ዕላማ ቃልስና ነነጽር

2023-10-07 18:54:23 Written by  ሓተታ ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 543 times

ህዝቢ ኤርትራ 1 መስከረም 1961 ብረታዊ ቃልሲ ክፍልም እንከሎ ዕላማኡ ንናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ኣነጺሩ እዩ ተበጊሱ። ነታ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላቱ ብነጻነት ዘስተማቕረላ፣ ኽብርታቱን ሕግታቱን ሓልዩ፡ ባህልታቱን ወግዕታቱን ኣጽኒዑ፣   ዝነብረላን፡ ሰሪሑ ብራሃጹ ክዓብየላን ክምዕብለላን ዝግብኦ መረበቱ ዝኾነት ሃገሩ ካብ ጎበጣ  ስርዓት ኢትዮጵያ ነጻ ንምውጻ እዩ ነይሩ። እቲ 30 ዓመታት ዝወሰደ ጉዕዞ ቃልስን ዝተኸፍሎ ረዚን ዋጋን እውን ናብቲ ክብጻሕ ዝተደልየ ዕላማ ዘነጻጸረ ነይሩ። ውዳቤኡ፣ ውህደቱን ቅኒቱን ንሓደ ንጹር ሃገራዊ ዕላማ ስለዝነበረ ድማ ኣላሽ ኣይበለን። የግዳስ ምስ ኩሉ ዝነበሮ ሰብኣዊን ንዋታውን ሕጽርታት፣ ክሳብ ዓንቀሩ ምስዝዓጠቐ ሰራዊት መግዛእትን መሻርኽቱን ገጢሙ፣ ኩሉ ዝጠለቦ ዋጋ ከፊሉ፣ ነቲ ዓለም ሕልሚ ዝበለቶ ብቅልጽሙ  ዕላማኡ  ብምጭባጥ፣ ክልተ ግዜ ኣዛሪቡ።

   

እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ ኣብታ ብቓልሱ ናጻን ልኡላዊትን ዝኾነት ሃገሩ፤ እዚ ድሕሪ ነጻነት ረኺብዎ ዘሎ ጥልመትን ክሕደትን በቶም ካብ ከርሱ ዝወጹ መራሕትኻ ኢና ዝብልዎ ዘለዉ ከጋጥመኒ ይኽእል እዩ ዝብል ትጽቢት ኣይነበሮን። ንናጽነት ሃገሩ ተቃሊሱን ኣቃሊሱን ህይወት ኣሽሓት ዜጋታቱ በጃ ብዝኸፈለ ውድብ ክጥለም እውን ኣይተጸበየን። ኣብ ክንድኡ ከምቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ደጀን፣ ዕጥቅን ስንቅን ዝኾኖ፣ ኩሉ ኣብ ውሽጥን ደገን ዘሎ ህዝቢ ድሕሪ ናጽነት ሃገር ንሕውየትን ዳግመ ህንጸት ሃገሩ ተስፋን ድልየትን ኣቐዲሙ ኣብ ጎኒቲ ዝበቆለ ስርዓት ዕጥቁ ኣደልዲሉ ተበገሰ። ኩሉ ኣቃልቦኡ ኣብ ህንጸተ ሃገር ስለዘድሃበን፡ ኣብ ስርዓት ህግዲፍ እዚ ዘይበሃል ግርህነታዊ እምነት ስለዘሕደረን ከኣ፡  ህግዲፍ ናብዚ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ፍጹም ምልኪ ከይሰወደ እንከሎ ናይ ምክትታሉን  ብኣግኡ ዓገብ ናይምባሉን ዕድላት ኣምለጦ።

    

ጨካንን ጠላምን ስርዓት ህግዲፍ ድማ ንለዋህነትን ግርህነትን ህዝቢ መዝሚዙ፣ በዓል ዳሓን ተመሲሉ ቀስ ብቀስ ንህዝቢ ኩሉ መሰረታዊ ዲሞክርስያዊ መሰላቱ ሓሪሙ፡ ኣብ ቲሕቲ ጽኑዕ ኣርዑት ምልኪ ቆረኖ። ብሄር፡ ሃይማኖት፡ ኣውራጃ፡ ዕድመን ጾታን ከይፈለየ ንኹሉ ብማዕረ ብቐጢን ትእዛዝ ኣገልጋሊ ምልኩ ከምዝኸውን፡ ንዓንዳርን ጻሕታሪ ሁከት ዝኾነ መደባቱን ናይ ህይወት ዋጋ እና ኸፈለ ከምዝነበር ገርዎ ይርከብ።

ሕጂውን ቀንዲ ጠንቅን መበገስን ሓርነታዊ ቃልስና ወጽዓ ህግደፍ እዩ። ብብሄረይ፡ ብሃይማኖተይ፡ ብዞባይን  ካልእን ተበዲለ ንዝብል ኩሉ፡ እቲ በዳልን ወጻዕን ኣካል ሓደ እዩ። ንሱ ድማ ስርዓት ህግዲፍን ንሱ ዝፈጠሮ ኲነታትን እዩ። ከምቲ ሽግርና ሓደ በደሊና እውን ሓደ ዝኾነ ድማ ዕላማ ቃልስናውን ሓደ ኮይኑ፣ ኣወዳድባና እውን ምስ ዕላማና ዝተቃነየ፣ ሓባራውን ሃገራውን መልክዕ ዝሓዘን ቀዳምነታቱ ዝሰርዐን  ክኸውን ምተገብኤ። ምኽንያቱ ሓባራዊ መፍትሒ መከራና ንስርዓት ምልኪ ካብ ሱሩ ጸራሪግካ ብምጉሓፍ ብቅዋማውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ምትካእ ስለዝኾነ።

ኲነታት  ደምበ ተቓውሞ ንዝተዓዘበ፡ ኣወዳድባናን ዘሳሓሕቡና ኣጀንዳታትን ኣብ ግምት የእቲኻን ግን፣ ሰብ ሓደ ዓይነት ሽግርን፣ ዕላማን ምዃና  ዘመስክር ኣይኮነን። እቲ ምውዳብ ሓደ ካብ መሰረታዊ መሰላት እዃ እንተኾን ክቕድሙን ክድሕሩን ዝግባኦም ውዳቤታት ዝሰርዐ ስለዘይኮነ፡ ሰብኣውን ንዋታውን ጸጋታትን ገዛዚዕና፣ ኣብ መንነታዊ፣ ብሄራውን ሃይማኖታውን ኣጀንዳታት ምፍልላይ  ምህላውና፣ እምበርዶ ጠንቅን ዕላማን ሓርነታዊ ቃልስና ብግቡእ ዘነጸርና ሰብ ጉዳይ ኢና ንኽትብል የድፍረካ። እዚ ማለት ቀዳምነታትና ሰሪዕና ብሓባር ዘሰጉመና ባይታ ክንፈጥር ይግባእ ማለትና እንተዘይኮይኑ፣ ማሕበራዊ ውዳቤታትን ናይ ይግባኣኒ እዩ ሕቶን ክላዓል የብሉን ማለት ከምዘይኮነውን ክፍለጥ ይግባእ።

እቲ ትማሊ ኣብ ጉዕዞ ቃልሲ ንናጽነት ሃገር ዕላምኡ ኣነጺሩ ምስ ኩሉ ሕጽረታቱ  መስተንክራዊ ዓወት ዝፈጸመ ህዝቢ ኤርትራ፣ ሎሚ ነዚ ካብ ዓለም ተነጺሉ ንዝነብር ብውልቀ-ሰብ  ዝምራሕ ስርዓት ምቅያር ሲኢኑ፣ ንኣስታት 30 ዓመታት ኣብ ቲሕቲ ምልኪ ሓደ ውልቀ-ሰብ  ደም እንዳነብዐ ክነብር መስተንክር እዩ።

ብቀዳምነት እቲ ንምልኪ ኣሜን ኢሉ ዘይቅበል ደላይ ለውጢ ንኹሉ ወዲ ሃገር ዘርብሕ ውዳበን ባይታ ናይ ቃልስን ምስዘጣጥሕ፣ ህዝቢ ኤርትራ እምነት የሕድረሉ፡ ህዝቢ ዓለም እውን እንተኾነ ካብዚ ብዘይፍለ፣ ቃልስና ንለውጥን ንመተካእታን ከምዝበቕዕ ተገንዚቡ ኣፍልጦ ምሃቦ። ብኻልእ ሸነኽ፡ ኣወዳድባናን መሰሓሓቢ ኣጀንዳታትናን ኣዝዮም ተመዝመዝቲ ኣይምኾኑን፡ ጥርጣረን ስኽፍታን ህዝቢ ኣብ ሊዕሊ ደምበ ደልይቲ ለውጢ ኣዝዩ ከምዝዓቢ ንምግባር ስርዓት ህግዲፍ ኣይምተጠቕመሉን።

እቲ ጨቋኒ ስርዓት፡ “ብመስዋእቲ ደቅኻ ንዘምጻእካያ ሃገር ምስ ጸላእትኻ ወጊኖም ልዑላውነታ ከድፍርዋ ይሰርሑ ኣለዉ፣ ብሃይማኖትን ብብሄርን ከፋፊሎም ክገዝኡኻ ይሸባሸቡ ኣለዉ፣ ሃገራዊ መንነትካ ናብ ብሄራዊ መንነቶም ክቅይርዎ ዝደልዩ ኣለዉ፣ ንታሪኽካን መስዋእትኻን ዘራኽሱን ዘቆናጽቡን ይመጹኻ ኣለዉ” ወዘተ ዝብል ፕሮፓጋንዳ ብምምዝማ፡ ንደምበ ተቓውሞ ኣሰይጥኑ፡ ንህዝቢ ካብ ዘይፈልጦ መልኣኽሲ ምስ ዝፈልጦ ሰይጣን ናብ ዝብል ዕግበት ይደፍኦ ምህላዉ ምግንዛብ የድሊ። ስለዚ ድማ’ዩ፡ ተመኩሮ ጉዕዞ ሓርነትዊ ቃልሲ ኣብ ምንጻር ዕላማናን ንዑኡ ዝበቅዕ ኣወዳድባን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ከምዘለዎ ተቐቢልካውን ጠርናፊ ሓባራዊ ስራሕ ኣነካይደኡ መስርሕ ከምዘድሊውን ቀዳምነት ክዋሃቦ ዘለዎ እዩ።

በዚ መሰረት፡ ኩሉ ደላይ ለውጢ ንገድላዊ ምዕራፍ ነጻነታዊ  ጉዕዞ ሃገር፤ ምስ ኩሉ ዝነበሮ ድኹምን ኣወንታን ሸነኹ፡ ከም ታሪኽ ህዝብናን ሃገርናን ዝቅበል፣ ንብዙሕነታዊ ሓድነትን ልዑላውነትን ህዝቢ ኤርትራ ዘኽብር፣ ኣብ ሱርበተኽ ምውዳቕ ገባቲ ስርዓት ህግዲፍ ዝኣምን፣ ኣብ ምኽባርን ማዕርነትን ኩሉ ዓይነት ፍልልያት ዝኣምን፣ ድሕሪ ውድቀት መላኺ ስርዓት ብህዝቢ ዝተመርጸ ቁዋማውን ዲሞክራስያውን ስርዓት  ምቋም ዝቕበል ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ መስሪቱ ኣብ ምብጋስ ዝርከብ ናይ ሓባር መቃለሲ ባይታ ወይ ጽላል ክዓስል ናይ ትማልን ሎምን ዕማም ክኸውን ይግባእ።

ብተወሳኺ እዚ ብበርጌድ ንሓመዱ ዝፍለጥ ህዝባዊ ማዕበል ኣብ መስርሕ ቃልሲ ዲናሚካዊ ደፋኢ ሓይሊ ብምዃኑ፣ ብስፍሓቱን ተብግስኡን ንህዝቢ ዓለም ኣዛራቢ ኣጀንዳ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ድማ ዓቢይ ናይ ቃልሲ ተስፋ ይኸውን ምህልዉ፣ ንስርዓት ህግደፍን መጋበርያታቱን ከኣ ዘይተጸበይዎ ሓደጋ ኮይኑ እዩ። ስለዚ ካብ ቅድሚኡ ዝጸንሔ ተመኩሮታት ተማሂሩ፣ ካብቶም ስርዓት ህግደፍን ሳዓብቱን ክጥቀምሎም ዝኽእሉ ነቃዓት ምፍጣር ተጠንቂቁ፡ ውሕሉል ናይ ቃልሲ መንገዲ ክሕዝ፡ ኣሳታፊ ክኸውን ብምዝኽኻር፡ ሰዲህኤ እውን በቲ ኣብ 4ይ ጉባኤ ዘሕለፎ ውሳኔታት መሰረት ንቀጻልነትን ምሕያልን ናይዚ ተበጊሱ ዘሎ ህዝባዊ ማዕበል ኮነ ናይ ሓባር ጽላል ኣብ ምቛም ኩሉ ዝካኣሎ ዘበለ ከበርክት እዩ።

Last modified on Saturday, 07 October 2023 21:08