ጋዜጠኛታት ሮይተርስ ኣብ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ተኸልኪሎም

2026-02-15 09:35:28 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 33 times

መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ኣዲስ ኣበባ ጸብጻባት ከቕርቡ ንዝጸንሑ ሰለስተ ጋዜጠኛታት ሮይተርስ ዝነበሮም ኣፍልጦ ከም ዘቋረጸ ማዕከል ዜና ኤኤፍፒ ኣፍሊጣ። በዚ መሰረት እቶም ጋዜጠኛታት መበል 39 ምዱብ ኣኼባ መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ኣዲስ ኣበባ 14ን 15 ለካትቲት 2026  ናብ ዝካየደሉ ኣዳራሽ ከይኣትዉ ከም ዝተኸልከሉ ተፈሊጡ።

እቶም ኢትዮጵያውያን ናይ ሮይተርስ ጋዜጠኛታት ዝተኣገዱ፡ ኢማራት ተወርዋሪ ዕጡቕ ሓይሊ ሱዳን (RSF)፡ ንምሕጋዝ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ቤንሻንጉል መደበር ታዕሊም ከም ዝመስረተት ብምስልታት ኣሰንዮም ስለ ኣቃልዑ ምዃኑ ተገሊጹ። እቶም ጋዜጠኛታት ነቲ መደበር ታዕሊም ዝምልከት ጸብጻብ ዘውጽኡ ኣስታት 15 ምንጭታት ብምጥቃስን ብብዙሕ ምስልታት ብምስናይ ምዃኑ እውን ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።

መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ብወገና ብዛዕባቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ጋዜጠኛታት ዝተወስደ ስጉምቲ፡  ንወሃቢ ቃል ሮይተርስ ሓቲታ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተወስደ ስጉምቲ ሓቂ ምዃኑ መረጋገጺ ከም ዝረኸበት ኣስፊራ። ወሃቢ ቃል ሮይተርስ ብዝሃቦ ተወሳኺ መብርሂ፡ ጋዜጠኛታት ማዕከን ዜና ሮይተር ከጋጥሙ ንዝኽእሉ ምዕባለታት እናተኸታተሉ፡ ብዘይ ሻራ ስረሖም ኣብ ኢትዮጵያ ክቕጽሉ እዮም።

ሮይተርስ ላዕለዎት ኢትዮጵያውያን ሓለፍቲ ከይተረፉ፡ ኢማራት ኣብ ክልል ቤንሻንጉል መደበር ታዕሊም ምምስራት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኩሉ ዘድሊ ቀረባት እውን ንሳ ከም እትኽእሎ ከም ዘረጋገጽሉ’ውን ይጠቅስዩ።

ምስዚ ብምትሕሓዝ እቲ መደበር ታዕሊም ድሮናት ዝዋፈራሉ መደበራት እውን ከም ዘጠቓልል ጸብጻባት ሮይተር ዝውስኽ እዩ።

ነቲ ኩነታት ዝተኸታተሉ ዲፕሎማሲያዊ ኣካላት ብወገኖም ናይዚ መደበር ታዕሊም ኣብ ጥቓ ዓብይ ሕዳሰ ሓጽቢ ኢትዮጵያ ምህናጹ፡ ሳዕቤኑ ኢትዮጵያውያን ሓለፍቲ ኣይተረድኦምን ዝብል ግምቶም ከም ዝህቡ ኣብቲ ጸብጻብ ተመልኪቱ።

ኣካላት መንግስቲ ኢትዮጵያ  ኣብ ምእጋድ እቶም ጋዜጠኛታት ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ ዘየለ ኮይኑ፡ ኢማራት ግና ንጸብጻብ ሮይተርስ ኣሉታ ሂባትሉ እያ።

Last modified on Sunday, 15 February 2026 10:44