መንግስቲ ካብ ህዝብን ሃገርን ፈሊኻ ምርዳእ

2023-09-19 08:03:15 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 609 times

ህዝብን ሃገርን ምስ መንግስትን እቲ ሓደ ክለዓል እንከሎ እቲ ካልእ ከይተጠቕሰ ዘይሕለፍ ተቐራሪቦም ዝጥቀሱ ኣካላት እዮም። ፍልልያት የብሎምን ማለት ግና ኣይኮነን። ሃገርን ህዝብን ነበርቲ ክኾኑ እንከለዉ መንግስቲ ግና ይሕመቕ ይጸብቕ መዋእሉ ወዲኡ  ዝሓልፍን ብኻልእ ዝትካእን እዩ። ሃገርን ህዝብን ልኡላዊ መሬትን ነባሪኡን ፈላሊኻ ዝርኣየሎም ኣይኮኑን። ምኽንያቱ ናይ ሓዲኦም ህልውናን ልኡላውነትን ብብኩራት ናይቲ ካልእ ትርጉም ስለ ዘይህልዎም። ኣየነኦም ምውሓስ ይቐድም ኣየናይከኣ ይጽናሕ ኣብ ዝበሃለሉ ከኣ እቲ ሓደ ከተውሕስ እቲ ካልእ ይጽናሕ ዘይበሃሉ ብማዕረ ዝዕቀቡ እዮም።

መንግስቲ ግና ከም ሃገርን ህዝብን ነባሪ ዘይኮነ፡ እቲ ሓደ ክሓልፍ እቲ ካልእ ዝስዕብ እቲ ሓደ ክወድቕ እቲ ካልእ ዝትንስእ ሓደ ዓይነት ኣመጻጸኣን ኣካይዳን ክህልዎ ናይ ግድን ዘይኮነ እዩ። ኤርትራን ህዝባን በቲ በብግዜኡ ክረአ ዝጸንሐ ምዕባለታት እናተጸልዉ ኤርትራ ሃገር ካብ እትኸውን ካብ 1890 ብሓጐጽጐጽ ህልውናኦም ዓቂቦም ክጐዓዙ ጸኒሖም፡ ሎሚ’ውን ኣለዉ ንመጻኢ ከኣ ክቕጽሉ እዮም። መንግስታት ኢጣልያ፡ እንግሊዝ፡ ንጉሳዊ ምምሕዳር ሃይለስላሴን ደርግን እውን ዝተፈላለዩ ፖለቲካውን ምምሕዳራውን ባህርያት ለቢሶም ከበራረይሉ ዝጸንሑ እዮም። እነሆ ሎሚ ድማ ህግደፍ “ናይ መጀመርያ ኤርትራዊ መንግስቲ” ተባሂሉ፡ ንተግባሩን ባህሪኡን ዘይምጥን ስምን መንግስታዊ መዓርግን ለቢሱ ካብቶም  ኣሉታዊ መግዛእታዊ በሰላ ገዲፎምሉ ዝሓለፉ ባዕዳውያን መንግስታት ብዝኸፈአ ንኤርትራን ህዝባን ኩሉ መሰላቶም ገፊፉ ብድኽነትን ስግኣትን ይድህኾም  ኣሎ። ጽባሕ ከኣ ኤርትራን ህዝባን ክቕጽሉ እዮም፡ ህግደፍ ግና ሕማቕ ስምን ጸሊም ውርሻን ገዲፉ ክሓልፍ ናይ ግድን እዩ። ህዝቢ ካብ መንግስቲ ዝፍለየሉ ነባሪ ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ ወትሩ ወጽዓ ኣሜን ኢሉ ዘይቅበል ምዃኑ እውን እዩ። እቲ ህዝቢ ኤርትራ ቅድም ኣንጻር ባዕዳውያን ሎሚ ድማ ኣንጻር ዘቤታዊ ጨቋኒ ጉጅለ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ድማ ናይዚ መርኣያ እዩ።

በቲ ሓደ ወገን ሃገርን ህዝብን በቲ ካልእ ወገን ድማ መንግስቲ ፍልልዮም ኣዝዩ ብሩህ ብምዃኑ ንምውድዳሮም ዘጸግም ኣይኮነን። ከም ህግደፍ ዝኣመሰሉ መንግስታት ብተግባሮም ስለ ዘይተኣማመኑ፡ ምስ ናይ ሃገርን ህዝብን ጸጋን ሰብኣዊ ክብርን ከም ቁርዲድ  ተጣቢቖም ዕድመ ስልጣኖም ናይ ምንዋሕ ሜላ ክጥቀሙ ይፍትኑ። ብዓመጽን ሓይልን ናብ ስልጣን ስለ ዝመጹ ግና ምስ ህዝቢ ዘለዎም ዝምድና ናይ ሰማይን ምድርን ስለ ዝኸውን ንግዜኡ እንተዘይኮይኑ፡ ብህዝቢ ተሓቢእካ ናይ ምንባር ዕድሎም ጸቢብ ስለ ዝኾነ ኣብ ስግኣት እዮም ዝነብሩ። ህግደፍ ሎሚ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ብመሰረታዊ ኣተሓሳስባ ከም ዝተባተኸ ስለ ዝተረደአ እዩ ኣብ ኤርትራዊ ዘይኮነ ኣጀንዳታት ዳምዳም ዝብል ዘሎ።

ህግደፍ ብዘይሕገመንስቲ ዝገዝእ፡ ህዝቢ ናይ “ይኹነና” ቆጽሊ ዘየውደቐሉ፡ ብኢደ-ወነናዊ መንገዲ ዝጐዓዝ፡ ብዓመጽን ጉልበትን ዝመጸ ምዃኑ ባዕሉ እውን ዘይክሕዶ እዩ። ንዓመጹ ንቡር ንምምሳል ከኣ ሕገመንግስቲ ኮነ ምርጫ፡ ከምኡ እውን ልዕልና ፍትሒ መግለጺ ዲሞክራሲ ኣይኮኑን ዝብሎ ከኣ ከምቲ “በዓል ኢንታይስ መስቆርቆሪ” ዝበሃል፡ ንህዝቢ መንገዲ ዓመጽን ብኩራት ዘይምዕሩይ ምምሕዳርን ከለማምዶ ዝገብሮ ፈተነ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ “ንሕና ህዝቢ ንሕና ሃገር፡ ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ” ዝብል  ጭረሖኡ ድማ ግጉይን ሓደ ዘይኮኑ ሓደ ከም ዝኾኑ ጌርካ ናይ ምቕራብ ዘይክውንነታዊ  ሸፈጥን እዩ። ኣይኮነንዶ ከም ናይ ህግደፍ ዝኣመሰለ ብጥልመት ዝመጸን ንጹር ኣካላት መንግስቲ ዘየብሉ ምምሕዳርሲ፡ ብፈቓድ ህዝቢ ዝድይብን ዝወርድን መንግስቲ እውን ማዕረ ናይቶም ዘይሓልፉ ነበርቲ ሃገርን ህዝብን ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ  ንሸፈጥን ምድንጋርን ናይዚ ሓላፊ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዝምልከት ሃዲኡ ግዜ ረኺቡን ኩነታት መዚኑ ከይሓስብ ንምድንጋሩ ብመዝሙር “ንኺድ ጥራይ” ኣድራሻኡ ናብ ዘይፈልጦ ጉዕዞ እዩ ዝደፋፍኦ። እዚ ግና ምናልባት ደኣ ግዝያዊ መዕገሲ ይፈጥር ይኸውን እምበር፡ ህዝቢ ኣንጻር ህግደፍ ከይትንስእ ዝዓግቶ ኣይኮነን። እነሆ’ኳ   ደገፍቱ ናብ ምክልኻል ገጾም የንቆልቁሉ ኣለዉ።

መራሕቲ ህግደፍ፡ ድሕሪ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ስንኩፍ ተንኮል ንመንግስቲ ምስ ሃገርን ህዝብን ኣጣቢቖም፡ ንዝኾነ ናብኣቶም ዝቐንዕ ወቐሳን ተቓውሞን ኣብ ልዕሊ ሃገርን ህዝብን ከም ዝተፈጸመ በደል ኣምሲሎም ብምቕራብ ዝፈጥርዎ ተንኮለኛ ኣካይዳ ሎሚ ኩሉ ተረዲእዎ እዩ። ካብ ቀደሙ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝኾነ መዳይ ናይ ህግደፍ ኢድ ዘይተሓወሶ ንቕሎ ኣይኮነንዶ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ዲያስፖራ’ውን የለን። ንገለ ምንቅስቓሳት ኢድ ህግደፍ ሓቢእካ ናይ ህዝቢ ድዩ ናይ ማሕበረ-ኮም ኣምሲልካ ንምቕራቡ ዝግበሩ ፈተነታት ኣለዉ። እዚ  ከኣ ናይ ህግደፍ ተግባራት ንዝቃወሙ በሃግቲ ለውጢ ወገናት “ናይ ህዝቢ መድረኽ ደፊሮምን ተቓዊሞምን” ዝብል፡ ጸለመ ንምዝርጋሕ መንገዲ ንምጽራግ ዝእለም እዩ።

ህግደፍ ዝብሎን ዝሰርሖን ቅኑዕ መሲልዎም ኣብ ጽንብላቱ ሃንደፍ ኢሎም ኣትዮም ናይቲ መጻወድያኡ ግዳይ ዝኾኑ ንጹሃት ኣይሰኣኑን እዮም። ምስቶም ኮነ ኢሎም ፈትዮም ኣገልገልቲ ህግደፍ ክኾኑ ዝወሰኑ ከኣ ይልከሙ። መድረኻት ህግደፍ ከምቲ ዝዝመረሎም ንህጻናት ባህሊ ሃገሮም ዝምህሩ ዘይኮኑ፡ ኣብ ርእሲቲ ዝጉስጉስዎ ጽልእን ንካለኦት ምንእኣስን፡ ከመይ ጌርካ ተዋጋይ ከም ዝኽወን ኣብ ስደት ንዝዓብዩ ህጻናት ዘለማምዱ እኩያት ምዃኖም ተራእዮም እዮም። ስለዚ ቅድሚ “ስለምንታይ ኣእማን ተደርብዩና?” ኢልካ ምምራር ናብ ከመይ ዝኣመሰለ ናይ ሸርሒ ዳሳት ትኣቱ ከምዘለኻ ምስትውዓል ኣገዳሲ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ “ኮፍ መበሊ ጸይቖምስ ምስ ዓዳላይ ይበኣሱ”  እዩ ዝኸውን።

ስለዚ እቶም በቲ ህግደፍ ዓይኑ ብጨው ተሓጺቡ፡ ሃገር፡ ህዝብን መንግስትን ሓደ ኣምሲሉ ብምቕራጽ፡ ኣንጻር ጸረ ህዝቢ ተግባሩ ንዝቃለሱ ወገናት፡ ኣንጻር ህዝብን ክብሪ ሃገርን ከም ዝተሰለፉ ኣምሲሉ ብምቕራብ፡ ከጽለኦምን ክንጽሎምን ዝፍትኖ፡ ብመሰረቱ ጌጋ ስለ ዝኾነ፡ ኤርትራውያን ፖለቲከኛታት ከሰንይዎ ኣይግባእን። እዚ ማለት ግና ክእረም ዝግበኦ ጉድለታት ኣይተኣረም ማለት ኣይኮነን። እቲ ዘይሓልፍ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ከም ናይ ቅድሚ ሕጂ ጽንዓቱ፡ መሳርሒ ናይ’ቲ መላገጺ ጉጅለ ምእንቲ ከይከውን፡ ኣብቲ ዘይምልከቶ ወፍርታት ህግደፍ “እዚሲ ነዓይ ዝምልከት ኣይኮነን”  ዝብል ድምጹ ከስምዕ ይግበኦ። እቲ ዝዳሎ “ናይ ህዝቢ” ዝብል ስም ዝወሃቦ መድረኻት፡ ብሓቂ ኤርትራዊ እንተኮይኑ ድማ ብዘይኣፈላላይ ንኹሉ ኤርትራዊ ዘሳትፍን ኩሉ ኤርትራዊ ኣተሓሳስባ ብማዕረ ዘተኣናግድን ክኸውን ይግበኦ።

Last modified on Tuesday, 19 September 2023 10:18