ደቂ ደቅኻ ንፍትሒ እናመረሹ፡ ክስዕስዕ ሓልወኒ

2023-10-05 22:09:42 Written by  ክፍላይ ተኪአ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 617 times

ዝኸበርካ ኤርትራዊ፡ ኣርእስተይ ተኸቲለ ኣብ ኩነታት ሃገረይ ተመርኲሰ ሓሳባተይ ከስፍር እንከለኹ ንግዚኡ ሕልናዊ ዕረፍቲ ይህበኒ። ምኽንያቱ ወዲ-ሰብ ሃገርን ህዝብን ሕብረተ-ሰብን ስለ ዝኾነ፡ ንኩነታቱ ሓታትን መላስን ጸሓፍን ክኸውን ሓላፍነት ኣለዎ።

ዝኸበርካ/ኪ ኤርትራዊ/ት፡ ንሕና ደቂ ሰባት ብርግጽ ካብ ሓቂ ርሒቕና፡ ኣበየናይ ኩነታት ከም ዘሎና ይርድኣና ድዩ? ኣነ ከም ጸሓፋይን ሓሳብ ኣቕራብን ከም ኤርትራዊ እናኣተሓሳሰበኒ ብምስትንታን፡ ደጊመ ኣንታ ለባም የሎን ድዩ? ክብል ከኣልኩ። ምኽንያቱ ነቲ ዝነበረ ኩነታት ንምህዳኣ ኮይኑ፡ ግን ብቀጥታ እንታይ ኢልካ ኣብ ክንዲ ምሕሳብ፡ ምስ ደቂ ደቅኻ ኣብ ጎነጽን ብዕሉግ ዝኾነ ጸርፍታትን እሞ ከኣ ነቶም ዝወለድካዮም ደቅኻ: ብጣዕሚ ዘሕፍር’ዩ። ኣብዚ ክርደኣኩም ዘለዎ፡ ብርጌድ ንሓመዱ ንሕጊ ኣማእኪሉ ጉዳዩ ዝገብር ከም ኣጋጣሚ ጐነጻት ክርአ እንከሎ፡ እቲ ጐነጻት ብኣጋ እቲ ፍቓድ ዝህብ ከተማ ደው ከብሎ እንተዝኽእል ዝሓሸ ምነበረ። ግን ህልኻት ዝተሓወሶ ኣነ ክስዕስዕ ፖሊስ ሓልወኒ፤ እዝስ ምስ ምንታይ ይቝጸር፡ እሞ ከኣ ንመንእሰይ ደቅኻ ንፍትሒ እናተቓለሱ፡ እዚ ድማ ምእንቲ መሰልን ማዕርነትን ህዝቡ ዝቃለስ ዘሎ መንእሰይ ክንሱ።

ዝኸበርካ ኤርትራዊ/ት ምስ መን ኢኻ ትጋራጮን ትተሃላለኽን ዘሎኻ። እዚ ውጹዕ መንእሰይ በቲ ስርዓት ሽግርን መከራን ዝረኸበ፡ ካብ ሃገሩን ካብ ዝፈትዎም ስድራ-ቤቱን ካብ ሕብረተ-ሰቡን ግቡእ ኣተዓባብያ ዘይረኸበ፡ ብትምህርቲ ከይዓቢ ኣብ ኣገልግሎት ዝበሊ፡ መጻኢ ዕድሉ ክጥምት ዘይክእል፡ ብሓፈሻ ኩሉ ኤርትራዊ ዓቢኡ ንእሽቶኡ ነታ ዝፈትዋ ሃገሩ ሃዲኡ ከይነብራ፡ ብሰንኪ ሕማቕ ማሕድሮ ሕግን ስርዓትን ዘይምህላዉ፡ መንእሰይ ወለዶ ዓቕሉ ስለ ዝጸበቦ፡ ወዲ ሰብ ከኣ መወዳእታ ስለ ዘለዎ ሃጽ ኢሉ ካብ ስደት ናብ ስደት ካብ ሞት ናብ ሞት ብኣጨናቒ ጉዕዞ እናሰገረ፡ እዚ ውጻእ መዓት ዝኾነ በቲ ኩሉ ሽግራት ሓሊፉ ኣብ ስደት ዝነብር ዘሎ’ዩ።

ዝኸበርካ ኤርትራዊ፡ እዚ ወሎዶ’ዚ (ብርጌድ ንሓመዱ) ሕራነኡ እቲ በብሓደ ጠቒሰዮ ዘለኹ፡ ውጽኢት ናቱ’ዩ። ስለዚ ብርጌድ ንሓመዱ ማዕበል ህዝቢ’ዩ። ኣንታ ሰብ፡ መዋእልካ ኣብ ባርነት ክትነብር ማለት እንታይ ማለት’ዩ? ኣብ ታሪኽ ሕብረተ-ሰብ ኣይተሰምዐን። ኣነ ከም ሓሳብ ኣቕራቢ ከም ሰብ ይገርመኒ፡ ከም ኤርትራዊ ድማ እሓፍር። ተመሊሰ ንኣእምሮይ ሓተትኩ። ክሳብ ክንድዚ ድንቁርና ኣሎድዩ ክብል ድማ ተገደድኩ። ኣብዚ ከስምረሉ ዝደሊ፡ ህዝቢ ኤርትራ ን32 ዓመታት ኣብ መከራን መግለጺ ዘየብሉ ከርፋሕ ሂወትን ይነብር ኣሎ። ኣብዚ እቲ ዘገርም፡ ኣንቱም ነቲ ስርዓት እትድግፉ ዘሎኹም ንስኻትኩም ንባዕልኹም መሰልኩም ዝተገፈፍኩም፡ ምንባር ዝተኸላእኩም ኣብ ስደት እትነብሩ ዘሎኹም ኢኹም። እንተኾነ ናትኩም ነገር ንዓለም ዘገረመ፡ ንለባም ኤርትራዊ ዘስደመመ፡ ንባዕለን እተን ተሰዲድኩሙለን ዘለኹም ሃገራት ነቲ ስርዓትን ሕግን ዘይብሉ ብምድጋፍኩም፡ እዞም ሰባት እዚኦም ኣብ ስለምንታይ ኣብ ዓዶም ዘይነብሩ ዝብል ትንተና በጺሖም ኣለዉ። እዚ ድማ እቲ ሓቀኛ ኣበሃህላ’ዩ። ኣነ ከም ጸሓፍን ሓሳብ ኣቕራብን፡ ወዲ-ሰብ ኣብ ባርነት ክነብር ዝደሊ የሎን፡ እሞ ከኣ ኣብዚ መበል 21 ክፍለ-ዘመን። ኣነ ከም ሰብ እናገረመኒ ኣኣእምሮኹም ተመሊስኩም ኣዛርብዎ: ንመጻኢ ወሎዶ ሕሰቡ ክብሪ ይሃልወኩም፡ ኩሉ ሰብ ሓላፊ’ዩ፡ ጸሊም ታሪኽ ገዲፍካ ምሕላፍ 2 ሞት’ዩ እብል።

ዝኸበርካ ኤርትራዊ፡ ኣብ ሓሳባተይ ገለ ከስፍር እደሊ፡ ንሱ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ወርሓት መገሻ ናይቲ ስርዓት ብዳንኬራን ከበሮን ማዕከናት ናይቲ ስርዓት ብዙሕ ጨዲረን’የን። ንህዝቢ ኤርትራ ግን ብዙሕ ኣየገረሞን። ምኽንያቱ ን32 ዓመት ዘረብረቦን ኣብ ከርፋሕ ሂወት ዘንብሮ ዘሎን ስለ ዝኾነ። እዚ ከኣ ወንጮ እንተገልበጥካዮ ወንጮ እዩ። እዚ ስለ ዝኾነ ወድኻ መንእሰይ ወለዶ (ብርጌድ ንሓመዱ) ማዕበል ህዝቢ ኮይኑ ንፍትሒ ዝቃለስ ዘሎ፡ ስዓበኒ ይብለካ’ሎ።  

ዝኸበርካ ኤርትራዊ ኣብ መወዳእታ ጽሑፍ ሓሳባተይ፡ ሃገር ህዝቢ ህዝቢ ድማ ሃገር፡ ቅዋም ሕግና ዓንዲ ሕቖ ማሕድሮና፡ ሰብኣዊ ክብርና ናይ ኩሉ ኤርትራዊ’ዩ ክብል እደሊ።  

ሰላም ንህዝቢ ኤርትራ

ሰላም ንህዝቢ ዓለም  

 

Last modified on Friday, 06 October 2023 00:13