መስርሕ ፍትሒ ኢትዮጵያ ኣንቆልቊሉ ተባሂሉ

2025-10-29 20:13:45 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 85 times

ዓለምለኸ ፕሮጀክት ፍትሒ (WJP)” ዝተባህለ ኣህጉራዊ ትካል፡ ኣብ ዘውጸኦ ናይ 2025 ጸብጻብ መስርሕ ፍትሒ ኢትዮጵያ ብቕልጡፍ የንቆልቁል ከም ዘሎ ብ28 ጥቅምቲ 2025 ሓቢሩ። በቲ ጸብጻብ መሰረት ብደረጃ ዓለም ኣብ ዝተዋህበ ደረጃ ኢትዮጵያ ካብ 143 ሃገራት ኣብ መበል 142 ሰፊራ’ላ። እቲ ምንቁልቋል ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ 5 ዓመታ ክረአ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ካብ ናይ 2024 ድማ ብ2.4 ሚእታዊት ከም ዝነከየ ተገሊጹ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ከም ዝገለጾ፡ እቲ ምንቁልቋል ፍትሒ ኣሻቓሊ ኮይኑ፡ ኣብ 2025 ኢትዮጵያ ንእትርከበን  65% ካብ ሃገራት ዓለም ከም ዝጸለወ ጠቒሱ። ብኣንጻርዚ ዲክታተርያዊ ምምሕዳራት ይስዕርሩ ከም ዘለዉ እውን ኣብቲ ጸብጻብ ሰፊሩ። ከም መርኣያ ናይዚ ተሓታትነት እንዳደኸመ ክኸይድ እንከሎ፡ ነጻነት መስርሕ ፍትሒ ከኣ ብደረጃ ዓለም ይብሕጎግ ከም ዘሎ እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ኣጠንቂቑ።

ብዘይካ’ዚ ኢትዮጵያ ካብ 34 ሃገራት ኣፍሪቃ ትሕቲ ሰሃራ፡ መበል 30 ክትስራዕ እንከላ፡ ሩዋንዳ ካብ ዓለም ኣብ መበል 39 ክትሰፍር እንከላ፡ ናሚብያን ማውርሸን ከኣ ጽቡቕ ኣፈጻጽማ ምስ ዘለወን ላዕለዎት ተሰሪዐን ኣለዋ። እቲ ጸብጻብ ናይ ኢትዮጵያ ኣብ መዳይ ፍትሒ ናብዚ ደረጃ ምውራድ ኣካል ሓፈሻዊ ውድቀት ምዃኑ ጠቒሱ፡ ኣብ 2022 ካብ 140 ሃገራት ኣብ መበል 123 ምንባራ ገሊጹ እዚ ለውጢ ኣብታ ሃገር ናይ ምኽባር ስርዓትን ጸጥታን ምድኻም ከም ዘርኢ ኣገንዚቡ።

ኣብዚ ናይ 2025 ጸብጻብ ናይቲ ትካል፡ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዝሰፈረን ሃገራት ብዝምልከት፡ ደንማርክ፡ ኖርወይ፡ ፊንላንድ፡ ሽወደንን ኒው ዘይላንድን ቅድሚት ተዘርዚረን ኣለዋ። ብኻልእ መልክዕ ከኣ ንኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ዝተሓተ እቶት ኣለወን ካብ ዝበሃላ 16 ሃገራት  ኣብ መበል 13 ኣስፊርዋ።

Last modified on Wednesday, 29 October 2025 21:20