ህግደፍን ፈላሊኻ ናይ ምግዛእ ስልቱን

2023-09-29 16:11:00 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 654 times

«ፈላሊኻ ግዛእ» ዝብል ፖለቲካዊ ስልቲ ገዛእቲ ስርዓታት ዕድመ ስልጣኖም ንምንዋሕ ወይ ግዝኣቶም ንምስፍሕፋሕ ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ኣገባብ እዩ። ሎምውን እንተኾነ ጨቆንቲ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ጋና ዘይማዕበለ ህዝብታት ዝጥቀሙሉ ዘለዉ ኮይኑ፣ ሓደገኛ ስልቲ እዩ። ምኽንያቱ ነቲ ሰሚሩን ሓደ ኮይኑን ብምስራሕ ከይሕይል እሞ ኣንጻሮም ንኸይለዓል ዘስግኦም  ህዝቢ፡ ንባህርያዊ ፍልልያቱ መዝሚዝካ፣ ወይ ከኣ ዘይነበረ ፍልልያት ምሂዝካ ነንሕድሕዱ ኣብ ጽልእን ባእስን ተጸሚዱ ከምዝነብር ይገብርዎ። ከም ሃይማኖታዊ፣ ብሀራዊ፣ ጂኦግራፊካዊ፣ ዝኣመሰሉ ባህርያዊ ፍልልያት፣ ዘይምዕሩይ መነባብሮ፣ ህልውና ዝተፈላለየ ፖለቲካውን ምምሓዳራውን ውዳቤታትን ካልእን ናይ ሓደ ህዝቢ፣ ንፖሊሲ ፈላሊኻ ግዛእ ቅዱው ባይታ ክፈጥሩ ካብ ዝኽእሉ ተመዝመዝቲ ፍልልያት ክጥቀሱ ይኽእሉ። ኤውሮጳውያን ገዛእቲ እውን ንኣፍሪቃ ጎዛዝዮም ንነውሕ ግዜ ብዘይ ዝኾነ ሓያል ከባብያዊ መኸተ ክገዝእዋ ዘኽኣሎም ንፖሊሲ ፈላሊኻ ግዛእ ኣጽኒዖም ስለዝተጠቅሙሉ እዮም።

ኩለን ኣብ ትሕቲ ባዕዳውያን መግዛእቲ ዝነበራ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ መግዛእቲ ናጻ ኣብ ዝወጻሉን ልኡላውነተን ኣብ ዝኣወጃሉን ግዜውን እቲ ኤውሮጳውያን ገዛእቲ ዘስረጽዎ ጽልእን ናይ ጽልኢ ፍልልያትን ከምቲ «ዓሻ ዝተኸሎስ ለባም ነይነቅሎ» ዝበሃል፣ ቂጺሉ ጥራሕ ዘይኮነ ንህዝብታት ኣፍሪቃ ብቀጻሊ ብዙሕ ዋጋ ከኽፍሎ ይርከብ ኣሎ። እቲ ዝኸፍአ ግን ዘበታውያን መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ንስርዓት ህግዲፍ ብቅድሚት ሰሪዕካ፣ ነዚ ናይ ፈላሊኻ ግዛእ ሜላ ኣብ ሊዕሊ ገዛእ ህዝብታቶም ሊዕሊ ባዕዳውያን ገዛእቲ ይጥቀሙሉ ምህላዎም እዩ።

ኣብ ታሪኽ ተጋድሎና ተመሊስና እንተተዓዚብና፣  እቲ ካብ ተጋድሎ ሓርነት ተፈልዩ ንናይ ሎሚ ህግዲፍ ናይ ትማሊ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ዝመስረተ ጉጅለ፣ ከም መፍለዪ ምኽንያትን መትከሊ እግርን ዝተጠቀመሉ ስልቲ እዚ ስልቲ ነይሩ። ንሱ ድማ ንውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ከም ናይ ኣስላምን ናይ መታሕትን ገርካ ብምግላጽ፣ እዚ ውድብ እዚ ንሓዋሩ እውን ንህዝብታት ከበሳን ኣመንቲ ክርስትናን ሓደገኛ ከምዝኾነ ዝእምት ውዲት conspiracy ብምእላም እዩ ነይሩ። እዚ ጉጅለዚ ነዚ ፈላላዪ ውዲት ንኽጥቀም ዝመዝመዞ ኲነታት ምስ ምቋም ሰውራ ተዛሚዱ ዝተራእዩ  ከባቢ ዝዓደሎ ጂኦግራፍያዊ ውህብቶን ሕጽረታት ሰውራን እዩ ነይሩ። ህዝቢ ኤርትራ ንናይ ናጽነት ቃልሱ ካብ ፖለቲካዊ ናብ ብረታዊ ሰውራ ከሰጋግር ኣብ ዝተሰማማዓሉ ግዜ እቶም ቀንዲ ሃንደስትን ኣወሃሃድትን ናይቲ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ኤርትራ ዝርከቡ ናይ ክልቲኡ ሃይማኖታት ኣመንቲ እዮም ነይሮም። እቲ ብረታዊ  ቃልሲ ዝተወልደሉን፣ ጀመርትን ተወደብት በዂሪ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ሜዳ ግን፣ ኣብ ባርካ ብናይቲ ከባቢ ተወለድቲ  ነይሩ። እዚ ማለት ኣብ መጀመርታ ውድብ ተጋድሎ ሓርነት፣ ተሳታፍነት ናይ ካልኦት ኣውራጃታት ክሳብ ጎሊሑ ዝረአ መርሕነቱ ኮነ ኣባላቱ መብዛእትኦም ደቂ መታሕትን ኣመንቲ ምስልምናን ክኾኑ ባህርያዊ ነይሩ።

መስረትቲ ህዝባዊ ግንባር ካብ ዝኾኑ ጉጅለታት ኣብ ዝተፈንጨለሉ እዋን ግን ተሳትፎ ኩለን ብሄራትን ክልቲኡ ሃይማኖታትን ብርኩትን ርኡይን እኳ እንተነበረ፣ እቲ ጉጀለ ድሮ ንሕና ዕላማናን ዝብል ጽንሰ ሓሳብ ሒዙ ንነውሕ ግዜ መሪሹ ስለዝጸንሐ፣ ንዘእመኖ አእሚኑ ንኽፍንጨል ኣይኣገሞን። ድሕሪ ምፍንጫሉን ውድብ ምዃኑን እውን ንምፍንጫሉ ምኽኑይ ንምግባር፣ ካብ ህዝቢ ከበሳ ኣመንቲ ክርስትናን ዝኾኑ ናብ ውድቡ ንምዕሳል፣ ነቶም ግዳይ ናዚ ውዲት ብምዃን ኣብ ክልተ ውድባት ዝተመቅሉ ደቂ ሓንቲ ሃገርን ኣብ ቀጻሊ ጽልእን ምትፍናን ንምሓዝን ክጥቀመሉ ጸኒሑ እዩ። ድሒሩውን ከምቲ ኣብ ንሕናን ሕላማናን ዝብል ሰነዳቶም ብጹሑፍ ኣስፊሮሞ ዘለዉ፣ ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ንተጋደልታ ንዝኾነ ዝረኸብዎ ኣማኒ ክርስትና ክቀትልዎ ትእዛዝ ኣማሓላሊፋ ዝብል ካልእ ውዲት ኣብ ሊዕሊ ውዲት ብምእላም ነቲ ዝጸንሐ ፍልልይ ኣብ ሓድሕዳዊ ውግእ ኣሰጋጊራቶ። ውግእ ሕድሕድ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ እንታይ ከምዘኽፈሎ፣ ቃንዛኡን በሰላኡ ጋና ዘይሃሰሰ ስለዝኾነ ሕጂ ምዝርዛሩ ኣየድልየናን። 

ኣብታ ዝመስረትዋ ውድብ ከይተረፈ፣ ነቲ ጸቢብ ጉጅላዊ ዕላምኦም ዝጻባእ ሓይሊ ንኸይፍጠር፣ ነቶም ሰብኪዳን ጸቢብ ዕላማ ዝኾነ ጉጅለ እተገልግል ሕብእቲ ሰልፊ ብምፍጣር፣ ምሁርን ዘይምሁርን፣ ኣውራጃውን ሃይማኖታውን ፍልልያት እንዳኣጋጨዉ፣ ንገለን የሚን፣ ንገለን መንከዓን፣ ንገለን ትሕተ ሃገራውያን ዝብል ውዲታት እንዳ ኣለሙ፣ ንኹሎም ጸለውቲ ዝኾኑ ሰብ በሊሕ ኣእምሮን ሃገራዊ ጠመተ ዝነበሮምን ጀጋኑ፣ ብስዉርን ግሁድን ቅንጸላ ከምዘጥፍእዎም እቶም ናይ ትማሊ እሙናት መገልገልትን ፈጸምትን፣ ኣብ ስደት ዝርከቡ ኣባላት ናይቲ ስርዓት ዝነበሩ ብጭብጥታት ኣሰንዮም ዘዘንትውዎ ዘለዉ ሓቂ እዩ።

ወዲ ድሙስ ነይገድፍ ግብሪ እሙ ከም ዝበሃል፣ ድሕሪ ነጻነት ኤርትራውን ነቲ ኣብ ሜዳ እንከሎ ንጸቢብ ዕላምኡ ዘዐወተ ፈላሊኻ ናይ ምግዛእ ሜላ፣ መንግስቲ ኮይኑ እውን ኣይገደፎን። እኳ ደኣ ኣደልደሎ። ኣብቲ መጀመርታ ኣብ መታሕት ንዝረአ ዝኾነ ምንቅስቓስ ከም ጀሃዳዊ፣ ኣስላማዊ፣ 5ይ መስሪዕ ዝብል ናይ ጠቀነ ኣስማት ብምጥማቕ፣ ፍልልያትን ዘይምትእምማን ዝያዳ ከጋፍሕ ፈተነ። ኣብ ከበሳታት ንዝረአ ምንቅስቓሳት እውን ትሕተ ሃገራውነት ዝብል ስያምየታት ብምሃብ ብህዝቢ ተነጽሎ ከምዝረክብ ገበረ። ነዚ ፈላላዪ ውዲታት ኣብ ህዝቢ ብምስራጽ ድማ፣ መንግስቲ ዋላ ኣብ ሊዕሊ ንመነባብሮናን ስንክልናና ዝምጥን ምምሕያሽ ይገበረልና ንዝበሉ ኣካለ ስንኲላን ከይተረፈ ብጥይት ክቕንጽል እንከሎ፣ ህዝቢ ግልጽ ኢሉ ከምዘይዛረብ ገበሮ። ወረ ኣብ ገሊኡስ ንዝኾነ ዘይሕጋውን ገበናውን ስጉምትታቱ ህዝቢ ብጣቅዒትን ስሓቅን ከምዝቅበሎ ስለዝገበረ ኣሻዲንዎ እዩ።

ድሕሪ 2001 ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ መንእሰይ ኣካል ድማ ብፍላይ፣ ብሓደ ወገን ነቲ ዓንዳርን ዘይሓላፍነታውን ኣካይዳ ናይቲ መላኺ ስርዓት ብግቡእ ተረዲኡ፣ ብኻልእ ወገን ድማ ሃገራዊ ኣገልግሎ ዝብል ሽፋን ዝለበሰ ገደብ ኣልቦ ዝኾነ   መግዛእቲ መሪርዎ ሃገር ራሕሪሑ ብብዝሒ ንስደት ዘምረሐ ኣካል ብኸዳዕ፣ ጠላም፣ ማዳ ሃገር፣ ሰኸም ሃገር፣ ስሱዕ ወዘተ ዝብሉ መግለጺታት እንዳ ሃበ ካብ ህዝቢ ከነጽሎም ክፍትን እንከሎ፣ ንወለዶም እውን ከም ንስደቶም ዝተሓባበሩ ገሩ ብምውንጃል፣ ኣብ እስር ቤታት ዳጒኑ፣ ሊዕሊ ዓቅሞም ዝኾነ ናይ ገንዘብ ክፍሊት ሸኒኑ ከሳቅዮምን፣ ኣብ ከባቢኦም ከም ወለዲ ከዳዓት ክራኣዩ ክገብር ጽዒሩ። እንተኾነ ስርዓት ህግፍ ዝበለ እንተበለ፡ ጉዕዞ ስደት ብውልቀሰባት ዝጀመረ፣ ክሳብ ብ1000 ዝቁጸሩ መንእሰያት፡ ህጻውንትን ስድራ ቤታትን ካብ ሃገር ጠቕሊሎም ኣብ ናይ ምውጻእ ደረጃ ተሰጋገረ።ስርዓት ህግደፍ ግን ሕጂውን ካልእ ብልሓት ብምፍጣር ነቲ መነባበሪኡ ዝኾነ ፈላሊኻ ናይ ምግዛእ ሜላ ኣብ ሊዕሊ ኣብ ድያስፖራ ዝርከብ ህዝቢ ኣስሪጹ ክጥቀመሉ ይርከብ። ኣብ ምዕዋት ናይዚ ፈላሊኻ ናይ ምግዛእ ሜላ ኣብ ድያስፖራ ከም ቀንዲ ትካላት ዘገልግላ፣ ካብ ዝለዓለ ክሳብቲ ዝተሓተ ስራሕተኛታት ኤምባስታት ናይቲ ስርዓት  ገለ መራሕቲ ሃይማኖትን ኣካየድቲ ኣብያተ ክርስትያናት፣ ብደገፍቲ ናይቲ ስርዓት ዝቆማ ማሕበረ ኮማትን እቲ ስርዓት ዝምውለን ብስም ውልቀሰባት ዝካየዳ መራኸቢ ብዙሓትን እዮም።

እቶም ካልኦት ንምዕዋቱ ዋኒን ተዋሂቦም ዝተዋፈሩ ድማ፣ ጫለዳ መልሓስ ዝውንኑ መደርቲ፣ ስነጥበባውያንን ወነንቲ ብሕታውያን መራኸቢ ብዙሓ ዝኾኑ ውልቀሰባትን እዮም። እታ መውጽኢ ልሳኖም ዝኾነት መደናገሪትን ደርፊ ድማ ሃገር ልዕሊ ኩሉ፣ ብማለት ንስርዓት ህግደፍ ምስኩሉ ናይ ሎምን ትማልን ገበናቱ ዝቅበልን ዝድግፍን ከም እሙንን ጽኑዕን ኤርትራዊ ሃገራዊ  ገርካ ምግላጽን ምውዳስን’ያ።

ንስርዓት ህግደፍን ኣበራቱን ንዝነቅፍ፡ ዝቃወምን ለውጢ ዝጠልብ ግን ከም ከዳዕ፣ ዘይሃገራዊ፣ ልኡኽ ናይ ግዳም ሓይልን ስነ ምግባር ዘይብሉ ዘይእዱብን ኣምሲልካ ምግላጽን ናብ ባእስን ምጭኽኻንን ምዕዳም እዩ። ውጽኢት ናይዚ ድማ ኣብዘን ዝሓለፋ 4 ኣዋርሓ ኣብ ዝተፈላለያ ናይ ኤውሮጳ፣ ካናዳ፡ ኣመሪካን ኣወስትራልያን ከተማታት ኣብ መንጎ ደገፍትን ተቃወምትን ናይቲ ስርዓት ዝኾኑ ወገናት ዝተራእየ ምርጻምን፣ ዘስዓቦ ሰብኣውን ንዋታውን ኪሳራን፣ ኣበየ ሃገሩ ኣብ መስሪሕ ዝርከብ ሕጋዊ መዘዛቱን ንኹሉ ሃገርን ህዝብን ሕመረቱ ዝገበረ ኣመለኻኽታ ንዘለዎ ዘሻቀለ ጉዳይኳ እንተኾነ፣ ንስርዓት ህግደፍ ግን መፍቶቱ ዝኾነ ዝለምዐ መፈላለይ ለሰ ረኺቡ። ወይልኡ ህዝቢ ኤርትራ እምበር፡ ስርዓት ህግዲፍስ ሕጂውን ብዝሓለፈ ሕድሕድ ምቅትታልን ውግእን ዝኸሰሮ ስለዘይብሉ፣ ነዚ ኣብ ዲያስፖራ ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ኤርትራውያን መንእሰያት፣ ነንሕድሕድካ ምቅትታልን ምጭኽኻን ዝያዳ ከባርዖን ከስፍሖን እንተዘይኮይኑ፡ ሓልዮት ተሰሚዕዎ ህዝባዊ ሓልፍነት ወሲዱ ኣብ ምህድኡ ተራ ከምዘየበርክት ክንግንዘብ ኣሎና። እንተዘይኮይኑ፣ ግደፍዶ ከም ህግደፍ ዝኣመሰለ ጨቛኒ ሓይልስ፤ ኣብተን ብመረጻ መራሕተን ዝሸማ ሃገራት’ውን ምቅዋምን ምድጋፍን ንቡር ፖለቲካዊ መስርሕ እዩ። እቲ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣቱ ግን ልኡላዊ ክብሪ ህዝብን ሃገርን እዩ። ኣብዚውን ዋላ ፍልልያት እንተተራኣየ ሃገራዊ ጉዳይ ብምዃኑን ንኹሉ ወዲ ሃገር ብማዕረ ስለዝብጽሖ፣ ብስልጡን ፖለቲካዊ ልዝብ ክማሓደር ቀዳማይ ተመራጺ ኣገባብ እዩ። ብባህሪኡ ነዚ ዘይቅበልን ኣብ ዕግርግርን ህውከትን ዝነብር ግን ስርዓት ህግደፍን መሰልቱን እዮም።

ኣብ መወዳእታ፡ ደለይቲ ለውጢ ኤርትራውያን ብፍላይ፣ እቶም ብዝተፈላለየ ጠቕምታትን ስምዒታትን ነቲ ስርዓት ዝድግፉ ዘለዉ ዜጋታትድማ ብሓፈሻ፣ ስርዓታት ሓለፍትን ወደቕትን ምዃኖም ተገንዚብና፣ ማእከልና ነቶም ንዘለዓለም ነበርቲ ዝኾኑ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ክገብር፣ ህዝቢ ኤርትራ ዝኸፈሎን ዝኸፍሎ ዘሎን ሂይወት ብዙሕ እዩ’ሞ ይኣክል ክንብል ኢና ነተሓሳስብ።

  

Last modified on Friday, 29 September 2023 18:14