ኣቶ ወልደየሱስ ዓማር ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብኣቋጻራ በርሊን ካብ 11 ናብ 12 ለካቲት 2017 ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ኣብ መስመር ሕድሪ ጀጋኑና ንልዕሊ 4 ሰዓታት ዝቐጸለ መግለጺ ኣቕሪቡ። ኣብዚ ርክብ ዘቕረቦ መጽናዕታዊ ጽሑፍ “ ግጉይ ኣጀማምራ ድሕሪ ነጻ ኤርትራ ናይ 1991፡ ንዘለናዮ ሃለዋት ከመይ ይጸልዎ"፡ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ’ዩ ነይሩ።
ኣቶ ወልደየሱስ ኣብቲ ዘቕረቦ መጽናዕቲ እቲ ኣብ 1991 ንሓይሊ መግዛእቲ ኣወጊዱ ስልጣን ዝጨበጠ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ሓላፍነት ወሲዱን ኣርሒቑ ጠሚቱን ንኹሉ ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ግደን ህዝባዊ ጽልዋን ዝነበሮ ወገናት ዘሳትፍ መድረኽ ዘይምፍጣሩ ናይዚ ዘለናዮ ሃለዋት ጠንቂ ምዃኑ ብኣብነታት ኣሰንዩ ገሊጹ። ንሱ ኣተሓሒዙ እቲ ግንባር ድሕሪ ናጻነት ዝተኸተሎ ግጉይ ኣገባብ ሽዑ ዝጀመረ ዘይኮነ ቅድም እውን ዝነበረን ምእንቲ መስርሕ ናጽነት ከይዕንቀፍ ሸለል ኢልካ ክሕለፍ ዝጸንሐን ምዃኑ ኣብሪሁ።
ኣብቲ ብምዕራፋት ከፋፊሉ ዘቕረቦ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፡ እቶ ወልደየሱስ ኤርትራውያን ተቓለስቲ ኣብ ክልቲኡ ውድባት ታሪኽ ዘይዝንገዖ ሓርበኝነት ከም ዝፈጸሙ ጠቒሱ፡ ዓውት እንዳቐረበ ኣብ ዝመጸሉ ብዝዕባ ድሕሪ ናጽነት ክሕሰበሉ ይግባእ ከም ዝነበረ፡ ናይ ወጻኢ ተዓዘብቲ ከይተረፉ የጠንቅቕዩ ከም ዝነበሩ ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ቃልስና ኣብ ውልቀሰብ ጥራይ ምእማን ሓደ ካብቲ ጸገማት ምንባሩን ሕጂ’ውን ጌና ኣብ ዲያስፖራ ይንጸባረቕ ከም ዘሎ’ውን ኣግሂዱ። ንናይ ሓደ ውድብ ዓቕሚ ብወተሃደራዊ መዳይ ጥራይ ምርኣዩ “ኣበይ ዝነበሩ እዮም” ኢልካ ምንእኣስን እውን ኣሉታዊ ምንባሩን ምዃኑን ኣስፊሩ። እዚ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ከይመጽእ፡ ከም ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራት ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ትካላት ዘይምሕጋዞም’ውን ኣይሓበአን።
ብዙሓት ግዱሳት ኤርትራውያን ኣብ ውሽጥን ወጻእን ካብ 1991 ጀሚሮም ብዝተፈላለዩ ኣገባባትን መድረኻትን ናብቲ ኢሳያስ ዝመርሒ ሓይሊ ዓገብ ከም ዝበሉን ንሱ ግና ካብቲ ናይ “ውድባት ሓሸውየ” ዝብል ዘይሓላፍነታዊ መርገጹ ከምዘይተመልሰ ብምጥቃስ፡ ሰውራዊ ባይቶን ካልኦት ውድባትን ዝወሰድዎ ሓላፍነታዊ ስጉምትታት ዘርዚሩ። ዕላማ ናይቲ መጽናዕቲ ካብ ዝሓለፈ ክንመሃርን ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ እውን ንከይድገምን ምዃኑ ዝገለጸ ነባር ተቓላሳይ ኣቶ ወልደየሱስ ካብቲ ቀንዲ ኣርእቲ ወጻኢ ንሰዲህኤ ኣብ ዝምልከት ይቐርቡ ንዝነብሩ ሕቶታት እውን መሊሱ።
ኣብ መወዳእታ እዚ ክሳብ 400 ዝኮና ኮምፒተራት ተሰሊፍሉ ዝነበረ፡ ናይ ሕቶን መልስን መድረኽ ተኸፊቱ ኣቶ ወልደየሱስ ግቡእ መልሲ ሂቢ እቲ ርክብ ክድምደም እንከሎ፡ ብዙሓት ተሳተፍቲ ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ፡ እቲ መግለጺ ንጹር እቲ ናይ ሕቶታት መልሲ ድማ ብሩህ ምንባሩ ብምሕባር ከምዚ ዓይነት ናይ ግሉጽነት ርክብ ብፍላይ እቲ መንእሰይ ወለዶ ክመሃረሉ ከም ዝኽእል ምስ ሰናይ ምስጋና ኣንጸባሪቖም።
EPDP Sends Solidarity Message to Both German Foreign Minister, and to Chancellorship Candidate
Saturday, 11 February 2017 19:48 Written by EPDP information OfficeIn a solidarity message sent to the German Foreign Ministry and the Social Democratic Party (SPD), the Eritrean People's Democratic Party (EPDP) wished heartfelt success to Vice-Chancellor Sigmar Gabriel, who recently assumed the post of foreign minister, and to Mr. Martin Schulz, former president of the EU parliament who is now SPD candidate in the September 2017 elections for German Chancellorship.
Dated 10 February 2017, the EPDP memorandum appealed to the new German Foreign Minister and, through him, to the German Federal Government to give adequate attention Eritrea and "help end the distressing political and human rights situation" in the country.
EPDP also seized the opportunity to express good wishes to Mr. Schulz in his candidature to the German Chancellorship and reassured fraternal SPD that a good number of German citizens of Eritrean origin will, as usual, stand on the side of Mr. Schulz and his party.
The memorandum also requested both addressees - Mr. Sigmar Gabriel and Hon. Martin Schulz - to refer to the numerous memoranda the EPDP has addressed to both the Foreign Ministry and the SPD headquarters in the past and kindly take action on all those modest requests to help build the capacity of Eritrean democratic forces struggling for positive change in their unfortunate country.
ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ስምረት ኤርትራውያን ንፍትሒ፣ ብዕለት 05.02.2017 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ዓመታዊ ጉባኤኡ ኣሰላሲሉ። እቲ ጉባኤ ካብ ርሑቕን ካብ ቀረባን ከተማታት ጀርመን ብዝመጹን/ብዝመጻን ብርክት ዝበለ ቁጽሪ መንእሰያት ተሳትፎ ናይ ደቂ-ኣንስትዮን ደቂ-ተባዕትዮን ዝነበሮ እዩ ነይሩ። ኣብ መኽፈቲ ጉባኤ ሓው ዓብደቃድር ሽፋ ኣብ-መንበር መሪሕነት ምንቅስቓስ መንእሰያት፡ ጉባኤ ከሰላስሎም ዘለዎ ዕማማት ድሕሪ ምሕባር፡ ሓጺር ግን ከኣ ገላጺ ዓመታዊ ጸብጻቡ ኣቕሪቡ። ቀጺሉ ነቲ ምንቅስቓስ ኣብ ምምራሕ ንዝጸንሑ ሓለፍቲ ትካላት ናይቲ ማሕበር ዝሰፍሐ ዕድል ረኺቦም ዝርዝር ዓመታዊ ዝተዓመ ዜናዊ ስራሓትን ምስ ካልኦት ኤርትራውያ ምንቅስቓሳትን ፖለቲካዊ ሓይልታትን ዝተፈጸመ ሓባራዊ ዕዮን ምትእስሳራትን ብሰፊሑ ብሓው ድራር ብርሃነ ኣካያዳ ዜናዊ ስራሓት ሓቢሩ ።
ንጥፈታት ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ምቅስቓስ ስምረት ኤርትራውያን ንፍትሒ ከምዘብርሆ፡ ምንቕስቓስ ማሕበር ኣብ ጀርመን ጥራሕ ዝተደረተ ዘይኮነስ፡ ምስቶም ኣብ እስራኤል፡ ኣመሪካን ኖርወይን ካልእን ዝርከቡ ምንቅስቃሳት ናይ መንእሰያት ሓያል ምትእስሳር ሓባራዊ ስራሓትን ከምዘለዎ እውን ተገሊጹ። ነዚ ዝምድናታትዚ ንምርግጋጽን ሓባራዊ ልዝባት ኣብ ምክያድን ዝተጓዕዝዎ መስርሕ እውን ምስ መርትዖታቱ ብሓው ሮቤል ኣርኣያን ኣማኒኤል ኣብራሃምን ቀሪቡ።
ድሕርዚ፡ ታሓዝ ገንዘብ ሓው ኣብራሃም ኪሮስ ዓመታዊ ገንዘባዊ ጸብጻብ ኣታውን ወጻእን ብዘየካትዕ ጽፉፍ ኣገባብ ንተሳተፍቲ ጉባኤ ኣቕሪቡ። ብሓፈሻኡ እቲ ዝቐረበ ጸብጻባት፡ ሓባራዊ ስራሓት ደለይቲ ለውጢ ዝብህግ፡ ተፈላሊኻ ክረጋገጽ ዝኽእል ለውጥን ዓወት ሃገራዊ ድሕነትን ከምዘየለ ዝሕብር፡ ምስ ዝኾነ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይሊ ዋላውን ዝተራሓሓቐ ሓሳባት ይሃልዎ ኣንጻር ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጭቆና ግን ሓባራዊ ስራሓት ክካየድ ዝዕንቅፍ ከምዘየሎ ዝጠመተ እዩ ነይሩ።
ድሕርዚ፡ ተሳተፍቲ ጉባኤ ኣብዝቐረበ ጸብጻባት ዝተመርኮሰ ሕቶታትን፡ ኣብዝሓለፈ ጉዕዞ ዝጋጠሞም ዕንቅፋታትን ናይ ምፍልላይ ጸገማትን ብሰፊሕ ኣልዒሎም ተዘራሪበምሉ። ኣብ ዝተላዕለ ሕቶታት፡ ነቲ ምንቅስቓስ ኣብ ምምራሕ ካብዝጸንሑ ሓው ዓብደልቃድር፡ ያቆብን ካሕሳይን ኣገደስቲ መብርሂታት ኣቕሪቦም። ብዘይካዚ ካብ መግለጺ መንእሰያት ዋላዃ^ዝተሰግረ ይኩን እምበር: ኣብ እስራኤል፡ ኢትዮጵያ ኣብ ጀርመን ዘጋጠሞም ካብ ኣሰራርሓ ማሕበር ወጻኢ ዝኮነ ናይ ምትእትታውን ምፍልላይን ሽግራትን: ብቐረባ ሓብሓቢ ክኾኖም ዝኽእል ኣካል ዘይምርካቦምን ብምረት ካብዝተላዕሉ ጉዳያት ምንባሮም ክጥቀስ ይካኣል::

ብዘይካዚ: ኣብ ጉባኤ ካብዝተሳተፉን ዝተሳተፋን ዕዱማት: እቲ ማሕበር ሓድነቱ ሓልዩ: ብዝኮነ ጠብላሕታታት ከይተድናገረ ንቕድሚት ክስጉምን: ውሽጣዊ ሕግታቱን ውዑላቱን ከክብር ዝሕግዝዎ ኣገደስቲ ሓሳባትን ለበዋታትን ቀሪቦም ጉባኤ ብመተባብዒ ግጥሚ ተደምዲሙ።
መሪሕነት ህዝባዊ ዲሞክራስዛዊ ምንቅስቓስ ስምረት ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ሓባራዊ ስራሓት ደምበ ተቓውሞ ንምርግጋጽን ንምንሕያልን ዓሊሙ፡ ንኩሉ ኣብ ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ዝርከብ ደላይ ለውጢ ብሓባር ተራኺቡ ንኽዛተ ተበግሶ ወሲዱ ሰለስተ ተከታተልቲ ናይ ልዝብ ኣኼባታት ኣብ ምስልሳል ግዲኡ ዘበርከተ ምንቅስቓስ ምዃኑ ክዝከር ይካኣል።
ተጋዳላይ ወልደሱስ ዓማር፣ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ዝምድናታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን፡ ኣብ ፓልቶክ ሕድሪ ጀጋኑና ንዕለት 11.02.2017 ርክብ ምስ ህዝቢ ክገብር ተዓዲሙ ኣሎ። ተጋዳላይ ወልደሱስ ዓማር "ግጉይ ኣጀማምራ ድሕሪ ነጻ ኤርትራ ናይ 1991፡ ንዘለናዮ ሃለዋት ከመይ ይጸልዎ"፡ ዝብል መጽናዕታዊ መደብ ሒዙ ክቐርብ እዩ።
መደብ ዝጅመረሉ ሰዓት ልክዕ፡ ሰዓት 20፡00 ብናይ በርሊን ኣቈጻጽራ ማለት ሰዓት 08.00 ናይ ምሸት ክኸውን እዩ። በዚ ኣጋጣሚ ኩሉ ደላይ ለውጢ ነቲ መደብ ንኽከታተል ብኽብሪ ንዕድም።
ሰናይ ምክትታል!
ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
ሰዲህኤ፡ ንሕብረት ኣፍሪቃ ብዛዕባ ግደታኡ ኣብ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዳግማይ ኣዘኻኺሩ
Monday, 06 February 2017 08:52 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ሕብረት ኣፍሪቃ (ሕኣ) ብዛዕባ ትጽቢት ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ብኣኡ ክውሰድ ዝግበኦ ምርመራን ምጽራይን ብዛዕባ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ሜላዊ ገበንን ዝሕተቱን ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ ናብ ሕጊ ምቕራብን፡ ኣዘኻኺሩ።
ኣብቲ ብ3 ለካቲት 2017 ብኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ሓድሽ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ዝተላእከ መዘክር፡ ኣቦመንበር ሰደህኤ ብምምራጽ እቶም ሓድሽ ኮሚሽነር ዝተሰምዖ ሓጐስ ገሊጹ። እቲ መዘክር ኣተሓሒዙ፡ ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ንሕብረት ኣፍሪቃ’ውን ዘሕፍር ምዃኑ ጠቒሱ።
ኣብዚ ብቕዳሕ ናብ ግዝያዊ ኣቦመንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ኣቶ ኣልፋ ኮንደ መራሒ ጊኒያ፡ ናብ ምክትሎም ጋናዊ፡ ካለኦት 8 ኮሚሽነራትን ኩሎም ኣብ መበል 28 ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተሳተፉ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን፡ ኣቦመንበር ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰደህኤ) ዝተላእከ መዘክር፡ ነቲ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ብ2016 ንኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ብዝምልከት ዝወሰኖ፡ ነቶም ኣብቲ ብ483 ገጻት ዝተመዘበ ጸብጻብ፡ ኣብ ኤርትራ ሜላዊ ሰብኣዊ ገበን ዝፈጸሙ እሞ ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ዝግበኦም ዝምልከት ሰፊሩ ዘሎ ውሳነት ክግደሰሉ ኣዘኻኺሩ። ብመሰረት እዚ ብሰደህኤ ዝቐረበ መዘክር፡ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ 26 ዓመታት ናጽነት፡ ቅዋም፡ ምኽባር ዝኾነ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል፡ ሓሳብካ ምግላጽ፡ ምእካብ፡ ምምላኽ፡ ብሰላም ናይ ምንባር፡ ውሕስነት ህይወት፡ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምንቅስቓስ፡ ብሕታዊ ዋንነት ምጥራ፡ ብቑዕ ትምህርቲ ምርካ፡ ዝኽፈሎ ስራሕን ስርዓተ ጡረታን የለን።
መበል 28 ኣኼባ መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን ኣፍሪቃ፡ “ነዚ ብኣሰፋፍራ ዝተፈጥረ ፍልልይ፡ ብወፍሪ ኣብ መንእሰያት ነቀራርቦ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭረሖ ብ30 ጥሪ 2017 እዩ ተጀሚሩ። እዚ ኣኼባ ብዛዕባ ምርግጋጽ ሰላምን ምርግጋእን ኣብዛ ክፍለ ዓለም መጸዋዕታ ኣቕሪቡ። ኣብዚ ኣኼባ፡ ሓድሽ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣቶ ኣንቶኒዮ ጉተርስን ኣቶ ማሕሙድ ዓባስ ፕረሲደንት ምምሕዳር ፍልጥኤን ዝርከብዎም ብዙሓት ላዕለዎት ዕዱማት ተሳቲፎም ።
EPDP Reminds AU Its Mandate on Eritrea Given it by the UN Human Rights Council
Sunday, 05 February 2017 22:17 Written by EPDP Information OfficeThe Eritrean People's Democratic Party (EPDP) reminded the African Union (AU) that it is expected by the UN Human Rights Council "to investigate, prosecute and bring to justice [Eritrean authorities] responsible for violations and abuses of human rights, including any that may amount to a crime against humanity."

In a memorandum addressed on 3 February 2017 to the newly elected AU Commission Chairman, Mr. Moussa Faki Mahamat, the EPDP Chairman, Mr. Menghesteab Asmerom, congratulated the election of the Chadian foreign minister to head the executive body of the continental organization and urged him to waste no time in addressing the situation in Eritrea which the memo described as "an utter shame to the very idea of African independence."
In the memorandum to the AU, also copied to the new AU chairman, Mr. Alpha Conde of Guinea, to his Ghanaian deputy, other eight commissioners and all African Heads of State who attended the 28th ordinary summit just ended in Addis Ababa, the EPDP chairman appealed to the AU Commission to heed to the call of the UN Human Rights Council decision of June 2016 and establish an accountability mechanism "to prosecute and bring to justice" the Eritrean authorities whose systematic crimes have been recorded in the 483-page report of the UN Commission of Inquiry on Eritrea, and updates of the UN Special Human Rights Rapporteur to that country, where, according to the EPDP memo, "no constitution exists after 26 years of its statehood; no basic human rights are respected; no freedoms of press or assembly are allowed; no free worship permitted; no security to life is guaranteed; no free mobility; no private sector; no quality education at any level; literally no paid work, no pension system ....."

The 28th Summit of the Heads of State and Government of the AU, held under the theme “Harnessing the Demographic Dividend through Investments in the Youth” , was opened on 30 January with a call for unity to uphold the maintenance of peace and stability in the continent. It was attended by honour guests who included the new UN Secretary General, Mr. Antonio Guterres, and Mr. Mahamoud Abbas, President of the State of Palestine.
ፈደራላዊ ምምሕዳራዊ ቤት ፍርዲ ስዊዘርላንድ ብ2 ለካቲት 2017 ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዝምልከት ውሳነ ኣሕሊፉ። እቲ ቤት ፍርዲ ኣብቲ ውሳነኡ ስድተኛታት ሓተቲ ዑቕባ ካብ ኤርትራ ስለ ዝመጹ ጥራይ ፖለቲካዊ ዑቕባ ኣየውህቦን እዩ። እዚ ሓድሽ ሕጊ ካብ ወርሒ ሰነ 2017 ጀሚሩ ብናይታ ሃገረ ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ኣቢሉ ኣብ ግብሪ ዝውዕል እዩ።
እዚ ኣብታ ሃገር ሕጊ ኣብ ምትርጓም ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ፈደራላዊ ቤት ፍርዲ፡ ዝኾነ ካብ ኤርትራ ዕቑባ ዝሓትት ኤርትራዊ ኣብ ሃገሩ ብላዕለዎት ሰብ መዚ ግፍዒ ከም ዘጋጥሞ ብቑዕ መረጋገጺ እንተዘየቕሪቡ ናይ ስደተኛነት መረጋገጺ ክወሃቦ ኣይክእልን እዩ።
ብቋንቋ ፈረንሳ ዝሕተም ዕለታዊ “ጀነቫ ትሪቡን” ኣብ ናይ 3 ለካቲት 2017 ሕታሙ ከም ዝጠቐሶ፡ ሰበስልጣን መንግስቲ ስዊዘርላንድ ብዙሓት ኤርትራውያን ናይ ስደተኛታት መሰል ምስ ረኸቡ ቀልጢፎም ናብ ሃገሮም ከም ዝገሹን ሓበሬታ ከም ኣለዎምን እዚ ድማ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም እንተተመልሱ ዘጋጥሞም ጸገም ከም ዘመልክትን ሓቢሩ።
ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ሓደ ናይታ ሃገር ናይ የማናይ ክንፊ ልኡኽ ናብ ኤርትራ ከም ዝበጽሐን ኣብዚ እዋንዚ “ኤርትራ ናብኣ ንዝምልለሱ ዜጋታታ ሰላም” እያ ዝብል ጸብጻብ ሒዙ ከም ዝተመልሰ ዝዝከር እዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ጥራይ 25 ሺሕ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ናብ ስዊዘርላንድ ኣትዮም እዮም።
Switzerland Hardens Process of Accepting Refugees from Eritrea
Saturday, 04 February 2017 12:14 Written by EPDP information OfficeThe Federal Administrative Tribunal of Switzerland decided on 2 February 2017 that "illegal escape from Eritrea" alone cannot be presented as a justification for Eritrean asylum seekers to be accepted as political refugees. The law will be put into effect as of June 2017 by the Federal office for migration and refugees.
The Federal Administrative Tribunal, which is the supreme court in interpreting laws in the country, made it clear that any asylum seeker from Eritrea will no longer be eligible for refugee status unless he/she presents sufficient evidence of political persecution by the Eritrean authorities.
Tribune de Genève, the French daily, reported on 3 February that the Swiss authorities have collected information that a number of Eritrean refugees had travelled to their home country, Eritrea, soon after obtaining political protection in Switzerland and that this showed they have no problem to go back to their country of origin.
It is to be recalled that delegations of right-wing Swiss parties visited Eritrea in recent years and came with reports which claimed that Eritrea "is safe for the return of refugees" who fail to obtain political protection in Switzerland.
In the last few years alone, Switzerland was a destination for over 25,000 Eritrean asylum seekers.
ብስርዓት ህግደፍ ወግዓዊ ፈቓድ ንግዲ ዝተዋህቦም ኤርትራውያን ግዳይ ተደራራቢ ግብሪ ይኾኑ ከምዘለዉ ካብ ኤርትራ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣቃሊዑ። በቲ ካብ ኤርትራ ዝተረኽበ ንኩነታት ንግዲ ዝምልከት ሓበሬታ መሰረት፡ ነጋዶ ካብ ሱዳን ይኹን ካብ ኢትዮጵያ ዝተረኽበ ንህዝቢ ዘድሊ መሰረታዊ ነገራት ናብ ኤርትራ ከእትዉ እንከለዉ ኣብ ከም በዓል ተሰነይ ዝኣመሰሉ ናይ ዶብ ከተማታት ቀረጽ ይኸፍሉ እሞ ቅብሊት ይወሃቦም እዩ። ኣብ ማእከል ኤርትራ ምስ ኣተዉ ድማ ዋላ ዝኸፈልሉ ቅብሊት እንተርኣዩ ዳግማይ ቀረጽ ክኸፍሉ ይግደዱ ምህላዎምን እንተዘይከፊሎም ድማ ዝሓዝዎ ንብረት ከም ዝራሰን እዞም ምንጭታት ይጠቕሱ።
ብዘይካዚ ኣብ ምኽፋል ዘይፍትሓዊ ግብርን ቀረጽን ዝተዋፈሩ ናይቲ መንግስቲ ኣካላት ኣብ ፈቐዶ ድንኳናት እንዳዞሩ „እዚ ንብረት ካበይ ኣምጺእኩምዎ?“ እንዳበሉ ንዋናታት ከም ዘዋጥርዎምን ቀረጽ ክኸፍሉ ከም ዘገድድዎምን እንተዘይከፊሎም ድማ ንብረቶም ከም ዝውሰድን እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣብሪሁ።
ብኻልእ ወገን ድማ ብሰንኪ ወጻዒ ሕግታትን ምምሕዳርን ስርዓት ህግደፍ ዘማረሩን ኩሉ መዳያት ዘጸገሞምን እሞ ናብ ውሕስነት ዘየብሉ ስደት ክኸዱ ዘይመረጹን ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ኣብ ፈቐዶ ገዳማትን ስቱር ቦታትን ክሕብኡ ይግደዱ ምህላዎም ካብ ኤርትራ ዝተላእከ ሓበሬታ የረድእ።
ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሓት ቀውዒ ዝበጽሑ ደቆም ናብ ግዱድ ኣገልግሎት ዝተወስድዎም ብዕድመ ዝደፍኡ ኤርትራውያን፡ ብደቂ-ደቆም እውን ክሕገዙ ከም ዘይከኣሉ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ናብ ኤርትራ ገይሾም ናብቲ ዝነብርሉ ወጻኢ ሃገር ዝተመልሱ ምንጭታት ሓቢሮም። ከም ሓበሬታ ናይቶም ምንጭታት እዞም ዝኣኸሉ ደቆም ብግፋ ዝተወስድዎም ሽማግለታት ካልእ መተካእታ ምስ ሰኣኑ ካብ 14 ክሳብ 17 ዓመት ዝዕድሚኦም ደቂ-ደቆም ናብ ስረሓት ቀውዒ ምስ ኣዋፋሩ እቶም ህጻናት እውን ብሓይልታት ጸጥታ ናይቲ ስርዓት ከም ዝተገፈፉን ናበይ ከም ዝተወስዱ ከም ዘይለጡን ሓቢሮም።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ኣብ ኤርትራ ብዕድመ ንዝደፍኡ ዜጋታት መሬት ኣይወሃብን ዝብል ዘይፍትሓዊ ሕጊ ስለ ዝወጸ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት እታ ሃገር ተቓውሞታት የስዕብ ከምዘሎ እዞም ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮም ምንጭታት ይሕብሩ። ዋላ‘ኳ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት „መሬት እንተዘይተዋሂብዎም ደኣ ብምንታይ ክነባበሩ“ ዝብል ሕቶታት ይልዓል እንተሃለወ ላዕለዎት ሰብ መዚ ናይቲ ስርዓት ግና ክምልስዎ ከም ዘይደለዩ እቲ ሓበሬታ የረድእ። ነዚ ኩነታት ዝተዓዘቡ ወገናት ምናልባት ብዝሕን ዋሕድን ስድራቤት ወይ ተወሳኺ ኣታዊ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ካብ ምሉእ መገበር ኣትሕት ኣቢልካ ምዕዳል ሓደ ጉዳይ ምዃኑ፡ ካብዚ ሓሊፉ ግና ንሰባት ኣብ ገዛእ ሃገሮም እሞ ድማ ኣብቲ ዝያዳ ኣላዪ ዝደልይሉ ደረጃ ዕድመ መሬት ኣይግበኣኩምን ምባል መወዳድርቲ ዘየብሉ በደል ምዃኑ ይገልጹ ኣለዉ።
ብኻልእ ወገን ድማ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ብደረጃ ተጋዳላይ ይኹን ሃገራዊ ኣገልግሎት ከም ዘገልገሉ ዘረጋግጽ ወረቐት ዘለዎም እንተዘይክይኖም ካብዚ ውጻኢ ብዜግነትካ ኣብ ዝኾነ ስራሕ ምውፋር ከምዘይፍቀድ ንኩነታት ኤርትራ ብቐረባ ዝተኸታተሉ ወገናት ይምስክሩ።