“ኣባ ጉንባሕሲ፡ ዘይግራቱ ይኾልል”

2023-04-10 10:33:21 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP Editorial Read 789 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናይ ከባቢና ኣዛረብቲ ኮይኖም ካብ ዝቐነዩ ክስተታት፡ ናይቲ ብሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ናይ ጉዕዞ እገዳ ብዝተወሰኖ ጀነራል ዝምራሕ ልኡኽ ህግደፍ ናብ ኢትዮጵያ ምጋሽ እዩ። እቲ ልኡኽ ኣዛራቢ ዝኾነሉ ተኣምር ዝፈጥር ኮይኑ ዘይኮነ፡ ናይ ህግደፍ ዓቕሊ ጽበታዊ ሸበድበድ ካብ ዘመልክቱ ሓደ ጌርካ ስለ ዝተወስደ እዩ። እዞም ላዕለዎት ጸጥታውን ወተሃደራውን ኣዘዝቲ ብኽንድዚ ብዝሕን ርኡይ ኣገባብን ምጉዓዞም ዘይልሙድ ምዃኑ እውን ነቲ ኣዛራብነት ኣንሂርዎ እዩ።

ጐኒንጐኒ መገሻ ናይዚ ጉጅለ፡ ዝተፈላለዩ ሓደስቲ ምዕባለታት ኣብ ኢትዮጵያ ብምግጣሞም፡ ዝተፈላለዩ ወገናት ምኽንያት ዝበልዎ ግምታት ይህቡ ኣለዉ። ብመሰረት ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን፡ መስርሕ ምምስራት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ምሕዳስ ዝምድና ምስ ፈደራላዊ መንግስትን ጐሊሑ ዝረአ ዘሎ ምዕባለ እዩ። ከምኡ እውን ኣብ መንጎ ብልጽግናን “ብህግደፍ ይሕገዝ ኣሎ” ዝበሃል ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ዝጸንሐ ምስሕሓብ ምግዳዱን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዕጥቂ ናይቲ ፍሉይ ሓይሊ ናይ ምፍታሕ ስጉምቲ ምጅማሩን ካብቶም ጐኒንጐኒ መገሻ ጸጥታውን ወተሃደራውን ኣዘዝቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝተፈጥሩ ተርእዮታት እዮም። ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራውያን ካብቲ ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ዝረአ ዝነበረ ብዝገደደ፡ ብኹሉ ኣቕጣጫታት ብፍላይ ከኣ ብመስመር ኦሞሓጀር-ሑመራ፡ ናብ ኢትዮጵያ ይውሕዙ ምህላዎም እውን ካልእ ኣብ ግምት ዝኣቱ ተረኽቦ እዩ።

ናይቶም ኣዘዝቲ መገሻ ኣጀንዳ ብመንጽር መንነት ናይቶም ልኡኻትን ብሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝተዓደሙ ብምዃኖምን፡ ኣጀንዳኦም  ወተሃደራውን ጸጥታውን ከም ዝኸውን ምግማት ይከኣል። ከምኡ እንተዘይነብር እሞ፡ እቶም ኣዲስ ኣበባ ዝለመዱ ዑስማን ሳልሕን የማነ ገብረኣብን ኣይመተረፉን። እቲ ዕድመ  ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ነበረ፡ “እንታይ ስለ ዝደለየ እዩ ዓዲምዎም?” ዝብል ሕቶ ይለዓል። ነዚ  ሕቶ በቶም ቐጥታ ዝምልከቶም ኣካላትኳ መልሲ እንተዘይተዋህቦ ግምታዊ መልሲ መሃብ ይከኣል እዩ። በዚ መሰረት ንሰለስተ ጉዳያት ከም ዝተዓደሙ ይግመት።

እቲ ሓደ ክኸውን ዝኽእል ምኽንያት፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብመሰረት እቲ ኣብ ናይሮቢ ዝፈረሞ ስምምዕ ሰላም፡ ናይ ወጻኢ ወተሃደራዊ ሓይልታት ካብ ትግራይ ከውጽእ ፈራሚ እዩ። እቲ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ተባሂሉ ኣብቲ ስምምዕ ዝተጠቕሰ ናይ ኤርትራ ምንባሩ ብሩህ እዩ። ህግደፍ ናይቲ ስምምዕ ተጻራሪ እዩ። ኢሳያስ ብወግዒ “ኣሜሪካ ውግእ ኮሊፋትና’ያ” ዝበሎ ዘይዕግበቱ ዝገልጽ እዩ። ከም መግለጺ ናይ ዘይዕግበቱ ድማ ሰራዊቱ ካብ ትግራይ ኣብ ምውጻ ሓንጊዱ ጸኒሑ። እቲ ምሕንጋዱ ክልላዊ ምምሕዳር ትግራይ ብተደጋጋሚ ብዘቕርቦ ክስታት ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝተፈላለዩ ዓለምለኻዊ ትካላት፡ መንግስታትን  ማሕበራትን ዘረጋገጽዎ እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓይልታት ኤርትራ ካብ ትግራይ ብዘይምውጽኡ ተወጢሩ ከም ዝጸንሐ ኩሉ ዝፈልጦ እዩ። ብኻልእ ወገን ነቲ ዝኸተመሉ ስምምዕ ከተግብር ክብል ምስ ኤርትራ ኣብ ረጽሚ ክኣቱ ኣይደፈረን። ስለዚ ነዚ ልኡኽ ዓዲሙ፡ ጋቢ ከዲኑን በትሪ ኣባ ገዳ ኣዕቲሩን ብምቅብጣር ከም ዝወጸሉ ምግባር እሞ “ብሓደ እምኒ ክልተ ዑፍ”  ከም ዝበሃል፡ በቲ ሓደ ወገን ምስ ህግደፍ ዘይምጽላእ በቲ ካልእ ወገን ድማ ምስቲ “ሰራዊት ኤርትራ ኣየውጻእካን” ክብሎ ዝጸንሐ ወገን ንምትዕራቕን በዂርዎ ዝጸንሐ ሓለፋታት ንምርካብን ዝወጠኖ ክኸውን ከም ዝኽእል ርኡይ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ናይ ብልጽግና ፈጻሚ ኣካል ናይ ክልላት ፍሉይ ሓይሊ ዕጥቁ ከውርድ፡ ናይ ኦሮሞ ግና ንዝተወሰነ ግዜ ምስ ዕጥቁ ክጸንሕ ወሲኑ ኣሎ። ብወገን ኣምሓራ ድማ ኣንጻርዚ ውሳነ ብጐንጺ ዝተሰነየ፡ ሓያል ተቓውሞ የርኢ’ሎ። ፈደራል መንግስቲ ነዚ  ውሳነኡ ከተግብር ኣንጻር ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ናብ ምውሳድ ኣምሪሑ’ሎ። ስለዚ ህግደፍ ነዚ ጉዳይ ክርዳእ እሞ ምስ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ካብ ምድግጋፍ ተቖጢቡ ኣብ ጐኒ  ብልጽግና ንክስለፍ ንምዕጋቡ ክኸውን ከም  ዝኽእል  ናይ ብዙሓት ግምት እዩ።

ልኡኽ ህግደፍ እንተኾነ’ውን ካብዚ ዝቐነየ ወደኽደኽን ዳንኬራን ክኸስቦ ዝተለሞ ከም ዝነብሮ ዘይግመት ኣይኮነን። ከምቲ ኩሉ ዝፈልጦ ኣብዚ እዋንዚ ህግደፍ ኣብ ውግእ ትግራይ ገበናት ከም ዝፈጸመ፡ ካብ መንግስቲ ኣሚሪካ ጀሚርካ ክሳብ ዝተፈላለዩ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ትካላት ብቐጻሊ ይኽሰስ ኣሎ።  ኣዘዝቲ ሰራዊቱ ብጽንተት ሰባት ከይክሰሱ ብዝለዕለ ስግኣት ተዋሒጡ’ሎ። ተቐይዶም ናብ ዓለም ለኸ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ከይቀርቡ’ውን ይፈርሕ እዩ። ስለዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብዚ ንምህዳም ወጢንዎ ዘሎ  ንጉዳይ ሰብኣዊ ጥሕሰት ብደረጃ ኢትዮጵያ “ናይ መድረኽ ምስግጋር ፍትሒ”  መህደሚ ንክልቲኦም ዘድሕን ስለ ዝኾነ፡ ህግደፍ በዚ ልኡኹ ኣቢሉ ንብልጽና ከተባብዖ ናይ ግድን እዩ። ካብዚ ወጻኢ ሕሳብ ዘየብሉ ናይ ምዝንጋዕ መገሻ  ነይሩ ጌርካ ምውሳዱ ግርህነት እዩ።

ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ በቲ ሓደ ወገን ናይ መገሻ እገዳ ዘለዎም ከም ኣብረሃ ካሳ ዝኣመሰሉ ምዕዳሙ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ኣብቲ ንዓኣቶም ዘእንገደሉ ድራር ንድሕሪት ተመሊሱ ቋንቋ ውግእን ኢድ ኣእታውነት ህግደፍ ዘመጉስን መደረታት ምቅልሑ፡ ኣብ ቅድሚ ምዕራባውያን ኮነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ ዋጋ ከኽፍሎ እዩ። ምኽንያቱ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ነቶም ኣብ ትግራይ ውግእ ዝመርሑ ጀነራላት ኤርትራ ሎሚ’ውን “ናይ ሕማቕ ግዜ ሰብ ጽቡቕና” እዩ ኢልዎም።

እዚ ጉጅለ ልኡኽ ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝጸንሓሉ፡ መደበር ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ህንጸት ዓብይ ግድብ ኣባይ፡ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ማእከል ፈደራል ፖሊስ፡ ኣብ ክልል ኦሮሞ ዞባ ኣሩሲ ዘሎ መንግስታዊ ሕርሻ ስርናይን ካለኦት ማእከላትን እውን በጺሑ እዩ። ኣብ ማእከልቲ ሰፊሕ ሕርሻ ብዝተሳእሎ መሰረት ኢና ድማ “ኣባ ጉንባሕሲ ዘይግራቱ ይኾልል” ዝበልናዮ። ኣብቲ ዝበጽሕዎ ትካላት ዝገልጽሎም ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን መንእሰያት ክኢላታት፡ ንመብዛሕትኦም ደቂደቆም ምንባሮም ከኣ ንበሓትነት ስልጣን መራሕቲ ህግደፍ ዕርቃኑ ዘውጸአ መስሓቕ ትርኢት ነይሩ። ጀነራላት ህግደፍ ክምቲ ልማዶም ብውሽጦም፡ “ነዚ ስርናይሲ ካብ ዓውዱ እንተትወርሶ” እናበሉ ከም ዘንባህቑ ርዱእ እዩ።

ውሑዳት ተስፋ ዘይቆረጹ ኤርትራዊ ወገናት፡ መራሕቲ ህግደፍ ነዚ ዝበጽሕዎ ትካላት ሪኦምስ “ቅዱስ ቅንኢ” ደኾን ይሓድሮም? ክብሉ ይስምዑ እዮም። እዚ ሕልሚ ቀትሪ እዩ። ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ዘይሃንጽን ዘየልምዕን፡ ናይ ካለኦት ተመኩሮ ስለ ዘይረኣየ ኣይኮነን። ክሃንጽን ከልምዕን ከም ዝነበሮ ድማ ኢሳያስኳ ኣብ ቃለ-መጠይቓቱ ኩሉ ግዜ “ከምዚ ክግበር ነይርዎ” እናበለ  እዩ ኣዝኒ  ሰማዕቱ ዘጽምም። እንተኾነ ሓንሳብን ንሓዋሩን፡ ሃገር ናይ ምህናጽን ምልማዕን ሕልናኡ ዓሪቡ ስለ ዝኾነ፡ በቲ “ዘይቅዱስ” ሕልሙ ምቕጻል እንተዘይኮይኑ፡ “ቅዱስ ሕልምስ” ኣይክሓድሮን እዩ እሞ ንቕበጾ። እቶም ቅዱስ ቅንኢ ሓዲሩና፡ ምጽውዋርን ምክእኣልን ኣማዕቢልና ህዝብና ካብ ጭቆና ከነናግፍ ዝግበኣና ንሕና እቶም ናይ ለውጢ ሓይልታት ኢና።

Last modified on Monday, 10 April 2023 12:42