምድና ማዕረ ተጠቀምቲ ምዃኖም እንተ ኣሚኖም ጥራይ ምዃኑ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ዝምድና ካብቶም ተዛመድቲ ነቲ ሓደ ኣካል ጥራይ ዝጠቅምን ዝብህጎን ጌርካ ክምስረት ኣይክእልን እዩ። እንተተፈተነ’ውን ፋይዳን ቀጻልነትን ክህልዎ ኣይክእልን።
ዝምድና ነናትካ ረብሓ ጥራይ ከተዕውት ብምውጣን ዝረጋገጽ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ዝምድና ናትካ ረብሓ ጥራይ ዘይኮነስ ናይ መዛምድትኻ ተጠቃምነት’ውን ኣብ ግምት እንዳእተኻ ዝረጋገጽ እዩ። ምናልባት ግና ዝምድና ከም ዝኾነ ተረኽቦ ብመስርሕ ክብ ለጠቕ ስለ ዝጐዓዝ እቲ ካብቲ ዝምድና ዝርከብ ረብሓ ብዝተወሰነ ደረጅኡ ንዝተወሰነ መድረኽ ናብቲ ሓደ ወገን ካብቶም ተዛመድቲ ናይ ምዝዛው ባህሪ ክህልዎ ይኽእል። እቲ ምዝዛው ኩሉ ግዜ ናብቲ ሓደ ኣቕጣጫ ጥራይ ዘይኮነ ክቀያየር ይኽእል።
ዝምድና ኣድላይነቱ ስለ ዝተራእየ ሃንደፍ ኢልካ ዝእቶ ዘይኮነስ ኣጽኒዕካ እትሕዞ መስርሕ እዩ። እቲ ዝምድና ምእንቲ ክድልድልን ክቕጽልን ሕድገት እትገብረሎም ጉዳያትን ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ምእንቲ ዝምድና ኢልካ ዘይትዕጸፈሎም ንህልውናኻ ዝፈታተኑ ጉዳያት ኣለሊኻ ምእታው የድሊ። እዚ ደቂቕ ሕሳብን ጥንቃቐን ብኹሎም ተዛመድቲ ወገናት ዝረአ እዩ። ካብዚ ብምብጋስ ከምቲ ንስኻ ምእንቲ ዝምድና ኢልካ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከተውርዶም ዘይግበኣካ ኣዕኑድ ዝህልዉኻ ኣብቲ መዛምድትኻ እውን ከምኡ ከምዝህሉ ምግንዛብ ከኣ የድሊ። ካብዚ ብምንቃል ካብ መዛምድትኻ እትጽበዮ ሕድገት’ውን ኣቐዲምካ ምግማት ይከኣል። ካብኡ ንላዕሊ ክትደፍኦ ተሃቂንካ፡ መዛምድትኻውን እውን ከምኡ ደፊኡ ናብቲ ናቱ ረብሓ ከእትወካ ተፈቲኑ፡ እቲ “ማዕረ ተጠቃምነት” ዝብል መትከል ዝምድና ስለ ዝህሰ እቲ ዝምድና እውን ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ይኽእል። ምኽንያቱ ምዝማድ ማለት ኩለንተናኻ ሓደ ምዃን ማለት ዘይኮነስ ንፍልልያት ቦታኦም ኣትሒዝካ ኣብቶም ንክልቴኻ ዘርብሑ ምስራሕ ማለት ምዃኑ ግንዛበ ሰለ ዘድልዮ። እዚ ኣብ መንጎ ውድባት ጥራይ ዘይኮነ ኣብ መንጎ መንግስታት’ውን ክረአ እንዕዘቦ እዩ።
ዝምድና ነዊሕ ዝጠመተን ኣብ መሰረታዊ ጉዳያት ዘትከለን እምበር ኣብ መሰረታዊ ዘይኮኑ ጉዳያት ኣትኪሉ ከም መፍትሒ ግዚያዊ ጸገም ጥራይ ክረኣይ ኣይግባእን። እዚ ማለት ግና ኣብቶም ተዛመድቲ ብግዳም ይኹን ብውሽጢ ብዝፍጠር ምዕባለ ዝምድና ኣይቅየርን ምናልባት እውን ኣይቋረጽን ማለት ኣይኮነን። ብመንጽር እዚ እዩ ከኣ “ቀዋሚ ጐርቤት እምበር ቀዋሚ ዓርኪ የለን” ዝበሃል። ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ከም ዝረአ ዝምድና ውጽኢቱ ኣብ ሓጺር ግዜ ዝሕፈስ ዘይኮነስ ኣዕኲዅካ ኣብ ፍረ ንምብጽሑ ነዊሕ ግዜ ዝወስድ ክኸውን ይኽእል። ስለዚ ዝምድና ዝድልድል ብትዕግስቲ፡ ጹረትን ንመሰረታዊ መትከልካ ብዘይፍሑቕ ሕድገት ብምግባርን እምበር ብታህዋኽን ነዓይ ጥራይ ይጥዓመንን ኣይኮነን።
ዝምድና ኣብ መንጎ ነናቶም መትከላት ዘለዎም ክልተን ካብኡ ንላዕን ኣካላት ዝፍጠር ስለ ዝኾነ ምዕዋቱ ቀሊል ኣይኮነን። ምኽኝያቱ ክትዛመድ እንከለኻ፡ ብዛዕባ ናትካ መትከላትን ዕላማን ጥራይ ዘይኮነ ብዛዕባ ናይ መዛምድትኻ’ውን ክትሓስብ እንትግደደሉ ስለ ዝኾነ። ዝምድና ክሰፍሕን ክጸብብን ይኽእል። እዚ ኣብ ስፍሓትን ጽበትን ናይቲ ምስ መዛምድትኻ ዘራኽበካ ነጥብታት ዝምርኮስ እዩ። ኣብ መንጎ ተዛመድቲ ዘሎ ኩለመዳያዊ ፍልልይ ሚዛን ሓይሊ’ውን ንዝምድና ይጸልዎ’ዩ።
ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ምስ ዝተፈላለዩ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ዘራኽብዎ ነጥብታት ከም ዘለዉዎ ይኣምን። ኣብዚ እምነትዚ ኣትኪሉ ክዛመድ እሞ ምስ መዛምድቱ ኮይኑ ናይ ለውጢ ሓይሊ ከተርንዕ ከኣ ይሰርሕ። ካብዚ ሓሊፉ ምስ ገለ ወገናት፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መጻኢት ኤርትራ ብዘጽድቖ ቅዋም ኣቢሉ ናይ መወዳእታ ብይን ተዘይሂብሎም ሕጂ ኣብ መስርሕ ዝምድና ውድባት ዘይውድኡ ፍልልያት ከም ዘለዉዎ’ውን ይርዳእ። ካብዚ ብምንቃል ሕጂ ዝገበሮ ዝምድና ኣብቶም ምስ መዛምድቱ ማዕረ ዝብጽሕዎ ዛዕባታት ምዃኑ ይግንዘብ። ንኣብነት ኣብ ምውዳቕ ወጻዒ ስርዓት ህግደፍን ናብ ቅዋማዊ መንግስቲ ዘብጽሕ ናይ ምስግጋር መድረኽ ምጥጣሕን።
يقول الفلاسفة إن من أهمية الخلاف أو التضاد أن ( الكون قائم علي تناقض الأشياء )، بمعنى آخر أنه لا وجود للكون بدون التناقض، إذاً أن نعيش مختلفين أمر وجودي، والخلاف أيضاً من جذور التعدُّد، فالتعدد والتباين قد يعود الي اختلاف الجنس ( النوع )، أسلوب التفكير، المعتقد، المصلحة...الخ.
التعدد والتباين يزين المجتمع كما تتزين الأرض بمختلف أنواع الزهور والنباتات، ولا يكون الاختلاف زينة إلا إذا أدير بحكمة واتزان. والإدارة الحكيمة لذلك التعدد لا تكون إلا بإدارته بما يضمن مصالح مكونات التعدد. فأي ميل جانبي أو أسلوب غير سوي في إدارة التعدد والاختلاف يحيل التعدد من زينة الي دمار شامل، أما الابتعاد عن الخلاف والتوجس منه واعتباره أمر خلاف وتباعد بين الناس فهو هروب من الواقع لا يجدي فتيلاً.
لدينا نحن الارتريين تعدد ينحدر منه الخلاف، فنحن متعددون دينياً، سياسياً، جغرافياً، عرقياً، نضالياً ( اختلاف التجربة النضالية )، وهذه كلها قابلة لأن تكون مصدراً للخلاف، لكن لو أدرنا تلك الاختلافات علي قاعدة المساواة، الحرية، العدل والنماء فستكون بالفعل زينةً وجمالاً، ولو أدرناها بالعكس فستستدير بنا الي العكس. ولكن لن يتحقق لنا ذلك إلا إذا رأينا لمن يختلف عنا بأكثر من عنصر للتعدد والاختلاف ما نراه لأنفسنا. وكل أنانية وحب للذات سوف يجعل من تعددنا وما ينتج عنه من خلافات واختلافات مصدراً للانهيار والتفتت بدلاً من الغني والجمال والتميز. علماً أن الحروب والمشكلات الناشئة في العديد من دول العالم اليوم منبعها هو الفشل في إدارة التعدد والاختلاف. وما المواجهة القائمة والمتطاولة بيننا ونظام الهقدف والخلافات العسيرة في أوساطنا كمعسكر معارضة إلا دليل علي فشلنا في إدارة تنوعنا. البعض يضع الكثرة العددية لمكونات المعارضة علي رأس عيوبها ومشاكلها. صحيح أن الكثرة السياسية والتنظيمية بهذه العددية غير المبررة أمر صادم للنفس، لكن المشكلة تعود الي عدم قدرتنا علي وضع الخلاف والتعدد ضمن عوامل القوة والبناء وليس عوامل الهدم والخلاف. لذا علي من يتهيبون الخلاف والتعدد أن يقتربوا من ساحته ليضعوه علي قضبان الطريق الصحيح والبنـَّــاء بدلاً من الهروب منه والتنكر له، إن الكثرة والتعدد لا تمنع أحداً من الاتفاق علي هدف مشترك والعمل علي تحقيقه، وهذا أسلوب نضالي ناجح ومجرب، ولا ننسى أننا في هذا العصر بالذات نعيش زمان التعدد والاختلاف، كما أن المحيط القريب والبعيد يعج بتجارب النجاح في حسن إدارة الخلاف والتعدد وعدم تجاهله.
في حديثنا عن الخلاف والتعدد لا ننسى أمراً من الأهمية بمكان، ألا وهو أن لا تنافس بدون وجود التعدد والخلاف، ولا وجود للتنافس دون وجود الأفكار المتباينة المتنافسة. انعدام التنافس يعني أن لا وجود لخيارات سياسية أو فكرية تقدم للشعب كي يختار من بينها ما يعجبه، وبالتالي يفرض عليه خيار أوحد شاء أم أبى. احترام تعدد خيارات الشعب يعني احترام تعدديته في أي مجال من المجالات. وكما أوضحنا آنفاً فإن حسن إدارة الخلاف والتعدد يجعل منهما زينة في عنق البلاد، وأن إتاحة الفرص أمام عملية التنافس أيضاً يستلزم وجود خيارات متعددة تنظمها قوانين البلاد. علي أن يكون التنافس حراً يضمن للمتنافسين فرص تنافس متكافئة.
إن تحويل الخلاف الي زينة مهمتنا جميعاً نحن الناشطين سياسياً وتنظيمياً، حيث العمل السياسي غالباً ما يكون مسرحاً للخلاف والتباين. ليس تلك مهمتنا فحسب، بل هذا ما يتوقعه منا الشعب الذي يتوقع منا الكثير. وما لم نحقق ذلك يجب أن نعترف أن بنا عيب أساسي يفرض علينا محاربته واستئصاله، علي أن لا يكون ذلك انطلاقاً مما تراه أنت فقط هو المعالجة الصحيحة لذلك العيب ومن ثم إهمال وجهة نظر الشركاء في معالجة العيب. يجب علينا أن نفتح أعيننا جيداً علي جانب الحقيقة الذي عند الآخر وأن نجتهد سوياً في إيجاد حقيقة وسطى جامعة للكل. وذلك بالطبع لا يكون باجتثاث التعدد والخلاف والرمي بهما في سلة المهملات، بل يكون بالسعي الي توسيع مساحة الاتفاق وتقليص شقة الخلاف خلال مسيرة العمل المشترك. هذا ما مرت به تجارب شعوب عديدة، لذا لا يمكن أن تتوقف مسيرته علي أبوابنا وتعطب عجلاته عندنا وتتعطل آلياته عن العمل، وعليه يجب أن نعمل معاً قبل أن يتسرب الوقت من بين أصابعنا، فالأيام كما يقولون حـُــبـَــالـَـى بكل جديد، ولا ضمان لنا أن يكون جديدها دوماً حابلاً بخير.
دور غير الارتريين في قضايا ارتريا
Monday, 25 July 2016 19:59 Written by اعلام حزب الشعب الديمقراطي الارتريحـَــوَّلـَــتْ وسائل الإعلام والتكنولوجيا الحديثة العالم علي اتساعه الي قرية صغيرة، ولأن هذه الدرجة العالية جداً من التطور لم يصلها الانسان إلا عبر تجارب ودراسات ووسائل عديدة فكلما وظفت التوظيف الأمثل كان عائدها إيجابياً وتنموياً. وما لم تواكب ذلك التطور فستجد نفسك مرمياً علي هاوية الرصيف. ونظام الهقدف اليوم نموذج ساطع للتخلف والعزلة والانهيار الذي ينتج عن مناطحة الظروف الموضوعية وإنكار الحقائق الواقعية بحجة الاعتماد علي الذات.
العالم الذي أصبح قرية لابد لدوله وقاراته أن تتبادل التأثــُّـــر والتأثير سلباً وإيجاباً، لذلك الكل يسعى بقدر الإمكان الي تدويل ونشر كل ما هو إيجابي وتعميم محاربة كل سيئ وسلبي. لذلك لم يعد أحد بمنجاة من تيار التأثــُّـــر والتأثير الجارف، الوسائط الحديثة والتعاون الدبلوماسي العالمي لا يسمحان اليوم لأحد بإقلاق راحة الآخرين، وبالتالي فإن كل داعية الي السلم والعدل لن يتسنى له ذلك ما لم ينشط داخل وخارج بلاده بحثاً عن السلم والعدل أو حمايةً لهما. فلكي تسلم من النار التي تشب في جوارك أو محيطك لابد لك من أن تسهم في جهود الإطفاء حتى لا تصلك ألسنة النيران فتلتهمك. ومنذ زمن بعيد توافق العالم عبر الاتفاقيات والهيئات الدولية كالأمم المتحدة وأذرعها أن لا يتفرج علي النزاعات بين الدول صامتاً بل أن يخاطبها شفاهةً أولاً وأن يتدخل قتالاً إذا لزم الأمر. وما وجود قوات أو فرق مراقبة انتخابات أجنبية أو مبعوثين سياسيين أو حقوقيين أجانب في بلدان عديدة إلا صور من تلك المسئولية التضامنية التي تنسقها وتشرف عليها الأمم المتحدة بآلياتها المدنية والعسكرية المتعددة نيابةً عن كافة دول العالم. انطلاقاً من ذلك كان لابد لآليات الأمم المتحدة أن تشاركك مصائبك وتساهم في نمائك وأن تحترم أنت مبادئها ومواثيقها وتقدر مساهماتها، أما أن تقابل كل تدخل من الأمم المتحدة في شؤونك جراء عدم كفاءتك وسوء إدارتك ورعونة سياساتك ثم تتباكى علي انتهاك سيادتك كما هو الحال لدى الهقدف فليس ذلك إلا بكاءاً علي اللبن المسكوب.
عندما تنزل بالشعوب النوازل التي نزلت بنا نحن الارتريين لا يجلسون ساكتين، بل من الطبيعي أن يسمعوا العالم عويلهم وصراخهم مستنجدين من حـَــر ما يجدون. وإذا لبى العالم نداء المستغيثين من الشعوب والمجموعات فليس عن سوء قصد ونية مبيتة للتدخل السلبي ولكن انطلاقاً من روح التعاون والتأثــُّـــر والتأثير. التظاهر المشترك والخطاب الموحد أحد الوسائل التي يمرِّر من خلالها شعبٌ ما رسالة استنجاد الي شعوب وحكومات العالم وهيئاته الدولية، وما مظاهرة جنيف الارترية الأخيرة المساندة لتقرير اللجنة الدولية للتقصي عن أحوال حقوق الانسان في ارتريا إلا تطبيق عملي لهذه القاعدة. لكن ذلك وحده ليس كافياً، إذ ليس بالتظاهرات وحدها تتحقق المطالب، بل بالجدية والاستمرار في العمل والمصداقية والموضوعية في الشعارات المرفوعة. فشعارات جنيف المعارضة كانت تطالب بإيقاف الاضطهاد، العنف والقمع، وتندد بغياب العدل والحكم الراشد، لذلك لن يكون من المعقول الاعتراض عليها، بينما كانت شعارات جنيف الموالية للنظام تنادي بالاستمرار في تلك الأحوال السيئة المتردية الي أبد الآبدين وبالتالي ما كانت لتلقى القبول من أحد.
إن الاستعانة بالآخرين عبر التظاهرات والمذكرات كما فعلنا نحن الارتريين في جنيف وغيرها ليست دعوة الي التدخل الأجنبي وتركه يعبث بالبلاد كيفما شاء، ولكنها طلب مشروع من شعب مضطهد لعون مشروع من المجتمع الدولي بطريقة مشروعة. كذلك هي دعوة للتعاون والتآزر الاقليمي والدولي لمكافحة الشر ونشر الخير، وهذا عين ما فعله دعاة التغيير في جنيف وغيرها. من مبادئ البرنامج السياسي لحزب الشعب الديمقراطي الارتري إتاحة حق التعبير عن الرأي بالتظاهر السلمي، وهو ما يرنو الي تطبيقه في ارتريا الغد. لكن رغم هذه الموضوعية في الطرح والتعبير وما بذلناه من جهد مشروع في طلب العون الأخوي المشروع تحاول القلة الهقدفية إلباس جهودنا السامية غير لباسها. فالدعوة الي عرض قضيتنا علي المنابر العالمية عند هذه الطغمة خيانة وطنية. ومطالبتنا بمعاقبة مسئولي النظام علي جرائمهم بحق الشعب ألبستنا لباس التفريط في السيادة الوطنية. إنهم يرون الاعتراض علي جرائم نظامهم جرماً وخيانة ما بعدها خيانة، ويرون السكوت علي تلك الجرائم دفاعاً عن الوطن والكرامة الوطنية. بمعنى يجب أن نسلم الخيار للهقدف يختار لنا ما نحب وما نكره، وأما إذا حاولنا الاختيار بإرادتنا الحرة فذلك يعني أننا بعنا الحرية والكرامة والسيادة و.....و........الخ من الشعارات الجوفاء.
اليوم نشاهد في الساحة السياسية الارترية من يحاولون الظهور بمظهر المحايد الناقد لكلٍّ من الهقدف ومعارضيه، لكن سرعان ما يقعون في شباك الهقدف، فهاهو تقرير اللجنة الدولية الذي أخرج الهقدف من كهف جرائمه ينزع لباس النفاق الوطني الذي تزيـَّــى به مدعو الحياد هؤلاء، حيث يصفون التقرير وصفاً مجافياً للحقيقة، ويرون في الدعوة الي معاقبة مجرمي النظام بحجم جرائمهم دعوة سافرة للتدخل الأجنبي في شؤوننا الداخلية، ويعدون تظاهرة جنيف تهديداً خطيراً للسيادة الارترية. وتلك كلها أشكال مزخرفة ومموهة من الصور التي يتخفى وراءها الهقدف. لقد أوضحنا سلفاً أن لغير الارتريين لا شك دور في قضايانا لكنه ليس بالدور الوطني البديل لدورنا نحن الارتريين.