ዜና ጉባኤ ህዲምስኤፍ

2017-02-07 20:06:59 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 6839 times

ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ  ምንቅስቓስ ስምረት ኤርትራውያን ንፍትሒ፣ ብዕለት 05.02.2017 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ዓመታዊ ጉባኤኡ ኣሰላሲሉ። እቲ  ጉባኤ  ካብ ርሑቕን ካብ ቀረባን ከተማታት ጀርመን ብዝመጹን/ብዝመጻን ብርክት ዝበለ ቁጽሪ  መንእሰያት ተሳትፎ ናይ ደቂ-ኣንስትዮን ደቂ-ተባዕትዮን ዝነበሮ እዩ ነይሩ። ኣብ መኽፈቲ  ጉባኤ ሓው ዓብደቃድር ሽፋ ኣብ-መንበር  መሪሕነት ምንቅስቓስ መንእሰያት፡ ጉባኤ ከሰላስሎም ዘለዎ ዕማማት ድሕሪ ምሕባር፡   ሓጺር ግን ከኣ ገላጺ ዓመታዊ  ጸብጻቡ ኣቕሪቡ። ቀጺሉ ነቲ ምንቅስቓስ ኣብ ምምራሕ ንዝጸንሑ ሓለፍቲ ትካላት ናይቲ ማሕበር  ዝሰፍሐ ዕድል  ረኺቦም  ዝርዝር ዓመታዊ  ዝተዓመ ዜናዊ ስራሓትን ምስ ካልኦት ኤርትራውያ ምንቅስቓሳትን ፖለቲካዊ ሓይልታትን ዝተፈጸመ ሓባራዊ ዕዮን ምትእስሳራትን ብሰፊሑ  ብሓው ድራር ብርሃነ ኣካያዳ ዜናዊ ስራሓት ሓቢሩ ።

ንጥፈታት ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ምቅስቓስ ስምረት ኤርትራውያን ንፍትሒ ከምዘብርሆ፡ ምንቕስቓስ ማሕበር ኣብ ጀርመን ጥራሕ ዝተደረተ ዘይኮነስ፡ ምስቶም ኣብ እስራኤል፡ ኣመሪካ ኖርወይን ካልእን ዝርከቡ ምንቅስቃሳት ናይ መንእሰያት ሓያል ምትእስሳር ሓባራዊ ስራሓትን ከምዘለዎ እውን ተገሊጹ። ነዚ ዝምድናታትዚ ንምርግጋጽን ሓባራዊ ልዝባት ኣብ ምክያድን ዝተጓዕዝዎ መስርሕ እውን ምስ መርትዖታቱ  ብሓው ሮቤል ኣርኣያን ኣማኒኤል ኣብራሃምን ቀሪቡ።

ድሕርዚ፡ ታሓዝ ገንዘብ ሓው ኣብራሃም ኪሮስ ዓመታዊ ገንዘባዊ  ጸብጻብ ኣታውን ወጻእን ብዘየካትዕ ጽፉፍ ኣገባብ ንተሳተፍቲ ጉባኤ ኣቕሪቡ። ብሓፈሻኡ እቲ ዝቐረበ ጸብጻባት፡ ሓባራዊ ስራሓት ደለይቲ ለውጢ ዝብህግ፡  ተፈላሊኻ ክረጋገጽ ዝኽእል ለውጥን ዓወት ሃገራዊ ድሕነትን ከምዘየለ ዝሕብር፡ ምስ ዝኾነ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይሊ ዋላውን ዝተራሓሓቐ ሓሳባት ይሃልዎ ኣንጻር ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጭቆና ግን ሓባራዊ ስራሓት ክካየድ ዝዕንቅፍ ከምዘየሎ ዝጠመተ እዩ ነይሩ።

ድሕርዚ፡ ተሳተፍቲ ጉባኤ ኣብዝቐረበ ጸብጻባት ዝተመርኮሰ ሕቶታትን፡ ኣብዝሓለፈ ጉዕዞ ዝጋጠሞም ዕንቅፋታትን ናይ ምፍልላይ ጸገማትን ብሰፊሕ ኣልዒሎም ተዘራሪበምሉ። ኣብ ዝተላዕለ ሕቶታት፡ ነቲ ምንቅስቓስ ኣብ ምምራሕ ካብዝጸንሑ  ሓው ዓብደልቃድር፡ ያቆብን ካሕሳይን ኣገደስቲ መብርሂታት ኣቕሪቦም። ብዘይካዚ ካብ መግለጺ መንእሰያት ዋላዃ^ዝተሰግረ ይኩን እምበር: ኣብ እስራኤል፡  ኢትዮጵያ ኣብ ጀርመን ዘጋጠሞም ካብ ኣሰራርሓ ማሕበር ወጻኢ ዝኮነ ናይ ምትእትታውን ምፍልላይን ሽግራትን: ብቐረባ ሓብሓቢ ክኾኖም ዝኽእል ኣካል ዘይምርካቦምን ብምረት ካብዝተላዕሉ ጉዳያት ምንባሮም ክጥቀስ ይካኣል::  

Youth congress 05.02.2017 2

ብዘይካዚ: ኣብ ጉባኤ ካብዝተሳተፉን ዝተሳተፋን ዕዱማት: እቲ ማሕበር ሓድነቱ ሓልዩ:  ብዝኮነ ጠብላሕታታት ከይተድናገረ ንቕድሚት ክስጉምን: ውሽጣዊ ሕግታቱን ውዑላቱን ከክብር ዝሕግዝዎ ኣገደስቲ ሓሳባትን ለበዋታትን ቀሪቦም ጉባኤ  ብመተባብዒ ግጥሚ ተደምዲሙ።

መሪሕነት ህዝባዊ ዲሞክራስዛዊ ምንቅስቓስ ስምረት ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ሓባራዊ ስራሓት ደምበ ተቓውሞ  ንምርግጋጽን ንምንሕያልን ዓሊሙ፡ ንኩሉ ኣብ ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ዝርከብ ደላይ ለውጢ  ብሓባር ተራኺቡ ንኽዛተ ተበግሶ ወሲዱ ሰለስተ ተከታተልቲ ናይ ልዝብ ኣኼባታት ኣብ ምስልሳል ግዲኡ ዘበርከተ ምንቅስቓስ ምዃኑ ክዝከር ይካኣል።

 

Last modified on Tuesday, 07 February 2017 23:00