ስዊዘርላንድ ኣቀባብላ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተትርር

2017-02-04 18:14:21 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2284 times

ፈደራላዊ ምምሕዳራዊ ቤት ፍርዲ ስዊዘርላንድ ብ2 ለካቲት 2017 ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዝምልከት ውሳነ ኣሕሊፉ። እቲ ቤት ፍርዲ ኣብቲ ውሳነኡ  ስድተኛታት ሓተቲ ዑቕባ ካብ ኤርትራ ስለ ዝመጹ ጥራይ ፖለቲካዊ ዑቕባ ኣየውህቦን እዩ። እዚ ሓድሽ ሕጊ ካብ ወርሒ ሰነ 2017 ጀሚሩ ብናይታ ሃገረ ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ኣቢሉ ኣብ ግብሪ ዝውዕል እዩ።

እዚ ኣብታ ሃገር ሕጊ ኣብ ምትርጓም ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ፈደራላዊ ቤት ፍርዲ፡ ዝኾነ ካብ ኤርትራ ዕቑባ ዝሓትት   ኤርትራዊ  ኣብ ሃገሩ ብላዕለዎት ሰብ መዚ ግፍዒ ከም ዘጋጥሞ ብቑዕ መረጋገጺ እንተዘየቕሪቡ ናይ ስደተኛነት መረጋገጺ ክወሃቦ ኣይክእልን እዩ።

ብቋንቋ ፈረንሳ ዝሕተም ዕለታዊ “ጀነቫ ትሪቡን”  ኣብ ናይ 3 ለካቲት 2017 ሕታሙ ከም ዝጠቐሶ፡ ሰበስልጣን መንግስቲ ስዊዘርላንድ ብዙሓት ኤርትራውያን ናይ ስደተኛታት መሰል ምስ ረኸቡ ቀልጢፎም ናብ ሃገሮም ከም ዝገሹን ሓበሬታ ከም ኣለዎምን እዚ ድማ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም እንተተመልሱ ዘጋጥሞም ጸገም ከም ዘመልክትን ሓቢሩ።

ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ሓደ ናይታ ሃገር ናይ የማናይ ክንፊ ልኡኽ ናብ ኤርትራ ከም ዝበጽሐን ኣብዚ እዋንዚ “ኤርትራ ናብኣ ንዝምልለሱ ዜጋታታ ሰላም” እያ ዝብል ጸብጻብ ሒዙ ከም ዝተመልሰ ዝዝከር እዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ጥራይ 25 ሺሕ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ናብ ስዊዘርላንድ ኣትዮም እዮም።

Last modified on Saturday, 04 February 2017 19:19