ሕቡራት ሃገራት ንቕትለት ልዕሊ 1,850 ሰላማውያን ሰባት ኮኒኑ

2025-10-30 09:14:46 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 138 times

ካብ ከተማ ኣል ፋሸር ሃዲሞም ፡ታዊላ ኣብ ዝበሃል ቦታ ካብ ዝርከቡ ተመዛበልቲ

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ተወርዋሪ ፍሉይ ሓይሊ ሱዳን  ኣብ ዳርፎር ከተማ ኢልፋሸር ንምቁጽጻር  ኣብ ዘካየዶ መጥቃዕቲ፡ ብውሕዱ 1,850 ሰላማውያን  ሰባት ከም ዝተቐትሉ ጠቒሱ፡ በቲ ኩነታት ኣዝዩ ከም ዝተሻቐለ ገሊጹ፡ ነዚ ዓብይ ዘስካሕክሕ ሰብኣዊ ጥሕሰት ኣምሪሩ ኮኒንዎ።።

ወሃቢ ቃል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ፡ ስተፈን ዱጃሪክ ኣብ ዝሃቦ ሓጺር ሓበሬታ፡ ተሪር መተሓሳሰቢ ናይቲ ዋና ጸሓፊ ብጉዳይ እቶም ንልዕሊ 18 ኣዋርሕ በቲ ዕጡቕ ተወርዋሪ ሓይሊ ጀሆ ተታሒዞም ዝጸንሑ ኣማኢት ኣሸሓት ሱዳናውያን ኣቃሊሑ።

እቲ ዋና ጸሓፊ ኣብቲ ናይ ኩነኔ መልእኽቱ፡ ኣብቲ ቦታ ክፍጸም ንዝጸንሐ፡ ጨካን መጥቃዕቲ፡ ኣብ ሲቪል ሰባትን ሲቪላዊ ትሕተ-ቅርጻን ዝተወስደ፡ ከምኡ’ውን ጾታን ዓሌትን ማእከል ዝገበረ ጨካን ጨፍጫፍ ንዘጠቓለለ ሰብኣዊ ጥሕሰት ብትሪ ኮኒንዎ። ምስዚ ብተወሳኺ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰሜን ዳርፎር 1,850 ሲቪል ሰባት ምሟቶም እኳ እንተመዝገበ፡ ካብዚኣቶም እቶም 1,350 ኣብ ከተማ ኣል ፋሸር ዝተቐተሉ እዮም። ኣተሓሒዙ ከኣ እቲ ዝተጠቕሰ ናይ ግዳያት ኣሃዝ፡ ምስቲ ዝተኻየደ ከቢድ  ጨፍጫፍ ካብቲ ዝግመት ንታሕቲ  ምዃኑ’ውን እቲ ኮሚሽን ገሊጹ።

ድሕሪዚ ጸብጻብ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ደጊሙ፡ እቲ ኩነታት ካብቲ ዝረአ ዘሎ ናብ ዝገደደ ከይድይብ፡ ሕጂ’ውን ጅሆ ተታሒዙ ዘሎ ህዝቢ መሕለፊ ኣፍደገ ክረክብን ብዘይገደብ ረዲአት ክቐርበሉን  ጸዊዑ። ዓለም ለኸ ውድብ ተመዛበልቲ (IOM)፡ ብወገኑ፡ ብሰንኪ ውግእ ሰሜን ዳርፎር ብዘይካቶም ዝሞቱ፡ 2,500 ሰባት ካብ ከተማ ባራ፡ 1,000 ድማ ካብ ከተማ ዙራይባ ተመዛቢሎ ኣለዉ።

እዚ ናይ ዳርፎር ብሓፈሻን ናይ ከተማ ኣል ፋሸር ድማ ብፍላይ ህልቂት ኣብ ልዕሊ ሲቪል ሰባት ኣብዚ እዋንዚ ብዓለም ደረጃ ዘሰንብድን ዘስካሕክሕን ተረኽቦ ኮይኑሎ።

Last modified on Thursday, 30 October 2025 10:21